ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 13-28 / መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ምስ ካልኦት ውድባዊ ስራሓት ብምዝማድ፡ 8 መዓልታት ዝወሰደ መበል 4 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መሰረት ገይሩ ድማ ተመያይጡን ገምጊሙን።

 

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ መድረኽ መልክዕ ዝሑል ኲናት ዳግም ዝበራበረሉን ጽልዋታቱ ብዓለምን ከባቢታትን ዝራኣየሉን ከቢድ ዓለማዊ ወጥርን ስኽፍታን ይዓቢ ምህላዉ፤ ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ብስም ነጻ ዕዳጋን ካልእ ቴማታትን ንዘይማዕበላ ሃገራት መን በሓተን ዝያዳ ተጠቒመን ዝመበገሲኡ ዝረአ ዘሎ ልዑል ውድድርን ተጽዕኖን ኣብ ልዕሊ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲአንን መጻኢ ናይ ምዕባይ ዕድለንን ከቢድ ተጽዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎ ተመልኪቱ።

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምና ዝራኣዩ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ክንዲ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ክፍትሑ ምጽዓር፡ ብኣንጻሩ ጸጊዕ ናይ ሓደ ሸነኽ ብምዃን ደገፍትኻ ንምጥንኻር ምዕጣቕን ዝተራቐቑ ኣጽዋራት ኲናት ምፍራይን መሸጣን፡ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ውድድርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይቕጽል ብምህላዉ ናብ ዓለም-ለኻዊ ግጭት ከይምዕብል ስኽፍትኡ ገሊጹ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ መንግስቲ ሩስያ፡ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብዝብል ምስምስ፡ ንድሕነት ልኡላውያን ሃገራት ንዝጣበቕ ኣድማሳዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ኣብ ላዕሊ ዩክሬን ንዝፈጸሞን ዝቕጽለሉ ዘሎ ቅሉዕ ወራር ኮኒኑ። ከምኡውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መንጎ እስራኤልን ውድብ ሓማስን ዝተወለዐ ግጭት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡ ኣብ ፍትሓዊ ሕቶ ሃገርነት ህዝቢ ፍልስጤም ዝነበሮ ዘይቕየር መትከላዊ እምነቱ ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ውድብ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ስቪል እስራኤላውያን ዝፈጸሞ ቅትለትን ጭውያን ብምኹናን፡ ከምኡ ካኣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ከም ህዝቢ ንዝፍጽሞ ዘሎ ካብ ሰብኣውነትን ሕጊ ኲናትን ዝረሓቐ ዕለታዊ ጃምላዊ ህልቂትን ብትሪ ኮኒኑ።

 

ዓለማዊ ጽላል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ህዝባዊ ህልቂትን ካልኦት ርኡያት ጸገማትን ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሉን ዝጭበጥ ስጉምቲ ክወስድ ዘይምኽኣሉ ድማ ሕጋውን ሞራላውን ውድቀት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘምልክት ክብል ድማ ነቒፉ።

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስእነት ሰላም ይዓቢ ከም ዘሎ፡ ጠንቂ ናይ ጸገም' ድማ ብቐንዱ ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ካብ ውሽጠን ዝብገስ ፖለቲካዊ ክስተት ኮይኑ፡ ግን ካኣ ግዳማዊ ጽልዋታት ዘይተፈለዮን፡ ከም መንግስቲ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ጸረ ሰላምን ሰላማዊ ዲፖሎማስን ዝኾኑ መንግስታት ብስም ህዝብን ሃገርን ውልቀ ስልጣኖም ንምቕጻል ክብሉ መመሊሱ ክጋደድ ዝገብሩ ግዳማዊ ኣካላት ከም ዘለዉ ተገንዚቡ፡፡

 

ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ናይ ብዙሓት ግዳማውያን ሓይልታት ኢድ ምትእትታውን ዘይተፈለዮ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ..ወዘተ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከም ዝርከብ እዚ ተርእዮ እዚ ካኣ ንሃገርናን ህዝብታትናን ብኣሉታ ዝጸሉ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምዃኑ ገምጊሙ። ካብ ዘለዎ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከይዓርግ ድማ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ መፍትሒ ክረክብ፡ ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ብሓላፍነት ክወፍርሉ ከም ዝግባእ ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ኣብ ከባቢና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ድማ፡ ሰላሙ ብቃልሱ ኣውሒሱ፡ መሰረት ምዕባሌ ኣንጺፉ ንቕድሚት ዝጥምት ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ፡ ንምዕባሌኡ ንድሕሪ ዝመልስ፡ ካብ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት፡ ብልምዓታዊ ገስጋሱ ድቃስ ዝሰኣነ፡ ጸረ ሰላምን ደሞክራስን ሰላማዊ ምሕዝነትን ዝኾነ መንግሰቲ ህግደፍ፡ ወያኔን ኣተሓሳስባኡን ንምጥፋእፖለቲካዊ ሕጽቦ ከነካይድ ኢናኢሉ ሓሲቡ ውጥን ኣውጺኡ፡ ኩሉ ናይ ጥፍኣት መሳርዑ ኣዋዲዱ ንትግራይ ብምውራር፡ ከቢድ ኩለ-መዳዊ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ከም ዝፈጸመ ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ይኣምን፡ ንኣረሜናዊ ተግባሩ ድማ ይኹንን።

 

ውልቀ መላኺ መንግስቲ ህግደፍ ንዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ህልቂት ተሓታቲ ንሱ ጥራሕ ምዃኑ፡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መናብርትን ተመላላእትንምበር ተነሓናሕቲ ከም ዘይኮኑ፡ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብሓላፍነታዊ ልቦና ክግንዘቦ፡ ድሕሪ ኣብራሲ ኲናት፡ ኣብ መራሕቲ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ትጽቢት ዘይተገብረሉ፡ ንለባምን ተቓላሳይን ህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን፡ግዳም ዝወጽአ ፖለቲካዊ ምስሓሓብ፡ ብህዝቦም ዝግደሱ ኩሎም ኣካላት በቲ ዝተለምደ ስልጡን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ናብ ንቡር ክመልስዎ ድማ ተላብዩ።

 

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ዋንነትን ምጥቃም ወደባትን ኣመልኪቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክግለጽ ዝስማዕ ዘሎ ርእይቶ ብዝምልከት፡ማ/መሪሕነት ወደባት ኤርትራ ብታሪኻውን ሕጋውን ምኽንያታት ናይ ህዝብታት ኤርትራ ልዑላዊ ግዝኣትን ዋንነትን ምዃነን ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስም «ብዝሒ ህዝቢ ኣለና ወደባት ናይ ግድን የድልየና እዩ» ወዘተ ብዝብል ዘቀላቕሎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት ቅኑዕ ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከም እምነት ወሲዶም ብሓይሊ ንምርግጋጽ ዝተፈተነ ደማዊ ቃልሲ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወረደ ሰብኣውን ነገራውን ከቢድ ህልቂትን ክሳራን ዝደግስ ተርእዮ ክፈጥር ስለ ዝኽእል፡እንተዘይተመርጸ ይሓይሽ፡ ምኽንያቱ ንክልቲኦም ህዝብታትን ሃገራትን ጠቓሚ ስለ ዘይኮነ፡ ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግቡእ ክርዳእን መንገዲ ሰላማዊ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክኽተልን፡ንናይ ክልቲኦም ህዝብታት ሕውነታውን ዲፕሎማስን ዝምድናታትን ጥቕምታትን ዝረጋገጸሉ ኩነታት ክኽተል ኣተሓሳሲቡ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ወቕቲ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኩነታት ኤርትራ ሃገርና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ መሰረት ገይሩ ተመያይጡ። ከም ህዝቢ ፖለቲካና ተዛቢዑ፡ ብኣድኪኻ ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ቁጠባዊ ንጥፈታት ደስኪሉ፡ሓድነት ህዝብታት ብኣሉታ ኣብ ዝተጸልወሉ፣ ምምሃርን ምስትምሃርን ዳርጋ ናብ ዘይምህላው ዝወረደሉ፣ ስእነት ፍትሕን ኣድልዎን ወገንነትን ዝበረኸሉ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ማይ፡ መብራህቲ፡ መጎዓዝያ መግለጺ ዕለታዊ ስቅያት ህዝቢ ኣብ ዝኾነሉ፣ መሰረት ሃገር ዝኾና ስድራ ቤታትን ዓድታት ገጠርን ብጽምዋ ኣብ ዝተዋሕጣሉ፡መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና ናብ ስደትን ፍልሰትን ብዝለዓለ ኣብ ዝውሕዘሉን፡ ንናይ ስደት ኩሉ መዳያዊ ሓሳረ-መከራ ዝተሳጣሓሉን፡ነዚ ጭካነን ምፍልላይ ህዝብን ክኹነኑ ዝግበኦም፡ ዝተወሰኑ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብራሲ ስርዓት ተገዲዶም ዝድግፉን ዘይድግፉን ብምዃን ኣብ ዝፈላለይሉን ..ወዘተ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣሰካፊ ኩነታት ንርከብ ኣለና ክብል ገምጊሙ።

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ኩነታት ደምበ ተቓውሞና ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝገምገመሉ ድማ፡ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ብዓቐን ይወስኽ ምህላዉ፡ ናይ ምሁራት ተሳትፎ ግን ብዓይነት ኮነ ብዓቐን ድሩት ምዃኑ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ልፍንታዊ ግንባራት ኣድማዕቲ ኮይኖም ከገልግሉ ኣብ ምግባር፡ ተኣማሚንካን ተደጋጊፍካን ናይ ምቅላስ ባህሊ ዘይምጥንኻር፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክረጋገጸሉ ዝኽእል ባይታ ከይፈጠርካ ብስልጣን ምስሕሓብ ...ወዘተ ህልዊ ብምዃኑ ኣብ ምንዋሕ ስልጣን ዘቤታዊ ጸላኢ ናቱ ብጽሒት ዘልዕል ክብል ኣስሚርሉ። ሕጂውን እቲ እንኮ ፍታሕ ብሓባር ከስርሑ ኣብ ዝኽእሉ ዕላማታት ሓቢርካን ተደጋጊፍካን ምቅላስ ዘይስገር ፍቱን መማረጺ ክብል ድማ ገሊጹ።

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ንንጥፈታት መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ንማዕበላዊ ንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ ኣመልኪቱ ካኣ ብፍላይ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡ ብርጌድ ንሓመዱ ብተግባር ብዝንበብ ንጥፈታቱ ንጸላኢ ሕንዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ብምዃን፡ መንደቕ ፍርሕን ስኽፍታን ፈሪሱ፡ መንእሰይ ወለዶ ንመሰሉ ብሕራነ ንለውጢ ክብገስ ዝኸፍሎ ዘሎ ከቢድ ናይ ህይወት ዋጋ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ኣወንታዊ ምዕራፍ ዝሕዝ ክብል ደጊሙ መጒሱ። ብርጌድ ንሓመዱ ከም ውዳበ ናተይ ዝብሎ ዝተቐርጸ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ መሪሕነት፡ ስትራተጂን ስልትን ዝወነነ ተሓታትነት ዘለዎ ጥርኑፍ ሓይሊ ዘይምዃኑ ግን እዚ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጉድለታት ስለ ዝኾነ፡ ቀልጢፉ ከመዓራርን ነብሱ ክውድብን ዝግባእ እዩ ክብል መዚኑን ኣዘኻኺሩን።

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሓልታት ይኹና፡ ስቪክ ማሕበራት፡ምንቅስቓሳት፤ ፎርማት..ወዘተ ኣብታ ከተራኽቦ እትኽእል ነጥቢ ስምምዕ ተመስሪቱ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ መንግስቲ ህግደፍ ክቃለስ ድልዊ ምዃኑ መርገጺ ወድብና ደጊሙ ኣራጋጊጹ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ንፍትሒ ዝቃለሱን ደገፍቲ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ዝኾኑን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝቃለሱን ፍትሒ ንክይሰፍንን ዝቃለሱ ኣካላት ዝካየድ ዘሎ እዩ ክብል ገምጊሙ፡፡ እቶም ፍትሒ ንምርግጋጽ ክብሉ ሂወቶም ዘወፈዩ ተቓለስቲ ዜጋታት ድማ፡ ክም ኣካል ኣምሳል ናይቶም ንሃገራውን ህዝባውን ዕላማ ንምዕዋት ክብሉ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እዮም ክብል ናይ ውድቡ እምነት ኣረጋጊጹ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ንህልዊ ውድባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ድማ፡ ውድብና ዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ብምጭባጥ ጸላእትን ፈተውትን ኣነጺራ ብምቕማጥ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታት ብምልፋን ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንምዕዋት ካብኣ ዝጥለብ ሃገራውን ህዝባውን ግቡኣት እናፈጸመት ዝመጸትን ትቕጽል ዘላን ወድብ እያ፡ ኣብ መስርሕ ዝሓለፈ ቃልሲ ካብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝብገሱ ዝተፈላለዩ ጸገማት እናጋጠሙዋን ናይ ቃልሲ ዋጋ እናኸፈለት ዝመጸት ህዝባዊት ሓርበኛዊት ውድብ እያ ኢሉ ዘለዋ ኣወንታዊ ጎኒ ገምጊሙ፡፡ንዘለዋ ድኽመታት ኣምልኪቱ ድማ፡ ውድብና ንዝጨበጠቶም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት እስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ክህብ ዝኽእል ብቑዕ መሪሕነት ብክንዲ' ዝድለ ክትውንን ዘይከኣለት ብምዃና ዝዓበየ ፖለቲካዊ ድኹም ጎኒ ናይ ውድብና ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ፖለቲካዊ ድኽመት ናይ ውድብና ንመፍዋስ ዘኽእል ዓቕሚ ንምጥራይ ወድብና ጸኒዓ ክትቃለስ ምዃና ድማ ገሊጹ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት፡ ናብ ኣባላት ውድብና ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላት፡ ናይ ህዝቦምን ውድቦምን ቅኑዕ ዕላማ ብንቕሓት ብምጭባጥ፡ንወድቦም ብኩሉ መዳይ እናደገፉ ከርእይዎ ዝጸንሑን ዘርእይዎ ዘለዉን ህዝባዊ ሓርበኝነትን ተወፋይነትን፡ ዕቱብነት ናይ ቃልሶምን ብምንኣድን ምምመጓስን፡ ናህሪ ናይ ተሳትፎኦምን ተወፋይነቶምን ቀጻሊ ክኸውን ኣዘኻኺሩን ኣተባቢዑን፡፡

 

ኣብ መወዳእታ፡ ማእከላይ መሪሕነት፡ 3 ውድባዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜ ወሲኑ፡ጉባኤ እተሰናድእ ሽማግለ መዚዙ፡ ፈጻሚ ኣካል ብምምራጽ ካኣ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

 

ዝኸርን ክብርን ንሰማእታትና!

 

28/09/2024