ምልክነት (ፋሽሽትነት) ልዕልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሳዕሪሩ፡ ኩለ-መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ዝተጣሕሰላ ሃገር፡ ጸቢብ ግዝያዊ ረብሓ ምድላይ ወይ ናይ ኣገንዝቦ ጸገም እንተዘይሃልዩ ኣብ ኣለሻ ፍትሒ ክእቶ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘይብሉ፡ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ፡ ነገራት ናይ ምግምጋም፡ ምምዝዛን ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ዝተነፍጎ መሰላት ንምርካብ ኣማራጺታት ከናዲ፡ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደሉ ብሓሳብ፡ ብተግባር፡ ብገንዘብ ይኹን ብነዋት ኣብ’ቲ ቃልሲ ናቱ ተሳትፎ ክገብር ውዴታ ዘይኮነ፡ ካብ ጥዑይ ሕልና ዝምንጩ ርእሰ ግዴታ’ዩ።

ሎሚ ሎሚ ኣብ ገለ ኤርትራውያን ንዕዘቦ ዘለና ኣረኣእያ ግን፡ ካብ ንቡር ፖለቲካዊ ኣካይዳን ፖለቲካዊ መንነት ናይ ሰባትን ውጽእ ዝበለ’ዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መንነት ካብ ዘለዎን ሓላፍነት ዝስመዖን ሰብ ዝፈለለ ብምዃኑ፡ ብኣግራሞት እንታይ ኮይኑ፡ እንታይ ኮይና ኢልካ ክትሓትት የገድድ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ንልዕልና ማሕበራዊ ፍትሒ ክቡር ዋጋ ተኸፊሉ ክንሱ፡ ስርዓተ ፍትሒ ጠፊኡ፡ ውልቀ ምልክነት ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከይዱ ፈንቲሩ፡ ናብ ዘይእውጅ ግብራዊ ፋሽሽትነት ካብ ዝሰጋገር ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ ደረጃ ብደረጃ ካብ ግብራዊ ተመክሮኡ ተማሂሩ ሓቂ ተረዲኡ ኣሎ። ውሑዳት ወገናት ግን ዛጊት ኣብ ምጥፋእ ስርዓተ ፍትሒ ዘለዎም ርድኢት ወይ ንባብ ንጹር ኣይኮነን።

መበገሲኡ ካብ ዘይብስለት ፖለቲካዊ ድዩ ወይስ ካብ ሕሱር በለጽ ክትፈልጥ፡ ፈሊጥካ ፖለቲካዊ ሚዛንካ ከተንብር ንፍርዲ የጸግም። እቶም ፖለቲካዊ መንነቶም ዘይተነጸረ ወገናት፡ ህጻናት ከይትብሎም ብዕድመ ዝበሰሉ’ዮም። ኣይተማህሩን ከይትብል ፈደል ዝቖጸሩ’ዮም። ንህይወቶም ስለ ዝሰግኡ መድረኽ ስለ ዝሰኣኑ’ዮም ከይትብል፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ’ዮም። ሕጸረት መራኸቢ’ዩ ኢልካ ከይተመኽኒ፡ ብዘመናዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ጻምእ ፍትሕን ደሞክራስን ዘይጠዓዓም ኣዝዩ ሕሱር መልእኽቲ ከመሓላልፉ ትሰምዕ። እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝገርምን’ዩ።

ኣብ ሃገርካ ህዝባዊ ልኡላውነት ኣረጋጊጽካ፡ ሕቶ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ብግቡእ መሊስካ ታሪኻ፣ ባህልኻ፣ ቋንቋኻ ዓቂብካ በዕልኻ ንባዕልኻ እናመሓደርጋ፡ መሬትካ ፋሕቲርካ ብረሃጽካ ከም ምንባር ዝጥዕም ሓርነት የለን። ከም’ዚ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ንምጉንጻፍ ድማ’ዩ መሪር ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻየደ። እዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ዓወት ግን ብእምነት ክሕደት ተጠሊሙ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓርነት ባርነት ኮይኑ። ካብ’ዚ ሃዲሞም ወጺኦም ክንሶም ብልሳኖም ብዛዕባ ፍትሒ እናመደሩ፡ ብባህሪኦም ኣብ ደምበ ጸረ-ፍትሒ ምስላፎም ክትመዝን እንከለኻ ብሓቂ ትግረም። ምግራም ጥራሕ ኣይኮነን። ከም ኤርትራዊ’ውን ሕፍረት ይስመዓካ። ካብ ልሳኖም ዝወጽእ ጻምእ ፍትሒ ከም ዘለዎም’ዩ ዘንጸባርቕ። ባህሪኦም ዘመልክቶ ከኣ ጸረ-ፍትሒ’ዩ። ፣ ኣነ ደላዪ ፍትሒ’የ፡ ምልኪ ይልገስ ፍትሒ ይንገስ” ይብሉ። በረኣእያኦም ዘርባዕባዕ፡ ብተግባሮም ዓንቀፍቀፍ ክብሉ ይረኣዩ።

ምስ’ቲ ክለግስ ዘለዎ ጠንቂ ወይ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሖም ናይ ባህሪ ዝምድና ንዘይምብታኽ ዝኾንዎ ይጠፍኦም። ኢሳያስ ‘ምበር እቶም ካልኦት ‘ኮ ጸገም የብሎምን። ህግደፍ ‘ምበር እቲ መንግስቲ’ኮ ገለ ምትዕርራይ ገይርካ ከይፈረሰ ክቕጽል ይኽእል’ዩ። ሃገራዊ ድሕነት ‘ምበር፡ ሓይልታት ምክልኻል’ኮ ልኡላውነት ሃገር ዝሕሉ ዘሎ ዘኹርዕ ትካል’ዩ። ቅዋም 1997 እንተዝትግበር’ኮ እዚ ዘሎ ጸገማት ኩሉ ምተፈትሐ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ግን፡ ብስመ መሰል፡ ፍትሒ ደሞክራሲ ዝለዓል ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ደርባዊ ሕቶ ባይታ ክረክብ የብሉን። ስለምንታይ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ሕቶታት ትሕቲ ሃገራዊ ስለ ዝኾነ ኣይንቕበሎን። ከይሳዕረረ ድማ ክህረም ኣለዎ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉ ሃገር ይብሉ። ንድሕነትን ክብረትን ሰብ (ህዝቢ) ድሕሪ ግኡዝ መሬት ይሰርዕዎ። ነቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ ኮይኖም ብልሳኖም ፍትሒ ይንገስ ዝብልዎ ከይተረደኦም ይሃርምዎ። “ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ” ከም ዝበሃል ድማ ልሳንን ባህርን ክላተም ትዕዘብ።

ከም ግቡእ ግን፡ እቲ ምረት ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሓቂ። ድሌት ፍትሒ’ውን ልባዊ ክኸውን ይግባእ ነይሩ። ብኣካል ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብባህሪ ኣካል ኣምሳል ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ምዃን፣ ብፖለቲካዊ ቋንቋ መርገጽ ኣልቦ ተዋላዋሊ። ብሃይማኖት ውጉዝ ሓጥያት። ብባህሊ ነውሪ ዘይእመን ተጎታቲ መንቀልወጢ ። ብሕጊ ገበን ተባሂሉ ዝግለጽ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ብባህሪኦም ወጻዕቲ ጨፍለቕቲ እናሃለው፡ ብልሳኖም ደለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም፡ ኣብ መሳርዕ ደለይቲ ፍትሒ ተለጢፎም፡ ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ፍትሒ፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ልምዓት ኣብ ቀረባ ግዜ ክውን ከይከውን ዓንቃፊ ተራ ይጻወቱ ስለ ዘለው። ብውሽጥኻ ማለት ብባህሪኻ ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ ድማ መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለት ኣይኮነን። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ጠባያት ኣምላኺ ውልቀ ሰብ፡ ገንዘባውን ነገራውን ረብሓን ምዃንካ’ዩ ዘረጋግጽ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ክንስኻ ኣምላኺ ናይ ከማኻ ሰብን ነዋትን ምዃን ድማ ብፍቓድካ ባርነት ምቕባል’ዩ ዘመልክት። ብፍቓድካ ባርነታዊ ኣገዛዝኣ ምቕባል ከኣ፡ ብሰማያዊ ኮነ ምድራዊ ሕጊ ዘይሕዘነሉ ናይ ባርነት ባርነት’ዩ። እዚ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውሽጣዊ ሓድነቱ እናጠናኸረ ብዓይነትን ብዓቐንን ከይሰፍሕ፡ ከየጉላዕልዕ መሓውር ጸላኢ ከይሰባብር ፖለቲካዊ ጻህያይ ፈጢሩ ዘሎ ድሑር ኣረኣእያ’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ፍጹም እንኮ-ሰባዊ ፈራሕ ጨካን ስርዓት ከም ዘሎ ይቕበሉ። ብዘይካ ብኹለ መዳያዊ (ሰላማውን ብረታውን) ኣገባብ ቃልሲ፡ ብልመና ብጸሎትን ምህለላን ንህዝቢ በዲለየ’ሞ ይቕሬታ ኢሉ ባዕሉ ብሰላም ከምዘይኣለ ዓው ኢሎም ይምድሩ። ሓሳብኩም ጽቡቕ ግን ኣብ መሬት ኣውርድዎ። ብተግባር ተርጉምዎም ምስ እትብሎም ኣብ ክንዲ ምቕባል የዕጠጥዩ። ንዘይምትግባር ምኽንያት የብዝሑ። የድሓርሕሩ። ብኣጋጣሚታት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ፣ ጉባኤ፣ ሰሚናር፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቅድሚት ተሰሪዖም መልሓሶም ኣንዊሖም ብዙሕ ይብሉ። ፍልጠትኩምን ጉልበትኩምን ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣወፍይዎ እንክበሃሉ ስራሓይ ንኸምኡ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን ይብሉ። ንስለ ይገብር ኣለኹ ንሸፈጥ ዘይኮነ ብእምነት ካብ ወርሓዊ ኣታዊኹም ትርጉም ዘለዎ ገንዘባዊ ወፈያ ግበሩ እንክበሃሉ ኢድ የሕጽሩ። ወይ ድማ ነቲ ብልሳኖም መሲሎም ዘቕርብዎ ዘይምጥን ቁሩብ ቁራቦ ፈይ የብሉ። ምሉእ ግዜኹም ነቲ ቃልሲ ሃቡ። ኣብ ክንዲ ብርሑቕን ኣብ ድሕሪትን ኣብ ቅድሚት መጺእኩም ተረጋረጉ ኣብ ዝበሃልሉ ከኣ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ክስጉሙ ይጅምሩ። ክሳብ’ውን ነቲ ብልሳኖም ዝህብዎ ዝነበሩ ገቲኦም ጠቕሊሎም ካብ’ቲ ቃልሲ ነብሶም ዘግልሉ ኣለው።

እዚ ብንቕሓት ክእረም ዘለዎ ቀታሊ ኣረኣእያ’ዩ። “ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን” ከም ዝተባህለ፡ ብቃልሲ ክእለ ዘለዎ ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዘሎ ኣሚንካ ኣብ ሃገር መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዓወት ክምዝገብ እናተጸበኻ፡ ኢድካን እግርኻን ኣሕጺርካ መልሓስኻ ኣንዊሕካ ኣለኹ ማለት ዘተዓዛዝብ’ዩ። ካልኦት ቅድሚት ተሰሊፎም ደምን ህይወትን ከፊሎም ዓወት ከምጽኡ፡ ብድሕሪት ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይንካ ክትግምግም ከም ሰብኣዊ ፍጡር ክብሪ ዘጉድል’ዩ። ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ምጥርጣር ዘንግስ ሓደገኛ ኣካይዳ’ዩ። ሰብ ኣይገምግም፡ ኩሉ ድማ ኣብ ቅድሚት ይምጻእ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኣብ’ቲ ገዛኢ ጉጅለን ዝፍጽሞ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕን ከመይነት ኣወጋግዳኡን ልክዕ ዝኾነ ሓባራዊ ንባብ ክተሓዝ ኣለዎ። ብኡ መጠን ዝግበር ተሳትፎ ኣብ ዘዘልኻዮ ቦታን ከከንዲ ዝዓቕምኻን ሓባራውን ውሁድን ክኸውን ኣለዎን ይግባእን’የ ዝብል ዘለኹ።

እዞም ኣብ ሓጺር ግዜ ኣንጸባራቒ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዓወት ዝጸበዩ ወገናት፡ ገንዘብ ክፈሉ እንክበሃሉ ኢዶም ብምሕጻር፡ ብተግባር ኣብ ቅድሚት ተሰሊፍኩም ተዋስኡ እንክበሃሉ እግሮም ብምጉታት ጥራሕ ኣይኮኑን ዝልግሙ። እዚ ወሪዱ ዘሎ ሃገር ከደን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው፡ ኣብ ውልቀ ዜጋታት ዝርከብ ፍልጠት ገንዘብ ጉልበት ኣብ ዙርያ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ክውደብ ኣለዎ። ቀዲሞም ክዋስኡ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ውድባትን ብመሰረት ዝኽተልዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ስትራተጂካዊ ኣንፈትን ኣብ ሓደ ዘምጸኦም እንተኾይኑ ክሰምሩ፡ ኣብ ሓደ ዘየምጸኦም እንተኾይኑ ኸኣ፡ ኣንጻር እዋናዊ ዘቤታዊ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘትከለ፡ ዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ ፈጢሮም ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፎም ብወግዕን ብሕግን ክሰርሑ ይግባእ ንዝብል መተካእታ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሜላ ንምዕንቃፉ ኢንታ ከውጽእሉ ግዜ ኣይወስዱን። ስጉሞም ሓጺር መልሓሶም ነዊሕ ስለ ዝኾነ፡ እከለን እከለን ናብ ምሉእ ሓድነት የምርሑ ኣለው። ሓደ ንኹሉ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓቁፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ንምምስራት ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝተሰምዓሉ ጀሚሮም ዘተባብዕ ዘይኮነ፡ ምትእምማን ዝኸልእ ዝዘርግ ሓሳባት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ምርባሕን ምዝርጋሕን ክጓየዩ ይረኣዩ።

ዓንቃፊ ርእይቶኦም ሰማዒ ስኢኑ ዝተጀመረ መስርሕ ሓድነት ድዩ ምሕዝነታዊ ግንባር ብወግዒ ሕጋውነት ለቢሱ ኣብ ተግባር ኣብ ዝወፍረሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ክንዲ ዜና ዓወት ዘቃልሑ፡ ዝጎደለ እናመልኡ ኣወንታዊ ምኽሪ እናለገሱ ዘሳልይዎ ነገር ክጽሕትሩ ክብትንዎ ከይደቀሱ ይሓድሩ። ነቲ ዝዓበየ ህዝቢ ናይ ምድሓን ዛዕባ ንጎኒ ገዲፎም እከለ ኣብ’ቲ ኣመራርሓ ቅድሚት ክመጽእ ነይርዎ። ከምኡ ዘይኮነሉ ምኽንያት ፈሊጥናዮ ኣለና። በዓል መሓመድ በዚሖም፡ በዓል ገብረማርያም ውሒዶም። ወይ ከኣ፡ ብዓል ገብረማርያም በዚሖም፡ በዓል መሓመድ ውሒዶም ኣብ ዝብል ድሑር ዛዕባ ይጽመዱ። ክንድቲ ንኽብሪ ውልቀ-ሰባት፡ ሃይማኖታውን ቦታውን ውክልና ዝግደስሉ፡ እቶም ሓድነት ዝገበሩ ኮነ ሰፊሕ ግንባር ዝመስረቱ ወገናት፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣጽዲቖም? ዓንዲ ሕጎም’ከ እንታይ ይብል? ዝኽተልዎ ስትራተጂን ስልትን’ከ እንታይ ይመስል? ኣብ ዝብል ትኹረት ኣይገብሩን።

ነቲ መሰረታዊ ነገር ገዲፎም ኣብዘይ ሓጋዝን ዘይመሰረታውን ዛዕባ ከኹድዱ ይረኣዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣገንዝቦን ኣካይዳን ንገዛእ ርእስኻ ዛሕቲልካ ካልኦት ከማኻ ክዝሕትሉ፡ ኩሉ ብልሳኑ ኣንበሳ ብተግባር ናብ ፖለቲካዊ ሬሳ ክቕየር ዝዕድም ልሙስ ኣረኣእያ’ዩ። ልሙስ ፖለቲካዊ ርእይቶ ወኒንካ ድሙቕ ሃገር ከደን ፖለቲካዊ ዓወት ምጽባይ ድማ ፍረ ዘይርከቦ ባዶ ትምኒት’ዩ። ብሓሳብ ከይቀናዕካ ዝተበለሸወ ሃገራዊ ፖለቲካ ከተዕሪ ኣይትኽእልን። ከምኡ’ውን ብተግባር ከይተሳተፍካ ፖለቲካዊ ወጽዓ ኣይእለን። ፍትሓዊ ኣረኣእያ ከይወነንካ መትከላዊ ፖለቲካዊ ጽንዓት ክህልወካ ኣይሕለምን። ኣብ ዝኣተኻዮ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ድዩ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ሃገራዊ ግንባር ኣብ ቃልካ ጸኒዕካ ንመትከላቱ ብንቕሓትን ብምልኣትን ምእዙዝ ከይኮንካ፡ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ይቃለስ ኣለኹ ክትብል ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስኻ ምትላል’ዩ።

ስለዚ ፍትሓዊ ከይኮንካ ምፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ከንቱ’ዩ። መበገሲኡ ከኣ ካልእ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ድሕረት’ዩ። በለጽ’ዩ። ፍትሒ ዝደሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ውጹዓትን ግፉዓት ዘለዎ ኣጠማምታ ፍትሓዊ ክኸውን ይግባእ። ካብ ዘቤታዊ ጸላኢ ሓራ ክወጽእ፡ ሃገር ከደን ህዝባዊ ዓወትን ለውጥን ክርኢ ዝደሊ ከኣ፡ ብሓሳብን ብተግባር ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ኣንጻር ጸላኢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ከም ህዝቢ ካብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ሰለሎ ክንወጽእ፡ እቶም ብሓሳብን ብተግባርን ብቕኑዕ ጎደና ዝከኣሎም ዝገብሩ ዘለው ወገናት ፍናን ወሲኾም ክምርሹ፡ እቶም ብሓሳብን ተግባርን ንለውጢ ዘተዓናቕፉ ኣብ ፖለቲካዊ ድሕረት ዝሕብሱ ወገናት ከኣ ዳግመ ርእይቶ ገይሮም ገዛእ ርእሶም ፈትሾም ክዕረዩ ይግባእ። ክእረም ዘለዎ ከይተኣረመ ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና ከም ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምትታንን ክንድሕን ምጽባይ የዋህነት’ዩ። እቲ እንኮ መድሕና ሓሳብና ንጹር፡ ፍትሓውን ብተግባር ዝተሰነየን ክኸውን ኣለዎ። ፍትሓዊ ከይኮንካ ፍትሒ ምጽባይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ግን፡ ዘይዘራእካዮ ምዕጻድዩ’ሞ ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘራጊቶ ግቡእ ጠመተ ሂብና ብሓላፍነት ንግረሓዮ ንኣርሞ።

                                               ካብ ዛራ ማና

                                               05-09-2020