democrasia.org

  • ደሞክራሲያ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚ
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽቲ
  • መግለጽታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበብ Web links
    • ራድዮታት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
  • National  Dialogue for building democracy in Eritrea
  • ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
  • ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
  • መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
  • “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
  • Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
  • Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
  • Democratic Federalism its advantages and disadvantages
  • ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
  • ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
  • ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
  • Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
  • ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
  • State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
  • ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
  • Mass exodus of Tigrayan, Eritrean youth gives rise to entrenched human trafficking network
  • ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  • ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  • ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  • ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡

ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)

Details
Written by: ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
Published: 23 June 2021
Hits: 1019

DFfEUˆዝኽረ ስውኣት

"....ስድራ ስውኣት ጋር (ጋር ነብሲ) ደቆም ክበልዑ ኣይኮኑን ተፈጢሮም...."

"....እዚ ህዝቢ፡ ሰንበት ሰንበት ኣብ ገዝኡ ኬድና በጊዕ ክንሓርደሉ ድዩ ደልዩ?...."

እዘን ክልተ ብሂል ካብተን ገለ "ወርቓዊ ቃላት” ኢሰያስ አፈወርቂ ኣብ ዝተፋላለዩ አጋጣምታት ዝተዛረበን'የን።

ኤርትራዊት ስድራ ቤት ኣሽንኳይዶ ጋር ደቓ ክበልዕሲ፡ መስዋእቶም ዝምለስ እንተ ዝኸውን፡ እታ ዝደኸየት ስድራ’ውን ዝኽፈለት ከፊላ፡ ውላዳ ንምድሓን ከም እትብጆ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ህዝብ

Read more: ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)

ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!

Details
Written by: ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ
Published: 23 June 2021
Hits: 1040

Bilen Eritirea

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና’ና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ።

Read more: ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!

ናይ መጨረስታ መዓርፎ ዒንኪላሎ

Details
Written by: ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
Published: 16 June 2021
Hits: 1026

DFfEUˆ

ተሓዝ ገንዘብ ናይ መድሃኔ አለም ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ሰብ፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምስ ሰረቀ፡ የዕሩኽቱን አዝማዱን ዓገብ: ተግባራትካ ኣይጠዓየን: ገንዘብ መድሃኔ አለም ክትበልዕ ምስ በልዎ፣ ብድፍረት ነውራም ተግባራቱ ከይዓጀቦ፣ "....እንታይ እዩ'ሞዚ ካልኦት እንዶ እነሄዉ ደሙን ስግኡን ይበልዑ ...."ብምባል መለሰ ይብሃል።

Read more: ናይ መጨረስታ መዓርፎ ዒንኪላሎ

ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ፡ ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ሰብ ይቋመሩ

Details
Written by: ጌታቸው በላይ
Published: 07 March 2021
Hits: 1143

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግጭት ዘይፍለዮ ዞባ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ግርጭት ከኣ፡ ሓቚፍዎ ዘሎ ዕቁር ባህሪያዊ ጸጋታት ዘይኮነ፡ ዘለዎ ጂኦግራፊካዊ ዓለማዊ ኣገዳነት ምዃኑ፡ ብዙሓት ምሁራት ብመርተዖ ኣደጊፎም የረድኡ። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝግደሱ ድማ ካብ’ቶም ዋናታት ናይ’ቲ ዞባ ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ወጻኢ፡ ፍልጠት፣ ገንዘብ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ቴክኖሎጂ ሒዞም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ፡ ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ስርዓተ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዙሕ ዝብሉን ዝመጻደቑን ሰብ ፍሉይ ረብሓ’ዮም።

Read more: ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ፡ ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ሰብ ይቋመሩ

ንኢሳያስ ካብ ሰንዓፈ ጅማ ኢትዮጵያ ትቐርብ፡ ካብ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሳሃ ዎ ደስታ ይህቦ፡

Details
Written by: ኣሮን በርሀ
Published: 06 November 2020
Hits: 1292

ኢሳያስ ብሕጋዊ ዓይኒ መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ባህሪኡ’ውን ምስ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቃዶን። ብፖለቲካዊ መዳይ ህዝባዊ ኣረኣእያ የብሉን። ከምኡ ምዃኑ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ምስክር’ዩ። ንስሙ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋደላይ’ዩ። ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋዳላይ ህዝቢ ከኽብር፡ ንስለ ህዝቢ ብዙሕ ውልቃዊ ባህግታቱ ብጸጋ ክኸፍል’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ኢሳያስ ግን፡ ስለ ድሕነት፡ ክብረትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ ኣእምሮ፡ ዝስከፍ ሞራል ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግን ጎሮሮ ፖለቲካ ኤርትራ ዓትዒቱ፡ ምስትንፋስ ህዝቢ ዓጽዩ ዘጨንቕ ዘሎ ንሱ’ዩ። ጎሮሮ ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ዓትዒቱ ብምሓዝ ክሻድን ዕድል ካብ ዝሃቦ ኣጋጣሚ ሓደ ድማ፡ ምስ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕጋዊ ውሕስነት ዘይተገብረሉ ንጹህ ፖለቲካዊ እፎይታ ዝፈጥሮ ምዝንጋዕ’ዩ።

Read more: ንኢሳያስ ካብ ሰንዓፈ ጅማ ኢትዮጵያ ትቐርብ፡ ካብ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሳሃ ዎ ደስታ ይህቦ፡

መልእኽቲ ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡-

Details
Written by: ኣሮን በርሀ
Published: 25 October 2020
Hits: 1221

ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣሰካፊ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ፡ ንለባማትን ሓላፍነታውያንን ኤርትራውያን ብሩህ’ዩ። ንዓኻትኩም ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ግን ገና ኣይተሰቆረኩምን። ከም’ቲ “ብዘመነ ውቤ ዝጸመመ ውቤ ክብል ይነብር” ዝበሃል ምስላ፡

Read more: መልእኽቲ ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡-

ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ዝገፍፍ?

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 25 October 2020
Hits: 1228

ህግደፍ ብንቕሓት፡ ብእምነት፡ ብምርጫ ዜጋታት ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኡ ኣገዲዱ ብግፋ ብራዕዲ ብዝኣከቦ ሓይሊ ሰብ ዝሓበጠ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። እቶም ኣባላተይ ዝብሎም፡ ንሳቶም ድማ ውድብና መንግስትና ዝብልዎ መብዛሕቲኦም ምርጫ ኣልቦ ግዱዳት’ዮም። ንሱ ብሓቂ ኣባላተይ ዘብል፡ ንሳቶም ’ውን ውድብና መንግስትና ዘብል ናይ መትከል ናይ ፖለቲካዊ መስመር ዝምድና የብሎምን። ህግደፍ ብዘለዎ ዓመጻዊ ሓይሊ’ዩ ብመን ሓታቲ ኣለኒ ኣብ ክንዳኦም ዝዛረብ።

Read more: ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ዝገፍፍ?

ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 10 October 2020
Hits: 1251

ፖለቲካ ኤርትራ መበገሲኡን መደምደምታኡን ጠፊኡ ኣሎ። ብካልእ ኣዘራርባ መንገዲ ዓወትን ጥፍኣትን ወይ ህዝባውን ጸረ-ህዝብን ኣረኣእያታት ተደዋዊሱ ብዙሓት ንምፍላዩ ኣብ ዝተጸገምሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ካብ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ፡ ካብ ሚዛናዊ ተረድኦ ዘይብገስ ማለት፡ ንመን ሃሪሙ ንመን ከም ዘድሕን ኣበይ ከ የዕርፍ ዘይፍለጥ፡ ብይበሃል ኣሎ ይኸዱ ኣለው፡ ተለኪሙ ዝስዕብ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ናይ ጣሕመሽመሽ ጉዕዞ’ዩ። ሰብኣውን ፖለቲካውን ሓልፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ፡ ብህንጡይነት ብኣጉል ጃህራ ኣብ ኣፍካ ዝመጽኣልካ ንዝሃረመ ይህረም ከም ዘለዎ ምድርጓሕ። ናይ ውልቀ ሰብ፣ ውድብ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ስም ከየጥፍእ፡ ክብሪ ከይዳፋእ፡ ሕጊ ከይጥሕስ ዝብል ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ብዘይብሉ ንበል ጥራሕ ንኺድ ጥራሕ። እንታይ ትብል ሓሳብ ከይተጸርበ፡ ናበይ ትኸይድ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣንፈተ ፖለቲካ ከይተነጸረ፡ ብሓሳብ ከይተዋሰብካ ብኣካል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምስተኣከብካ ሓደ ኢና። ካብ ኣዳራሽ ምስ ወጻእካ ብምዕቡል ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ምጽልላም ከም ቁም-ነገር ተታሒዙ ይስራሓሉ ኣሎ።

Read more: ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።

  1. ኣብ ምቛም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘይበቕዑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ተጥርኒፎም ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽኡ ምጽባይ ክውንነታዊ ኣይኮነን።
  2. ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።
  3. ትግራይ ኣብነታዊ መሪሕ ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ሕራነን ዓወትን።
  4. ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።

Page 1 of 12

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
Designed by atict.com