- ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-
- ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
- ተርእዮ ዘይንቡር ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡
- ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ
- መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን
- ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡
- ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።
- ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- Tel Aviv – Eritrean regime plans a ‘festival’ on Saturday – despite warnings of clashes
- Three key points about the Gabon coup
- Disguised as cultural festivals: Eritrean government spreads war propaganda with Kalashnikovs and calls for genocide
- መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
- ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
- ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
- ደሞራሲያዊ ኣረኣእያ ምዕራባውያን፡ ሎምስ መትሓዚ ዝበሃል’ዃ ተሳኢኑዎ። ኣዝዩ ዘሕጉስ ውጽኢት ወፍሪ ‘መንሰያት ኤርትራውያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን’
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 871
ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ተኸታቲለ ነይረ። ነቲ ብስሉን ዘይብሱልን ሕቶታት፡ እንታይ ማለቱ’ዩ ብዘየብል፡ ብዓቕሊ፡ ብህድኣት፡ ብምጡን ቃላት ብግልጺ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣድኒቐዮ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ኣቀራርባኡ ግን ብሓቂ መሲጡኒ። ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ንጹህ ሕልና ዝመንጨወ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊ ብስለት ዝጎደሎ’ዩ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መን’ዩ? ከመይ’ከ ክፍታሕ ይኽእል? ናብ ዝብል ዘድሃበ ኣይነበረን። ዘቤታዊ ጸገምና ቀጥታ ምስ ውድብ ህወሓት ብምትእስሳር፡ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ምቅላስ ይከኣል’ዶ ኣይከኣልን? ህወሓት (ወያነ) ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ውድባት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ሕጂ’ኸ ከመይ ክእመን ይኽእል? ብመሰረቱ’ኸ ካብ ህወሓት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢና ንጽበ? ....ወዘተ ዝብል ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ርትዓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝጎደሎ ካብ ባሕሪ ጥርጠራ ዝተቐድሐ ሕቶታት’ዩ ነይሩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 872
ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘይስገሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ’ዮም። ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ መጥመሪ ከምዘይብሉ ዕንጸይቲ’ዩ። ከመይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዘይብሉ። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይብሉ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ካበይ ተበጊሱ ናበይን ብኸመይን ከም ዝይኸድ ኣይፈልጥን። መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ መንገዲ ገዲፉ፡ ኣብዘይመሰረታዊ ጉዳይ ሕድሕዱ እናተመናጨተ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረትን ምብትታንን’ዩ ዝወርድ። ስለዚ ህዝቢ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ኣወንታዊ ጎኒ ይሃልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተወዲቑ ኩሉ’ዩ ዝስእን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ምሕደራኡን ንቑሕን ብቑዕን ጎኒ ሃልይዎ፡ ዘተኣሳስሮ መለለዪ ማሕበራዊ ክብርታት ዘይብሉ ድኹም እንተኾይኑ’ውን ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ምውዳቕ ‘ምበር ንቕድሚት ናይ ምስጓም ዕድል የብሉን። ስለዚ ከኣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎም፡ ክልተ ዝመስሉ ግን፡ ሓደ ብዘይትሓደ ናይ ምቕጽል ዕድል ዘይብሎም ተመጋገብቲ መትንታት’ዮም።
Read more: ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።
- Details
- Written by: ኣሮን በርሀ
- Hits: 899
ህርኩት ህዝቢ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ብሰንኪ ብቁዕ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካብ፡ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ቁጠባዊ ምንጪታቱ ተመንዚዑ ብለባሙ ናብ ዓሻ ተቖጺሩ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ገዛእ ርእሱ መሲሉ ዘይኮነ ተመሳሳሉ ክሓድር ተፈሪዱ ጸኒሑ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምቁጽጻር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ዘይኮነ፡ ብትምህርትን ስራሕን ዝምክት ጠንቂ ምዕባሌ ክንሱ፡ ኣብ ትግራይ ግን ፈጺሙ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ዘይብዳህ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ብመርገም ከም ዝመጽአ ክሳብ ዝመስል፡ ህዝቢ ዕድለዩ ኢሉ ክቕበሎን ተሰኪምዎ ክነብር ተፈሪዱ። ኣቦ ድሕረትን ድኽነትን ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይቅዋማዊ ኣድላዊ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 935
ምልክነት (ፋሽሽትነት) ልዕልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሳዕሪሩ፡ ኩለ-መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ዝተጣሕሰላ ሃገር፡ ጸቢብ ግዝያዊ ረብሓ ምድላይ ወይ ናይ ኣገንዝቦ ጸገም እንተዘይሃልዩ ኣብ ኣለሻ ፍትሒ ክእቶ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘይብሉ፡ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ፡ ነገራት ናይ ምግምጋም፡ ምምዝዛን ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ዝተነፍጎ መሰላት ንምርካብ ኣማራጺታት ከናዲ፡ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደሉ ብሓሳብ፡ ብተግባር፡ ብገንዘብ ይኹን ብነዋት ኣብ’ቲ ቃልሲ ናቱ ተሳትፎ ክገብር ውዴታ ዘይኮነ፡ ካብ ጥዑይ ሕልና ዝምንጩ ርእሰ ግዴታ’ዩ።
Read more: ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።
- Details
- Written by: ብርሃነ ሃንጀማ
- Hits: 871
እዛ ዕለት'ዚኣ ክዝክራ እንከሎኹ፡ ብሕልና ናብ'ቶም ክልተ ብሉጻት መራሕትና ዕዝር እብል። ኩሉ'ቲ ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ጅግንነታዊ ዕዮ፡ ብልሒ ኣማራርሓ፡ ኣብነትነት እዝክር። ንቕኑዕ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምስ ወሰኑ፡ ንቕድሚት'ምበር ንድሕሪት ግልጽ-ምልጽ ከይበሉ፡ በጃ ህዝቦም ዝኾኑ መራሕቲ ደምሓኤ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር፣ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ም/ኣቦ-መንበርን ናይ ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ።
Read more: ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 888
ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኮነ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ፍትሓውነት ጸገም የብሉን። መሰልካ ንምኽባር ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ምቅላስ ፍትሓዊ’ዩ። ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ’ውን ከምኡ ቅቡልን ንፍትሓውን’ዩ። ስለዚ ናይ ዝቐደመ ኮነ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሕቶ ፍትሓውነቱ ድንግርግር ዘብል ነገር የለን። እቲ ፍትሓዊ ሕቶ በየናይ ፖለቲካዊ -ስነ-ሓሳብ ክምራሕ ከም ዘለዎ ግን፡ ቅድሚ 1991 ብሩህ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።
Read more: ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።
- Details
- Written by: ኣሮን በሩሀ
- Hits: 863
መሰረት ገድልን ተጋዳላይን ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ። ኣድላይነት ትምህርቲ ድማ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽነትን ምንጋፍ’ዩ። ኣንጻር ወጻዒ ምግዳል ኮነ ምምሃር ከኣ መሰል’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ዘቤታዊ ድዩ ካብ ግዳም ዝመጽአ ብዘይገድስ ነቲ ብፖለቲካ ዝዕፍነካ፡ ብቑጠባ ዝምዝምዘካ፡ ብባህልኻን ቋንቋኻን ከይትጥቀም ዝዕንቅጸካ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ብወግዒ ኣይግዛእን እምቢ ኢልካ እንተዘይተቓሊስካዮ፡ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮነካ ድሕረኻ ዝመጽእ ወለዶ ‘ውን ኣብ ባርነት ክነብር’ዩ።
Read more: ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
- Hits: 883
ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ውልደት ዘመናዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ’ዩ። ናይ ደሞክራሲ ኣብነት ነይሩ። ምዕቡል ነይሩ ኢሎም ኣፎም መሊኦም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።
Read more: ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና፡ ብንጹር ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብቑዘማን ጣሕመሽመሽን ኣይፍወስን።