ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።

Published: Wednesday, 13 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሰብን መሬትን ብትምህርቲ፣ ምርምር፣ ህርኩትነትን፣ ሓርበኝነት፣ ወዲ-ሰብ ዝተማህዙ ኣይኮኑን። ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣይፈጠረን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። መሬት’ውን ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ያ። መሬት ብዘይ ሰብ ክነብር ዝኽእል ግኡዝ ነገር’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ግን ብዘይ መሬት ክነብር ኣይክእልን።

Read more: ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።

ጋሻይ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ኣይኮነን ይዕዘብ’ውን ‘ዩ።

Published: Wednesday, 13 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሎምን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተሉን ፖለቲከኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ርእሰ ምትእምማን ከም ዝጎድሎም ርዱእ ነገር’ዩ። ውሽጣዊ ሞራል ኮነ ፖለቲካዊ ስንቂ ስለ ዘይብሎም ከኣ ብትሕዝቶ ዘይኮነ ብምስሉነት’ዮም ዝነብሩ። ብውሽጦም ብባዶነት መንፈስ እናተሳቐዩ ግዳማዊ ምስሎም ብሓሶት፡ ጭካኔ፡ ምጉብዕባዕ፡ ከመላኽዑ ይፍትኑ።

Read more: ጋሻይ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ኣይኮነን ይዕዘብ’ውን ‘ዩ።

ዘይምድምማጽ ክፉእ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።

Published: Thursday, 07 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሰብ ኮይንካ ዘረባ ሰብ ክትሰምዕ ፍቐደኛ ዘይምዃን፡ ብኣጉል ትዕቢት ተነፊሕካ፡ ኩሉ ነገር ትፈልጥን ትፈትሕን ብዘምስል ነጻጊ ኣካላዊ ምልክት እናሓበርካ በበይንኻ ጉያ፡ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መንጸብረቕታ ‘ምበር፡ ናይ ጥዑይ ብሱል መንፈስ መግለጺ ኣይኮነን። ሰብ ኮይንካ ኣብ መንጎ ሰባት እናነበርካ፡ ክፍታሕ ዘለዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ድማ እናሃለወ ናይ ካልእ ሓሳብ ክትሰምዕ ፍቃደኛ

Read more: ዘይምድምማጽ ክፉእ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።

ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል

Published: Thursday, 07 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባን ጉልበትን ባርነት ድማ’ዩ ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። መቐጸልታኡን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ!

Read more: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል

ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ካልኣይ ክፋል

Published: Thursday, 07 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ንመዘኻኸሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ስምን ዝናን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ነይርና። ካልእ ክፋሉ እነሆ፡-

እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ህዝዝብን ሃገርን ብሓላፍነት ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ገይሩ’ዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣምንን

Read more: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ካልኣይ ክፋል

መድረኽ ዘይምህሮም ናይ ፖለቲካ በሃማት፡

Published: Sunday, 27 October 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር መንግስቲ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ቀዳማይ፡ ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ራዕድን ስኽፍታን ካብ ናብ ዝንቀሳቐስሉ፣ ሓሳቦም ዝለዋወጥሉ፣ ዘፍርይሉ፡ ናይ ፍርያቶም ወነንትን ተጠቀምትን ዝኾንሉ፣ ብነጻነት ወፊሮም ናብ ቤቶም ብሰላም ዝምለስሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ’ዩ። ካልኣይ፡ ኣብ ሃገራዊ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ይምልከተኒ ይግባኣኒ’ዩ

Read more: መድረኽ ዘይምህሮም ናይ ፖለቲካ በሃማት፡

ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ።

Published: Thursday, 07 November 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

እንሳሳ ከም ህይወት ዘለዎ ፍጡር መጠን፡ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ። ክበልዕ ክሰቲ ድማ፡ ከከም ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ፡ ናብ ሳዕሪ፡ ፍረታትን ስጋን ዝረከበሉ ክኸይድ፡ ኣብ በዓቲ ጉድጓድ ድዩ ጫካ ድማ ክሰፍር ኣለዎ።

Read more: ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ።

ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስ ንምስግጋር፡ ኣካላዊ ዘይኮነ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ይረጋገጽ፡-

Published: Sunday, 27 October 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምልኪ ብመሰረቱ ናይ ፍትሓውያን ምዕቡላት ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። መላኺ ብውልቀ ሰባት ይንጸባረቕ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን መንግስቲ፡ ኣብ ኣካላዊ ግዝፊ ጥራሕ’ዩ ዝተኣማመን። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት፣ ማሕበራዊ ክፍልታት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ዝለዓል መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ናይ ርእይቶን ረብሓን ፍልልያት፡ ብመጠን ኣካላዊ ግዝፉ፣ ብዝሒ ሰራዊቱ፣ ዓይነትን ብዝሕን ዝውንኖ ኣጽዋር ኲናት፣ ዝውንኖ ነገራዊ ሃብቲ …ወዘተ ጥራሕ ዝልክዕ፡

Read more: ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስ ንምስግጋር፡ ኣካላዊ ዘይኮነ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ይረጋገጽ፡-

መድለዪ