ካብ ምንጪታት ቶጎሩባ ተበጊሰ

 ብኡኩይ ንጥፍኣት ዝተደጎለ ሐዊ

ንደቀባት ኣጽኒቱ ንጓኖት መጣዊ

ዳህላክ ኣፍ ኣውጺእኪ እባ ተዛረቢ

ኣብ ዓዲ ኣበይቶ የእዊ ኣሎ ህዝቢ‘‘

ብኣውያት ኣይትግበርን መሰላት

ኣቱም ኤርትራዊያን ደቀባት

የድሊሎ ኣብ ባይታ ምምካት‘‘

ንሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ወዲኒ

ንጭፍራ ህግደፍ ስኒ ብስኒ

ብግብሪ እንበር ዓይኒ ብዓይኒ‘‘

ዓለም ኣይትሰምዓናን እያ

ውድባት ባይታ ወሪደን ክዓያ

ጉኒ ንኹነን ንህዝቢ ክኾና ኣያ‘‘

ንኤርትራ በሪሶም ድዮም ኣያታታ

እንታይ ንጸበ ክሳብ ዝበርሱ ደቀባታ

ኣብ ዳህላኽ እንዳ ተሳቐዩ ህዝቢታታ

ኣብ ጎዳጉዱ ከእውዩ ከእውያ ሃየንታ‘‘

ከይማሃሩ ብበትሪ ሃሪሙ ዘደንቆረ

ንሳዋ ኣውሪዱ ብዘይ ሕጊ ዝኸተረ

ኣርዮስ ንሃገሮም ክጸልኡ ዝገበረ

ንመንእሰያት ኣህሰሱ ህድማ ዝመሃረ‘‘

ኣርዮስ ውዲታት እንዳ ኣለመ

ጉሒላ ብደውና ሃገር ዘባደመ

ክንደይ ቆሉዑ ዘየዘኽተመ‘‘

ካብ 66 ክሳብ ሎሚ

ንጀጋኑ ብሐሶት ጦቛሚ

ምስ ጉጅለ ህግደፍ ጠላሚ

ግብሪ እዩ ዝኸውን መዛዛሚ‘‘

ኣርዮስ ሰለይቲ መስሪቱ

ቀሺ ሽጉጡ ምስ ዳዊቱ

ንኤርትራዊያን ኣጽኒቱ‘‘

ዘረባ ኮና ደለይቲ ፍትሒ

ካብ 66 ኣትሒዙ መራሒ

ኣታ ተዋሒጥና ዶ ብፍርሒ

ቱታ ዝብል ተሳኢኑ ንፍትሒ‘‘

ብዘይ ሐይሊ ኩሉ ብላሽ

ያኣክል ንብስኻ ምቕሻሽ

የድሊሎ ብሐይሊ ምምላሽ

ኣብራኽ ጭፍራ ምሕምሻሽ‘‘

ኤርትራ ዓዲ መዓር ጸባ

ዓዲ ጎጎ ሃንዛን ተዛረቢ

ንክልተ ጎራሐት ጸረ ህዝቢ

እቶም ዘይኮና ድፉናት ልቢ

ንውዲተኛታት ንብል እንቢ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።