ህርኩት ህዝቢ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ብሰንኪ ብቁዕ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካብ፡ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ቁጠባዊ ምንጪታቱ ተመንዚዑ ብለባሙ ናብ ዓሻ ተቖጺሩ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ገዛእ ርእሱ መሲሉ ዘይኮነ ተመሳሳሉ ክሓድር ተፈሪዱ ጸኒሑ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምቁጽጻር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ዘይኮነ፡ ብትምህርትን ስራሕን ዝምክት ጠንቂ ምዕባሌ ክንሱ፡ ኣብ ትግራይ ግን ፈጺሙ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ዘይብዳህ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ብመርገም ከም ዝመጽአ ክሳብ ዝመስል፡ ህዝቢ ዕድለዩ ኢሉ ክቕበሎን ተሰኪምዎ ክነብር ተፈሪዱ። ኣቦ ድሕረትን ድኽነትን ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይቅዋማዊ ኣድላዊ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብድሕረትን ድኽነትን ተኣሲሩ ይነብር ከም ዘሎ፡ ጠንቂ ድማ ኣብ በብመድረኹ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ገዛእቲ ሓይልታት ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ። ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ ድማ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ፡ እምቢ ኣይግዛእን፣ እምቢ ንዘይፍትሓዊ ግብሪ፣ እምቢ ንኣድላዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝብል ድምጺ የስምዕ ነይሩ። ገለ ተበዓት ድማ ካብ ውሽጡ ብመልክዕ ሽፍትነት ብረት ሒዞም በረኻ ወጺኦም ተቓውሞኦም ይገልጹ ከም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ የረጋግጹ። ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዝነበሮም ሰብ ጸጋ ዕድመ’ውን የዘንትው። እዚ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጨፍለቕቲ ገዛእቲ ሓይልታት ብፍሉይ ንድሕረትን ድኽነትን ተሳጢሑ፡ ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታት ኢልካ ክግለጽ ኣብ ዝኽእል ከርፋሕ ህይወት የሕልፍ ከም ዝነበረ፡ ካብ’ዚ ንምውጻእ ክሳብ’ቲ ኣብ ፖለቲካ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይን ፍሩይን ቦታ ዘለዎ፡ ዘይዕውት ግን ከኣ፡ ኣወንታዊ መሰረት ኣንጺፉ ዝሓለፈ ቀዳማይ ወያነ ኣንጻር መስፍናዊ ስርዓት ተቓሊሱ።

ናይ እምቢታ ድምጹ የስምዕ፡ ብመልክዕ ሽፍትነት በረኻ ብዝወጽኡ ውሑዳት ተባዓት ደቁ ኣቢሉ ዘይዕግበቱ ይገልጽ ‘ምበር፡ ንጉስ ሃ/ስላሴ ብግዳማዊ ሓይሊ ንግስነት እንግሊዝ ተደጊፉ ንቀዳማይ ወያነ ክሳብ ዝሃረመሉ ግዜ፡ ከም ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ካብ ዝቐደመ ዝገደደ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ መነባብሮ ክርኢ ኣይከኣለን። ለባም ክንሱ፡ ጸላኢኡን ፈታዊኡን ፈላልዩ ከም ዘይፈልጥ ናይ ፖለቲካዊ በሃም ተቖጺሩ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብጉልበቱ ዘፍረዮ ምሩጽ ኣዝርእትን ኣትክልትን፣ ካብ እንስሳ ዝረኽቦ መዓር፡ ጠስምን ስብሕትን፣ ኮታ ብገንዘብን ብዓይነትን ንመሳፍንቲ መኳንንትን ሽሞኛታትን ብቀጻሊ ይግብር ነይሩ። ጓሉ ውዱ፡ ሰብኣዩ ሰበይቱ ኣብ ዝተኣዘዞ እናኸደ ብቀስመን የገልግል ነይሩ። እቲ ዘመን’ቲ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ዘመነ ሕሱም ቃንዛን እህህታን ምንበሩ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ።

ነቲ ገዛእቲ ኮነ ኢሎም ዝፈጠርዎ ሕሱም ድሕረትን ድኽነትን፣ ንምውጋድ፡ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ክሳብ ውዲታዊ መጥቃዕትን ፍሽለትን ቀዳማይ ወያነ፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣይተዓወተን። ስለምንታይ? ብቑዕ ቀላሲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለ ዝሰኣነ። ነዚ ናይ እምቢታ፡ ውድቀትን ውሽጣዊ ሕራነን ቃልሲ ከም መወከሲ ተጠቒሙ፡ ብግዝያዊ ስምዒት ዘይኮነ፡ ብህዱእ መንፈስ፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ባህሪ፡ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ማሕበራዊ ውግንና፡ መሰረታውያን ጸላእቱን ተጻባእቱን ኣለልዩን፣ ንኹሉ ብደሆታት ብጽንዓትን ጥበብን ሓሊፉ ኣብ ዓወት ከም ዝበጽሕ ብነዊሕ ዝኣመተ ምትእኽኻብ ተጀሚሩ፡፡ ኣብ ሕቑ`ፊ ጸላኢ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨሪሲቲ፡ ብማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ብሓሳብ ተጠኒሱ። ብ11 ለካቲት 1975 ብህወሓት ኣብ ደደቢት ተወሊዱ። እዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንሓርነት፡ ንድሕሪት ብዘይምለስ መልክዑ ፍናኑ ከይዘሓለ ቀጺሉ። ናይ ዘመናት ሰንሰላታዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ድማ ብናይ 17 ዓመት ኣላሽ ዘይብል ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ስዒሩ መሰስ ኢሉ፡ ኣብ መድረኽ ወጺኡ።

ኣብ ናይ 17 ዓመት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ኣሽሓት ኣዋልድን ኣወዳትን ዕድመ ንእስነት ካብ ኩሉ ውልቃዊ ማሕበራዊ ድሌታትን ዕድላትን ንስለ ክብረት መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰል ህዝቢ ክበሃል መስዋእቲ ተኸፊሉ። ህጻናት ብቕረባ ፍቕርን ክንክንን ወለዲ ካይረኸቡ ዘኽቲሞም ክዓብዩ ኮይኖም። ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ናባይ ስኢኖም ዘይምሱል መሲሎም ኣስቆንቊኖም። ወሲኖም በረኻ ዝወጽኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ-ህዝቢ ብኽብሪ ተሰዊኦም። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከኣ ክቡር ኣካሎም ገቢሮም። ምሉእ ኣካልን ኣእምሮን ሒዞም ወፊሮም፡ ብሰንኪ ውግእ ጎደሎ ኣካልን ዝተዛበዐ ኣእምሮን ሒዞም ተመሊሶም። እዚ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ ብኣስገዳድ ኣይኮነን። ብንቕሓት ብመን ሕራይ ዝተፈጸመ’ዩ። ንዘመናት ብውረድ ተዋረድ ብምቅብባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሕ ዝነበረ ደርባውን ብሄራውን ዓፈና ዳግም ከም ዘይምለስ ሓንሳእ ንሓዋሩን መኸተምታ ንምግባር ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ። ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብዘይ ስኽፍታ ብእፎይታ ብመስተርሆት ንምንባር ዝተኸፈለ ስለ ዝኾነ ከኣ ህዝቢ ትግራይ፡ ብምቅላሱን ክቡር መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ብምኽፋሉን ክጠዓስ ኣይተሰምዐን። ምስ’ቲ ኩሉ ኣብ ኣፈጻጽማ ዘጋጥም ዝነበረ ሓላፍ ዘላፍ ምምሕደራዊ ጎደሎታት፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ፡ ተጻዋርነቱ፡ ናይ ዕላማ ንጹርነቱ፡ ክቡር መስዋእቱን ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ሃገር ብኢትዮጵያ ደረጃ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክውን ክኸውን ብምግባር ዘይድምሰስ ድሙቕ ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓድሽን ብውጹዓት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ቅቡል ዝኾነ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ከፊቱ።

ኣብ’ቲ በሃልቲ ዝብልዎ ግን ጭቡጥ መረዳእታ ዘይብሉ ናይ 3 ሽሕ ናይ ሃገርነትን መንግስነትን ታሪኽ፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ነታ ሃገር ዘቖሙ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ፍቶታዊ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝብል ፖለቲካዊ ቋንቋ ኣተኣታትዩ። ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ኣተሓሳስባን ምሕደራን ቀቢሩ፡ ህዝባዊ ቅዋማዊ ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ተኺሉ። ዝተረስዑን ዝተገፍዑን ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ገዛእ ርእሶም መሲሎም ባዕሎም ንባዕሎም ክመሓደሩ፡ ናትና ኢሎም ብዝተኣማመንሉ ቅዋምን መራሕትን ክመሓደሩ ገይሩ። ብደማዊ ኲናት ሕድሕድን ዓጸቦን ትፍለጥ ዝነበረ ኢትዮጵያ ክፉእ ስማን መልከዓን ኣብ ምቕያር ናቱ ኣወንታዊ ታሪኽ ተጻዊቱ። በመራርሓ ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምስክሮ፡ ውሽጣዊ ሰላማ ብዘተኣማምን ኣውሒሳ፡ ሰላም ካልኦት ኣብ ምውሓስ ብሓሳብን ብተግባርን ትዋሳእ ዘይትስገር ሃገር ኮይና። ኣብ’ዛ ሱር ዝሰደደ ድኽነት ዘለዋ ሃገረ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብተኣምር ዝግለጽ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕቤት ተመዝጊቡ። ምሁራት ስነ-ቁጠባን ዝምልከቶም ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዝሃብዎ ውጽኢት መጽናዕታዊ ጸብጻቦም ዝኾነ መግለጺታት መሰረት፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ብዘይምቁራጽ ብክልተ ኣሃዝ ልምዓታዊ ዕቤት ኣርእያ።

ዝኾነ ሰብ ብዓይኑ ዝሪኦ፡ ደረጃኡ ዝሓለወ ጽርጊያ፣ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ስፖርታዊ ሜዳ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ትካላት፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ መብራህቲ፡ ስልኪ ክሳብ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ክዝርጋሕ ተጀሚሩ። ንግድን ወፍርን ዓምቢቡ። ትካላት ገንዘብ ማለት ባንክ ኣስፋሕፊሑ። ዝተፈላለየ ደረጃን ኣገልግሎትን ዘለዎም ህንጻታት ከም ኣብ ገደና ዝበቁል መዘርባዕ ብዘይ ምቁራጽ ከጉላዕልዕ ተራእዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ መዓሙቕ ድኽነት ጥሮታ ወጺኦም። ኣብ ደረጃ ማእከላይ እቶት ተሰሪዖም። እዚ ብሳላ ናይ 17 ዓመት ቃልስን መስዋእትን ዝተረኽበ፡ ምዕቡል ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባን ትሕተ ቅርጻዊ ልምዓታዊ ገስጋስን ‘ዩ። ናይ ትማሊ ቦታኦም እናዘከሩ ዘባሁቑ ተረፍ መረፍ ገዛእቲ ደርብታትን ሕልና ኣልቦ ከሓድትን 27 ዓመት “ናይ ጸልማት ግዜ ነይሩ” ኢሎም ሓቂ ከዛብዑ ‘ኳ እንተፈተኑ ክቐብርዎ ግን ከቶ ኣይከኣሎምን። ዛጊት ኣወንታዊ ታሪኽ ክድምስሱ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንሰምዕን ንዕዘብን ኣለና ኢና። ግን ከንቱ ድኻም’ዩ።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ተበላሽዩ ዝነበረ ስምን መልክዕ ኢትዮጵያን ዝተቐየረሉ፡ ውጹዓትን ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን እዛ ሃገር ተመስገን ከም ሰብ ተቖጺርና ዝበልሉ፡ ሓድሽ ወለዶን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምስክሮ፡ እቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም፡ እቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እቲ ትሕተ ባይታዊ መደባት ልምዓት፡ ኣብ ናይ መን ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ካበይ ክሳብ ኣበይ ዝነበረ ዓመታት (መድረኽ) ከም ዝነበረ ብጽሑፍ፡ ብድምጺ፡ ብምስሊ ዝተሰነደ ስለ ዝኾነ፡ ከም’ቲ ከሓድቲ ዝብልዎን ዝደልይዎን ብቐሊሉ ኣይድምሰስን። ነዚ ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ልምዓት ዝተራኣየ ኣወንታዊ ገስጋስ ዝፈጠረ ልዕለ ቅርጻ ማለት፡ ህዝባዊ ደርባዊ ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ብቕዓት ኣመራርሓ፡ ጸላእትን ፈተውትን ብኣካል ዘይኮነ ብፕሮግራም በተሓሳስባ ዝመዝን ዝፈሊ ንቕሓትን ሕራነን ህዝቢ ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክሕበን ይግባእ። 27 ዓመት ናይ ክሳራ ዓመታት ኣይኮነን። ብውሕዱ መሰረት ሰብኣዊ ክብረትን ትሕተ ቅርጻውን ልምዓት ተቐሪጹ፡ ተዘሪኡ፡ ፍረ ክህብ ዝጀመረሉ ናይ ተስፋን ብርሃንን ዓመታት ስለ ዝነበረ ክብሪ ናይ’ቲ ድኻምን መስዋእትን ደቂ ህዝቢ ህያው ኮይኑ ብኣወንታ እናተዘከረ ክነብር’ዩ።

ኣብ’ዚ ግን ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ። ፖለቲካዊ ብቕዓት ኣመራርሓ፡ ህዝባውነት፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ቅድሚ 1991 ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተራእየን ሓደ ኣይነበረን። ኣብ በረኻ እንከሎ ሓያል ነይሩ። መንግታዊ ስልጣን ምስ ሓዘ ግን ዘይነበረ ባህርን ድኽመትን ከርኢ ጀሚሩ። እቲ መለለይ ህወሓት ዝነበረ ህዝባውነት ቀስብ ብቐስ ክልሕልሕ ተራእዩ። ነፍሰ ፍትወት ሳዕሪሩ። እዚ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ዘልሓጥሓጥ’ዚ ቅድሚ መስዋእቲ ተጋ/መለስ ምልክታት ከርኢ ጀሚሩ ነይሩ። ድሕሪ መስዋእቱ ግን ብኢሱ። ቀዳዳት በዚሑ። ፍሑኽ እናበለ ሳዕሪሩ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ። ዋሕስ ውጹዓት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋምን ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንሓደጋ ተቓሊዑ። ኣንጻሩ ዝኾኑ ሓይልታት ትምክሕትን በለጽን መጻወቲ ሜዳ ተፈጢርሎም። ከም ዋና ዘይብላ ኣድጊ ዝረኸቡ ዕስለ ኣዛብእ በብመንገዶም ክምጅርጡ ዕድል ረኺቦም።

ብርእይቶይ ኣብ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ኣመራርሓ ህወሓት ናቱ ብጽሒት ኣለዎ። ብሽርሕን ብሓይልን ትምክሕተኛታትን ናይ ውሽጢ ውዲተኛታትን ጥራሕ ስለ ዝተደፍኣ ኣይኮነን ኣብ’ዚ ሕጂ ዝርከበሉ ወሪዱ። ብወሳኒ መልክዑ ብናቱ ሕመቕ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ብዝማዕበለ ኣሉታዊ ባህሪ ዝተፈጥረ’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት ህዝባውነቱ ዓቂቡ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ብበሊሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ እናመሓደረ ብተወፋይነት እናተዝዋሳእ ነይሩ፡ እቲ ቅኑዕ ህዝባዊ ቅዋም፡ ህዝባዊ ፈደራላዊ ስርዓት፡ ስትራተጂ፡ ፖሊስን ስልትን ህዝባዊ ተቐባልነት ስለ ዝነበሮ ብቐሊል ኣይምፈረሰን ነይሩ። ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት-ኢህወደግ ስለ ዝሓመመ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ህወሓት ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ካብ ዝነበሮ ወሳኒ ቦታ ተደፊኡ ናብ ወሰን ወጺኡ። ኢህወደግ ፈሪሱ ታሪኽ ኮይኑ። ህዝባዊ ቅዋምን ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ፈደራላዊ ስርዓትን ጓሳ ስኢኑ። ብስነ-መጎት ሓይሊ ይህደድ፡ ይሸራረፍን ናብዘይህላወ የምርሕ ኣሎን።

እንተኾነ ግን፡ ከም’ቲ “ክምብል በለ ‘ምበር ኣይተኻዕወን” ዝበሃል ምስላ፡ ንህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ልዕሊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድባትን ክልላዊ መንግስታትን ኢትዮጵያ፡ ኩለንተናዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከም’ቶም ተስፋ ቆሪጾም ብሓደ ጽፍዒት ውድባቶምን ክልላዊ መንግስታቶም ዘፍረሱ፡ ተስፋ ቆሪጹ ኢዱ ኣይሃበን። ንዘጋጠመ ፖለቲካዊ ውድቀት ጠንቅን ሳዕቤንን ከለልን ኣለልዩ ንምፍዋስን መደብ ኣውጺኡ። 37 መዓልታት ዝወሰደ ውድባዊ ገምጋም ገይሩ። ንህዝቢ ዘቐየመ ግዕዝይና፡ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር፡ ኣድላዊ ኣሰራርሓ ካብ ዝለዓለ ፈጻሚ ኣካሉ ጀሚሩ ርኡይ ጉድለት ከም ዝነበሮ መዚኑ፡፡ ብስቢስና ነይርና ክብል ኣሚኑ፡ ብወግዒ ንህዝቢ ሓቢሩ። ንዝተፈጸመ ጉድለት ከም ውድብ ይቕሬታ ሓቲቱ። ዝነበሮ ጉድለት ኣሪሙ ብሓድሽ መንፈስ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ መስመሩ፡ ፖሊሲ ልምዓታዊ መንግስቲ፡ ህዝባዊ ቅዋምን ፈደራላዊ ስርዓትን ሒዝና ክንቅጽል ኣለና ዝብል መርገጽ ሒዙ ብዳገመ ስርርዕ ተበጊሱ። ዝሰርሕ ይዕንቀፍ’ዩ። ገለ ዕንቅፋት ብንኡስ ጉድለት ትወጽኣሉ’ዩ። ገለ ኸኣ ካብ ነባሪ ስምብራት ክሳብ ጠቕሊልካ ሞት ዘብጽሕ’ዩ።

ንህወሓት ዝገጠሞ ፖለቲካዊ ዕንቅፋት ሓቂ ንምዝራብ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ፈታኒ ኩነታት ዘውድቕ ዕንቅፋት’ዩ። ሳላ’ቲ ኣቐዲሙ ዝወነኖ ህዝባዊ ኒሕ፡ ገለ ምስ ኣጋጠመካ ቅድም ቀዳድም ብዘይ ንሓፍነት ውሽጥኻ ምርኣይ ምግምጋም ስሩት ፖለቲካዊ ባህሊ ንሞት ኢዱ ክህብ ኣይፈቐደን። ብውሕሉል ኣገባብ ኣብ ህዝባዊ መስመሩ ጸኒዑ ዳግም ህይወት ዘሪኡ። ናብ ማሕበራዊ መሰረቱ ዝኾነ ህዝቢ ወሪዱ። ፖለቲካዊ ልዝብ ኣካይዱ። ጌጋ ተፈጺሙ ኣሎ ግን ከኣ መድሕን ህላዌናን ቀጻልነትናን ውድብ ህወሓትን ህዝባዊ መስመሩን’ዩ ኣብ ዝብል ሓባራዊ ምርድዳእ በጺሑ። ምስ’ቲ ዘጋጠሞ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ጸለመ፡ ስቪል ህዝብን ትካላትን ትግራይ መሰረት ዝገበረ መቕተልትን ዕንወትን ስኑ ነኺሱ መኪቱ። እዚ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሓበን’ዩ። ንብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኢትዮጵያን ዓቢ ትምህርቲ’ዩ።

ብፍላይ ካብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ንደሓር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጻውዒት ሰላም ኢህወደግ ተቐቢለዮ ኣለኹ ካብ ዝበለሉ፡ ወግዓውነትን ሕጋውነትን ብዘይብሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስታት ን20 ዓመት ብዶብ (መሬት) ይግባኣኒ ተጎልቢቡ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድና ንምፍታሕ ግዳማውያን ሓይልታት ዝዝውርዎን ዘሳስይዎን ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣተን ሃገራትን ስርዓታትን ዘይኮነ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ጥዕና ዘይብሉ ዝምድና፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘጋጠመ በትን በትን ቀርቂርካ ካብ ጸዋታ ወጻኢ ናይ ምግባር ዓይነተ ብዙሕ ተጻብኦ ቀሊል ኣይነበረን። ኩሉ ትግረዋይ ደልዲሉ ከይረግጽ ንህይወቱ ክሰግእ፡ ክሸማቐቕ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ተመሳሲሉ ክነብር፡ ደኺሙ ርሂጹ ዘጥረዮ ትካላት ብስርቂ ከም ዘጥረዮ ተቖጺሩ ክውረስ ወይ ክቃጸል፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ፈደራላዊ ጽፍሒ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያትን ብዘይሕጋዊ ኣገባብን ክግለፉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ውሽጢ 27 ዓመት ንዝተፈጸመ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ራስያ ንብረት ህወሓት ጥራሕ ተሓታቲ ዝገብር፡ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሕንከት ብወግዒ ተወፊርሉ። ንህወሓት ቀቢርና ንህዝቢ ትግራይ ኣምበርኪኽናን ኢና ስልጣን ንቆጻጸር ዝብል ናይ ፈተውቲ ነብሶም ቀጻልነት ዘይብሉ ቃል ኪዳን፡ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ህጁም ኣጋጢምዎ። ከም’ቲ ቀደም ውድብ ጥራሕ ትመርሓሉ ኩነታት እንተዝኸውን ኣይምኸበደን። ገና ካብ ድሕረትን ድኽነትን ዘይተናገፈ ህዝቢ እናመራሕካ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ክሕደት ውዲት ከጋጥም እንከሎ ግን እቲ ሓላፍነታዊ ጾር ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከቢድ’ዩ።

ሰባት ብፖለቲካዊ ብቕዓት ዘይኮነ ጸላእቲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣበይ ኣለው ተደልዮም ኣብ ዘይግበኦም ወሳኒ ፖለቲካዊ ስልጣን ክድይቡ’ዩ ተገይሩ። ህዝባዊ ቅዋምን ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ካብ ዝፈቐዶ ወጻኢ ብተራ ጽልኢ ብነበሎ ንበሎ ኩሉ ሓድግታት ህወሓት ኢህወደግ ንምድምሳስ ክነጥፉ ተራእዮም። ገና’ውን ይነጥፉ ኣለው። ትርጉምን ክብርን ህዝብን ሃገርን ኣብ ጸብጻብ ዘየእተወ ውሳኔታት ክመሓላለፍ ተዓዚብና። ንኣብነት ምቛም ናይ ሰላም ኮሚሽን፣ ናይ መንነት ኮሚሽን፣ ምስግጋር ቆጸራ ህዝቢ፣ ምስግጋር 6ይ ሃገራዊ መረጻ፣ ግልጽነት ዘይብሉ ስምምዕ ሰላም ኢሳያስን ኢትዮጵያን፣ ስርዓት ዘይተኸተለ ጃምላዊ ምፍታሕ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ዜጋታትን ምእታው ኣብ ደገ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባትን፣ ኣብ ክልል ሶማል ዝተራእየ ኢድ ኣእታውነት፣ ኣብ ክልላት ደቡብ ዝተላዕለ ቅዋም ብዝሃበን ዕድል ተጠቒምና ናይ ገዛእ ርእስና ክልላዊ ምምሕዳር ክንምስርት ኢና ዝብል ሕጋዊ ሕቶን ዝተዋህቦ ጨፍላቒ ግብረ መልስን ...ወዘተ ህወሓት ኣብ እዋኑ ቅዋምን ድሌት ህዝብን ማእከል ዘይገበረ በታንን ዓፋንን ክብል ብወግዒ ተቓዊምዎ ኮኒንዎ። ንበሎ ጥራሕ ኣይሰማዕ ኣይንስመዓዮ ድማ ዝብል ሃላሊ ሓይሊ ልዕልነት ስለ ዝሓዘ ግን ኣይተሰምዐን። ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እንተኾነ እቲ ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምንብርካኽ ዝተሓስበ ንሃገረ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣእትይዋ። ዕንወት ንብረት ማእሰርትን ሞትን ሰባት ዳርጋ ልሙድ ዕለታዊ ተግባር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንጥፈታት ነጋዶ ተገቲኡ። ቀልቢ ኣውፈርቲ ባህሪሩ። ሃገራዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ዘይሕበኣሉ ደረጃ በጺሑ። ናህሪ ሃለኽቲ ነገራት ድኻ ብቐረባ ኣብ ዘይረኽቦ ሰማይ ዓሪጉ። ህወሓት (ወያነ) ጠፊኡልና ነጻነት ረኺብና ሓሊፉልና መሰረት ዝገበረ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ ታሕጓስ ሆታን ዕልልታን ደረጃ ብደረጃ ርእሱ ከድንን ተራእዩ። ገለ ቀልጢፉ ማይ ከም ዝሰኣነ ኣትክልቲ ተስፋ ቆሪጹ ቀምሲሉ። ገለ ውሑድ ብመንገዲ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ፖለቲካ ኣለኹ ኣይሞትኩን ነጋሪት ኲናት የስምዕ ኣሎ።

መሪሕነት ህወሓትን ግን ንኹሉ ምዕባሌታት ከከም ኣመጻጽኣኡ ብቐረባ እናተኸታተለን መርገጹ ብወግዒ ንህዝቢ እናሓበረን ኣብ መስመሩ ነኺሱ ቀጺሉ። ጌም ኣበር ድሕሪ ደጊም ዝተርፍ ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ዩ ዝበለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ዝሓሰብናዮ ኣይከደን ኢሉ ክሳብ ዝኣምን መትከላዊ ጽንዓቱ ኣመስኪሩ። ብሳላ ቕኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመርን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣብ ጓጓ ህዝቡ ኣትዩ ወይ ከ ፈልከት ኢሉ። ንተጻባእቱ ብሓቂ ዘይቑርጠም ጥረ ኮይንዎም ኣሎ። መድሓኒት ናይ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብስነ-መጎት ሓይሊ ክትፈትሖ ምፍታን ውጽኢቱ ህዝብን ሃገርን ለኪምካ ምጥፋእ’ዩ። እቲ እንኮ መዋጽኦ ንኹሎም ዝምልከቶም ወገናት ዘሳተፈ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዘተን፡ ትግባረ 6ይ ሃገራዊ መረጻን’ዩ ክብል’ውን ጸዊዑ። ኣይሰማዕ ኣይንስመዓዮ ዝብል ሓይሊ፡ ሃገራዊ መትንታት ስለ ዝተቖጻጸረ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ምስ ኩሉ ካብ ኣፈጻጽማ ዝብገስ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ብህዝባዊ ውግንናኡ፡ ብቕኑዕ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ፣ ስትራተጁን ስልቱን ዝፍለጥ ን27 ዓመታት ነዛ ሃገር ዝመርሐ ሓባራዊ ግንባር ኢህወደግ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ፈሪሱ። ብልጽግና ዝተባህለ ውድብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ቦትኡ ተቖጻጺሩ። ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት ነቲ ዘይሕጋዊ ምፍራስን ምድያብን ተቓዊሙ ብወግዒ ነብሱ ኣግሊሉ። እዚ ክምጎስ ዘለዎ መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለቱን ህዝባዊ መትከላዊ ጽንዓቱን’ዩ።

6ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ በቲ ልሙድ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ክካየድ ነይርዎ። ግን ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ ብምርጫ ቦርድ እታ ሃገር ናብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ተሰጋጊሩ። ቀጺሉ ሕጂ’ውን ብምስጢር ብውሳነ ናይ ሰልፊ ብልጽግና፡ ብወግዒ ብመራጻ ቦርድ ለበዳ ሕማም ኮሮና (ኮቪድ 19) ምሉእ ንምሉእ ኣብ ቁጽጽር ከም ዝወዓለ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ብወግዒ ክሳብ ዝሕብሩ ብዝብል ምስምስ ብንጹር ደረት ግዜኡ ናብ ዘይተነጸረ ደፊእዎ። ንህወሓት ሓዊስካ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኣይተቐበልዎን። ነዚ ሰልፊ ብልጽግና ኮነ ኢሉ ዝገበሮ’ዩ፡ ንለበዳ ሕማም ኮሮና እናተቖጻጸርና ኣብ’ቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ወርሒ ነሓሰ ክንገብር ኣለና፡ ከምኡ እንተዘይተገይሩ ናይ’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይልን ክልላዊ መንግስታትን ዕድመ ኣብ ወርሒ መስከረም ከብቅዕ’ዩ። ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ ክብሉ ጸዊዖም ሰማዒ ኣይረኸቡን። ህወሓት ግን በዚ ኣይተገትኣን።

ፈደራላዊ መንግስቲ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ፡ ኣነ ብዘይ መረጻ ብዘይውክልና ህዝቢ ኣብ ስልጣን ክቕጸል ኣይደልን ኣይክእልን ድማ። ስለዚ ብደረጃ ክልል ትግራይ መረጻ ከካይድ ውዴታ ዘይኮነ ግዴታ’ዩ ኢሉ። ክልላዊ መረጻ ከካይድ ፈጻሚ ኣካል ህወሓት ኣጽዲቕዎ። ስዒቡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣጽዲቕዎ። ቀጺሉ ክልላዊ ባይቶ ኣጽዲቕዎ። ነቲ መረጻ ዝምልከት ሕጋዊ ኣዋጃት ወጺኡ። በቲ ኣዋጅ መሰረት ገይሩ ዝሰርሕ ትካል ኣጣይሱ። ኣብ’ቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ኮፍ ኢሉ ተዛትዩ። እቲ ዝተጣየሰ ኮሚሽን መረጻ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ዝምዝገብሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣነጺሩ። ንህወሓት ሓዊሱ 5 ፖለቲካዊ ውድባትን 11 ውልቀ ሰባት ድማ ብወግዒ ተመዝጊቦም። ምዝገባ መረጽቲ፡ መስርሕ ምረጹኒ ተወዳደርቲ ወገናትን ብዝተታሕዘሉ ግዜ ብህዱእን ዕወትን ኣገባብ ከም ዝተሰላሰለ ኮሚሽን መረጻ ገሊጹ። ተወዳደርቲ ውድባትን ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ካብ ህዝብን’ውን ምስክርነቶም ሂቦም። ቅድሚ ሳልስቲ ናይ ዕለት መረጻ ብ7 መስከረም 2020 ብመንጎኝነት ኮሚሽን መረጻ ወከልቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ከመይ መጺእና? እንታይ ትዕዝብቲ ኣለና? ከመይ’ከ ክንቅጽል ኣለና? ኣብ ዝብል ነጻ መድረኽ ከፊቶም ብሓላፍነታዊ ስምዒት ዘዝስመስሎም ገሊጾም።

ነካይዶ ዘለና መረጻ ሕጋዊ’ዩ። ታሪኻዊ’ዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ መረጻ’ዩ። መን ይዕወት ብዘይገድስ “ትግራይ ትመርጽ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጥና ንመሰል ዓርሰ ውሳኔና ብሓባር ደው ክንብል ኣለና። ድሕነትን ክብረትን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነትና ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓባራዊ መጥመሪ ሓሳብ ዝነበሮ መድረኽ ምንባሩ ብመስኮት ቴሌቪዥን ተዓዚበ። ብ5 መስከረም 2020 ባይቶ ፈደረሽን ምስጢራዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ዝካየድ ክልላዊ መረጻ፡ “ከምዘይተኻየደ ዝቑጸር” “ዘይጸንዕ” ተፈጻምነት ዘይብሉን ዝብል ትሕዝቶኡ ዘይብሩህ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። ብ 8 መስከረም 2020 ድማ ዓንጎል ሰልፊ ብልጽግና፡ “እንደ ዕድር እቁብ የሚቆጠር ነው” ( ከም” እድር፡ ዕቁብ” ዝቑጸር’ዩ።” “ጨረቃ ቤት ነው” (ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝተስራሕ ገዛ’ዩ።) ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ክፈረስ’ዩ። ርእሶም ምስ ዝደረቐ ሰባት ክዳረቕ ኣይደልን። ጅባኦም ምስ ነጸፈ ክገድፍዎ’ዮም። እንተዝደሊ ነይረ ግን እቲ ኣለና ዝብል ሓይሊ ምልሻ ስለ ዝኾነ፡ ብዘለኒ ሓይሊ ሰብን ወተሃደራዊ ነዋትን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምውዳእክዎ ኔረ ዝዓይነቱ ፈኸራ ድዩ ኣንጸርጽሮት ንምርዳኡ ዘጸግም መደረ ክህብ ተሰሚዑ።

“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ” ከም ዝተባህለ፡ እቲ ከም ብጽሕቲ ወርሒ ሰዓትን ዕለትን እናቆጸርኩ፡ ብሰላም ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ድማ ክዛዘም እናተመነኹ ብሻቕሎት ዝጸበዮ ዝነበርኩ ዕለተ መረጻ ኣኺሉ፡፡ ብዝተታሕዘሎ ግዜ፡ ብዕለት 9 መስከረም 2020 ካብ ሰዓት 6፡00 ወጋሕታ ጀሚሩ ብሰላም ይካይድ ኣሎ ዝብል ዜና ተቓሊሑ። ከም ኣጀማምራኡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ዝተራእየ ናይ ምህዋኽ ወስታ እንተዘይኮይኑ መስርሕ መረጻ ብሰላም ክካየድ ውዒሉ ሰዓት 6፡0 ናይ ምሸት ከም ዝተዓጽወ ኮሚሽን መረጻ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ጽልዋ ዘለወን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ካብ ቅድመ መረጻ ጀሚረን ንመስርሕ መረጻ ብሰፊሕ ኣቃሊሐናኦ። ካብ ዝተመስረታሉ ሞያዊ ስነ ምግባር ወጻኢ ናብ ሓደ ሸነኽ ወጊነን ምርጫ ክካይድ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህወሓት ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ክጠፍእ ኣለዎ። ኣሸባሪ ተባሂሉ ብሕጊ ክኽሰስን ክቕየድን ኣለዎ ኢናበላ ዝጉስጉሳ ዝነበረ ብመንግስትን ብውልቅን ዝወነና ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ግን ሽፋን ኣይሃባኦን። ገዛእ ርእሰን ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቐን። መንነተን ኣቃሊዐን።

ድሕሪ መረጻ ነጋዶን ሰብ ሃብትን ትግራይ ዘይርሳዕ ታሪኽ ሰሪሖም። ንኹሎም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ስለቲ ዘርኣይዎ ሓላፍነታዊ ኣብነታዊ መሃሪ ሰላማዊ መስርሕ ምረጹኒን ውጽኢት ቆጸራ ካርድ ዝሃበና ክንቅበል ድልዋት ኢና ዝብል መርገጽን ገንዘባዊ መተባብዒ ከም ዝሃብዎም ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቃሊሐን። ብ11 መስከረም 2020 ድማ ወግዓዊ ውጽኢት ግልጺ ተገይሩ። በቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ መሰረት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) 2.590.620፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) 20,839፣ ውድብ ነጻነት ትግራት (ውናት) 18,479፣ ውድብ ሳልሳይ ወያነ 7,136፣ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ 774 ድምጺ ከም ዝረኸቡ፡ ብዝተረኸበ ድምጺ ድማ ኩሎም ዕጉባት ምዃኖምን ኮሚሽነር ኮሚሽን 6ይ ክልላዊ መረጻ ትግራይ መ/ር ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም ገሊጹ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት ድማ 152 መናብር ብምርካብ ተዓዊቱ። 38 መናብር ኣብ’ቲ ውድድር ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ውድባት ብምርድዳእ ከካፈልዎ ምዃኖን’ውን ተገሊጹ። ብዝኾነ መስርሕ መረጻ ብሰላም ተዛዚሙ። እምነ መሰረት ናይ ቀጻሊ ዓወት ድማ ኣንቢሩ። ህዝቢ ተሓጒሱ። ሓደ ንመሰለይ ንመንነተይ ኢሉ ዝከራኸር ዝቃለስ ንቑሕ ህዝቢ ስለ ዝረኣኹ ድማ ኣነ’ውን ተሓጒሰ።

ሓቂ ንምዝራብ ጸሎተይን ትጽቢተይን ብሰላም ብዓወት ክዛዘም ምርኣይ ይኹን ‘ምበር፡ ብከም’ዚ ዓይነት መሰረታዊ ጸገም ብዘይብሉ ክዛዘምዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረን፡፡ እቲ ዝኾነ ምስ ኮነ ግን ተሓጒሰ ጥራሕ ዘይኮነ ተገሪመ። ኣብ ጎረቤተይ፡ ብቋንቋይ፡ ብባህለይ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ድሕረትን ድኽነትን ካብ ዝርከብ ህዝቢ ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ብስለት ምርኣይ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ፡፡ ንሓደ ተቓላሰይ ህዝቢ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ምርካብን ዘይምርካብን ዘለዎ ትርጉም ተገንዚበ ንህወሓት ኣድኒቐ። ንጉጅለ ህግደፍ ድማ ኮኒነ። ትግረዎት ኣሕዋተይ ነቲ ኩሉ ፈኸራን ተጻብኦን መኪቶም ከም’ዚ ዝበለ ኣንጸባራቒ ዓወት ምሕፋሶም ብልቢ ተሓጒሰ። ብናይ ትግራይ ውድባት ፖለቲካዊ ብቕዓትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ዘዋጽኦ ፖለቲካዊ መስመር ዝወነነ ንቕሓት ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩኒ። እንቋዕ ኣብ’ዚ ደረጃ በጽሑ ድማ ኢለ። ኣብ መዳይ መረጻ ዘርኣይዎ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ሓድነትን ኣብ ልምዓት ክደግምዎ ኸኣ ተመኒየ። ኣብ ነጻላ መንደቖም ዝርከብ ኤርትራዊ ብምዃነይ ድማ፡ ተዘሪጉ ብዘሎ ፖለቲካን ኣብ መዓልታዊ ነገራት ሕድሕዶም ክመናጨቱ ዝውዕሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ሓዚነ። ቅድሚ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ክብረት ንግኡዝ መሬት ክብሪ ካብ ዝህብ ኣረኣእያ ክድሕኑ፡ ናይ ኩሉ ጸገምና ወያነ ዝብል ናይ ደንቆሮ ፖለቲካ ወጺኦም፡ ህዝብን ህዝባዊ ልኡላውነትን ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ህዝባዊ ደርባዊ ባህሪ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ዝብል ከትኩሩን ኣጉል ትዕቢት ገዲፎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ካብ ዝኸድዎን ዘመዝገብዎን ዓወት ትምህርቲ ክውስዱን ድማ እላቦ። ንህዝቢ ትግራይ ንስለቲ ዘደንቕ ፖለቲካዊ ንቕሓቱን ሕራኔንኡ ደጊመ ዮሃና እብሎ።

                                           ካብ ኣሮን በርሀ

                                           11 መስከረም 2020