ካብ ምሁር መሃይም፡ ካብ ተጋዳላይ ድሑር ምዃን ይሰውረና፡- ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ ነጻ ተመክሮኡ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪኡ’ዩ ዘለዎ? ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ’ዩ? ፈራሕ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባሩ ካበይ ይብገስ? ግቡእ ኣገንዝቦ ኣብ ዝሓዘሉን ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱ ንምውጋዱ ውዳቤታቱ ኣብ ዘሐይለሉ ዘሎ ወሳኒ ወቕቲ ደው ኢሎም ሓቂ ክቕበሉ ድልዋት የለውን።

Read more: ካብ ምሁር መሃይም፡ ካብ ተጋዳላይ ድሑር ምዃን ይሰውረና፡- ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ካብ ምሁር መሃይም፡ ካብ ተጋዳላይ ድሑር ምዃን ይሰውረና፡-

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምሁር ዝብል ኣምር ከም ኣምር ብህዝብታት ኤርትራ ዝወሃቦ ናይ ክብሪ ሚዛን ዝለዓለ’ዩ። ኣብ ክልኦት ህዝብታት’ውን ተመሳሳሊ ቦታ’ዩ ዘለዎ። ህዝብታት ኤርትራ ንትምህርቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህግን ንምሁር ዝህብዎ ናይ ክብሪ ሚዛንን ከኣ፡ ካብ ሰናይ ድሌት ዝብገስ ኣድናቖትን ክብርን ዘይኮነስ፡ ትምህርትን ምሁርን መፍትሒ ጸገም ዝኸውን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ሓደሽቲ ነገራት ንምምሃዝ ዘኽእል መሳርሒ’ዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ ርድኢት ዝብገስ’ዩ። ሰብ ክመሃር ከመራመር ኣለዎ፡ ምሁር ድማ ዝግበኦ ምሁራዊ ሞያዊ ክብሪ ክረክብ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ፊደል ዝቖጸረ (ምሁር) ካብ’ቲ ዘይተማህረ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ፍልልይ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን።

Read more: ካብ ምሁር መሃይም፡ ካብ ተጋዳላይ ድሑር ምዃን ይሰውረና፡-

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 2ይ ክፋል

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ታደሰ ኪዳነ: በርሚንግሃም

Tades Kidaneኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ – ኤርትራ ናትና ናይቶም ብዙሓት ንጹሃን ደቃ እምበር፡ ናይቶም ቀጻልነት ስልጣኖም ክብ ዝተበተነ ህዝብን ድንስቲ ሃገርን ዝጽበዩ ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዘይኮነት ኢየ ከብርህ ፈቲነ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ስደት ሽግር ከም ዘይፈትሕ፡ ምእላይ መራሒ ናይታ ጭፍራ (ኢሰያስ ኣፎርቂ) እውን፡ ቀዳማይ ዘይስገር መድረኽ ንኽፉት ፖለቲካን ፖለቲካዊ ውደባን ምዃኑ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ዝተሎግመ ልሳን ኤርትራዊ፡ ምስ ምእላይ ኢሰያስ ጥራይ ስለ ዝኽፈት። ሰናይ ንባብ።

Read more: ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 2ይ ክፋል

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 1ይ ክፋል

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ታደሰ ኪዳነ: በርሚንግሃም

Tades Kidane“ኤርትራ ናይ መን ትኹን”? ዝብል ሕቶ ምሕታት ቀሊል ይመስል ይኸውን። ቀሊል መልሱ’ውን “ናይ ኤርትራውያን” ዝብል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ናይ ኣየኖት ኤርትራውያን? ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፡ ዝበዝሐ ጥዑይ፡ ባህሉን ስነ-ምግባሩን ዘኽብር፡ ብስጋይ ስጋኻ እናተኸባበረ ኢዩ ዝነብር። ንባህሉ፡ ወግዕታቱን ስነ ምግባሩን ዝዘርጉ ውልቀ-ሰባት፡ ከከም ግብሮም ዝቕይድ ሕጊ፡ ካብ ተግባራቶም ንኽመሃሩ ዝጸንሑሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰሪሑ፡ ንገበነኛታት ተቆጻጺሩ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ብዝሰማማዓሉ መንገዲ፡ ወግዕታቱ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝነብር። ህዝቢ ክንብል ከለና ዝተኻኻእ ወለዶ ማለትና ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ዝተኻኻእ ወለዶ ዘይብሉ ዘዝተወልደ ዝሃድሞ ሕ/ሰብ ከኣ፡ ከም ህዝቢ ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ።

Read more: ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 1ይ ክፋል

ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣነኸ ንሕናኸ? ኢልና ናብ ውሽጥና ክንርኢ ‘ምበር፡ ብንሕና ንሓይሽ ነብስና ከነታልል ኣይግባእን።

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርት

ከም ሰብን ከም ሕብረተ-ሰብን ብኩለንተናኻ ቅሱን ህይወት ክትመርሕ፡ ከም ሃገር ከኣ ተረጋጊእካ ሓሲብካ ኣስተውዒልካ፡ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጽካ ተረዳዲእካ ሓቢርካ ናብ ተግባር ክትወፍር፡ ዝድለ ውጽኢት ረኺብካ እፎይ ክትብል ሃገራዊ ሰላም ምህላው ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ከም ሰብ ነብስኻ ዘይትመርሕ፡ ሕሉፍ ህልውን መጻእን ዘይተገናዝብ፡ ካብ ርድኢትካን ምርጫኻን ወጻኢ ይብሉ ኣለው ወይ ይበሃል ኣሎ እናበልካ ካልኦት ናብ ዝጎተቱኻ ትኸይድ ልኩም እንተኾንኻ፡ ይረዳእካ ኣይረዳእካ ናተይ ትብሎ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ መንነት ዘይብልካ ካብ ሳዕሪ ብላዕ እንስሳ ዘይትሓይሽ ሰብ ምዃንካ’ዩ ዘመልክት።

Read more: ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣነኸ ንሕናኸ? ኢልና ናብ ውሽጥና ክንርኢ ‘ምበር፡ ብንሕና ንሓይሽ ነብስና ከነታልል ኣይግባእን።

ሓሲኻ ህዝቢ ምንድንጋር፡ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል፡-

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሓሶት ዓሰርተ ግዜ ተደጋጊሙ ይዘረብ ውጽኢቱ ሓሶት ‘ምበር ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን። ሓሶት ንውሱናት ምስ ሓቂ ዝተጋጨው ጠቕሚ ፈሊጣውያን ’ምበር ንህዝቢ ከም ህዝቢ ኣይውክልን። ኣየገልግልን ድማ።

Read more: ሓሲኻ ህዝቢ ምንድንጋር፡ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል፡-

ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ መርኣያ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ።

Published: Friday, 26 April 2019
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ንምርካብ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቃልሲ ተኻይዱ። ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ ተኸፊሉ። ካብ’ቲ ጠለባት ሓደ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ብሓይልን ብሕግን ብዘተኣማምን መልሲ ረኺቡ። ሕቶ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰል ግን፡ ገና ኣይተመለሰን።

Read more: ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ መርኣያ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ።

መድለዪ