ኣፍሪቃ ብርግጽ ሓንቲ ካብ’ተን ሸውዓተ ክፍለ ዓለማት ኮይና፡ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬታ ንዓይኒ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብን ከዐንግል ዝኽእልን ገና ዘይተመዝመዘ በብዓይንቱ ጸጋታት ዘለዋ ኣህጉር’ያ። ኣፍሪቃ ብምዕራባውያን  ባርነታዊ ንግዲ ዝተኻየደላ፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ፡ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ከም ስጋ ጉዚ ተመቒሎም ብቐጥታ፡ ብሕሱም ድሕረትን ድኽነትን ዝገዝኣዋ ዝነበሩ ኣህጉር ምዃና ይፍለጥ።

ገለ ሓቦኛታት ኣፍሪቃውያን ድማ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም፡ ጭቡጥ ዓቕሞም፡ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንዲ ዝፍቐደሎም፡ ብሓባርን ብተናጸልን ካብ ኣርዑት ባርነታዊ መግዛእቲ ንምውጻእ፡ ናይ እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ድምጺ ነጻነትን ሓርነትን የቃልሑ ምንባሮም’ውን ታሪኻዊ ሰነዳት የረጋግጹ። ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን (Pan-Africanism)  ኣተሓሳስባ ካብ ዘቃልሑ፡ ትካላዊ መሰረት  ክሕዝ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ካብ ዝገበሩ ንኣብነት፡

ሀ. ብ1897 ናይ ኣፍሪቃ ክርስትያን ሓድነት ዝብል ማሕበር ኣጣይሱ ዝቃለስ ዝነበረ፡ ያኒያስላንድ ናይ ሎሚ ማላዊ ዜጋ ዮሴፍ ቡዝ፣

ለ. ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣተሓባቢሩ ጸረ-ዓሌታውነት ዝኾነ ማሕበርን “ክራይሲስ” ዝተባህለት ጋዜጣን መስሪቱ ዘነቓቐሐ፡ ብ1900 ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ዝብል ናይ መጀመርያ ጉባኤ ብምክያድ ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻ ክወጽኣ፡ ደቂ’ታ ኣህጉር ዝኾኑ ምሁራት ተሳትፎኦም ብተግባር ከረጋግጹ ባይታ ዝፈጠረን ዝጸወዐን ተመራሪ ማሕበራዊ-ናብራ-ዕቤት ዝነበረ ጸሊም ኣመሪካዊ ዱቫ፣

ሐ. ኣብ’ቲ ጉባኤ ልሉይ ተራ ዝተጻወተ ወዲ ትሪንዳድ ጠበቓ ሶልቬስተር ዊልያምስ፣

መ. ብ1920 ባይቶ ጸለምቲ ዝብል ውድብ መስሪቱ ኣብ ትሕቲ “ናብ ኣፍሪቃ ንመለስ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝነጥፍ ዝነበረ ማርክስ ጋርቬይ ዝተባህለ ጀማይካዊ …ወዘተ ገለ ካብ’ቶም ቀዳሞት ተቓስቲ ምንባሮም ምሁራትን ሰነዳት ታሪኽን ይሕብሩ።  

 ሓያላን መንግስታት ውዑል ሰላም ኣብ ዝተፈራረምሉ ወቕቲ ዝተሳለጠ ካልኣይ ጉባኤ ድማ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ናይ ኣፍሪቃውያን መሰል ከኽብሩ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ በብሃገሮም መንግስታዊ ቅርጻ ክዝርግሑ፡ ሃገሮም ባዕሎም ከሓድሩን ጸዊዑ። ብ1921 ኣብ ለንደንን ብራስለስን፣ ብ1923 ኣብ ለንደንን ሊዝበንን፣ ከምኡ’ውን ብ1927 ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤታት፡ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ይንገር።

 ቅድም ክብል ብኤውሮጳ ደረጃ ተመስሪቱ ዝነበረ ማሕበር ተማሃሮ ኣፍሪቃን ፖለቲካዊ ውድባትን ብሓባር ብ1944 ዝፈጠርዎ ፈደረሽን ብ1945 ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ጉባኤ ኣካይዶም። ኣብ’ዚ መትከላት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ጎሊሆ ክወጽእ ገሮም። ድሕሪ’ቲ ናይ እንግሊዝ ጉባኤ መሪሕነት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን (ፓን ኣፍሪቃኒዝም) ኣብ ኢድ ኣፍሪቃውያን ኣትዩ። ኣፍሪቃ ምሉእ ነጻነት ክትጎናጸፍ ኣለዋ ዝብል ምልዕዓል ድማ ወሲኹ። በዚ መስርሕ እዝን ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ብዝተራእየ ፖለቲካዊ ምልውዋጥን ካልእ ጽልዋታትን ድማ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ  ደረጃ ብደረጃ ነጻ ክወጽኣ ጀሚረን።

  ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (Organization of African Unity) ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ (African Union) ውጽኢት ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ እዩ። ው.ሓ.ኣ. ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተመስሪቱ። ኣፍሪቃውያን ከም ወኪል ድሕነቶም ተቐቢሎምዎ። ናይ’ቲ ውድብ መሰረታዊ መትከላት፡

1. ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ቃልስን ሓድነትን ምጥንኻር፣

2. ናይ ነፍስ ወከፍ ሃገር ልኡላውነትን ናይ  ወሰን ሓድነት ክኽበር ምግባር፣

3. ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዘሎ መግዛእታዊ ስርዓት ምድምሳስ፣

4. ኣብ መንጎተን ሃገራት ኣህጉራዊ ምትሕብባር ክሕይል ምግባር፣

5. እዚ ሸቶኡ መታን ክሃርም ናይ ውድብ ኣባል ሃገራት፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡ ኣብ ኢኮኖሚ፡ ኣብ ሳይንስን ተክኖሎጂን፡ ምክልኻል፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ባህሊ ተሓባቢርካ ንምስራሕ …. ወዘተ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ሰነዳት እቲ ውድብ ይሕብር።

 

ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ማዕርነት ምርግጋጽ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው። ፍልልያት ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምፍታሕ። ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምሕያል፡ ኣፍሪቃዊ ልምዓት ባንክ ምምስራት ዝብል ይርከቦ። ናይ’ቲ ውድብ ዝለዓለ ኣካል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ናይ መራሕቲ ኣኼባ’ዩ። ነፍስ ወከፍ ኣባል ሃገር ሓደ ድምጺ ኣለዎ …. ወዘተ ዝብል ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕግታትን ኣድማሳዊ መምርሒ (ቻርተር) ኣለዎ ሕብረት ኣፍሪቃ። ስለዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ብታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ቅርጻኡን መርገጻቱን ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ’ዩ።  55 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኣህጉራዊ ውድብ እዩ።

 እሞ ብተግባር ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ’ዶ የንጸባርቕ ኣሎ? ብሓቂ ንሕጋዊ ትካላዊ ቅርጻኡን መርገጻቱን ተኸቲሉ’ዶ ይኸይድ ኣሎ? ብሓቂ ወኪል ህዝብታት ኣፍሪቃን፡ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዘለዎ ውድብ ድዩ? ንኽብረትን ረብሓን እዛ ኣህጉር ዝሰርሕ ድዩ? ወይስ ካብ ተጽዕኖ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ነጻ ዘይወጽአ ኣብ ዝተጸወዖ ዝኸይድን ዝተባህሎ ዝገብርን ስማዊ ውድብ? እዚ ሕቶ’ዚ ናይ ኩልና ኣፍሪቃውያን ሕቶ ክኸውን ይግባእ።

  ሕብረት ኣፍሪቃ ብተግባር ሕጋዊ ህላወ‘ምበር፡ ምሉእ ውሽጣዊ ምትእምማንን ፖለቲካዊ ነጻነት ዘለዎ ውድብ ኣይኮነን።  ምኽንያቱ ካብ ዘረባን መግለጽን ዝሓልፍ ንዝቖመሉ መትከላት ክከላኸልን ከተግብርን ኣይረአን። ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ህይወት የብሉን። ጭቡጥ ኣተሃላልዋኡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ኣየንጸባርቕን። ንሕጋዊ ትካላዊ ቅርጻኡ ተኸቲሉ ዝኸይድ፡  ወኪል ህዝብታት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዘለዎ ኣህጉራዊ ውድብ’ዩ ክትብሎ የጸግም።  ምኽንያቱ ከም ውድብ ካብ ተጽዕኖ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ነጻ ዝኾነ ነብሰ ምትእምማን የብሉን። ሕብረት ኣፍሪቃ ን55 ሃገራት ዝሓቖፈ ውድብ ክንሱ፡ ብተናጸል ብውልቀ ሃገራት ተዓዲሙ፡ ብተናጸል ኣባል ሃገራት ዝኸይድ፡ ጥሙር ሓባራዊ ርእይቶ ከሕልፍ፡ ከስምዕን ከድምዕን ዘይክእል ብሕጋዊ ቋንቋ ሓደ፡ ብተግባር ኣብ ኣሁጉራዊ መድረኻት 55 ሃገራት ከም ሃገራት በበይኑ ዝወፍር ዘይጥርኑፍ ውድብ’ዩ።

ንኣብነት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ብሓቂ ኣብ መትከላቱ ዝተኣማመን ወኪል ህዝብታት ኣፍሪቃ እንተዝኸውን፡ ስለምንታይ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕንድን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ራሻን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን እንግሊዝን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ብራዚልን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ፈረንሳን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን … ወዘተ ይበሃልን ይካየድን። ስለምንታይ ከም ሕጋዊ ኣህጉራዊ ትካል ብመሪሕነቱ ዘይውከል? ዋዕላ ኣፍሪቃን ቻይናን እናተባህለ፡ ስለምንታይ ዕድመ ብተናጸል? ስለምንታይ ከ ኣብ ዘዝኸድካዮ ንኣፍሪቃውያን ዘዋርድ በበይኑ ተጻራሪ ሓሳብ ምንጽብራቕ?

 ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ዝኾነት ልኡላዊት ሃገር ንመርገጻትን ቻርተርን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይጻረር ብተናጸል ዝምድና ክትገብር መሰላ እዩ። ብኣፍሪቃ ደረጃ ተጸዊዕካ፡ ሓሳብካ ጠርኒፍካ ብመሪሕነት ናይ’ቲ ውድብ ወይ ብወከልቲ ኣብ ክንዲ ምስታፍ፡ ብተናጸል ሃገራት ዘብብ እናበ ምኻድ ግን ኣይቅኑዕን። ቅድሚ ኣኼባ ንራሻ ንቻይና … ወዘተ ክንከይድ ኢና እናበልካ ከም ዜና ዓወት ምውዕዋዕ፡ ድሕሪ ዋዕላ መንግስቲ እከለ ዝተባህለት ሃገር ክንድዚ ሚሊዮን ዶላር ክበክሙ’የ ኢሉና። መንግስቲ እከለ ዝተባህለት ሃገር ድኽነት ኣፍሪቃ ኣብ ምቕናስ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩልና። ስለዚ ዘካየድናዮ ዋዕላ ዕውት ነይሩ እናበልካ ብሕፍረት ዘይኮነ ብሓበን ምግላጽ፡ ኣፍሪቃዊ ክብረት ዘይኮነ ኣፍሪቃዊ ውርደት’ዩ።  ገና ካብ መግዛእቲ ዘይተላቐቐ ተመጽዋቲ ኣፍሪቃዊ ስነ-ኣእምሮ ምህላው ድማ የመልክት። በዚ መንጽር፡ ኣፍሪቃ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?

                                            

                            ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)             

                                           10 መስከረም 2024