ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ውልደት ዘመናዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ’ዩ። ናይ ደሞክራሲ ኣብነት ነይሩ። ምዕቡል ነይሩ ኢሎም ኣፎም መሊኦም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና። ገለ ገለ መዛግብቲ ታሪኽ’ውን ብናይ ባዕልና ስልጡን ኣተሓሳስባ ዝመጽአ ምዕባለ ምዃኑ ዘረድእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ጀመርቲ ኢና፡ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ነይሩና ዝብል ሰፊሩ ይርከብ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ዘማናውነትን ምዕቡል ፖለቲካን መዓስን ከመይን መጺኡ ፍሉጥ’ዩ። መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ተቐጥቂጡ፡ ካብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምስ ወጽአ፡ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ብሞግዚትነትን ንኤርትራ ን10 ዓመት ከመሓድር ብሓያላን ሃገራት ፍቓድ ረኺቡ። ስለዚ ከኣ ብናይ ኤርትራውያን ተበግሶን ምዕቡል ኣተሓሳስባን ዘይኮነ፡ እንግሊዝ ንገዛእ ርእሱ ክጥዕሞን ገይረ ንምባል ዝኣክልን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ክወለዳን ክነጥፋት ፈቒዱ።

ሞግዚታዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ መበገሲኡ ብዘየገድስ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያንን ቅድሚኡን ዘይነበረ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ክህሉ ምግባሩ ኣወንታዊ ጎኒ ኣለዎ። ይኹን ግን እቲ፡ ብደረጃ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ፡ ምዕቡል ኣተሓሳስባን ዘመናዊ ኣወዳድባን ተባሂሉ፡ ብፖለቲከኛታት፡ ምሁራትን ገለ መዛግብቲ ታሪኽን ኤርትራውያን ዝገልጽ፡ ብሓቂ ምዕቡል ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ነይሩ ድዩ ወይስ ብኣንጻሩ ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ብመነጽር መትከላት ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እተን ፖለቲካዊ ማሕበራት ዕላማአን እንታይ? መን ብድሕሪአን ነይሩ ዝብል ንጎኒ ገዲፈ፡ ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ክጥነስ ምኽኣሉ ኣወንታዊ’ዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፊ (ማሕበር) ናይ ምምስራት ናይ ሓሳብ ጥንሲ ጽቡቕ። እቲ ጥንሲ ግን ጥዑይ ኮይኑ ኣይተወልደን። ምስ ድሑር ባህርን ኣሰራርሓን ፖለቲካዊ ሕማሙ’ዩ ተወሊዱ። ብኣጋ ድማ ካብ ሕማሙ ክፍወስ ኣይተኽእለን። ከም’ቲ ሕማም ኣንቅጺ፣ ፖሊዮ፣ ንፍዮ ኣቐዲሙ መከላኸሊ ክታበት እንተዘይረኺቡ ናይ ዕድመ ልክዕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስንብራት ዝገድፍ፡ ምዕቡልን ዘመናውን ዝተባህለ ፖለቲካዊ ኤርትራ፡ በተሓሳስባ ኮነ ብተግባር ጥዕና ዘለዎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ኣይኮነን ኣብነት ፖለቲካ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክኸውን ገዛእ ርእሱ ጠንቂ ሕማሙ ብልክዕ ክፈልጥ ኣይከኣለን። ጠንቂ ሕማሙ ብጣሕመሽመሽ (ብሃውሪ) ‘ምበር፡ ብስነ-ፍልጠት ናይ ምግምጋም ባህሊ ኣየማዕበለን።

ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ብደርብታት ዝተኸፋፈለ’ዩ። ስለዚ ከኣ ነቲ ፖለቲካዊ ወጽዓ ክትፍውስ፡ ንጹር ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ፡ መን እንታይ ዕላማኡ? መን ምስ መን ይዛመድ? ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ’ዩ? ዝብል መሰረታዊ ረቛሒታት መበገሲ ገይርካ ምምዛን ወገናውነትካ ድማ ምንጻር ናይ ግድን’ዩ። ፖለቲካዊ ባህልና ግን ንኸምኡ ክብደት ሂቡ ኣይርእን። ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብመጽናዕቲ፡ ብገምጋም፡ ብስትራተጂን ስልትን ኣየንብብን። ኣይናበብን። ደርባዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይን ንጹርነትን ዘይብሉ፡ ማሕበራዊ መሰረት ዘይፈሊ፡ ንኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ስርናይን ክርዳድን ከይፈለየ ኣብ ሓደ ካሻ ኣእትዩ ተሰኪሙ ይጎዓዝ ኣሎ። ብውጽኢቱ ከኣ እነሆ ካብ ውልደቱ ክሳብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት፡ ትምክሕንትን ጽበትን ኣረኣእያ ዝፍውስ መድሓኒት ሓሪምዎ፡ ዘዋጽእን ዘዐውትን ጎደና ገዲፉ፡ ብዘየዋጽእን ዘየዐውትን ኣንፈት ብጣሕመሽመስ ይጎዓዝ ኣሎ።

እዚ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ደምበርበር ከም ዘሎ መንጸብረቕታ’ዩ፡፡ ኣብ ውልደትን ምዕባለን ፖለቲካ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተራና ከም’ዚ ነይሩ፡ ከም’ዚ ሰሪሕና ተኺልና፡ ኣብነታውያን ኢና ኢልካ ትንየተሉ ኣይኮነን። በቲ በሃልቲ ዝገልጽዎን ማህደራት ታሪኽ ዝሕብርዎን፡ ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ፖለቲካ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ካብ ዝጅምር፡ ካብ መጀመርያ 1941 ክሳብ ሎሚ 2020 ኣስታት 80 ዓመት ገይሩ ኣሎ። 80 ዓመት ሰለስተ ወልዶ ሓሊፉ፡ ናብ ራብዓይ ወለዶ ምስግጋር ዝተጀመረሉ ነዊሕ ዕድመ’ዩ። ፖለቲካዊ ሓርነት ዘይተራእየሉ ፍጹም ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ ስቓይ፡ ዕንወት፡ ሞትን እህህታን ዘይተፈልዮ ዓመታት ድማ’ዩ። ኣብ’ዚ ሓርጎጽጎጽ ዝበጽሖ ነዊሕ ፖለቲካዊ ዕድመ’ዚ፡ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ንቕሓትን ብቕዓትን ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ እንታይ ክመስልን ክኸውንን ነይርዎ? ብተግባር ከ እንታይ ይመስልን ኮይኑን ኣሎ? ብንቕሓት ብሓላፍነት ንዝመዝን ሰብ ብሕፍረት ርእሲ ዘድንን ‘ምበር፡ ብመን ከማን ኣየነይትን።

ፖለቲካ ከም’ቲ ገለ ጠቕመ ፈሊጣውያን ዝኾኑ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ለባማት ክመስሉ፡ ፖለቲካ’ኮ ከከም ሽጣራኻ ትጻወተሉ ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካ’ኮ ማእከል ናይ ተንኮልን ምብልላዕን’ዩ። ፖለቲካ’ኮ ብስነ-መጎት ሓይሊ’ዩ ክምራሕ ዘለዎ። ፖለቲካ’ኮ ንፖለቲከኛታትን ምሁራትን ‘ምበር ንህዝቢ ዝምልከት ኣይኮነን። ህዝቢ ዝተባህሎ ክሰምዕን ከተግብርን ጥራሕ’ዩ ዘለዎ .....ወዘተ ክብሉ ዝገልጽዎ ኣይኮነን። ፖለቲካ ስነ-ፍልጠት’ዩ። ፖለቲካ ጥበብ ናይ ምሕደራ’ዩ። ፖለቲካ ዘይኣትዎ ዓውዲ የለን። ፖለቲካ ብንቕሓት፡ ብብቕዓትን ህዝባዊ ወገናውነትን ዝመርሖ ደሞክራስያዊ ሓይሊ እንተረኺቡ መሰረት ኩለንተናዊ ምዕባለ’ዩ። ብኣንጻሩ ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብቕዓት፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ ቅዋማዊ ግዝኣተ ሕግን እንተዘይተመሪሑን ተገሪሑን ከኣ፡ ኩለንተናዊ ዕንወትን ሞትን ዘኸትል ዓውዲ’ዩ። ብዘይ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን፡ ብዘይ ህዝባዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ ቅዋማዊ ሕግን ናይ ዝምራሕ ፖለቲካ ኣብነት ከኣ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ’ዩ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ጌጋና እናኣረምና ብጎደና ምዕባለ ንምርሸሉ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብመንገዲ ጥፍኣት ናብ ፍጹም ዕንወትን ሞትን ኢና ንምርሽ ዘለና። እዚ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝመጸ’ዩ።

ከም ህዝቢ፡ ካብ ውልደት ዘመናዊ ፖለቲካ 19941 ክሳብ ሎሚ 2020 ካብ ቃልሲ ኣይበኾርናን። ካብ ቃልሲ ዘይምብኳርና ብኣወንታ ክተባባዕ ዘለዎ ’ዩ። ኣብ ኩርኳሕ ዘለዎ ማእሲ ደቂሱ ከይተገልበጠ ዝሓድር፡ ኣብ ቁንጪ ዘለዎ ገዛ ሓኸፍ ከይበለ ለዋም ለይቲ ዝሓድር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ከኣ ንሕና ካብ ክሳብ ምቅላስናን ገና ኣብ ቃልሲ ምህላውናን ኣየገርምን። ሰባት ስለ ዝኾና፡ ካብ ፖለቲካዊ ኩርኳሕን ቁንጭን ክንድሕን ነጻነትን ሓርነት ክንደሊ ንቡር’ዩ። ግዝኣታዊ መሬታዊ ነጻነት ኣብ 1991 ብሓይሊ፡ ኣብ 1993 ከኣ ብሕጊ ተመሊሱ’ዩ። ሃገራዊ ናይ መንነት ሕቶ ብሓይልን ብሕግን መዕለቢ ምርካቡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚ ኮይኑ ህዝባዊ ልኡላውነት ክሳብ ዘይተረጋገጸ ግን፡ ሕቶ ነጻነት ተመሊሱ፡ ሕቶ ሓርነት ተሪፉ ኢልካ ነጻጺልካ ትገልጾ ኣይኮነን። ነጻነትን ሓርነትን ኣይፈላለን። ንገድሊ ኤርትራ ዝወለደ ብመሰረቱ መሬት ኤርትራ ብኣራግጽ ባዕዳውያን ስለዝሓመደ ዘይኮነ፡ ዘይጽወር ህዝባዊ ወጽዓ ስለ ዝነበረ’ዩ። ነጻነት ማለት ከኣ፡ ነቶም ወጻዕቲ ብቃልስን መስዋእትን ኣልጊስካ፡ ባዕልኻ ንባዕልኻ ትመሓደር ነጻ ህዝቢ ነጻ ሃገር ምዃን ማለት’ዩ። ነጻነት ካብ ሓርነት፡ ሓርነት ካብ ነጻነት ክትፈላሊ ምፍታን መበገሲኡ ድሩት ኣፍልጦ ኮይኑ፡ ጸጉሪ ክትስንጥቕ ከም ምፍታን ዝቑጸር’ዩ። ሃገር ማለት ሰብ’ዩ። መጀመርያ መግለጺ ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ብትውልድን ብሕግን ኤርትራዊ ዝኾነ ሰብን’ዩ። ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መሬታዊ ልኡላውነት ብካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ። ስለምንታይ’ሲ ንኤርትራዊ መሬታዊ ልኡላውነት ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ ፈጢርዎን ዝሕልዎ ዘሎን። ንኤርትራዊ ሰብ ( ዜጋ) ግን ኤርትራዊ መሬታዊ ልኡላውነት ኣይፈጠሮን። ኣይሕልዎን ድማ። ቅድሚ ክብረት ኤርትራዊ ሰብ፡ ክብረት ሃገርነት ዝብል፡ ሓደ ካብ’ቲ ብሃውሪ (ብጣሕመሽመሽ) ፖለቲካ ንኸይድ ምህላውና ንግለጸሉ ክእረም ዘለዎ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ’ዩ።

እዚ ካብ ናይ 80 ዓመት ጉዕዞ ዘይተማህረ” ካብ ትምክሕንትን ጽበትን ፖለቲካዊ ድሕረት ዘይተገላገለ፡ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዝምራሕን ዝቑዝምን መግለጺ ዘይበሰለ ኣረኣእያና’ዩ፡፡ ሎሚ ኣብ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ነበራትን ሓድሽን ፖለቲካዊ ውድባትን፣ ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ድዩ ፈታዊ፣ ክመጽእ ዘለዎ ፖለቲካዊ ለውጢ ጽገናዊ ድዩ መሰረታዊ ለውጢ፣ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ምሕዝነትን ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሎ ርድኢት፣ ካብ መሰረታዊ ክብረት ሰብኣዊ መሰላት፡ ክብረት ግኡዝ መሬታዊ ግዝኣት ዘቐድም ኣተሓሳስባ፣ ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝነበረና፡ ዘለናን ንቕድሚት ክህልወና ዝግባእን ዝምድና ....ወዘተ ዛጊት ዘይጸረ ወይ መልክዕ ዘይሓዘሉ ምኽንያት ንኹሉ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዘቕንዙ’ዩ። ንኽተሎ ዘለና ኣገባብ “ቆልዓይ ይወለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት’ዩ። ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ ንደሊ፡ ዝመጽኣሉ መንገዲ ግን ኣይንኽተልን። እዚ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ፡ ባዕልና እቶም ደለይቲ ለውጢ ዕንቅፋት ንኸውን ምህላውና’ዩ ዘርእየና።

ካብ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ድሕረት ወጻኢ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ህግደፍ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ግንባር ከይዓስሉ ዝኽልክል ጭቡጥ መጎትን መረዳእታን የለን። “ ህዝቢ ይጸንት ኣሎ” “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ብኹሎም ውድባትን ውልቀ ሰባት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራን ተደጋጊሙ ክግለጽ ይስማዕ። ህዝቢ ይጸንት ኣሎ ምባል ሓቂ’ዩ ጌጋ የብሉን። ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ምባል’ውን ቅቡል’ዩ። ይኹን ግን ህዝቢ ይጸንት እንተሃልዩ ደኣ ቅድሚኡ ዝስራዕ ዛዕባ እንታይ ስለዘሎ’ዩ ገለ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክስራሕ ዘይተኻእለ? ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ መሪሕ ጭርሖ እንተኾይኑ ቀዳምነት ነዚ ሂብካ ዘይምስራሕ እንታይን መንን ዓንቀጸ?

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰባት ዝነጥፍሉ ዘለው ሓደ መግለጺ ጣሕመሽ መሽ ፖለቲካና ክገልጽ። ካብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ንነጀው ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተገይሩ ተባሂሉ ዝተሓበረ ግልጽነትን ወግዓውነትን ዘይብሉ ስምምዕን፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፈጢረሞ ዝተባህለ ዕርክነትን መሰረት ብምግባር፡ ኣንጻር ክልተ ውልቀ መለኽቲ ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያውያን ግንባር ፈጢርና ንሰርሕ ኣለና ዝብል’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ናይ 80 ዓመት ፖለቲካዊ ተመክሮና ኣብ ውሽጥና ኣብ ሓቀኛ ምትእምማን ዝተመሰረተ ምሕዝነትን ሓድነት ከነዐውት ኣይከኣልናን። ኣብ ፍጹም ፖለቲካዊ ድሕረት ተኣሊኻ ኢና ንርከብ ዘለና።

ብተግባር ኣብ ከም’ዚ ኩነታት እናሃለና ዶብ ሰጊርና ኣንጻር ውልቀ መለኽቲ እንታይ ዓይነት ምሕዝነት ንግበር’ዩ ዝበሃል ዘሎ? ንልኡላውነት ኤርትራ ዘኽብር ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣኽብሮት ክንህብን ኣብ ዘራኽቡና ሓቢርና ክንሰርሕን ቅኑዕን ብተግባር ክንዋስኣሉ ዘለናን’ዩ። ግን ዝኾነ ትዕዝብቲ ይሃልወና ኣብይ ኣሕመድ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውያንን ምዃኑ እንታይ ዝተጨበጠ ፖለቲካዊ” ሕጋዊ ኮነ ወተሃደራዊ መርተዖ ኣለና? ኢሳያስ ምርሓና ኢልዎ፡ ምስኡ ኮሸምሸም ኢሉ ካብ ዝብል ተበጊስካ ኣብ ልዕሊኡ ኣሉታዊ መርገጽ ክትወስድ ዝከኣል ኣይመስለንን። ደረጃ ናይ’ቲ ውልቀ ምልክነት’ከ ኣብይ ኣሕመድ ማዕረ ኢሳያስ ክሰራዕ ልክዕ ድዩ? ብተነጻጻሪ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሓ ኢትዮጵያ፡ ኢሳያስ ካብ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ዘከራኽር ኣይመስለንን። ኣብ ውሽጥና ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነት ምምላስ ተሳኢኑና ክንስና፡ ዶብ ሲጊርና ምስ ኩሎም ኣንጻር ህልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሪር ተቓውሞ ዘስምዑ ወገናት እንታይ ክንገብር ኢና ንደሊ ዘለና? ዘይተገርሐን ኣብ ቤቱ ውጽኢት ዘየምጸአን መእሰሪ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ባህሪና እንታይ’ዩ ክሕግዝ? ኣበይ’ዩ ክሕገዝ?

ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ እንታይ ተነፊጉና፡ እንታይ ይመለሰልና ኢና ንብል ዘለና? እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንመሓዘዎም ወገናት’ከ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ጎዲሉና እንታይ የመለሰልና’ዮም ዝብሉ ዘለው? ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ቅዋም ስለ ዘለዎም ዓንቀጻት እናጠቐሰኡ ቅዋምና ይከበር፡ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ይጠዓስ ኣሎ’ዮም ዝብሉ ዘለው። ንሕና ግን ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ሃገራዊ ቅዋም የብልናን። ሃገራዊ ባይቶ የብልናን። ኮታ ንጠርዓሉ ትካላት የብልናን። ብእምነተይ ንዓና ንኤርትራውያን ዘውጽኣና ህግደፍ ምስ ኩሉ ናይ ጭፍጨፋን ዓፈናን መሓውሩ ዝወገደሉ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክውን ምግባር’ዩ። ናይ ኢትዮጵያውያን ሕቶ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ንጹርነቱ ይጽነሓልና’ሞ ከም ሜላ ናይ ቃልሲ’ኸ ብኹሉ ሽነኹ ተገምጊሙ ድዩ? ብግዝያዊ ስምዒት ዝምራሕ ከይከውን ስግኣት ኣለኒ።

ኣብ ቃልሲ ፈተውቲ ክትፈጥር፡ ብፈተውቲ ክትሕገዝ፡ ንስኻ’ውን ክትሕግዝ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ግን ምስ መን? ኣብ ምንታይ ዘትከለ ግቡእ ፖለቲካዊ ገምጋም ጌርካ ዝፍጠር ዝምድና ክኸውን ኣለዎ። ብሆይ ሆይ ብንግበር ንግበር ዝፍጠር ዝምድና ኣይጠቕመናን። ምስ ኩሎም ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ነግ ፈረግ ዘይብሉ ንጹር ርእይቶ ዘለዎም ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ኢትዮዮጵያ ኣብ ምክብባር ዝተመሰረተ ዝምድና ክንፈጥር ቅኑዕ’ዩ። ብተግባር ሰጢምና ክንሰርሓሉ’ውን ይግባእ። ቀዳምነት ክንህቦ ዘለና ግን ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዘሎ ዝተዘርገ ፖለቲካ ምጽራይ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ኣብ ዓይኒኻ ዘሎ በሰር ከየውጻእካ ምስ ካልእ ክትመሓዞን ክትሕግዝን ሰለ ዘይትኽእል። እዚ ኣብ’ቲ ጸኒሕካ ናብ’ቲ፡ ኣብ’ቲ ሓደ ሞቕሎ ዝኻሰስካዮ ቅጫ ከይበሰለ፡ ናብ ካልእ ምስጋር መግለጺ ደምበርበር ስለ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና ብንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብዓቕሊ ጽበት፡ ቁዘማን ጣሕመሽ መሽን ከም ዘይፍወስ ተረዲእና፡ ቀዳምነት ካብ ባዕላዊ ድኽመትን ፖለቲካዊ ድኽነትን ንምንጋፍ ንረባረብ።

                                             ካብ ዛራ ማና

                                             16-08-2020