2020 06 16 Ghrmai Semere (Wedi Alawi)ብጻይና ግርማይ ሰመረ (ወዲ ዓላዊ) ብዝወረዶ ሕማም ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዓርቢ ዕለት 5 ሰነ 2020 ካብዛ ዓለምና ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት/ ጀርመን ዓሪፉ፣ ብሰሉስ ዕለት 16/06/2020 ከኣ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ግርማይ ዓላዊ ኣቦ ሓሙሽተ ኢዩ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ዝነብር ኮይኑ፣ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ግን ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ እዮም።

ብጻይ ወዲ ዓላዊ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ሃገራዊ ግቡኡ ፈጸመ። ከም ብዙሓት ተጋደልቲ ተሓኤ ናብ ጀርመን ተሰደደ። ወዲ ዓላዊ ኣብ መትከሉ ጽኑዕን ኣፍቃሪ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፣ ምቕሉልን ተዋዛይን ነበረ።

ብስም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ብሞት ክቡር ብጻይና ዝተሰመዓንና ሓዘን ንገልጽ። ንስደራ ቤቱን፣ ብጾቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ ብምባል ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ኤውሮጳ

20/06/2020