ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ትማልን ሎምን
ምህንድስና (Engineering) ክበሃል እንከሎ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ኣወንታዊ ገጹ’ዩ። ምህንድና ግን ክልተ ገጻት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። እቲ ሓደ ጾር ሕብረተ ሰባት ዘቃልል ሓቀኛ ልምዓታዊ ኣገልግሎት
ኣብ ግዜ ጸበባ ወገን ንወገን ምድጋፍ ጽቡቕ ግን ንመን? ብኸመይ?
ሰብ ኮይንካ ንዝተጸገመ ሰብ ብዓቕምኻ ብሓሳብ፡ ብዓይነት ድዩ ብገንዘብ ምሕጋዝ፡ ናይ መጀመርታ መለክዒ ሓቀኛ ስልጡን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።
ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።
ኣንበብቲ ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሕልና ኣልቦ ኣመለኽቱን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራን ዝፍጽምዎ ዘለዎ ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብሃገር ደረጃ ድማ ፈጢረሞ ዘለው ዕንወትን ምብትታንን ካብ ተሓታትነትን ውርደትን ንምህዳም፡ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት ተጻብኦ ወያነ’ዩ፡
Read more: ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።
ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ነብሰቕትለት።
ሰብኣዊ ፍጡር ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ይብል ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት። ይኹን ግን ይብሉ እዞም ምሁራት፡ ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ረቛሒታት ኣለዎ። ባዕሉ ተበላሒቱ ዘይኮነስ፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፣ ጎዳእን ጠቓምን፣ ፈታውን ጸላእን ኢሉ ነገራት ዝመምየሉ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ ይብሉ።
ባዕላዊ ውድቀትካ ክትሓብእ ንካልእ ምጽላም ድርብ ስዕረት’ዩ
ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ውድቀት መሰረቱ ብክልተ ምኽንያት’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ዝወለዶ ግጉይ ዘቤታዊ ፖሊስን ኣሰራርሓን ። ካልኣይ ካብ ግዳም ዝመጽእ ተጻብኦን ጽልእን።
ዓይኒ ከዳዓት ኣተኲርካ ጠምት
ፍትሐዊ ቃልሲ ክተዕውት‘‘ዓይኒ ከዳዓት‘‘ኣተኲርካ ጠምት‘ መንዩ ገዛና ከይነጽሪ ዝኸልከለ‘‘መንዩ ሐቀኛ‘‘ መንዩ መዳናገሪ‘‘ክበርህዩ ፍትሒ ነጊሱ ምስ ወግሔ‘‘ትጽቢት ገዲፍና‘‘ንድሕነት ህዝቢ ንበገስ‘‘ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ሕልሞም‘‘ብዙሐት እዮም‘‘ ደለይቲ ፍትሒ ሽሞም‘‘ልሳን እንበር ግብሪ ዘይዓደሎም።
ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።
ሃገር ከደን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ወጽዓ ኣጋጢሙና ኣሎ። ነዚ ብውሁድ ህዝባዊ ቃልሲ ክንገጥሞ ግዱዳት ኢና። ንዘቤታዊ ጸላኢ ብህዝባዊ ቃልሲ ንግጠሞ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ብግቡእ ከነስተማቓሮ ኣለና።
Read more: ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።
ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና
ኣብ ዛ ታሪኻዊት መዓልቲ‘‘መጸዋዕታ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ‘‘ናይ ተቓውሞ ደንበ ዝዓበየ ጥርናፈ‘‘ዝሐለፈ ተመኩሮ ኣለና‘‘ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና‘‘ብደም ዝጠልቀዩ ጭፍራ ህግደፍ‘‘ጭርጭር ዓበደ ክይጻወቱልና‘‘ወስኑ እሞ ብዝቐልጠፈ መልሲ ሃቡና‘‘ ኢሰያስ ሞይቱ ኣይሞይቱ‘‘ህግደፍ ብህግደፍ ተተኪኡ እንበር‘‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ነጊሱ ማለት ኣይየስምዕን እዩ።