democrasia.org

  • ደሞክራሲያ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚ
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽቲ
  • መግለጽታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበብ Web links
    • ራድዮታት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ

ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ንስኺ ውን ኣፋንዉኒ ኢልኪ ዶ።

Details
Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Published: 07 September 2020
Hits: 1283

ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ኣፋንዉኑ ዶ ኾነ ኣብዛ ተካል እዋን‘‘ሰለ ዝጨርሑ ኤርትራ ንኤርትራዊያን‘‘ከም ኩሎም ሐመድ ዓዶም ዝሐረሞም ሃገራዊያን‘‘ሐመድ ድበኺ ኣብ ሃገር ጀርመን‘‘ኣዜብ ኣብ ቁርን ጸሐይን‘‘ምልኪ ይፍረስ ዝጨረሔት‘‘ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዝኾነት ኣብነት‘‘ዓለም ኣርኪባታ ሐርነት ከረኣየት‘‘ነጻነትና ብምልኪ ስለ ዝተተከኤ‘‘ ትም ዘይበለት ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ‘‘ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ኣብ ኩሉ ትረኤ‘‘ኣዜብ ዓቕለኛ‘‘ኢዳ ዘይሃበት ንለኹመኛ‘‘ ልሳን ህዝባ‘‘ኣብ ጊሰን ጀነቫ ዝተራእየት ኣብ ቦሎኛ‘‘

Read more: ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ንስኺ ውን ኣፋንዉኒ ኢልኪ ዶ።

ናይ ሓዘን መግለጺ

Details
Written by: Super User
Published: 01 September 2020
Hits: 1277

ብመስዋእቲ ብጻይና ገዲም ተጋዳላይ ዘርኢሰናይ ተወልደ ቀላቲ ፣ዝተሰምዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ብጻይና ዘርኢሰናይ ምእንቲ ናጻነትን ሓርነትን ሃገሩ ብጅግንነት ዝተቓለሰን፡ ቀጺሉ እውን ደኺመ ከይበለ ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቆራጽነት ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ብጻይ ኢዩ። ብጻይ ዘርኢሰናይ ብጸንዓት ዘተቃለሰሉ ዕላማ ክውን ንምግባር ብምሉእ ሕልናን ጻዕርን ኣብ መዕረፊኡ ንመብጻሕ ቃልሰና ቀጻሊ ኢዩ።

ንብጻይና ዘርኢሰናይ መንግስተ ሰማያት የዋረሶ፣ ንሰድራቤቱን ብጾቱን ጽንዓት ይሃቦም።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ዞባ ካናዳ

ናይ ሓዘን መግለጺ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ።
Published: 31 August 2020
Hits: 1417

 ንናጽነት ኤርትራ እናተቓለሰ ዝዓረፈ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ

2020 08 27 Zresenay Teweldeንህዝቡን ሃገሩን ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ዘገልግለሉ ህሞት፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሓደሮ ከቢድን መሪርን ሕማም፡ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ ብመርድእ ምስ ሰማዕና፣ ከም ኩሎም ስድራ-ቤቱን ምሉኣት ፈተውቱን፣ንሕና ብጾውን ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን ሓዘንንርከብ። ንሕና ብጾቱ ኣባላት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

ብጻይ ዘርእሰናይ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ጸጥታን ተመዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሃገር ስደት ኣውን ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽን ምንጋስ ፍትሕን ካብ ምቅላስ ግዲኡ ዕዙዝ እዩ። ኣብ ስደት ንምስውህሃድ ምሕዝነትን ንምሕያል ባይቶን ኣብምቅላስ ክሳብ ጉባኤ ባይቶ ኣብ ሃዋሳን ተሳቲፉ እዩ።

Read more: ናይ ሓዘን መግለጺ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ

ዕረፍቲ ዘሪኢሰናይ ተወልደ

Details
Written by: Super User
Published: 27 August 2020
Hits: 1267

ዘሪኢሰናይ ተወልደ

1952 – 2020

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ተቓላሳይ

ብዛዕባ ቐብሪ ስነስርዓት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዪ ጠውቑ

 

                                           ልቕሶ   ንተቓላሳይ ዘሪኢሰናይ

ወደቦይ ተወልደ ቐላቲ ሓብኛ                                      

ቖልሕታኡ ግሩም ሸፋሽፍቲ ዓይኑ

     በል ድሓን ኩን መዓብይተይ   

Read more: ዕረፍቲ ዘሪኢሰናይ ተወልደ

ቃል መሪር ሓዘን

Details
Written by: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ኤውሮጳ
Published: 25 June 2020
Hits: 1303

2020 06 16 Ghrmai Semere (Wedi Alawi)ብጻይና ግርማይ ሰመረ (ወዲ ዓላዊ) ብዝወረዶ ሕማም ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዓርቢ ዕለት 5 ሰነ 2020 ካብዛ ዓለምና ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት/ ጀርመን ዓሪፉ፣ ብሰሉስ ዕለት 16/06/2020 ከኣ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

Read more: ቃል መሪር ሓዘን

ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓቢ ተቓላሳይ መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ

Details
Written by: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
Published: 25 June 2020
Hits: 1253

2020 06 21 Musa Araho Gubelaገዲም ተቓላሳይ ኣቦና መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ ብሰንበት ዕለት 21.06.2020፡ ኣብ ከተማ ርያድ - ስዑዲ ዓረብ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።

መምህር ሙሳ ኣራሖ ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን ተቓለስቲ ኤርትራ ከም ዝኾነን፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ብትብዓትን ብጅግንነትን ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ሓርበኛ ኢዩ።

Read more: ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓቢ ተቓላሳይ መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ

መግለጺ ድርብ ሐዘን - ብምኽንያት ዕረፍቲ ብጻይና ዶክተር መሐመድ ኢብራሂም ኣደምን፡ ብዕረፍቲ በዓልቲ ቤቱ ንስዉእ ዓብደላ እድሪስ፡ ወይዘሮ ኣምና እሙ ኢብራሂምን።

Details
Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Published: 25 June 2020
Hits: 1320

ንዋዕሮ ኣምና ሳልሕ እሙ ኢብራሂም‘‘በዓልቲ ቤቱ‘‘ንስዉእ ጅግና ዓብደላ እድሪስ‘‘ንእሙ ኢብራሂም ኣላህ ይርሐምኪ‘‘ ኣብዛ ዓለም ታሪኽ ገዲፍኪ‘‘ካብዛ ዓለም ሐሊፍኪ‘‘ ንስድራቤት ጽንዓት‘‘ንመዋቲት ጀና‘‘እንዳ ተመነና ንፋነወኪ ኣለና።

Read more: መግለጺ ድርብ ሐዘን - ብምኽንያት ዕረፍቲ ብጻይና ዶክተር መሐመድ ኢብራሂም ኣደምን፡ ብዕረፍቲ በዓልቲ ቤቱ ንስዉእ ዓብደላ እድሪስ፡ ወይዘሮ ኣምና እሙ...

ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል

Details
Written by: Super User
Published: 24 May 2020
Hits: 1219

ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዓርቢ ዕለት 15.05.2020 ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጅያ) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።

2020 05 15 Fkremariam Weldemikaelሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብምንባሩ፣ ኣብ መጨረሽታ ናይ 1974 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ካብ’ቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዘበርከቱ ሃገራውያን ነበረ።

Read more: ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል

  1. መግለጺ ሓዘን ፡
  2. መግለጺ ቃል ሐዘን ተጋድሎ ሐርንርት ኤርትራ
  3. ቃል ሐዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ‘‘ ኣደና እክብት ጉብጣን‘‘
  4. ቃል ሓዘን!!

Page 2 of 3

  • 1
  • 2
  • 3
Designed by atict.com