ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።

Published: Wednesday, 22 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ይገሃስ ኣሎ። ኤርትራዊ ይጽረፍ፣ ይህረም፣ ይጭወ፣ ይደሚ፣ ይቕተል፣ ንብረቱ ይራሰ ይዋረድ ኣሎ። ነዚ ዓይነተ ብዙሕ በደላት’ዚ ዝፍጽም ዘሎ ከኣ ኤርትራዊ’ዩ። ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመሉ ዘሎ ሃገርን ቦታን’ውን ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ’ዩ።

Read more: ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።

ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡

Published: Sunday, 19 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ዝሰርሕ ሰብ ይዕንቀፍ ይጋገ’ዩ። ተመራመርቲ፡ ሰባት ስለ ዝኾኑ ይጋገዩ’ዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ጉድለት ይፍጽሙ’ዮም። ፖለቲከኛታት እንተስ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኦም ኣገዲድዎም ስሱዓት በሓቲ ኮይኖም ወይ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ሓጺርዎም፡ ካብ መስመር ሓቂ ወጻኢ ክኹብልሉ ክሃሉ ይረኣዩ ‘ዮም …..ወዘተ። እዚ ጎደሎ ኣልቦ ምሉእ ዝበሃል ፍልጠት ኮነ ጉልበት ዝወነነ ሰብ ከምዘየለ፡ ብወዲ ሰብ ማለት ተመራመርቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታት ዝግበር ንጥፈታት፡ ካብ ዝሓለፈ ውድቀት እናተማህረ፡ እርማት እናገበረ፡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ እናወሰደ እናተመጋገበ ዝምርሽ ምዃኑ የርእየና።

Read more: ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡

ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-

Published: Sunday, 19 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብዓይኑ ሪእዩ ንዝረኣዮ እወ ሪአ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል፡ ሓሙቱ ብህግደፋዊ ራዕዲ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ንዝከታተል ግዳማዊ ተዓዛቢ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምጽብባቕ ዘረባን ምግናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው’ዮም ዝርከቡ ዘለው።

Read more: ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-

ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም

Published: Sunday, 19 May 2019
Written by ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት

ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፍትሒ ንዝጠለቡ ዜጋታት ንምጭፍላቅን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ርኹስን ኣዕናውን ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ሓው ንሓው ፈላሊኻ ምግዛእን’ዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ኩሉም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንህዝቢ ፈላሊኻ ምግዛእ ቀንዲ መሳርሒቶም’ኳ እንተኾነት፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሜላ ፈላሊኻ ምግዛእ ግን፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋት፡ ውሉድን ወላድን፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽን፡ ምትእምማን ከምዘይህሉን ከብድን ሕቆን ከምዝኾኑን’ዩ።

Read more: ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም

ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ

Published: Sunday, 19 May 2019
Written by ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ

ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢያ ትርከብ ዘላ። እዚ ኩልና ንግንዘቦ ሓቂ እኳ እንተዀነ መበገሲ ክኾነና ገለ ንጥብታት ኣልዒለ ክዛረብ ኢየ።

Read more: ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ

ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-

Published: Sunday, 12 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣነ ፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ድማ ኣይደልን ዝብሉ ሰባት ከም ዘለው ከይዘንጋዕና፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ከምዘይኮነ ምቕባል ዘይስገር ሓቂ’ዩ።

Read more: ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-

ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።

Published: Sunday, 12 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኩሉ ነገር ዕውት ክኸውን ወይ ዘዕግብ ፍረ ክህብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ ሓሊፉ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ ብሃታሃታ ዘይኮነ ብኣፍልጦ ክተሓዝ ኣለዎ። ካብ መጀመርያኡ ብመጽናዕቲ ብኣፍልጦ ብውጥን እንተተ ታሒዙ፡ ዋላ መስዋእቲ ይብዘሓዮ ዕለተ ዓወት’ውን ይንዋሕ ውጽኢቱ ዝመቀረ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።

Read more: ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።

ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።

Published: Sunday, 12 May 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ናተይ ትብላ ሃገር ዘይምህላው፡ ግቡእ ሰብኣዊ ክብሪ ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነት ኣልቦ ምዃን’ዩ። መበገስን መዕረፍን ዘይብሉ ተንሳፋፊ ህይወት ምንባር’ዩ።

Read more: ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።

መድለዪ