ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ወዲ ዓሊ ሕጃይ
ምውሳን ተሳኢኑ ንጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ
ደቂ ኤረይ ተቐርቂርና እንበር
(ደቂ ኤረይ ተቐርቂርና እንበር)
ብኢሰያስ ዝመራሒኦ ጭፍራ
ገለ ብደም ዝጠልቀዩ ደቀባት ኤትራ
ገለ ዕባይ ኤርትራ ተጋሩ ኣምሐራ
ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣትማህለል
ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣትማህለል
ልምዲ ዶ ኮይኑና ወይስ ኣመል
ደድሕሪ ሰብ ዕልማ ንብል ኮለል‘‘
ወሰን ወሰን ገዲፍና ንሳነ ኣይዕወትን እዩ ዘይወሰነ‘
ወሰን ወሰን ገዲፍና ንሳነ
ኣይዕወትን እዩ ዘይወሰነ‘‘
ዘተ ግሉጽነት ዝጎደሎ
ዘተ ተንኮል ዝዓብለሎ
ንግብሪ ኣልቦ ዶ ዘተ ትብሎ‘‘
ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሐበን
ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሐበን
ንጅግንነትኩም ኣይንርስዖን ኣበደን
ንቃለስ ኣለና ታሪኾም ከይድፈን‘‘
ብቅልጽም ህዝብና‘ህግደፍ ክጓሐፍ
ውዲተኛታት ብእዋኑ ክእለዩ
ህዝብና ጸላእቱ እንተ ዘየለልዩ
ቅሳነትን ራህዋን ኣይክርከብንዩ‘‘
ቅድሚ ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ሰብኣውነት፡-
ሰብ ብምዃና ሓደ ኢና
ኤርትራውያን ብምዃና’ውን ሓደ ኢና
ከም ሰብን ከም ኤርትራውን እንተሓሲብና
ሰብኣውነትን ዜግነትን’ዩ ዝኣስረና።
ግደፉ ደም ኣይትወለፉ እዚኦም ከለዉ ኩርኳሕ ሽግርና ኣበይ ክይፍትሕ ኣይበዝሔን ዶ ምፍርራሕ‘‘
ጀነራል ናይ ዓሻ ጎልጎል
ብዙሕ ሃለውሎው ኣይትበል
ስርሒት ዓዲ ዃላ ሰንበል
ጅግንነት ስርሒት ፈንቅል
Read more: ግደፉ ደም ኣይትወለፉ እዚኦም ከለዉ ኩርኳሕ ሽግርና ኣበይ ክይፍትሕ ኣይበዝሔን ዶ ምፍርራሕ‘‘