እዚ ኣርእስትን ጽሑፍን ተጋ/ስብሓት ነጋ (ኣቦይ ስብሓት) ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ትኽተሎ ፖሊሲ ብዝምልከት ኣብ 2017 ብጋዜጣዊ ወይን ንዝቐረበሎም ሕቶ ካብ ዝሃብዎ መልሲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር።
ወይን፡- ከም ሃገር ኣብ መንግስቲ ሻዕብያ ክንክተሎ ዝጸናሕና ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጸአን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስ’ቲ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገብሮ ኣሎ ዝበሃል ምትእስሳር ቀጻሊ ዕዳ ህዝቢ ትግራዩ ይበሃል፡ ኣብ’ዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?
ተጋ/ስብሓት፡- ኣነ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረ ፖሊሲ ጉድለት ነይርዎ ዝብል እምነት የብለይን። ምናልባት ሕጂ ክስተኻኸል ኣለዎ ዝብል እንተሃልዩ ከኣ፡ እቲ ውሳኔ ናይ ዝለዓለ ኣካል’ዩ ዝኸውን። ኣብ’ቲ ክንክተሎ ዝጸናሕና ፖሊሲ ኣብ ኣፈጻጽማኡ ጉድለት ነይሩ’ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣለኒ። ማለት ፈተውቲ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ምልዕዓል፡ ኣብ ምስላፍ ውሱን ጉድለታት ይህሉ’ዶ ይኸውን እብል። በቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ክልቲኡ ህዝቢ’ዩ ተጎዲኡ ወይ ተጠቒዑ። ቀንዲ ጉድኣት ግን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዘሎ። ሓቂ’ዩ ምስ ኤርትራ ሰላም እንተንኸውን ንሕና’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ንረኽቦ ጠቕሚ ኣሎ። ሰላም ዘይምህላው ዝጉድለና ነገር ከም ዘሎ ፍሉጥ’ዩ። ግን ምስ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እንተነጻጺርናዮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምብዛ ዝገደደ’ዩ።
ብዓይኒና ንሪኦ ዘለና ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ’ውን ብትንትን ዝበለ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ምውዳቕ ሓደጋ’ዩ ዘንጸላሉ ዘሎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ነዚ’ዩ ዘመልክት። ኣብ ኤርትራ ዘለው ኩናማ፣ ዓፋር፣ ሳሆ፣ ትግረ ዋላ’ውን እቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ተበታቲኖም’ዮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ዝርዳእ መንግስቲ ድማ የለን ኣብ ኤርትራ።
ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኹም ስርዓትን ዝፈልሕ ዘሎ ስምዒታት ህዝብን እንተተዓዚብናዮ፡ ኣብ ኤርትራ ውድቀት መንግስቲ ኣየጋጥምን ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣባና ክበጽሕ ዝኽእል ሓደጋ ንቕድሚት’ዩ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ይብተን ኣሎ። ከምኡ ከይኸውን ኣብ ክሊ’ቲ ፖሊሲ ኮይና ነቲ ህዝቢ ምልዕዓል፡ ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም እናተረዳዳእና እናገበርናዮ ካብ ዝመጻእና ተጽዕኖ ንላዕሊ ክንከይድ ነይሩና እብል።
ብዝኾነ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ካብ ዕግርግር ወጻኢ ክነብር ኣይኽእልን። ሓደ እዋን ናይ ጅቡቲ ፕረዚደንት ሓሰን ጉሌድ ኢሳያስ ብመሰረቱ ካብ ዕግርግር ወጻኢ ክነብር ኣይኽእልን፡ ህይወቱ’ውን ዕግርግር’ዩ ኢልዎ ነይሩ። ትኽክል’ዩ እቲ መንግስቲ ህውከት ክሃድን’ዩ ዝመስዮ። ናብ ዕግርግር ይኣቱ’ሞ በዝን በትን ኣተዓረቕቲ ይመጽእሉ። ስለዚ እቲ መንግስቲ ብተፈጥሮኡ ብዘይ ህውከት ክነብር ኣይኽእልን። ኣብ ቀረባና ዘለው ከም ደቡብ ሱዳን፣ ኣልሸባብ ከይተሓጽረ ህውከት ክደሊ ናብ ሲሪላንካ’ኮ ከይዱ ነይሩ’ዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ምስ ኢራን (ሑቲ) ዓሪኹ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ። ሕጂ ድማ ንኢራን ገዲፉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ ኣሎ። እዚ ዘርእየና ነገር እንተሃለወ መንግስቲ ኤርትራ ክትግምቶ ዘይትኽእል ፖለቲካዊ ሕማም ዝሓመመ ጉጅለ ምዃኑ’ዩ። ሎሚ ምስ ስዑዲ ኣሎ ጽባሕ ዝበርተዐ ዕግርግር ናብ ዝተፈጥረሉ ክኸይድ ዝእግሞ ነገር የለን። ብከምዚ ገንዘብ ከም ዝረክብ ይፍለጥ። ገንዘብ ግን ሃገር ኣይሰርሕን። ሰላም’ውን ኣየምጽእን።
መንግስቲ ሻዕብያ ገንዘብ ዝረኽበሉ፡ ስሙ ዝጽወዓሉ ኣጋጣሚ እንተረኺቡ ንህዝብን ሃገርን እንታይ ጠቕምን ጉድኣትን ኣለዎ ከየገደሶ ሃሊሉ’ዩ ዝኣትዎ። ብዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ ገዛ ዘይብሉ መንግስቲ’ዩ። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ኣይኮነን። ስሙ ጥራሕ ይጸዋዕ። ዝና ይርከብ ካልእ ኣየገድሶን። ሕጂ ምስ’ቶም ንዓና ዝጸልኡ ጥልዕ ጉምብሕ ምባሉ ኣየገርምን። ቅድም’ውን ዝነበረ’ዩ። ኣብ’ታ ሃገር እንተርኢና ንሱ ዝበላ ዝሰምዕን ዝትግብርን ህዝብን መሪሕነትን’ዩ ፈጢሩ ዘሎ። “ እንተ ንሕና ካብ ከም’ዚ ይምሓረና ኢና ንብል። ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን። ንሕና ህዝቢ ሕማቕ ስለዘይደሊ ዝበለና ክንሰምዕ፡ ዝበለና ክንገብር ኣለና።” ሻዕብያ ግን እዚ ዝገብሮ ዘሎ መታን ክገብር ካብ ፈለማ መን ከማኻ እናበለ’ዩ ኣዕሽይዎ። እዚ ትምክሕታዊ ኣረኣእያ’ዚ ከኣ ዓቢ ሓደጋ’ዩ። ንሕና’ውን ካብ’ዚ ክንመሃር ኣለና።
ብዝኾነ ሕጂ ኩነታት ኤርትራ ቅርጺ ዘለዎ መንግስቲ ናብ ዘይብሉ ብርኪ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዘይኮነ ሓደ ሰብ’ዩ ዘሎ።እቲ ኩነታት ንክልቲኡ ህዝብታት ሓደጋ’ዩ። ስለዚ ሕጂ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እንተሃልዩ መንግስቲ ዝሓስበሉ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል። በቲ በለ በቲ ግን ንኢትዮጵያ ስራሓ ከይትሰርሕ ዝገብር ኣይኮነን። ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ፡ ግን ከኣ ባዕልና እንተዘይሓሚቕና ዕዮ ገዛና ካብ ምስራሕ ዝዓግተና ኣይኮነን። ይቕሬታ ህዝቢ ትግራይ ክቕየም ይኽእል ይኸውን፡ በቲ ዘሎ ኩነታት መሰረታዊ ዝኾነ ጉድኣት በዚሑና’ዩ ኣይብልን። እዚ ምስ በልኩ ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ትምክሕተኛ ዝበሃል፡ ጸቢብ ዝበሃል ህዝቢ የለን ኢሉ ንህዝቢ ዘይቕየም፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ክቕየሞ የብሉን። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ዝምድና ክሕይል ክተርር ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ዘለዎ ፖሊስን ኣተሓሓዛን ዝምስገን’ዩ። እዚ ብሰፊሑ ናብ ህዝቢ ክወርድ ኣለዎ። ቃል ተጋ/ስብሓት ነጋ’ዩ።
ካብ ክብሮም ከሰተ፡ ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
4 ሕዳር 2024