ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።
ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ይገሃስ ኣሎ። ኤርትራዊ ይጽረፍ፣ ይህረም፣ ይጭወ፣ ይደሚ፣ ይቕተል፣ ንብረቱ ይራሰ ይዋረድ ኣሎ። ነዚ ዓይነተ ብዙሕ በደላት’ዚ ዝፍጽም ዘሎ ከኣ ኤርትራዊ’ዩ። ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመሉ ዘሎ ሃገርን ቦታን’ውን ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ’ዩ።
Read more: ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።
ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡
ዝሰርሕ ሰብ ይዕንቀፍ ይጋገ’ዩ። ተመራመርቲ፡ ሰባት ስለ ዝኾኑ ይጋገዩ’ዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ጉድለት ይፍጽሙ’ዮም። ፖለቲከኛታት እንተስ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኦም ኣገዲድዎም ስሱዓት በሓቲ ኮይኖም ወይ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ሓጺርዎም፡ ካብ መስመር ሓቂ ወጻኢ ክኹብልሉ ክሃሉ ይረኣዩ ‘ዮም …..ወዘተ። እዚ ጎደሎ ኣልቦ ምሉእ ዝበሃል ፍልጠት ኮነ ጉልበት ዝወነነ ሰብ ከምዘየለ፡ ብወዲ ሰብ ማለት ተመራመርቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታት ዝግበር ንጥፈታት፡ ካብ ዝሓለፈ ውድቀት እናተማህረ፡ እርማት እናገበረ፡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ እናወሰደ እናተመጋገበ ዝምርሽ ምዃኑ የርእየና።
Read more: ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡
ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-
ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብዓይኑ ሪእዩ ንዝረኣዮ እወ ሪአ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል፡ ሓሙቱ ብህግደፋዊ ራዕዲ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ንዝከታተል ግዳማዊ ተዓዛቢ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምጽብባቕ ዘረባን ምግናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው’ዮም ዝርከቡ ዘለው።
Read more: ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-
ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም
ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፍትሒ ንዝጠለቡ ዜጋታት ንምጭፍላቅን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ርኹስን ኣዕናውን ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ሓው ንሓው ፈላሊኻ ምግዛእን’ዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ኩሉም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንህዝቢ ፈላሊኻ ምግዛእ ቀንዲ መሳርሒቶም’ኳ እንተኾነት፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሜላ ፈላሊኻ ምግዛእ ግን፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋት፡ ውሉድን ወላድን፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽን፡ ምትእምማን ከምዘይህሉን ከብድን ሕቆን ከምዝኾኑን’ዩ።
Read more: ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም
ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ
ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢያ ትርከብ ዘላ። እዚ ኩልና ንግንዘቦ ሓቂ እኳ እንተዀነ መበገሲ ክኾነና ገለ ንጥብታት ኣልዒለ ክዛረብ ኢየ።
ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-
ኣነ ፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ድማ ኣይደልን ዝብሉ ሰባት ከም ዘለው ከይዘንጋዕና፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ከምዘይኮነ ምቕባል ዘይስገር ሓቂ’ዩ።
Read more: ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-
ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።
ኩሉ ነገር ዕውት ክኸውን ወይ ዘዕግብ ፍረ ክህብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ ሓሊፉ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ ብሃታሃታ ዘይኮነ ብኣፍልጦ ክተሓዝ ኣለዎ። ካብ መጀመርያኡ ብመጽናዕቲ ብኣፍልጦ ብውጥን እንተተ ታሒዙ፡ ዋላ መስዋእቲ ይብዘሓዮ ዕለተ ዓወት’ውን ይንዋሕ ውጽኢቱ ዝመቀረ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።
Read more: ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።
ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።
ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ናተይ ትብላ ሃገር ዘይምህላው፡ ግቡእ ሰብኣዊ ክብሪ ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነት ኣልቦ ምዃን’ዩ። መበገስን መዕረፍን ዘይብሉ ተንሳፋፊ ህይወት ምንባር’ዩ።
Read more: ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።