ሎሚ መበል 63 ዓመት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም  ንዝክረሉን ነኽብረሉን ሃገራዊ በዓልና’ዩ። ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኾልፉ ገና ዘይተመለሱ መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ‘ኳ እንተሃለው፡ በቲ ክቡር ባህልና ተገዚኡ እንቋዕ ናብ’ዚ ዕለት ኣብጸሓኩም ይብል። መበል 63 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና  ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ህዝባዊ ሓርነትናን ብቕልጽምና ዝብል ዘይምብርከኽ ግብረ መልሲ ዝተጀመረላ፡ ኣብ ተዘክሮ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ።

 እንተኾነ ግን ባሕቲ መስከረም 1961 ናይ’ቲ ቅድሚኡ ክካየድ ዝጸንሐ 20 ዓመት ዝገበረ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ብመልክዑ ዝተፈልየ ኣገባብ መቐጸልታ ‘ምበር፡ ናይ ነጻነታዊ ቃልስና መፈለምታ ዕለት ከምዘይኮነት ምግንዛብ የድሊ። ስትራተጂካዊ ዕላማታት ኣብ ምንጻር ዝነበሮ ሕጽረታት፡  ዘይጽፉፍ ውደባ፡  ዝገጥሞ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ዕንቅፋት ተደማሚሩ፡ እቲ ሕቶ በቲ ዝጀመሮ ብሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ኣብ ሕጋዊ መደምደምታ ኣይብጻሕ ‘ምበር፡ እቲ ቃልስስ ካብ መጀመርያ 40ታት’ዩ ጀሚሩ። ስለዚ ሓድሽ ወለዶ ነጻናታዊ ሕቶኡ ካበይ ተበጊሱ፡ እንታይ ዋጋ ሓቲቱ፡ መዓስ፡ ብኸመይ ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ትውልዲ ከኣ እቲ ዝነበረን ዝተገብረን ከየዛበዐ ከመሓላልፍ  ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ተረዲኡ ክሰርሕ ይግባእ። 

 ንባሕቲ መስከረም 1961  ከነኽብር እንከለና፡ ታሪኽና ስለ ዝኾነ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ቀዳሞት ወለድና ነዚ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ’ዚ ክብሉ ካብ ዕድመ ንእስነቶም ክሳብ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቶም ብሰናይ ምርጫኦም ዝገበርሉ፡ ረዚን ታሪኻዊ ዛዕባ ምዃኑ ብንቕሓት ክንርዳእ  ኣለና። መሰረታዊ ዕላማ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ብዓቐናዊ ብዝሒ ሰብን ደገፍ ርእሰ ሓያላንን ተመኪሑ፡ ንሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልስና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንውዑል ግዱድ ፈደረሽን’ውን ንዘፍረሰ ህንዱድ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ዝርደኦ ስነ-መጎት ሓይሊ ገጢምካ ከይፈተወ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ምግባር ቀዳማይ ዕማሙ ነይሩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ዓለማዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ ብህዝበ ውሳኔ መዛዘሚ ክረክብ ምግባር ከኣ ካልኣይ ዕማሙ ነይሩ፡፡ ብህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም፡ ህዝባዊ ልኡላውነት ብዘተኣማምን ክረጋገጽ ምግባር ድማ ሳልሳይ ስትራተጂካዊ ተልእኾኡ ገይሩ’ዩ ተበጊሱ።

 ቀዳማይን ካልኣይን ዕማማት ድሕሪ 50 ዓመት ዝወሰደ ዘይርብርብ ሰላማውን ብረታውን ቃልሲ ብ1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ብዓወት ተዛዚሙ። ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝረጋገጽ ልዕሊ 33 ዓመት ገይሩ ኣሎ። እቲ ሳልሳይን መሰረታውን ሕቶ ግን ዛጊት ኣይተመለሰን። ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ዝፍጽሞ ዝነበረ ባርባራዊ ግፍዒ ብዓይነቱን ብመልክዑን ከፊኡ ‘ምበር ኣይተመሓየሸን። ወናኒ ሃገራዊ ልኡላውነት ምዃን ብዘይ ህዝባዊ ልኡላውነት ምሉእ  ነጻነትን ሓርነትን  ከም ዘየጎናጽፍ ድማ ኣተሃላልዋና ጭቡጥ ምስክር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ወናኒ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ብምዃን ምሉእ ሓርነታዊ መሰላት ኣረጋጊጹ ብሰላም ንምንባር ‘ምበር፡ ኣብ  ግዝኣታዊ ልኡላውነት ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ ባርነት ንምንባር ኣይነበረን። ስለዚ ሎሚ እንገብሮ ጽምብል ባሕቲ መስከረም፡ ንሕሉፍ ገድላዊ ታሪኽናን፡ ከም ህዝቢ የንጸላልወና ንዘሎ ከቢድ ናይ ምብትታን ሓደጋን ብግቡእ ዝተረድአን ጭቡጥ መፍትሒ ሓሳባት  ዘናድን ከኸውን ደግሓኤ የዘኻኽር።

ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ንርከበሉ ፖለቲካዊ ናይ ምብትታን ሓደጋ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝኾነ  ወድዓውን ግዳማውን ተጽዕኖ ዝፈጠሮ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና፡ ብኣጉል ትምክሕቲ ዕንደራ፣ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ጸቢብ ኣተሓሳስባ፣ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ሕሉፍ ጭካኔ፣ ንዓይ ይጥዓመኒ በለጽ፣ ጻምእ ስልጣን ተበኪሉ ስለዘሎ’ዩ። እዚ ከኣ ካብ ድሑር ውሽጣዊ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝምንጩ’ዩ። እዞም ግጉያት ኣረኣእያታትን ድሌታትን ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ  ክግርሑን  ክውገዱን ኣለዎም። ብፖለቲካ ክህረሙን ክሰዓሩን ከኣ፡ ባህሪኦም፡ ዝጥቀምሉ ሜላ፡ ዘተኣሳስሮምን ዝፈላልዮምን  ጉዳያት  ብስነ-ፍልጠት ምርዳእ የድሊ።

 ንኣብነት ዘቤታዊ ጸላኢ ካብ ስልጣኑ ምሕላው ወጻኢ ህዝባዊ ዕላማ የብሉን። ዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ዝጠቕም  ሃገራዊ ቅዋም፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ልምዓትን ..ወዘተ ኣጀንዳ ከም ዘይብሉ ኣብ ዝሓለፈ 33 ዓመት ብተግባር ኣረጋጊጹ’ዩ። ጸረ-ህዝብን ህዝባዊ ኩለንተናዊ ምዕባሌን ባዕሉ ክንሱ፡ ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ዘየለው ጸላእቲ ምሒዙ፡ ክንዲ ዝተኸፈለ ሰብኣዊ ህይወት ይከፈል ቀዳምነት ድሕነት ልኡላውነት ሃገር ብዝብል’ዩ ከደናገር ዝፍትን  ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ንስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ሰባቢሩ ፈጢርዎ ዘሎ ራዕድን ናይ ምጥርጣር ስምዒትን ከይኣኽሎ፡ ባጀት ሰሊዑ፡ ዕሱባት ሰባት ኣሰልጢኑ፡ ኣዕጢቑን ኣዋፊሩን  ኣብ መንጎ ብሄራት፡ ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ብቐሊል ዘይጠፍእ ደማዊ ጽልኢ ንምዝራእ ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል  ብደቂ ሓደ ልብን 4ይ ግንባርን ዘዋፈሮም ቀተልቲ ጉጅለታት ኣቢሉ ብቕሉዕ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናዊ ተግባራት፡ ሃገራውነቱ ዘይኮነ ፋሽሽታውነቱ’ዩ ዝሕብር። ኤርትራዊ’ዩ ናትና’ዩ ኢልካ ትደናገረሉ ዘይኮነ፡ ብኣረኣእያኡን ተግባሩን ዘይ ኤርትራውን ዘይናትናን ምዃኑ’ዩ ዘነጽር።

 ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብባህሪ ድዩ ብተግባር ምስ ዘቤታዊ ጸላኢ ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀ ባእታት፡ ከም ዋህራር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ኮይኖም፡ ሓለይቲ  ህዝብን ዝተወደበ ሓይሊ ዘለዎምን ብምምሳል፡ ሓድነት ህዝቢ ብምዝራግ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ንምድኻም፡ ሃገረ ኣግኣዝያን ክንፈጥር ኢና። ንሕና መንነታውያን ኢና ዝብል   መሰረት ዘይብሉ ነበረያ ነበረ ዘቃልሑ ዘለው ኣፍረስቲ ብሓደ መዳይ፤ ተበዲልና ‘ምበር፡ ተጋጊና  ዘይወጽኦም ብጽበት ዝዓወሩ ውሑዳት፡ ሑሕ ኣግኣዝያን መጸካ። ሑሕ መንነታውያን መጽኡኻ። ሑሕ ትግራይ ትግርኚ መጸካ። ሑሕ ብርጌድ ንሓመዱ መጸካ እናበሉ፡  ህዝቢ ብሓድነት ተቓሊሱ ሽግሩ ከይፈትሕ  ንምክፍፋል ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ  ዓቀፍቲ ከኣ በቲ ካልእ፡ ዝነዝሕዎ ዘለው ሓላፍነት ዝጎደሎ ከፋፋሊ ወፍሪ ንምቅላዕ ንምዕጻፍን ንምስዓርን ህዝቢ ዘሳተፈ  ስራሕ ከም ዘድሊ፡ በዚ ኣጋጣሚ ደግሓኤ ንኹሎም እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ግዱሳት  የዘኻኽር።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዕድመ ዘቤታዊ ጸላኢ ክናዋሕ ዝገብር ዘሎ ምኽንያት፡ ብናቱ ዓቕምን ጥበብን’ዩ ዝብል እምነት የብሉን፡፡ ሓያልን ዘይጸዓድን ዘምስሎ ዘሎ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብስምዒትን ክርህናን ዝተገዝኣ ድሩት ፖለቲካዊ ንቕሓት ብሓፈሻ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ዘይመሰረታዊ ህልኽ፡ ተጻዋርነት ዘይምህላው፡ መርገጽካ ዘይምንጻርን ኣብ መርገጽካ ጸኒዕካ ዘይምቅላስን ዝተደዋወሰ ኣካይዳ ከኣ ብፍላይ ዕድል ስለ ዝሃቦ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኮነ ደምበ ተቓውሞ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስ ምሉእ  ዓቕሙ እናሃለወ፡ ኣብ ድኹም ጎኒ ዘውድቖ ዘሎ ድማ፡ ንጹር ፍትሓዊ ህዝባዊ ኣረኣእያ ዝወነነ፡ ካብ ኩሎም ናይ ድሕረት ዝንባሌታት ሓራ ዝኾነ፡ ሓሳብን ተግባርን ኣጠዓዒሙ ዝሰርሕን ዘስርሕን ቀላሲ ውድብን መሪሕነትን ክፍጠር ስለ ዘይተኻእለ’ዩ።

 ኣብ መወዳእታ፡ ውድባዊ ፕሮግራምን ውድባዊ ቅርጽን ከይፈጠርካ ሕጋዊ ውድብ መሲልካ ምቕራብ። ሓደ ውድብ ነይርካ ምኽንያታዊ ብዘይኮነ ናብ ሰለስተ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተመቓቒልካ  ምሹኻት። ናይ ትሕዝቶ ፍልልይ ዘይብሉ ካብ ስልታዊ ግንባር ወጺእካ ስልታዊ ግንባር ምምስራት። ንዝተሰከምካዮ ውድባውን ግንባራውን ሓላፍነት ተተርኢስካ ምድቃስ። ሓላፋ ካልእ  ከም ዘለካ ናይ ዜጋታት ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን መሰል ክትግድብ ምፍታን ….ወዘተ ካብ’ቶም ንደምበ ተቓውሞ ዘዳኽሙ፡ ንደምበ ጸላኢ ትንፋስ ዝህቡ ዘለው ረቛሒታት’ዮም። ዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብዘይጥርጥር ብሓይሊ ሓሳብ ብደምበ ተቓውሞ ተሳዒሩ’ዩ። ብኣካል’ውን ብኹሉ ሸነኹ ተዳኺሙ’ዩ። ነዚ ብሓሳብ ዝተሳዕረ፡ ብኣካል ዝደኸመ  ዘቤታዊ ጸላኢ ሓንሳእን ንሓዋሩን ወጊድ ኢልና፡ ከም ህዝብን ከም ፖለቲካዊ ማሕበረ-ሰብን ናብ ንቡር ክንምለስ ‘ምበኣር፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ኣብ ደምበ ፈታዊ ንርከብ ተቓለስቲ፡ ካብ’ዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ፖለቲካዊ ዝርገተ ሓሳብ  ንምውጻእ ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ብተግባርን ክንጽዕት ይግባእ።

                                                  ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

                                            ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                       1 መስከረም 2024