ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ትማልን ሎምን

Published: Sunday, 14 June 2020
Written by ብ ዛራ ማና

ምህንድስና (Engineering) ክበሃል እንከሎ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ኣወንታዊ ገጹ’ዩ። ምህንድና ግን ክልተ ገጻት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። እቲ ሓደ ጾር ሕብረተ ሰባት ዘቃልል ሓቀኛ ልምዓታዊ ኣገልግሎት

Read more: ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ትማልን ሎምን

ኣብ ግዜ ጸበባ ወገን ንወገን ምድጋፍ ጽቡቕ ግን ንመን? ብኸመይ?

Published: Saturday, 06 June 2020
Written by ዛራ ማና

ሰብ ኮይንካ ንዝተጸገመ ሰብ ብዓቕምኻ ብሓሳብ፡ ብዓይነት ድዩ ብገንዘብ ምሕጋዝ፡ ናይ መጀመርታ መለክዒ ሓቀኛ ስልጡን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

Read more: ኣብ ግዜ ጸበባ ወገን ንወገን ምድጋፍ ጽቡቕ ግን ንመን? ብኸመይ?

ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።

Published: Saturday, 30 May 2020
Written by ዛራ ማና

ኣንበብቲ ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሕልና ኣልቦ ኣመለኽቱን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራን ዝፍጽምዎ ዘለዎ ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብሃገር ደረጃ ድማ ፈጢረሞ ዘለው ዕንወትን ምብትታንን ካብ ተሓታትነትን ውርደትን ንምህዳም፡ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ውጽኢት ተጻብኦ ወያነ’ዩ፡

Read more: ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።

ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ነብሰቕትለት።

Published: Friday, 22 May 2020
Written by ዛራ ማና

ሰብኣዊ ፍጡር ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ይብል ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት። ይኹን ግን ይብሉ እዞም ምሁራት፡ ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ረቛሒታት ኣለዎ። ባዕሉ ተበላሒቱ ዘይኮነስ፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፣ ጎዳእን ጠቓምን፣ ፈታውን ጸላእን ኢሉ ነገራት ዝመምየሉ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ ይብሉ።

Read more: ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ነብሰቕትለት።

ባዕላዊ ውድቀትካ ክትሓብእ ንካልእ ምጽላም ድርብ ስዕረት’ዩ

Published: Friday, 22 May 2020
Written by ዛራ ማና

ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ውድቀት መሰረቱ ብክልተ ምኽንያት’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ዝወለዶ ግጉይ ዘቤታዊ ፖሊስን ኣሰራርሓን ። ካልኣይ ካብ ግዳም ዝመጽእ ተጻብኦን ጽልእን።

Read more: ባዕላዊ ውድቀትካ ክትሓብእ ንካልእ ምጽላም ድርብ ስዕረት’ዩ

ዓይኒ ከዳዓት ኣተኲርካ ጠምት

Published: Sunday, 03 May 2020
Written by በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ፍትሐዊ ቃልሲ ክተዕውት‘‘ዓይኒ ከዳዓት‘‘ኣተኲርካ ጠምት‘ መንዩ ገዛና ከይነጽሪ ዝኸልከለ‘‘መንዩ ሐቀኛ‘‘ መንዩ መዳናገሪ‘‘ክበርህዩ ፍትሒ ነጊሱ ምስ ወግሔ‘‘ትጽቢት ገዲፍና‘‘ንድሕነት ህዝቢ ንበገስ‘‘ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ሕልሞም‘‘ብዙሐት እዮም‘‘ ደለይቲ ፍትሒ ሽሞም‘‘ልሳን እንበር ግብሪ ዘይዓደሎም።

Read more: ዓይኒ ከዳዓት ኣተኲርካ ጠምት

ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።

Published: Sunday, 03 May 2020
Written by ማና ዛራ

ሃገር ከደን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ወጽዓ ኣጋጢሙና ኣሎ። ነዚ ብውሁድ ህዝባዊ ቃልሲ ክንገጥሞ ግዱዳት ኢና። ንዘቤታዊ ጸላኢ ብህዝባዊ ቃልሲ ንግጠሞ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ብግቡእ ከነስተማቓሮ ኣለና።

Read more: ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።

ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና

Published: Sunday, 03 May 2020
Written by በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣብ ዛ ታሪኻዊት መዓልቲ‘‘መጸዋዕታ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ‘‘ናይ ተቓውሞ ደንበ ዝዓበየ ጥርናፈ‘‘ዝሐለፈ ተመኩሮ ኣለና‘‘ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና‘‘ብደም ዝጠልቀዩ ጭፍራ ህግደፍ‘‘ጭርጭር ዓበደ ክይጻወቱልና‘‘ወስኑ እሞ ብዝቐልጠፈ መልሲ ሃቡና‘‘ ኢሰያስ ሞይቱ ኣይሞይቱ‘‘ህግደፍ ብህግደፍ ተተኪኡ እንበር‘‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ነጊሱ ማለት ኣይየስምዕን እዩ።

Read more: ውዲት ከይድገም ተጸባይቲ ምዃን ያኣኽለና

መድለዪ