ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኮነ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ፍትሓውነት ጸገም የብሉን። መሰልካ ንምኽባር ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ምቅላስ ፍትሓዊ’ዩ። ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ’ውን ከምኡ ቅቡልን ንፍትሓውን’ዩ። ስለዚ ናይ ዝቐደመ ኮነ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሕቶ ፍትሓውነቱ ድንግርግር ዘብል ነገር የለን። እቲ ፍትሓዊ ሕቶ በየናይ ፖለቲካዊ -ስነ-ሓሳብ ክምራሕ ከም ዘለዎ ግን፡ ቅድሚ 1991 ብሩህ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።

ፖለቲካ ደርባዊ ባህሪ፡ ደርባዊ ወገንነት (ዝውክሎ ሕብረተ-ሰባዊ መሰረት) ዘይፍለጥ ሓፈሻዊ፡ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ ዘይንጹር፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ብንጹር ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ መርሖ ዘይምራሕ እንተኾይኑ፡ እቲ ጉዕዞ ብፍልጠት ዘይኮነ ንኺድ ጥራሕ ዕድልና ንርኢ ዓይነት’ዩ ዝኸውን። እዚ ኣካይዳ ሃሳሰ ለባም’ዩ። ብሃሳሰ ለባም ዝምራሕ ፖለቲካ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘይድየብ ከውሒ ድዩ ከጸንሖ፡ ኣቲኻ ዘይተወጽኣሉ ዓሚቕ ጉሁም ኣይፈልጥን። ከውሒ እንተጸኒሕዎ ተላቲሙ ዋጋ ከፊሉ ዝሓዘ ሒዙ ንድሕሪት ምምላስ፡ ዘጋጠሞ ጉሁም እንተኾይኑ ከኣ ብተመሳሳሊ፡ ክኽፈል ዘይነበሮ ህይወት ከፊሉ ናብ ዝነበሮ ካብ ምምላስ ወጻኢ ካልእ መሕለፊ መንገዲ የብሉን። ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ብሰናይ ድሌት፡ በተራ ሓርበኝነት ኣብ ፍጻሚ ከብጸሖ ክብህግ ይኽእል። ባህጉ ክውን ዝገብረሉ ህዝባዊ ባህሪ፡ ዝተጸነዐ ስትራተጂን ስልትን ክሳብ ዘይተኸተለ ግን፡ ዘዕግብ ፖለቲካዊ ዓወት ክሓፍስ ኣይክእልን።

ንሕና ኤርትራውያን ግዳማዊ መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬትና ንምልጋስ ከም ህዝቢ ቅሩብነት ንቓልስን መስዋእት ነይሩና። ኣብ ዓውደ ውግኣት ኣዝዩ ዝድነቕ ሓርበኛዊ ጀግንነት ተፈጺሙ። ብዘይ ዝኾነ ኣስገዳድ ገንዘብን ጥሪትን ንመሳርሒ ቃልሲ ተውፍዩ። ጉልበትን ፍልጠትን ሃገራዊ ግቡእ ከበርክት ካብ ምዕራባዊ ዓለም ከይተረፈ ብኣካል ናብ ሓራ መሬት ውሒዙ። ኣዴታት ሃገረይ ስልማተይ ኢለን ኩልና ንኾርዓሉ ታሪኽ ሰሪሐን። እዚ ብሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ዝኾነ ሓቂ’ዩ። ፍትሓዊ ሕቶ ሃገርነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኤርትራ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ ውድብ ድሌትን ውሳኔን ዘይኮነ፡ ሃገር ከደን ህዝባዊ ሕቶ ምዃኑ የርእየና። ዘሕብን ተግባር ስለ ዝኾነ ድማ፡ ከም ዜጋታት ወትሩ ክንሕበነሉን ብግቡእ ክንዕቅቦን ይግባእ። ንተሓበነሉን ንዓቅቦን ክበሃል እንከሎ ግን፡ ነቲ ኣላሽ ዘይብል ህዝባዊ ጽንዓትን ተወፍያነትን ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ መስመር፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ነይሩ ከስምዕ የብሉን። ብመዕቀኒ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ብተግባር ኣብ ህዝቢ ዝተዘርአ ህዝባውን ደሞክራስያውን ባህርን ኣሰራርሓን ከም ዘይነበረ ብንቕሓትን ብዘይንሓፍነትን ክስመረሉ ይግባእ። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ሰውራ ዘጋጥም ዘይህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ኣረኣእያ ዘኽፍሎ ዋጋ ድማ ከቢድ’ዩ። ብወሳኒ መልክዑ ነዚ ዝሕተትሉ ከኣ እቶም ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝነበሩ፡ ገለ ድማ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሕጂ ፖለቲካዊ መዘውር ተቖጻጺሮም ዝርከቡ መራሕቲ ምዃኖም ምርዳእ የድሊ።

ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ 1991 ሓደ ድሙቕ ሃገራዊ ዓወት ተመዝጊቡ። ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ 30 ዓመት ኲናት ብዓወት ኤርትራውያን ተኸምቢቱ። ሕቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ኣብ 1993 ብውሳኔ ህዝቢ ሓደ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ብሕጊ ተመሊሱ። እቲ ሓደን ቀንድን ክምለስ ዝነበሮ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ ሕቶ ግን ኣይተመለሰን። ምስ ግዳም ዝነበረ ቀዳማይ ግርጭት ተዓጽዩ። ዕዮ ገዛ ዘቤታዊ ካልኣዊ ግርጭት ተሪፉ። ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ ሕቶ ድማ ከም ተራ ተደራቢ ወይ ተወሳኺ ዛዕባ ዝስራዕ ኣይኮነን። ናይ’ቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ማእከላይ ዕላማ ንሱ’ዩ። ብካልእ ኣገላልጻ ነዚ መሰረታዊ ሕቶ’ዚ ዘይመለሰ ሃገራዊ ዓወትን ምሉእ ዓወት ኣይኮነን። ጎደሎ’ዩ። ጎደሎ ምዃኑ ከኣ እነሆ ከም ህዝብን ሃገርን ንሓልፎ ዘለና ክፉእ መስገደል ሓባሪ’ዩ።

ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእታዊ ሰራዊት ሓርበኛዊ ቃልሲ ክካየድ እንከሎ፡ ማዕሪኡ ዘይኮነስ፡ ልዕሊኡን ቅድሚኡን ንፖለቲካዊ ንቕሓትን ህንጸት ስነ-ሓሳባዊ ብስለትን ግቡእ ትኹረት ሂብካ ክስራሕ ነይርዎ። ብተግባር ግን ኣብ ተጋደልቲ ይኹን ኣብ ህዝቢ ኣይተሰርሓሉን። ተስሪሕሉ እተተባሂሉ ከኣ ንግበሮሞ ኣይነጸብቆ ዓይነት ብሕዝ ግድፍ ዝግለጽ’ዩ ዝኸውን። እቲ ዕጡቕ ተዋጋኢ ሰራዊት ኮነ፡ በዓል ቤት ናይ’ቲ ፍትሓዊ ሕቶን ሃገርን ዝኾነ ህዝቢ፡ ሓቀኛ ትርጉሙ ብልክዕ ከይተወነነ ሃገር፡ ነጻነት፡ መግዛእቲ፡ ጸላኢ ዝብል ቃላት ምድግጋም ‘ምበር፡ ንህዝባዊ ልኡላውነት፣ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፣ ንህላወን ምእዙዝነት ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመሰረተ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት፣ ከመይነት ምምቕራሕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን፣ ማእከሉ ዝገበረ፡ ኣብ ዝተቐርጸ ፕሮግራም፡ ስትራተጂን ስልትን መድረኻት ተኸፊትሉ ብነጻነት ክዛረብ ክካታዕን ዕድል ኣይነበሮን። ዝሰማምዓሉ ዝፈላለየሉ እናነጸረን ኣብ ተመሳሳሊ ቀጸልቲ መድረኻት እናልዓለን እናብሰለን እናበሰለን ዝኸደሉ ጥጡሕ ባይታ ነይርዎ ክበሃል በፍጽም ኣይከኣልን። ፖለቲካዊ መግዛእቲ ካብ ግዳም ‘ምበር ካብ ውሽጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ንቑሕ ተረድኦ ክህልዎ ብዝገብር ኣይተመልመለን። ተረድኦ ብዙሓት ክበሃል ዝከኣል፡ ኣብ ውሽጢ ዝምዕብል ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተመጸአ’ውን በቲ ቀዳማይ ጸላኢ ( ግዳማዊ መግዛእቲ) ዝተሃርመሉ ብረት ጌርካ ሓንሳእን ንሃዋሩን ብኣካላዊ ቅንጸላ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ተረድኦ’ዩ ነይሩ። ዝተፈልየ ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ከመጽእ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ድማ ክመሓደር ከም ዘለዎ ዝርዳእ ብዙሕ ኣይነበረን። ብሻምብቆ ብረት ብስረይ ስረኻ ናይ ምፍታሕ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ’ዩ ነይሩ። ብሓይሊ ሓሳብ ምስዓርን ፖለቲካዊ ጽሮትን ዝበሃል ቦታ ኣይነበሮን።

ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ በብመድረኹ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝለዓሉ ኣገደስቲ ደሞክራስያዊ ሕቶታት ነይሮም። ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝፍተሓሉን ዝመሓደረሉ ባህርን ኣሰራርሓን ኣይነበረን። ንዝተፈልየ ርእይቶ ብምዕብሉ ሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብስነ-መጎት ሓይሊ ብኣካላዊ ቅንጸላ’ዩ ዝምለሰሉ ነይሩ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብኡ ዝኸፍአ ባህርን ኣሰራርሓን ነይሩ። እዚ ዘይደሞክራስያዊ ዘይ ሰውራዊ በሓቲ ቀንጻሊ ፖለቲካዊ ባህርን ተግባርን’ዚ ዝወለዶ ብኣማኢት ዘይኮነ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንስለ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላትን ህዝቢ ከኽብሩ፡ ህይወት ከፊሎም ህይወት ከውሕሱ ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ንጹሃት ደቂ ህዝቢ፡ብቕሉዕን ብስውሩን ተረሽኖም፡ ኣእምሮኣዊ ምንዋጽ ኣጋጢምዎም፡ ኣካሎም ጎዲሎም፡ ካብ ቃልሲ ክርሕቁ ክስደዱ ተገዲዶም’ዮም። ኣብ ክልቲኡ ውድባት ብዝነበረ በሓቲ ናይ ውዲትን ክንጸላትን ጸረ-ደሞክራስያዊ ስጉምቲ ብውልቀን ብእኩብን ዝተቐንጸሉ ወይ ዝጠፍኡ ከይሓወስና፡ ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሕድሕድን ስዒቡ ዝመጽአ ዕርበተ ኒያት ናይ ቃልስን ጠንቁን ሳዕቤኑን ክፍላጥ ኣለዎ ‘ምበር፡ ብኸመይ ኣይትዘክርዎ ረስዕዎ ይበሃል። ስምብራቱ እኮዩ ዘሳቕየና ዘሎ። ተሓታትነት ብዘለዎ ወግዓዊ መደምደምታ’ኮ ኣይተገብረሉን። እዚ እቲ ዝመረረ ኤርትራዊ ኣሉታዊ ታሪኽ’ዩ። ዳግም ከይመጽእ ኣይንዘክሮ ንረሰዓዮ ዘይኮነ ኩሉ ሰብ ካብኡ ግቡእ ትምህርቲ ወሲዱ ወግዓውን ሓላፍነታውን መዐጸዊ ንግበረሉ ክበሃል እንከሎ’ዩ ቅኑዕ ዝኸውን። ቅድሚ 1991 ዝነበረ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ቀንጻሊ ተግባራትን ኣብ መድረኹ ብህዝባውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ስለዘይተመሓደረ፡ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” እናተባህለ ስለ ዝመጽአን እኳ’ዩ ዳግማይ 30 ዓመት ብዘቤታዊ መግዛእቲ ሓመድ ድፋጫና ንሰቲ ዘለና። ስለዚ ማህደራት ታሪኽ ኣይትገንጽሉ ኣይትዛረቡ ዘይኮነ፡ ታሪካዊ ሰነዳት ዘለኩም ሃቡና፡ ኣቡኡ ዝነበርኩም መሃሩና ሓብሩና ዝብል ኣወንታዊ ጠለብ’ዩ ከመጽእ ዝግባእ።

ገጢሙና ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ዘሕፍር ፖለቲካዊ ዝርገተ ሓሳብ’ዩ። ፖለቲካ ዝዝረግ ከኣ ካብ ዘይብቕዓት’ዩ። ናይ ህዝቢ ክውንነት፡ ጠለብን መሰልን ኣብ ግምት ዘየእተወ ብሃገር ጀሚሩ ብሃገር ዝውድእ ዘይንቡርን ዘይመትከላውን ፖለቲካ፡ ስእነት ቀለስቲ መሪሕ ደሞክራስያውያን ባእታታትን ውድባትን፣ ዓገብ ኢሉ ከስምዕን ከድምዕ ዘይኽእል ብየዋህነት ዝጎዓዝ ዘይነቐ ህዝብን ኣብ ዘለወሉ ዘጋጥም መርሆ ኣልቦ ፖለቲካዊ ውድቀት’ዩ። እዚ ብፖለቲካዊ ንቕሓት ክስተኻኸል ክእረም ኣለዎ። ክስተኻኸል ክእረም ከኣ፡ ካብ ሕቖኡ ወይ ከም ምሸላ ካብ ክሳዱ ቆሪጽካ ዘይኮነ፡ እቲ ነዚ ዘምጸአ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ካብ መሰረቱ ካብ ውልደቱ ክጽናዕ ክፍለጥ ኣለዎ። ህዝቢ ታሪኽ ኣለዎ። ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ዝመጽኣሉ ታሪኻዊ መስርሕ ኣለዎ። ሓደራ ዝቕበል፡ ንህዝቢ ካብ ሓደጋ ብርሰት ከውጽእ ንመሰረታዊ ለውጢ ዝተዳለወ ዜጋ ወይ ወለዶ ታሪኽ ምስማዕን ምንባብን ክጽየን የብሉን። ታሪኽ ቀዳሞት ክፈልጥን ብጸጋ ክቕበልን ኣለዎ። እዚ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን ግዴታ’ዩ። ታሪኽ ዝጸልእ ታሪኽ ክሰርሕ ድልውነት ዘይብሉ ዜጋ ጥራሕ’ዩ።

ከም ኣብነት ነተን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር፡ ስትራተጂ፡ ስልትን ተግባርን ነይርወን ድሕሪት ተመሊሱ ከጽንዕ፡ ኣጽኒዑ ሓቂ ክፈልጥ ድልውነት ዘይብሉ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝርከብ ሰብ፡ ብፖለቲካዊ ድኽነት ዝተጠቕዐ ንምዃኑ ንምግማት ኣየጸግምን። ገዛእ ርእሱ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት ስለዘይወጽአ ከኣ፡ ሃገር ከደን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ኣይትጽበዮን። ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምህላው፡ መቓልስቲ ዘይኮነ ብኣካል መቓጽርቲ’ዩ።

ሎሚ ሎሚ ቀልጢፍና ንስርዓት ኢሳያስ መታን ክንኣልዮ ሓሳብ ኣይድልየናን ብተግባር ንስራሕ። ድሕሪት ተመሊስኩም ታሪኽ ኣይተልዕሉ፡ ኣይተዘንትው፡ ኣይትጽሓፉ፡ ኣይትምሃሩ ዝብሉ ሰባት ምስማዕ ይደጋገም ኣሎ። ካብ ዘለናዮ ንቕድሚት ጥራሕ ንጠምት ኢሎም ዝከራኸሩ ይቀላቐሉ ኣለው። ማህደራት ታሪኽ ኣይትገንጽሉ። ከምኡ ምግባር ኣየዐውተናን መሊሱ ክዘርገና ከዳኽመና’ዩ ይብሉ ኣለው። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ርእይቶ ብገለ ሽነኹ ብኣቋራጭ ክትዕወት ካብ ምድላይ ዝብገስ ህጡይነት ዝመስል ባህሪ ኣለዎ። ማህደራት ታሪኽ እንተተገንጺሉ ህዝቢ ሓቂ እንተፈሊጡ ኣበረይ ክወጽእዩ፡ ከታልል ኣይክእልን ዘስምዕ በለጻዊ ባህሪ ‘ውን የመልክት’ዩ። እቲ ዝዓበየ ግን ካብ ፖለቲካዊ ድኽነትን ኣላሽነትን ዝመጽአ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል። ታሪኽን ታሪኻዊ ማህደርን ኣይትገንጽሉ ማለት ብውሕዱ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ እዛ ሃገር ዝተኸፈለ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ይትረፍ ይደምሰስ ማለት’ዩ።

ብሰንኪ ድሑር ዘይ ህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ቀንጻሊ ኣፈታትሓ ግርጭት ክንደይ ወለዶም ስኢኖም ዘኽቲሞም ዝዓበዩ ቆልዑ፣ ናባዪ ስኢኖም መሬት ብብርሃኑ ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ወለዲ፡ ኣሚና ጠፊእዋ ዕድመ ንእስነታ ዘሕረረት ኣልቦ ውላድ ዝተረፈት ኤርትራዊ ኣደ ...ወዘተ ኣብ እህህታ ይነብሩ ንዘለው ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ወገናት ባዕልኹም ትፈልጡ ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዘስምዕ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ካብ ቅድሚ ነጻናት ክሳብ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ጨውዩ ምስ ወሰዶም ብህይወት ኣለው’ዶ የለውን ዘይፍለጡ ደቂ ህዝቢ ኣይንዘክር ንረሰዓዮም፡ ዓለም ምስ ዘሎ’ያ ዝብል ሕሱር ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣውዲቕካ ሕለፍ ቋንቋ ስፖርታዊ ውድድር’ዩ። ፖለቲካ ግን መዘናግዒ ሜዳ ኣይኮነን። ህይወት ዝኽፈሎ ኣብ ከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ስነ-ፍልጠት’ዩ። ስለዚ ዝሓለፈ ኣይንዘክር፡ ንረሰዓዮ፡ ኣውዲቕና ንሕለፍ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ሕብረተ-ሰባት ቦታ የብሉን። ኣይሰርሕን። ኣይኮነን’ዚ ደምን ህይወትን ዝተኸፍሎ ፖለቲካዊ ታሪኽ፡ እዞም ሎሚ ንሃገረ ኤርትራ ከም ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ደው ኣቢሎማ ዝርከቡ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ካበይ መጺኦም፣ ከመይ መጺኦም፣ ብኸመይ ነዚ ናይ ሎሚ ናይ ሃገርነት ቅርጺ ክሕዙ ክኢሎም፣ ኩለንተናዊ መጽናዕቲ ጌርካ ሓቀኛ ታሪኾም፡ ቋንቋኦም፡ ባህሎም፡ ሃይማኖቶም፡ ኣነባብራኦም ምፍላጥን ምኽባርን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዘይተርፍ ዕማም ክኸውን ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ መብዛሕቲኡ ብኣሉታ ዝንበብ ወይ ዝግለጽ ታሪኽና፡ ምስ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ምድውዋስን ድኽነትን ዝተኣሳሰረ’ዩ። ካብኡ ወጻኢ ከም ህዝቢ ከም ሕብረተ-ሰብ ብዙሕ ዘኹርዕ ዘነየት ታሪኽ ዘለና ህዝቢ ኢና። ባህላዊ መማሓደሪ ሕግና፣ ሃማኖታዊ ስነ-ምግባርና፣ ናይ ስራሕ ህርኩትነትና፣ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና፣ ኣብ’ቲ ናይ 30 ዓመት ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ሓርበኝነት .....ወዘተ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ስለዚ ንኣወንታዊ ክብርታትና ብግቡእ ንሓዞን ንዓቅቦን። ኣብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ካብ ዘለና ድኽነት ድማ ንውጻእ። ስለምንታይ’ሲ ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ’ዩ። ሱር ዘይብሉ ኦም ካብ መሬት ክወስዶ ዘለዎ ንቀጻልነቱ ወሳኒ ዝኾነ ማይን መዓድናዊ መግብን ስለዘይረክብ ዘለዎ ዕድል ቀምሲሉ ምንቃጽ’ዩ። ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደመሰሰ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዘይምራሕ ቃልሲ ዘለዎ ዕድል ብተመሳሳሊ ንቕድሚት ምስጓም ዘይኮነ ንድሕሪት ተመሊስካ ታሪኽ ኣልቦ ኮይንካ ምብትታን’ዩ።

                                                       ካብ ዛራ ማና

                                                     25-08-2020