ኣነ ፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ድማ ኣይደልን ዝብሉ ሰባት ከም ዘለው ከይዘንጋዕና፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ከምዘይኮነ ምቕባል ዘይስገር ሓቂ’ዩ። እቲ ኣተሓሳስባ ይጽበብ ይስፋሕ፡ እቲ ትሕዝቶ’ውን ይዕበ ይንኣስ፡ ኩሉ ወዲ-ሰብ ናተይ፣ ናትና፣ ናታትኩም፣ ናታቶም ዝብሎ ነገራት ኣለዎ። ነቲ ናተይ ናትና ዝብሎ ከማዕብል፡ ክከናኻን፡ ከራብሕ፡ ካብ ዕንወት ክከላኸል ላዕሊ ታሕቲ ክብል ከመሓድር ምርኣይ ከኣ ልሙድ ተግባር’ዩ። እዚ ፖለቲካዊ’ዩ።
ናተይ ናትና ናቶም ዝበሃል ክሳብ ዝሃለወ ከኣ፡ ኩሉ ወዲ-ሰብ ይረደኣዮ ኣይረደኣዮ ኣብ ፖለቲካዊ ባሕሪ ይሕንብስ ምህላው’ዩ ዘመልክት። ዓውዲ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ እንተደሊኻ ትኣትዎ ትዋስኣሉ፡ እንተዘይደሊኻ ኣይፈቱን ኢልካ ትሃድመሉ፡ ነብስኻ ተግልለሉ ኣይኮነን። ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ከም ባርዕ ሓዊ ዘቃጽል፡ ከም ኣስሓይታ ቁሪ ከድ ከድ ዘብል ዘይኮነ ሕቶ ምሕደራ ህይወትን ንብረትን፡ ሕቶ ምሕደራ ኣፍራይነትን ምክፍፋልን፣ ምሻጥን ምልዋጥን፣ ሕቶ ምሕደራ ሓቢርካን ተደጋጊፍካን ብሰላም ምንባርን ጉዳይ’ዩ።
ስለዚ ከኣ ዜጋታት ብኸመይ ንመሓደር ወይ ንመራሕ፡ ኣብ ራእይ፣ ስትራተጂን ፖሊስን ዘዝመስሎም ኣንፈት ክመርጹ ይኽእሉ’ዮም። ራእይኦም ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ዝቀራረብ ብሓባር ዘስርሕ ወይ ድማ ዘይቀራረብ ብሓባር ዘየስርሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ምስ ድሌትን ኣተሓሳስባን ናይ ሰባት ከምኡ’ውን ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ ናይ’ታ ሃገር ዝግለጽ፡ ካብ ክልተ መሰረታዊ ኣንፈት ማለት ጸጋማውን የማናውን ኣረኣእያ ዝምንጩ ግን ከኣ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝግለጽ ዓይነት ምሕደራን ቅርጻ መንግስትን ስለ ዘሎ።
ዜጋታት ኣብ ከመይነት ጉዳይ ምሕደራ ሃገሮም በበይኑ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከንጸባርቑ ከኣ ከምቲ ገለ ተበለጽቲ ከደናግርሉ ዝፍትኑ፡ ትሕቲ ሃገርነት ልዕሊ ሃገርነት ኢልካ ትኹንኖ ዘይኮነስ ምልክት ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ዘይጥዕናን ኣሰካፍን ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ባሕሪ ፖለቲካ እናነበርካን በቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ማሕበል እናተሃረምካን ኣነ ፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን ዝብል መንገዲ በለጽ ሒዝካ ብማዕዶ ምውርዛይ ምስ ዝህሉ’ዩ።
ፖለቲካ ኤርትራ ከም’ዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ክኸውን ን28 ዓመት ውልቀ ምልካዊ ምሕደራ ተሰኪሙ ደም እናጎስዐ ክጎዓዝ ዝለዓለ ተራ ዝተጻወተ ድማ፡ እዚ ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን። ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣትየ ክዋሳእ ኣይደልን። በዓል ሞያ’የ፣ ነጋዳይ’የ፣ ሓረስታይ’የ፣ ሸቃለይ’የ …ወዘተ ዝብል ንገዛእ ርእሱ ካብ ሰብ ዝሰርሖ ግፍዕን ውርደትን ዘይከላኸል ድሑርን ተበላጽን ኣተሓሳስባ ልዕልነት ሒዙ ብምጽናሑ’ዩ።
ሃገር ናይ ህዝቢ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዘምጸኣ’ውን ህዝቢ ኮይኑ እናሃለወ፡ ብዘይ መተኣማመኒ ሕጋዊ መቆጻጸሪ ልጓም፡ ሓደ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ከም ቃሕታኡ ክገዝእ ዕድል ረኺቡ ጸኒሑ። እዚ ብሓደ ገባሪ ሓዳጊ ባእታ ዝዝወር ጉጅለ ውሑዳን ንግርህና ህዝቢ፡ ንስቓታ ህዝቢ፡ ንፖለቲከኛ ኣይኮንኩን ፖለቲከኛታት ድሌቶም ይግበሩ ሸለትነት ህዝቢ ተበሊጹ፡ ንሱ እንተመሪሕዋ ሃገር ትህሉን ትቕጽልን፣ ንሱ እንተዘይመሪሕዋ ሃገር ትበታተንን ነበረ ትኸውንን፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጽልኢ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኣብ ራዕዲ ዝተሰረተ ቀጻሊ ጎስጓስ፡ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ጸጥታዊ ባህላዊ ኩነታት ሃገር ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺሩ፡ ናይ ጥፍኣት መሓውሩ ዘርጊሑ ክሃልል ጸኒሑ።
ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ግን ህዝቢ ከም ህዝቢ ፖለቲካዊ ልቦና ዘማዕበለ፡ ንፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ድማ ኣይኣቱን ዝብል መንገዲ በለጽ ዝሰበረ፡ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ትብዓት ቅድሚት ዝመጽኣሉ ኣብ መድረኽ ዝወጽኣሉ ኩነታት ንሰምዕን ንርእን ኣለና። ምስ ናይ 50 ዓመት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ተመክሮኡ ብምንጽጻር ኣብ 90ታት ክረአ ዝነበሮ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ዓዘቕቲ ከይኣተናን ኽኸውን ከም ዝነበሮን ከይረሳዕና፡ ሎሚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቁጠዐን ድልውነትን ንፖለቲካዊ ለውጥን ምብጻሑን ብጸጋ ተቒቢልካ፡ ካብ ዝኸሓነ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ዝደሓነ፡ ብንጹር ናይ ዓወትን ለውጥን ፖለቲካዊ ኣንፈት ራእይን ስትራተጂን ምምራሕ የድሊዮ ከም ዘሎ ምርዳእ የድሊ።
ህዝባዊ ዓወት ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ልምዓት፡ ጭቆና ስለ ዝመረረካ በትርን ፋስን ሒዝካ ሆ ኢልካ ብምጉያይ ጥራሕ ኣይርከብን። ንበዓል በትሪ ጸላኢ፡ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ክትገጥሞ በትሪ ምሓዝ ቅኑዕ’ዩ። በትርኻ እንታይ ዕላማኡ ከይነጸርካ ብዝተደዋወሰ ዘይብሩህ ፖለቲካዊ ኣንፈት፡ እዚ ሓደ ሰብን ሓደ ጉጅለን ጥራሕ ይወገድ ኣንጸርጽሮት ዝወለዶ ረስኒ ከይከውን ምጥንቃቕ ግን ወሳኒ’ዩ፡፡ ጸላኢ ትሃርመሉ በትሪ ብሓሳብ ብራእይ ብስትራተጂን ስልትን ክምራሕ ምግባር፡ ዘይስገር ህዝባዊ ዕጥቂ ክኸውን ይግባእ።ፋሽሽታዊ ደርግ ጸሪግና ናብ ህግደፋዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተሰጋገርናሉ ኩነታት ትምህርቲ ክኾነና ኣለዎ። ከም ህዝቢ ከምዚ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ዝገበረ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ስለ ዝጎደለ ምዃኑ ዝተረደአ ዝጸረየ ፖለቲካዊ ኣንፈት ተኸቲልና ክንቃለስ ኣለና።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ዘተባብዕ’ዩ። ግን ካብ ዝተደዋወሰ ርእይቶ ክወጽእ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኲስካ ምቕታል ‘ምበር ብሓሳብ ምርዳእ፡ ምርድዳእ ዘይፈልጥ ፈራሕ ጨካን ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ፡ ዕለተ ዓወት ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ቀረባ ርሕቀትና ከም ዘሎ ዝሕብር’ዩ። ግን ኣብ ዝተነጸረ ህዝባዊ ዕላማ ክዓስል ኣለዎ። ምስ’ቲ ብደገ ዘሎ ተቓውሞ ክተኣሳሰር ኣለዎ። ኩሉ ተደሚሩ ንጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘይኮነ፡ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዳሎ ኣለዎ። ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ፣ ስትራተጂን ስልጥን ቀሪጽናን ወኒናን ብንቕሓትን ብሓላፍነታዊ ስምዒትን ንረባረብ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-05-2019