- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- Arrangement of transitional government after the removal of dictatorship in Eritrea
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ
- ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- نص كلمة رئيس المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الإرتري في حفل افتتاح المؤتمر السابع لحزب الوطن الديمقراطي الإرتري
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- The difference between federation and confederation
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
- ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
- ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 935
ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ተኸታቲለ ነይረ። ነቲ ብስሉን ዘይብሱልን ሕቶታት፡ እንታይ ማለቱ’ዩ ብዘየብል፡ ብዓቕሊ፡ ብህድኣት፡ ብምጡን ቃላት ብግልጺ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣድኒቐዮ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ኣቀራርባኡ ግን ብሓቂ መሲጡኒ። ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ንጹህ ሕልና ዝመንጨወ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊ ብስለት ዝጎደሎ’ዩ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መን’ዩ? ከመይ’ከ ክፍታሕ ይኽእል? ናብ ዝብል ዘድሃበ ኣይነበረን። ዘቤታዊ ጸገምና ቀጥታ ምስ ውድብ ህወሓት ብምትእስሳር፡ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ምቅላስ ይከኣል’ዶ ኣይከኣልን? ህወሓት (ወያነ) ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ውድባት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ሕጂ’ኸ ከመይ ክእመን ይኽእል? ብመሰረቱ’ኸ ካብ ህወሓት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢና ንጽበ? ....ወዘተ ዝብል ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ርትዓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝጎደሎ ካብ ባሕሪ ጥርጠራ ዝተቐድሐ ሕቶታት’ዩ ነይሩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 935
ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘይስገሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ’ዮም። ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ መጥመሪ ከምዘይብሉ ዕንጸይቲ’ዩ። ከመይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዘይብሉ። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይብሉ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ካበይ ተበጊሱ ናበይን ብኸመይን ከም ዝይኸድ ኣይፈልጥን። መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ መንገዲ ገዲፉ፡ ኣብዘይመሰረታዊ ጉዳይ ሕድሕዱ እናተመናጨተ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረትን ምብትታንን’ዩ ዝወርድ። ስለዚ ህዝቢ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ኣወንታዊ ጎኒ ይሃልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተወዲቑ ኩሉ’ዩ ዝስእን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ምሕደራኡን ንቑሕን ብቑዕን ጎኒ ሃልይዎ፡ ዘተኣሳስሮ መለለዪ ማሕበራዊ ክብርታት ዘይብሉ ድኹም እንተኾይኑ’ውን ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ምውዳቕ ‘ምበር ንቕድሚት ናይ ምስጓም ዕድል የብሉን። ስለዚ ከኣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎም፡ ክልተ ዝመስሉ ግን፡ ሓደ ብዘይትሓደ ናይ ምቕጽል ዕድል ዘይብሎም ተመጋገብቲ መትንታት’ዮም።
Read more: ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።
- Details
- Written by: ኣሮን በርሀ
- Hits: 958
ህርኩት ህዝቢ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ብሰንኪ ብቁዕ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካብ፡ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ቁጠባዊ ምንጪታቱ ተመንዚዑ ብለባሙ ናብ ዓሻ ተቖጺሩ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ገዛእ ርእሱ መሲሉ ዘይኮነ ተመሳሳሉ ክሓድር ተፈሪዱ ጸኒሑ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምቁጽጻር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ዘይኮነ፡ ብትምህርትን ስራሕን ዝምክት ጠንቂ ምዕባሌ ክንሱ፡ ኣብ ትግራይ ግን ፈጺሙ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ዘይብዳህ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ብመርገም ከም ዝመጽአ ክሳብ ዝመስል፡ ህዝቢ ዕድለዩ ኢሉ ክቕበሎን ተሰኪምዎ ክነብር ተፈሪዱ። ኣቦ ድሕረትን ድኽነትን ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይቅዋማዊ ኣድላዊ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 995
ምልክነት (ፋሽሽትነት) ልዕልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሳዕሪሩ፡ ኩለ-መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ዝተጣሕሰላ ሃገር፡ ጸቢብ ግዝያዊ ረብሓ ምድላይ ወይ ናይ ኣገንዝቦ ጸገም እንተዘይሃልዩ ኣብ ኣለሻ ፍትሒ ክእቶ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘይብሉ፡ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ፡ ነገራት ናይ ምግምጋም፡ ምምዝዛን ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ዝተነፍጎ መሰላት ንምርካብ ኣማራጺታት ከናዲ፡ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደሉ ብሓሳብ፡ ብተግባር፡ ብገንዘብ ይኹን ብነዋት ኣብ’ቲ ቃልሲ ናቱ ተሳትፎ ክገብር ውዴታ ዘይኮነ፡ ካብ ጥዑይ ሕልና ዝምንጩ ርእሰ ግዴታ’ዩ።
Read more: ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።
- Details
- Written by: ብርሃነ ሃንጀማ
- Hits: 924
እዛ ዕለት'ዚኣ ክዝክራ እንከሎኹ፡ ብሕልና ናብ'ቶም ክልተ ብሉጻት መራሕትና ዕዝር እብል። ኩሉ'ቲ ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ጅግንነታዊ ዕዮ፡ ብልሒ ኣማራርሓ፡ ኣብነትነት እዝክር። ንቕኑዕ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምስ ወሰኑ፡ ንቕድሚት'ምበር ንድሕሪት ግልጽ-ምልጽ ከይበሉ፡ በጃ ህዝቦም ዝኾኑ መራሕቲ ደምሓኤ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር፣ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ም/ኣቦ-መንበርን ናይ ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ።
Read more: ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 940
ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኮነ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ፍትሓውነት ጸገም የብሉን። መሰልካ ንምኽባር ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ምቅላስ ፍትሓዊ’ዩ። ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ’ውን ከምኡ ቅቡልን ንፍትሓውን’ዩ። ስለዚ ናይ ዝቐደመ ኮነ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሕቶ ፍትሓውነቱ ድንግርግር ዘብል ነገር የለን። እቲ ፍትሓዊ ሕቶ በየናይ ፖለቲካዊ -ስነ-ሓሳብ ክምራሕ ከም ዘለዎ ግን፡ ቅድሚ 1991 ብሩህ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።
Read more: ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።
- Details
- Written by: ኣሮን በሩሀ
- Hits: 912
መሰረት ገድልን ተጋዳላይን ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ። ኣድላይነት ትምህርቲ ድማ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽነትን ምንጋፍ’ዩ። ኣንጻር ወጻዒ ምግዳል ኮነ ምምሃር ከኣ መሰል’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ዘቤታዊ ድዩ ካብ ግዳም ዝመጽአ ብዘይገድስ ነቲ ብፖለቲካ ዝዕፍነካ፡ ብቑጠባ ዝምዝምዘካ፡ ብባህልኻን ቋንቋኻን ከይትጥቀም ዝዕንቅጸካ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ብወግዒ ኣይግዛእን እምቢ ኢልካ እንተዘይተቓሊስካዮ፡ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮነካ ድሕረኻ ዝመጽእ ወለዶ ‘ውን ኣብ ባርነት ክነብር’ዩ።
Read more: ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 939
ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ውልደት ዘመናዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ’ዩ። ናይ ደሞክራሲ ኣብነት ነይሩ። ምዕቡል ነይሩ ኢሎም ኣፎም መሊኦም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።
Read more: ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና፡ ብንጹር ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብቑዘማን ጣሕመሽመሽን ኣይፍወስን።