ፖለቲካ ከመይነት ምሕደራን ኣነባብራን ህዝቢ ዝቕልስ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ’ዩ። እዚ ዓውዲ’ዚ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ማእከሉ ብዝገበረ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ሕጋዊ ተሓታትነት፣ ስጡም ውደባን ጽፉፍ ባህሊ ስራሕን እንተተመሪሑ መንገዲ ሰላምን ምዕባሌን ዘምጽእ ፍቱን ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካዊ ምሕደራ እንተተዘሪጉ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ተዛቢዑ ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ብቕዓት ዘለዎም ዜጋታት ዘፍሪ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይህሉን።  ውጽኢታዊ ምርምራዊ መጽናዕትን ምህዞን ንምክያድ ኣይከኣልን። ሓሪስካ ድዩ ነጊድካ ርእስኻ ክኢልካ ናይ ምንባር ትስፉው ራእይ ኣይህሉን። ውሽጣዊ ሓድነቱን ኣወንታዊ ማሕበራዊ ክብርታቱን ዓቂቡ ብምትሕልላይን ምድምማጽን ዝነብር ርጉእ ህዝቢ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ መኣዝን እንተተዘሪጉ፡ ናይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ውድቀት ኣጋጢሙ ኣሎ ማለት’ዩ። ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ከኣ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ የስዕብ። ብተግባር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡  ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝጠንቁ፡ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ ዩ። 

ኣብ ፖለቲካ ንዓወትን ውድቀትን ዝውስን ወጽዓ ምህላውን ዘይምህላውን ተቓውሞ ምህላውን ዘይምህላውን ጥራሕ ኣይኮነን። ዝተዘርገ ፖለቲካ እንተሃልዩ ወጽዓ፡ ወጽዓ እንተሃልዩ ከኣ ዘይሕጉስነትን ድምጺ ተቓውሞን ክህሉ ውሁብ ነገር’ዩ። ኣብ’ዚ ወሳኒ ግደ ዝጻወት ‘ምበኣር፡ ጠንቂ ዘይቅኑዕ ምሕደራን ተቓውሞ ህዝብን እንታይ’ዩ? ደርባዊ ውጽዓ? ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ወይስ ካልእ? ብግቡእ ኣጽኒዑ፡ ብናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን (ስትራተጂን ስልትን) ተንቲኑ፡ ንጹር ናይ ዓወት ኣንፈት ተኸቲሉ፡ ንቃልስን ለውጥን ዝወሰነ ቀላሲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምህላውን ዘይምህላውን ዩ።

ምኽንያቱ ሕቶ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይመለሰ ህዝቢ፡ ክንዲ ዝኾነ ሕራነ፡ ትብዓት ይሃልዎ፡ ጠንቂ ወሪድዎ ዘሎ ሕሱም ምሕደራ መን? መፍትሒኡ ኸ ብኸመይ?  ብግቡእ ክርዳእ ኣይክእልን። ብትምክሕትን ጽበትን እናተራገሐ፡ ብዝመጽአ ማዕበላዊ ፕሮፖጋዳዊ ንፋስ ኣንፈቱ ስሒቱ ከንሳፍፍ ‘ምበር፡ ፈታውን ጸላእን፣ መሰረታውን ዘይመሰረታውን፣ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሸቶታቱ ብንቕሓት ኣነጺሩ፡ ንሓባራዊ ጸገሙ፡ ብሕቡር ቅልጽሙ ንምፍታሕ ኣይቃለስን። ኣድላይነትን ህላወን ሓባራዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ፈሊጡ፡  ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣስፊኑ፡ ናብ ኩለ መዳያዊ ምዕባሌ ዘብጸሖ ኣንፈት ተኸቲሉ ኣይረባረብን፡፡ ብኣንጻሩ ከም’ቲ “ምብላዕ ንምብላዑስ ዝብኢ ዓድና ይብለዓዮ” ዝተባህለ ናይ ግዳም ጸላእቲ ከይሕጎሱ  ንዘቤታዊ መግዛእቲ ንጻወር ንጸምም ዝብል ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩ’ዩ ኣብ ዕንክሊል ዝነብር። ካብ ዘቤታዊ ጸላእን ቀታልን ናይ መሰል ትኳቦ ክወሃቦ ዝጽበ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ’ዩ ዘማዕብል። ስለዚ ኣብ ሓደ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣድላይነት ብቑዕ ቀላሲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ወሳኒ ዝኸውን ካብዝን ወዲ ከምዝን ዝበለ ድንግርግር ናይ ምውጻእ ተኽእሎን ሓላፍነትን ስለ ዘለዎ ዩ።

ብርግጽ ፖለቲካ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ ርእይቶ ብዙሓትን ውጹዓትን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዘተኣማምን ሓባራዊ ተረድኦ ከተምጸኦ ቀሊል’ዩ ማለት ኣይኮነን። ሰባት ነቲ ዘሎ ጸገም ከመይ ይመዝንዎ? ብከመይ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም’ከ ይሪኡ ነናቶም ሓሳባት ስለ ዘለዎም፡ ንምቅርራቡ፡ ናብ ሓባራዊ ዓወት ኣብ ዘብጽሕ ንጹር ኣንፈት ኣብ ምትሓዙ ግዜ ይወስድ’ዩ።  እቲ ግዜ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከይምጠጥ ክሓጽር፡ እቲ ኣወንታዊ ባህግታት ክናበብ፡ ትዕግስቲ ናብ ተስፋ ምቑራጽን ቁዘማን ከይቕየር፡ ብንቕሓት ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክረግጽ ‘ምበኣር፡ ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝሰርሕን ዘስርሕን ግደ ቀላሲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣድላዪ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ወሳኒ ውን እዩ። ምኽንያቱ’ሲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘጋጥም ውድቀት ፖለቲካዊ ምሕደራ ብብቑዓት መራሕቲ’ዩ መፍትሒ ዝረክብ። ካብ ዘይንቡር ናብ ንቡር ዝምለስ።

ሎሚ ፖለቲካዊ ምሕደራ ኤርትራ መኸወሊ ብዘይብሉ ተዘሪጉ ይርከብ። ዝተዘርገሉ ግዜ ከኣ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ነዊሕ’ዩ።  ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ቅኑዕ ኣንፈት ዝሓዘ ኣይነበረን። ድሕሪ 1991 ድማ ብከቢድ ሓሚሙ ኣሎ። ነዚ ብዙሕ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዘይሓትት ብኣጉል ትምክሕታዊ ኣረኣእያን ጽበትን እናተራገሐ መመሊሱ ዝቖስል ፖለቲካዊ ሕማም፡ ብሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ዝፍውስ፡  ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብን መሪሕነትን ዛጊት ኣይረኸበን።  ፖለቲካና ስለ ዝሓመመ ቁጠባዊ ገስጋስና ለሚሱ ብድኽነት ንሳቐ ኣለና።  ስሩት ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ ክብርታትና ቀስ ብቀስ ካብ ኢድና ይወጽእ ናብ ነበረ ዛንታ ይቕየር ኣሎ። ኣብ ክንዲ ከም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ተናቢብናን ተኸባቢርናን ንኸይድ፡  ተበታቲና ርሑቕ ተሰዲድና ብዝረኸብናዮ ተነጻጻሪ መባእታዊ ናይ ወረቐት ዜግነት ንዓግብ ህዝቢ ኮይና ኣለና።

ካብ’ዚ ክንወጽእ ዝተዘርገ ኣተሓሳስባና ናብ ንቡር ዝመልስ፡ ከም ህዝቢ ቀጻልነትና ዘውሕስ ናይ ባህሪ ለውጢ ከነምጽእ ይግባእ። ናይ ባህሪ ለውጢ ከነ ምጽእ ከኣ፡ ዘንቅሕ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣንፈት ዘትሕዝ፡ ዝውድብ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክንረክብ ኣለና። ምንጪ ናይ ኩሉ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምታት ህዝቢ ዩ። ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከኣ ካብ ህዝቢ’ዩ ዝውለድ። ሓደ ግዙእ ህዝቢ መሪሕነት ክፈጥር ኣለዎ ማለት ከኣ፡ ካብ ኩሉ ናይ ድሕረት ስምዒታት ርሒቑ ብኣረኣእያ መን ደሞክራስያዊ፡ መን ወገን ህዝቢ፡ መን ፍትሓዊ ሚዛናዊ፡ መን ጽኑዕ ኣብ መትከሉ፡ ምልላይን ምትብባዕን የድሊ።

ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ማለት ብኣካዳሚ ዶ/ር፡ ፕሮፌሶር ዘበለ  ማለት ኣይኮነን። ልዕሊ 50-60 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ክዋሳእ ዝጸንሐ ገዲም ተጋዳላይ  ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳት ኣብ ቦታ ሓላፍነት ምህላው ማለት’ውን ኣይኮነን። እዚኦም ኣብ’ቲ ሕብረተሰ-ሰብ ነናቶም ኣወንታዊ ብልጫታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ። ከም ሰባትን ብመንጽር ዘለዎም  ኣበርክቶን ድማ ክብሪ ክወሃቦም ይግባእ። መን’ዩ ብቑዕ ፖለቲካዊ  ባእታ  ቅኑዕ   ሚዛን ንምሓዝ ግን፡ ዝምራሓሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ናብ ህዝቢ ዘለዎ ውግንና፡  ግልጽነት፡ ተሓታትነት፡ ባህሊ ስራሕ፡ ተወፋይነት ቅድሚት ክስራዕ ኣለዎ።  ምኽንያቱ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያ ዝተሰከሙ፡ ናብ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝቐርቡ፡ ዶ/ር፡ ፕሮፌሶር፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት ብተግባር ንርእን ንዕዘብን ስለ ዘለና።

ስለዚ ከኣ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምልላይን ምፍጣርን ማለት ንሎሚን ጽባሕን ዘገልግል መፍትሒ ሓሳብ ዘመንጩ፡ ንሎሚን ጽባሕን ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ዝፈጥር መሪሕነት ምርካብ ማለት ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ዝነቕሐ፡ ዝተወደበ፡ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት እንተዘይሃልዩ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡ ዝፈልጥ ዝነቕሐ ዝተወደበ ተቓላሳይ ህዝቢ ክፍጠር ኣይከኣልን። ሓባራዊ ጸገምና  ኣብ ሓጺር ግዜ ዓይነታዊ ለውጢ ከምጽእ ከቶ ኣይከኣልን። ግን ከኣ  ዘቤታዊ ጸላኢ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላዊ መሓውሩ ተወጊዱ ህዝባዊ ልኡላውነትን ህዝባዊ ቅዋምን ቦትኡ ክሕዝ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም፡ ብተግባር ንቃልስን መስዋእትን  ድልዋት ዝኾኑ፡  ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ቅድሚት ንምምጻእ ባይታ ዘይረኸቡ ብቕዓት ዘለዎም ደቂ-ህዝቢ ምህላዎም ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝበሃል፡ ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ዘፍሪ ምዃኑ ተገንዚብና ንህልዋት መራሕትና ንገምግም፡ ብቑዓት መሪሕነት ንምፍጣር ከኣ ንረባረብ።

 

                                                                  

                                            ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                                   26 ሕዳር 2024