ናይ ሎሚ መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልስና ሓርበኛዊ ተረኦም እናተጻወቱ ከም ዝመጹ ዘይካሓድ እዩ፡፡ ይኹኑ ዳኣምበር ኣብ ወድብ ህግሓኤ ደሞክራስያዊ ኣፍልጦን መሰላትን ናይ ንጹሃት ተጋደልቲ እናዓፈኑን እናጨፍለቑን፡ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባታት እናኣስፈኑ፡ ናይ ዓፈና ትካላት እናወደቡን ዝመጹ ጸረ ደሞክራስን ፍትሕን መለኽቲ ባእታታት'ውን ነይሮሞም እዮም፡፡
ካብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ጀሚሮም ድማ፡ ንመላእ ህዝብታትናን ሰውረኦምን ብምኽዳዕ፡ ነብሶም ናብ ገዛኢ ጨቋኒ ደርቢ ብምስግጋር፡ ናይ ፖለቲካዊ እምነት፡ ምውዳብን ነጻነትን መሰልን ብምእጋድ፡ ንህዝብታትና /ብሄራትና/ ኣብ ደረጃ ብሄር ከም ዘይበጽሑን ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ኩሉ መዳያዊ መሰል ከም ዘይብሎም፡ ካብ ናይ ህግሓኤ ፖለቲካዊ እምነትን ውዳባን ወጻኢ ክኣምኑ ይኹን ክውደቡ ከም ዘይፍቀድ እንተፈቲኖም ድማ፡ ከም ገበነኛታት ተራእዮም ብከቢድ ዝቕጽዑ ምዃኖም ብምጥንቃቕ፡ ናይ ጭቆናን ዓፈናን ትካላት ብምውዳብ፡ ቅዋም፡ ሕግን ናይ ህዝቢ ቅቡልነትን ዘይብሉ በላዒ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ሃኒጾም፡፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ ንህዝብታትና ኩሉ መዳያዊ ሕሰመ-መከረኦም ክርእዩ እናገበረ ልኡላውነት፡ ኩሉ መዳያዊ ሓርነትን መሰልን ብምእጋድ እናመርሐ ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ጨካን መንግስቲ እዩ፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ምስ ናይ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ስርዓታት ሕሱም ጭቆናን ኣረሜናዊ ኣገዛዝኣ ዝመሳሰልን ልዕሊኡን ናይ ጭቆና ኣርዑት ብምጽዓን፡ ንህዝብታትናን ሃገርናን ናብ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማትን ናይ ውድቀትን ምብትታንን ሓደጋታት ብምስጣሕ ክሕምስን ክርምስን ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ገበነኛ መንግስቲ ምዃኑ ተግባራቱ ዘረጋግጾ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡
ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብን ሃገርን ብዘይ ቅዋምን ሕግን ፖለቲካዊ ቅቡልነት ናይ ህዝብን ብሓይሊ እናመርሐ ካብ ምርማስን ምዕናውን ሓሊፉ፡ ሓያልን ተፈራሕን ናይ ከባቢና ጎብለል ናይ ምዃን ሕልሙ ክውን ንምግባር ክብል፡ ናይ ዝተፈላለዩ ጎረባብትና ሃገራትን ህዝብታትን ልዑላውነት እናደፈረ ኣብ ከካይዶ ዝጸንሐ ወራራት፡ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይቅኑዕን ዘይጠቕሞምን ዕላማ እናተገደዱ ኣብ ውግእ ክሞቱን ክስንክሉን፡ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ሃብቲ ንብላሽ ክባኽንን ክህሞኽን ኮይኑ እዩ፡፡
ይኹን ዳኣምበር ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንስለ ጉጅላዊ ረብሕኡን መቐጸሊ ዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣኑን ክብል ዝተኸስተ ክሳራታት፡ ከም ንምክልኻል ልዑላውነትናን ምውሓስ ነጻነትናን ዝተኸፍለ መስዋእትን ክሳራን ገይሩ ብባጫ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ እቶም ኣብ ዘይቅኑዕ ዕላማ ንከንቱ ዝሞቱ መናእሰያትና ንቡር መርድእን ስርዓተ-ቀብርን ከይተገብረሎም፡ ወለዶምን ቤተ-ሰቦምን ተረዲኦም ከይቀብጹን ብምኽልካል ኣብ ድጉል ሓዘን ኮይኖም ክሳቐዩ እናገበረ ዝመጸን ገና ዝቕጽለሉ ዘሎን ኣረሜናዊ ጨካን ስርዓት እዩ፡፡
ኣፍቃሪ ኲናት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ውሽጣዊ ጸገማትን ግርጭታትን፡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ሽግረን ክጋደድ ናይ ምግባር እኩይ መደባት ብምሓዝ፡ ውድቀት ናይ መንግስታተን ክፍጠርን ብወጽኢቱ ናይዚ ከባቢ ጎብለል ስርዓት ናይ ምዃን ሕልሙ ክውን ንምግባር ይነጥፍ ኣሎ፡፡ ነዚ ሕልሚ'ዚ ንምዕዋት ድማ ምስ ገለ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት መንግስታት ዝምድና ኣብ ምፍጣርን፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ሃገርና ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ይርከብ ኣሎ፡፡ ነዚ እከይ ዕማም እዚ ንምስላጥ ድማ ብስም ምኽባር ልዑላውነት ኣስካሪ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ፖሮፖጋንዳ እናነፍሐ መንእሰያትና ብኣስገዳድ ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ፡፡
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳቱ ዝያዳ ክጥቀመሉ ዝፍትን ዘሎ ነጥቢ ድማ፡ እቲ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ብውዲትን ሸርሕን ዝጥርጠር ምስጡር ስምምዕ፡ እናሓርፈፈ ናብ ዝጭበጥ ምትፍናን ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምጥቃም፡ ናይ ህዝብታትና ንጹህ ሃገራዊ ስምዒት እናመዝመዘ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ከዐውቶ ዝደሊ ፖለቲካዊ ጎብለል ናይ ምዃን ሕልሙ ንምርግጋጽ ክብል እምበር፡ ልኡላውነትና ንምክልኻልን ነጻነትና ንምውሓስን ኣይኮነን፡፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ስምምዕን ዝምድናን፡ ክህቦ ዝጸንሐ ዝተዛበዐ መግለጺታትን፡ ዘርኣዮ ዘርባዕባዓትን ናይ ሃገራዊ ሰራዝነት ኣንፈትን ብጥንቃቐ ምስ ዝግምገሙ እኹላት ምስክር እዮም፡፡
እቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኣብ ባሕርናን ወደባትናን ካኣ ብፍላይ፡ ኣመልኪቱ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታትን ዝንጸባረቕ ዘሎ ባህግታትን ዝምልከት፡ ብህዝብታትና ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ግጉይ ሓሳብን ድሌትን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ህዝብታት ኤርትራ ብመሪር ታሪኻዊ ቃልስን መስዋእትን ብብዙሕ ሓሳረ-መከራን ዘረጋገጹዎ ልኡላውነትን ነጻነትን ኣሕሊፎም ዘይህቡን ንምውሓሱ ዝቃለሱን ምዃኖም ክርሳዕ ኣይግባእን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ሃገራዊ ልኡላውነትናን ነጻነትናን ብህዝብታትና እምበር ብከዳዕን ጽጋዕተኛን ስርዓት ህግደፍ ዝኽበርን ዝወሓስን ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡
ስለዚ ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታትና ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ ምስ ናይ ጎረባብትና ሃገራት፡ መንግስታትን ህዝብታትን ብሓፈሻ ክህልወና ዝግባእ ዝምድናታት፡ ኣብ ምትእምማን፡ ምክብባርን ሓቢርካ ተደጋፍካ ምንባርን ሓቢርካ ምዕባይን ዝተሰረተ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ዝምድና ምዃኑ ብዕምቆት ምግንዛብን ንምርግጋጹ ክቃለሱን ግቡእን ኣገዳስን ምዃኑ፡ ነቲ ኣፍቃሪ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ንስለ ምንዋሕ ዕድመ ጨቋንን ኣብራስን ስልጣኑ ክብል ዘነጣጥፎ ዘሎ ኣስካርን ሸሓጥን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ንምፍሻሉ ዓቲቦም ክቃለሱዎ'ውን እዩ ዝህልዎም፡፡
በቲ ካልእ ገጽ፡ ስርዓት ህገደፍ ነዚ ኣብ ዓለምናን ከባቢናን ዝንጸባረቕ ዘሎ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ምስ ሓደ ሸነኽ /ብሎክ/ ምስላፉ ብምሕባር «ምዕራባውያን ኣብ ልዕሌኹም ውግእ ከፊቶም ኣለዉ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓለም-ለኻዊ ኲናት ክትከፍቱ ኣለኩም፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ጎንኹም ኣሎ» እናበለ ሓደስቲ ዓሰብትን መወልትን ሓይልታት ንምርካብ፡ እስትራተጂካዊ መልክዓ-መሬትና /ባሕርናን ወደባትናን/ ተሰሓሓብቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንወታሃደራውን ካልእን መዓላ ብክራይ ክጥቀሙሉ እናተማሕጸነ ናይ ጽጋዕተኝነቱን ተላኣኣኽነቱን ዓስቢ ንምርካብ ክብል ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምውራድ ክጥቀም ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ ኣሎ፡፡
እዚ ውጥን'ዚ ንስርዓት ህግደፍ ግዝያዊ ረብሓ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ብኣንጻሩ ንህዝብታትናን ሃገርናን ናብ ብቐሊሉ ክወጽዎ ዘይክእሉ ናይ ጽጋዕተኝነት መቑረንቲ /ስዉር መግዛእቲ/ ስለ ዘሳጠሖም፡ ሓፋሽ ህዝብታትናን ተቓለስቲ ሓይልታትናን ሓደግኡ ከይጀመረ ብኣጋ ንምፍሻሉ ብውህደትን ትረትን ክንቃለስ እዩ ዝጥለበና ዘሎ፡፡
ብሓጺር ኣገላልጻ ናይ ስርዓት ህገደፍ ባህሪ፡ዕላማን ተግባራትን ብጥንቃቐ ክምዘን እንከሎ፡ ልክዕ ከምቲ «ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆ ንብላዕ ንብላዕ ጥራሕ እያ ትብል» ዝብሃል ምስላ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ባህርን ዕላማን ድማ፡ ንህዝቢ ዓፊንካ፡ ጨቍንካን፡ ኣድኪኻን ምግዛእ፡ ኩሉ ነገር ገቢትካ ምጥቃም፡ ውግእ ንውሽጥን ንደገን እናወላዕካ ቀጻልነት ስልጣንካ ምውሓስ ..ወዘተ ዝብሉ ዘይልወጡ ሕማቕ ባህርያትን፡ ዕላማን ስለ ዝውንን ዝነኣሰት ኣወንታዊ ጎኒ ዘይብሉ፡ ናይ ተለኻኺምካ ምጥፋእ ዝብል ናይ ክብ ወይ ግብ ብሕታዊ መማረጺ ሜላ ሒዙ ዝምርሽ ዘሎ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቐትን ምብትታንን ንምድሓንን ናይ ውሽጥናን ከባቢናን ሰላም ንምስፋንን ክንበቅዕ ነዚ ዝነደየ ስርዓት ንምውጋድ ንቃለስ፡፡
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
29 ሕዳር 2024