ብጋዜጠኛ ማርገሬት ሚካኤል፡ ንትካል ዜና “ኣሶሲኤይትድ ፕሬስ

ድሕሪ’ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ህዝባዊ ምልዕዓል ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ናይ ኣስታት 30 ዓመት በትረ ስልጣኑ ተዓልዩ። ብጀኔራል ዓዋድ ቢን ዓውፉ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል እንታ ሃገር ተተኪኡ። ዓውፍ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ሱዳን ብመላኣ ድሕሪ ምእዋጁ ዶባትን ክሊ ኣየርን ክዕጾ ገይሩ። ሃገራዊ ቅዋም ሱዳን ኣደስኪሉ። ሃገራዊ ባይቶ በቲኑ። ሰዓታት እቶ እቶ ኣዚዙ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ብግዝያውነት ንሱዳን ንክልተ ዓመት መሪሑ ከሰጋግራ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ድሕሪ’ዚ ህዝባዊ ሃገራዊ ምርጫ ክከየድ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ነዚ ዝሰምዑ ደለይቲ ለውጢ ሱዳናውያን ናብ ጎደናታት ካርቱም ውሒዞም። ትካላት መንግስቲ ተቖጻጺሮም ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ጀሚሮም። ጀኔራል ዓዋድ ቢን ዓውፍ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ብ12 ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ 13 ሚያዝያ 2019 ምዃኑ’ዩ፡ ንህዝቢ ሱዳን ሳልሳይ ፕረሲደንት ከም ዝተሸመሉ ይንገሮ። ንሱዳናውያን ካብ ዑመር ኣልበሽርን ቢን ዓውፍን ሌፍቴኔንት ኮሎኔል ዓብደል ፋታሕ ዓብደል ራሕማን ብርሃን ይሕሸኩም ተባሂሉ ይግለጸሎም። ህዝቢ ሱዳን ግን ርግጸኛ ኣይኮነን። ብርሃን ክሕሾም ዘይክሕሾም ዝኾነ መረጋገጺ ኣይነበሮምን። ተባሂልዎም ነቲ ዝተባህለ ተቐቢለሞ ኣይተቐበልዎን ኣይፍለጥን። ምስማዕ ግን ሰሚዐሞ።

እሞ ሱዳናውያን እንታይ’ዮም ዝደልዩ ዘለው? ብስቪላዊ ቅዋማዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክምርሑ ይደልዩ። ሰብ ጽሩራ፣ ሰብ ሜዳሊያ፣ ኣብ ምምሕዳር ሃገር ክሪኡ ኣየደልዩን። ነቲ ኣዋጃት ሰዓት እቶ እቶ ክምእዘዝሉ ኣይደልዩን።

ጠለብ ሱዳናውያን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ህዝባዊ ምርጫ፣ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህዝባዊ ዝኾነ ቁጠባዊ ለውጢ ምርካብ’ዩ። ዓበይቶም ንእሽቶኦም፡ ጓሎም ወዶም፡ ሰብኣይ ሰበይቶም ምስ እትሓቶም፡ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኣይንደልን ምርጫና ህዝባዊ መንግስቲ’ዩ ዝብል መልሲ ኢኻ ትረክብ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ምረሻ ንደሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ። ናይ ሱዳናውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተሳታፍነት ኣብ ማሕበረ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኩሉ ግዜ ጽቡቕ’ዩ። ግን ኣይከም ሎሚን።

ኣብነት ኣላዓ ሳልሕ፡ ገና ኣብ 20ታት ክሊ ዕድመ ትርከብ ለይ ለይ መንእሰይ’ያ። መንእሰይ ኣላዓ ሳላሕ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ’ቲ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ስልጣን ቅድሚት ተሰሊፈን ዝዋስኣ ዘለዋ ጀጋኑ’ያ። ተባዕ’ያ። ወዳቢት’ያ። መዳሪት’ያ። ራእይ ዘለዋ መንእሰይ’ያ። ዘይትጸዓድ መንእሰይ ብምዃና ከኣ ድሮ ብሱዳናውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ “ንግስቲ ኑቢያ” ዝብል ካልኣይ ስም ተጠሚቃ ኣላ።

ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ተወጊዱ፡ ብዓዋድ ቢን ዓውፍ ተተኪኡ ዝብል ወረ ብሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ምስተዘርገሐ “ንግስቲ ኑቢያ” ቀዳመይቲ ናብ ጎደና ብምውጻእ ተቓውሞኣ ዝገለጸት ጅግና’ያ። ኣብ’ቲ ጎደናታት ታንኪታት ኔረን። ድሩዓት መካይን ኔረን። ዝተዓጥቁ ወተሃደራት ነይሮም። ንሳ ግን ኣይዓጠጣን።

እንታይ’ከ ኢላ? ኣጆኻ ህዝበይ ህዝቢ ሱዳን። ብሓደ ድምጺ ብጥሙር ቅልጽም መክት ንምልኪ፡ ኣድምጽ ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ። ንስለ ካልእ ኣይኮነን ንስለ ገዛእ ርእስኻ። ንስለ ሓርነታዊ መሰልካ። ንስለ ቁጠባዊ ረብሓኻ ክሳብ ምሉእ ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣንካ ትጭብጥ መክት። ብቃላት መለኽቲ ኣይትጠበር። ኣይትተሃመል።

ተጋደል ስለኻ ስለቶም ዝኸፈልካዮም ስውኣት፣

ተጋደል ስለኻን ስለቶም ዋጋ ዝኸፈሉ ቁሱላትን፣

ተጋደል እዚ ምንኣስ ዑመር ኣልበሽር ዝኾነ ዓዋድ ቢን ዓውፍ ክእለ ፍትሒ ክነግስ በለት።

ኩነታት ሱዳን ናብ’ዚ ገጹ’ዩ ኢልካ ኣንፈት ከተርእየሉ ናብ ዘይትኽእል ይመሳቐል ኣሎ ይብሉኒ ዝተወከስክዎም ተዓዘብቲ። እዚ ማለት ከኣ ሱዳን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ሓደገኛ ጥርዚ ትርከብ ኣላ ማለት’ዩ። በቲ ሓደ ተስፋ በቲ ካልእ ስግኣት። እቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ውጹዓት ወተሃደራትን ካብ ግዝያዊ ስምዒት ነጻ ኮይኖም ሓድነቶም ኣትሪሮም ንኹሉ ውሽጣዊ ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ብሓላፍነት እናመዘኑ እንተመርሾም ብሓቂ ተስፋ ኣለዋ። እቶም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ለዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናትን ኣብ ናይ ደገ ሓይልታት ተኣማሚኖም ነገራውን ገንዘባውን ረብሓ ኣቐዲሞም ኣብ ዋጋ ዕደጋ እንተወሪዶም ከኣ ዝኸፍአ ኩነታት ክስዕብ ከም ዝኽእል ዘመላኽት ሓደጋታት ህልዊ’ዩ።

ስለዚ በቲ በለ በቲ ህልዊ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ቃራና መንገዲ ይርከብ ኣሎ። ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት፣ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓንን፣ ሱዳናውያን መንእሰያት፣ ሱዳናውያን ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ሱዳናውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ብስለቶም ትዕግስቶም ሚዛናዊ ኣጠማምታኦም ዝፍተሽሉ ፈተና ገጢምዎም ኣሎ። ፈተና ብዓወት ክወጽእዎ፡ ንገዛእ ርእሶም ካብ ውድቀት ኣድሒኖም ንካልእ ኣብነት ዝኾነ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ሕግን ልምዓትን ኣብ ሃገሮም ኣብ ምድሪ ሱዳን ከስፍኑ ንምነየሎም። ፈተውቶምን ደለይቲ ሰላምን ክሕግዝዎም ንመኽረሎም። ፈጣሪ ክሕግዞም ንጽልየሎም። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ወሰንቲ ሱዳናውያን ባዕላቶም ምዃኖም ድማ ደጊምና ደጋጊምና ነዘካኽሮም።

ጋዜጠኛ ማርገሬት ሚካኤል

ትርጉም ዓ.ኢ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 03-05-2019