ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)

Published: Wednesday, 23 June 2021
Written by ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

DFfEUˆዝኽረ ስውኣት

"....ስድራ ስውኣት ጋር (ጋር ነብሲ) ደቆም ክበልዑ ኣይኮኑን ተፈጢሮም...."

"....እዚ ህዝቢ፡ ሰንበት ሰንበት ኣብ ገዝኡ ኬድና በጊዕ ክንሓርደሉ ድዩ ደልዩ?...."

እዘን ክልተ ብሂል ካብተን ገለ "ወርቓዊ ቃላት” ኢሰያስ አፈወርቂ ኣብ ዝተፋላለዩ አጋጣምታት ዝተዛረበን'የን።

ኤርትራዊት ስድራ ቤት ኣሽንኳይዶ ጋር ደቓ ክበልዕሲ፡ መስዋእቶም ዝምለስ እንተ ዝኸውን፡ እታ ዝደኸየት ስድራ’ውን ዝኽፈለት ከፊላ፡ ውላዳ ንምድሓን ከም እትብጆ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ህዝብ

Read more: ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)

ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!

Published: Wednesday, 23 June 2021
Written by ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ

Bilen Eritirea

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ።

Read more: ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!

ናይ መጨረስታ መዓርፎ ዒንኪላሎ

Published: Wednesday, 16 June 2021
Written by ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

DFfEUˆ

ተሓዝ ገንዘብ ናይ መድሃኔ አለም ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ሰብ፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምስ ሰረቀ፡ የዕሩኽቱን አዝማዱን ዓገብ: ተግባራትካ ኣይጠዓየን: ገንዘብ መድሃኔ አለም ክትበልዕ ምስ በልዎ፣ ብድፍረት ነውራም ተግባራቱ ከይዓጀቦ፣ "....እንታይ እዩ'ሞዚ ካልኦት እንዶ እነሄዉ ደሙን ስግኡን ይበልዑ ...."ብምባል መለሰ ይብሃል።

Read more: ናይ መጨረስታ መዓርፎ ዒንኪላሎ

ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ፡ ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ሰብ ይቋመሩ

Published: Sunday, 07 March 2021
Written by ጌታቸው በላይ

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግጭት ዘይፍለዮ ዞባ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ግርጭት ከኣ፡ ሓቚፍዎ ዘሎ ዕቁር ባህሪያዊ ጸጋታት ዘይኮነ፡ ዘለዎ ጂኦግራፊካዊ ዓለማዊ ኣገዳነት ምዃኑ፡ ብዙሓት ምሁራት ብመርተዖ ኣደጊፎም የረድኡ። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝግደሱ ድማ ካብ’ቶም ዋናታት ናይ’ቲ ዞባ ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ወጻኢ፡ ፍልጠት፣ ገንዘብ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ቴክኖሎጂ ሒዞም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ፡ ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ስርዓተ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዙሕ ዝብሉን ዝመጻደቑን ሰብ ፍሉይ ረብሓ’ዮም።

Read more: ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ፡ ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ሰብ ይቋመሩ

ንኢሳያስ ካብ ሰንዓፈ ጅማ ኢትዮጵያ ትቐርብ፡ ካብ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሳሃ ዎ ደስታ ይህቦ፡

Published: Friday, 06 November 2020
Written by ኣሮን በርሀ

ኢሳያስ ብሕጋዊ ዓይኒ መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ባህሪኡ’ውን ምስ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቃዶን። ብፖለቲካዊ መዳይ ህዝባዊ ኣረኣእያ የብሉን። ከምኡ ምዃኑ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ምስክር’ዩ። ንስሙ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋደላይ’ዩ። ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋዳላይ ህዝቢ ከኽብር፡ ንስለ ህዝቢ ብዙሕ ውልቃዊ ባህግታቱ ብጸጋ ክኸፍል’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ኢሳያስ ግን፡ ስለ ድሕነት፡ ክብረትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ ኣእምሮ፡ ዝስከፍ ሞራል ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግን ጎሮሮ ፖለቲካ ኤርትራ ዓትዒቱ፡ ምስትንፋስ ህዝቢ ዓጽዩ ዘጨንቕ ዘሎ ንሱ’ዩ። ጎሮሮ ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ዓትዒቱ ብምሓዝ ክሻድን ዕድል ካብ ዝሃቦ ኣጋጣሚ ሓደ ድማ፡ ምስ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕጋዊ ውሕስነት ዘይተገብረሉ ንጹህ ፖለቲካዊ እፎይታ ዝፈጥሮ ምዝንጋዕ’ዩ።

Read more: ንኢሳያስ ካብ ሰንዓፈ ጅማ ኢትዮጵያ ትቐርብ፡ ካብ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሳሃ ዎ ደስታ ይህቦ፡

ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ዝገፍፍ?

Published: Sunday, 25 October 2020
Written by ዛራ ማና

ህግደፍ ብንቕሓት፡ ብእምነት፡ ብምርጫ ዜጋታት ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኡ ኣገዲዱ ብግፋ ብራዕዲ ብዝኣከቦ ሓይሊ ሰብ ዝሓበጠ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። እቶም ኣባላተይ ዝብሎም፡ ንሳቶም ድማ ውድብና መንግስትና ዝብልዎ መብዛሕቲኦም ምርጫ ኣልቦ ግዱዳት’ዮም። ንሱ ብሓቂ ኣባላተይ ዘብል፡ ንሳቶም ’ውን ውድብና መንግስትና ዘብል ናይ መትከል ናይ ፖለቲካዊ መስመር ዝምድና የብሎምን። ህግደፍ ብዘለዎ ዓመጻዊ ሓይሊ’ዩ ብመን ሓታቲ ኣለኒ ኣብ ክንዳኦም ዝዛረብ።

Read more: ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ዝገፍፍ?

መልእኽቲ ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡-

Published: Sunday, 25 October 2020
Written by ኣሮን በርሀ

ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣሰካፊ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ፡ ንለባማትን ሓላፍነታውያንን ኤርትራውያን ብሩህ’ዩ። ንዓኻትኩም ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ግን ገና ኣይተሰቆረኩምን። ከም’ቲ “ብዘመነ ውቤ ዝጸመመ ውቤ ክብል ይነብር” ዝበሃል ምስላ፡

Read more: መልእኽቲ ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡-

ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።

Published: Saturday, 10 October 2020
Written by ዛራ ማና

ፖለቲካ ኤርትራ መበገሲኡን መደምደምታኡን ጠፊኡ ኣሎ። ብካልእ ኣዘራርባ መንገዲ ዓወትን ጥፍኣትን ወይ ህዝባውን ጸረ-ህዝብን ኣረኣእያታት ተደዋዊሱ ብዙሓት ንምፍላዩ ኣብ ዝተጸገምሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ካብ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ፡ ካብ ሚዛናዊ ተረድኦ ዘይብገስ ማለት፡ ንመን ሃሪሙ ንመን ከም ዘድሕን ኣበይ ከ የዕርፍ ዘይፍለጥ፡ ብይበሃል ኣሎ ይኸዱ ኣለው፡ ተለኪሙ ዝስዕብ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ናይ ጣሕመሽመሽ ጉዕዞ’ዩ። ሰብኣውን ፖለቲካውን ሓልፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ፡ ብህንጡይነት ብኣጉል ጃህራ ኣብ ኣፍካ ዝመጽኣልካ ንዝሃረመ ይህረም ከም ዘለዎ ምድርጓሕ። ናይ ውልቀ ሰብ፣ ውድብ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ስም ከየጥፍእ፡ ክብሪ ከይዳፋእ፡ ሕጊ ከይጥሕስ ዝብል ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ብዘይብሉ ንበል ጥራሕ ንኺድ ጥራሕ። እንታይ ትብል ሓሳብ ከይተጸርበ፡ ናበይ ትኸይድ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣንፈተ ፖለቲካ ከይተነጸረ፡ ብሓሳብ ከይተዋሰብካ ብኣካል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምስተኣከብካ ሓደ ኢና። ካብ ኣዳራሽ ምስ ወጻእካ ብምዕቡል ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ምጽልላም ከም ቁም-ነገር ተታሒዙ ይስራሓሉ ኣሎ።

Read more: ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።

መድለዪ