democrasia.org

  • ደሞክራሲያ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚ
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽቲ
  • መግለጽታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበብ Web links
    • ራድዮታት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ

ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ፡ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ

Details
Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን
Published: 26 May 2024
Hits: 280

ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ

ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ,,

ወየ ወየ ወየ ወደባይ ክብርኣብ ዓሪፍካ ዶ

ንፍትሒ እንዳ ተቃለስካ ኣምላኽ ካብ ፈቀዶ

ከም ብጾትካ ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙኳ ጋዶ,,

Read more: ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ፡ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ

ቃል ሓዘን

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 30 January 2024
Hits: 302

ዕረፍቲ ፍቱውን ክቡርን ሓውናን ኣያናን ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ካብ ጊዜ ኣፍልጦና ማለት ካብ 2009 ጀሚሩ ብዓቕሙ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዳ ተቓለሰ እንከሎ፡ ካብታ ዝፈለጥናሉ እዋን ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመርኮሰ ምኽሪታቱን ሓገዛቱን ዘበርከተልና ምቕሉል ኤርትራዊ ሓውና ኢዩ።

Read more: ቃል ሓዘን

እዮብ ወደባት ካብ ኣውራጃ ሰራየ፡ እዮብ ወደቦይ ሃይለ ዓሪፉ ወየ ወየ።

Details
Written by: ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ኡሉም ጀርመን
Published: 12 December 2023
Hits: 309

እዮብ ወደባት ካብ ኣውራጃ ሰራየ

እዮብ ወደቦይ ሃይለ ዓሪፉ ወየ ወየ

የኣፋንዉኒ ኢልካ ዶ እዮብ ብጻየ

ሐርበኛ ተዓንቂፉ ሐርነት ከይረኣየ’’

Read more: እዮብ ወደባት ካብ ኣውራጃ ሰራየ፡ እዮብ ወደቦይ ሃይለ ዓሪፉ ወየ ወየ።

መርድእ

Details
Written by: ውለሽ ኣረጋይ፣ ጠዓመ በየነ
Published: 07 March 2021
Hits: 1183

 Bildschirmfoto_2021-03-07_um_18.20.47.png

ጓልና ሰናይት ጠዓመ በየነ፣ ኣብ ሰዊት ዕድመኣ ብሓደጋ ብዕለት 27.02.2021 ኣብ ካርልስሩሀ ሃገር ጀርመን ዓሪፋ። ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ንዕለት 11.03.2021 ሓሙስ መዓልቲ ካብ ሰዓት 10፡15 ጀሚሩ ክሳዕ 11፡00 ኣብ Große Kappelle Hauptfriedhof Karlsruhe Haid-und-Neu-Straße 39፡ ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ እዩ። ስዒቡ ሰዓት 11፡15 ሓመድ ኣዳም ትለብሰሉ ኣብ መቓብር ካርልስሩሀ Hauptfriedhof Karlsruhe እዩ።

ሓብሬታ፡

ካብ ባንሆፍ (Hauptbahnhof) ንቫልድሽታት (Waldstadt) ገጻ እትጓዓዝ ትራም ቊ. 4 ወሲድኩም/ክን ኣብ መዓርፎ-ትራም Hauptfriedhof ትወርዱ/ዳ። እቲ መቓብር ካብኡ 70 ሜተር ንጸጋም እዩ።

መተሓሳሰቢ

ብምኽንያት ኮቪድ 19 (ኮሮና) ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ ኣብ ግዜ ፍትሓት ክሳተፉ/ፋ ዝፍቀድ ብቁጽሪ ዝተወስነ ጥራሕ ስለ ዝዀነን ምምዝጋብ ስለ ዝግባእን፡ እቲ ምዝገባ’ውን ስለ ዝዓጸና፣ ኹልኻትኩም ቀበርትና ካብ ሰዓት 11፡15 ኣብ ሓመድ ድበ ንኽትሳተፉ ንላቦ። ሓደራ መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫን ኣይትረስዑ።

ውለሽ ኣረጋይ

ጠዓመ በየነ

ምስ ምሉኣት ስድራ ቤት

“ናይ ሓዘን መግለጺ“

Details
Written by: ደግሓኤ
Published: 07 March 2021
Hits: 1203

“ናይ ሓዘን መግለጺ“

ዜና Bildschirmfoto_2021-03-07_um_17.50.59.pngዕረፍቲ ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና፣ ኣብዚ እዋን እዚ መስዋእቲ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ዓቢ ክሳራ ንደንበ ፍትሒ ኤርትራ ብዓቢኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

በዚ ናይ መሪር ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ብስም መላእ ኣባላት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ሓዘና እንዳገለጽና ንመላእ ስድራ - ቤቱን፣ ቤተ-ሰቡን፣ ኣዕርኹቱን መቓለስቲ ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል፣ ንሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከኣ ልኡል ኣምላክ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፡ መንግስተ-ሰማየት የዋርሶ።

 

ናይ መሪር ሓዘንኩም ተኻፈልቲ፡

 

ደግሓኤ፡

የካቲት 20/2021።

ቃል ሓዘን

Details
Written by: ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Published: 07 March 2021
Hits: 1181

ቃል ሓዘን

 

ብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ።

Bildschirmfoto_2021-03-07_um_17.36.59.png

ውፉይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ምስ ብጾቱ ዓበይቲ ሰውራዊ ቅያታት ዝሰርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ግዳይ ግፍዓዊ ተግባራቱ ኣብ ዝገበሮ ከኣ፡ ኣንጻር ምልኪ ወጊኑ፡ ንፍትሕን ንሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ እዩ።

ክቡር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናነበረ እንከሎ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ እዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ምዕራፉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝተሰምዖም ከቢድ ክሳራ እንዳገለጹ፡ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ። ንስዉእ ኣምባሳደር መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንመላእ ደምበ ተቓውሞን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

إرتريا تودع المناضل والنقابي الكبير آدم إدريس هاسري

Details
Written by: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
Published: 09 January 2021
Hits: 1195

 

بقلوب مؤمنة بقضاء الله وقدره، يحتسب المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي عند الله المناضل والنقابي الكبير / آدم إدريس هاسري الذي لبى نداء ربه يوم الأربعاء الموافق 6 يناير 2021 ف

Bildschirmfoto_2021-01-09_um_12.02.03.png

ي مدينة القاهرة بجمهورية مصر العربية.الفقيد من قدامى مناضلي الثورة الإرترية ونقابيا بارزًا في صفوف الاتحاد العام لعمال إرتريا، وأفنى عمره كله في خدمة الشعب الإرتري وقضاياه العادلة. كان الفقيد الكبير عضوًا في الأمانة العامة بجبهة الثوابت الوطنية الإرترية، والذي مثل تنظيمه في تأ

سيس المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي في نوفمبر 2011، وأصبح عضوًا في الجهاز التشريعي للمجلس الوطني.

Read more: إرتريا تودع المناضل والنقابي الكبير آدم إدريس هاسري

ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)

Details
Written by: ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Published: 06 November 2020
Hits: 1239

Bildschirmfoto_2020-11-06_um_10.18.09.png
ዓቢ ኤርትራዊ ጋዘጠኛን ሓርበኛ ተቓላስን ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብዝሓደሮ ከቢድ ሕማም ብሰኑይ ዕለት 26/10/2020 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና።

Read more: ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)

  1. ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ንስኺ ውን ኣፋንዉኒ ኢልኪ ዶ።
  2. ናይ ሓዘን መግለጺ
  3. ናይ ሓዘን መግለጺ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ
  4. ዕረፍቲ ዘሪኢሰናይ ተወልደ

Page 1 of 3

  • 1
  • 2
  • 3
Designed by atict.com