ነጻን ፍትሓውን ሓሳብ፡ ንህግደፍ ዘይምሕር ቀዛፊ ሕማምን ደምሳሲ ሚሳይልን’ዩ።
ነጻን ፍትሓውን ሓሳብ፡ ንህግደፍ ዘይምሕር ቀዛፊ ሕማምን ደምሳሲ ሚሳይልን’ዩ።
ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ 1996 ዓ.ም ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ነጻ ፕሬስ ክህሉ ምስ ፈቐደ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ወዓል ሕደር ጋዜጣታት ክሕተም ተሓቲሙ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። በዚ ኣጋጣሚ ሰቲት፣ ቀስተ ደመና፣ ኣድማስ፣ መቓልሕ …ወዘተ ዝኣርእስቶም ጋዜጣታት ሓደ ድሕሪ
Read more: ነጻን ፍትሓውን ሓሳብ፡ ንህግደፍ ዘይምሕር ቀዛፊ ሕማምን ደምሳሲ ሚሳይልን’ዩ።
ዶባት ከም ቃሕታኻ ምዕጻውን ንምኽፋትን ፖለቲካዊ ሃላልነት’ዩ።
ዶባት ከም ቃሕታኻ ምዕጻውን ንምኽፋትን ፖለቲካዊ ሃላልነት’ዩ።
ብዘሕፍርን ዘሰቅቕን ኩነታት ብውዲት ተጠናኒጉ ዝርከብ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት፡ ካብ ወርሒ ናብ ወሒ፡ ካብ ዓመት ድማ ናብ ዓመት ካብ ጉድለቱ እናተማህረ እናተኣረመን ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ዝግስግስ፡ ፍጹም ሓላፍነት ብዘይስመዖ ብገባሪ ሓዳግነት ሓደ ሰብ ዝዝወር ጉጅለ ውሑዳን መሊሱ
ፖለቲካዊ ልቦና ዘይብሉ ውድድር ንዞባዊ ሓያልነት
ፖለቲካዊ ልቦና ዘይብሉ ውድድር ንዞባዊ ሓያልነት
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምብራቓዊ ማሕበርነታዊ ደምበን ምዕራባዊ ሃጻያዊ ደምበን ዝብል ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ክልተ ከፊልዎ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ምብራቓዊ
Constitution Making, Replacing and Amending
By Fesseha Nair
The case of interim –constitution/transitional and permanent constitution.
What is the difference between interim and permanent constitution.
Interim –constitution is a legal framework providing a basis for the democratic transition.
Interim or provisional or transitional are the various names given to the period from the fall of dictatorship to the permanent constitution.
In this article I will deal with
እንኮ ፍታሕ፡ ማሕበራዊ መሰረት ደመኛ ጸላኢኻ ምፍላጥ፡ ፈሊጥካ ራእይኻ ምንጻርን ዕጥቅኻ ምስጣምን’ዩ።
ብስሩዕ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘይከታተል፡ ብዝተበታተነ መልክዕ ብህይወት ንምንባር ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ዝውዕል ሓፋሽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገለ ናይ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ተመክሮ ኣለና፣ ናትና ራእይ ኣለና፣ ዓቕሚ ኣለና ዝብሉ ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሊቅነት ዝበጽሑ ምሁራትን ከይተረፈ፡ ተሓቢኦም ዘይኮነ ብወግዒ፡ ኣብ’ዚ እንኮ-ሰባዊ ጃንዳዊ ውዲታዊ
Read more: እንኮ ፍታሕ፡ ማሕበራዊ መሰረት ደመኛ ጸላኢኻ ምፍላጥ፡ ፈሊጥካ ራእይኻ ምንጻርን ዕጥቅኻ ምስጣምን’ዩ።
ዕለተ ነጻነት፡ ብነጻነት ‘ምበር ንህዝቢ ብጅሆ ሒዝካ ኣይኽበርን፡-
ብመን ዝበሃል ውድብን መን ብዝበሃል ሰብን ተመሪሑ ብዘየገድስ ዕለት 24 ግንቦት 1991 ውጽኢት ናይ ነዊሕ ዓመታት ህዝባዊ ቃልስን ክቡር ሓርበኛዊ መስዋእቲ ደቂ-ህዝብን ዝተረኽበት ብምዃና፡ ካብ ኩለን ሃገራዊ በዓላት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት መዓልቲ’ያ።
እብነ መሰረት ናይ ሕገ ሕንጻ ሃገር- መቆምያታት ቅዋም The Fundamentals of a Constitution
ኣብዚ ግዜዚ ካብቶም ጠለባት ናይዚ እዋና ኡ ሕዝባዊ ምልዕዓል ወይ ድማ ይኣክል፣ ቅዋምና ይተርጐም ብዝብል ቅዋም ወይ በቲ ፍሉጥ ዓለምለኸ ኣገላልጻ ኣነ እውን ብወገነይ ካብቲ ዘንበብክዎ መጽናዕትታት ብዛዕባ ሕገ ሕንጻ ሃገር ወይ እቲ ብኤርትራውያን ቅዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክገልጽ ክፍትን ኢየ፡፤
Read more: እብነ መሰረት ናይ ሕገ ሕንጻ ሃገር- መቆምያታት ቅዋም The Fundamentals of a Constitution
ኣወዳድባ እወ ያኣክል ከመይ ይኹን
ናጽነትን ሉዑላውነትን ሕዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ምስ ተረጋገጸ፣ ኤርትራ ብዓለምለኸ ከምሉዑላዊት ሃገር ምስተፈልጠት፣ድሕሪኡ ዝሰዓበ እቲ ክኽወን ዘነበሮ መእዋጅ መረታዊ ዶብን፣ ኣቋቁማ ሃገረ ኤርትራን፣ ኣቋቁማ መንግስታዊ ቅርጻን፣ ሕዝባውን ግላውን ትካላት፣ በብመዳዩ ማለት ፖሊቲካውን ፣ምጣነሃብታውን ፣ማሕበራውን ንባህርያዊ ክብረታት ዚጋታት ኤርትራ ማዕረን፣ፍትሕን፣ ሰላምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተው ኣጀማምራ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ መን ዘምጻልካ ናጽነት ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ፈቲኻ ጸሊእካ ንሕና ኢና ንገዝኣካ ብዝብል ትምክሕታውን ጸብለልታውን ስለዝነበረ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን፣ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘቈጥዕ ባርባራዊ ተግባራትን፣ሕዝቢ ኤርትራ ሓሳባቱ ብነጻ ዘይምግላጽን፣ ናይ እምነትን ሓርነትን ምስኣኑ ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባ ኢዩ።