ተሓዝ ገንዘብ ናይ መድሃኔ አለም ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ሰብ፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምስ ሰረቀ፡ የዕሩኽቱን አዝማዱን ዓገብ: ተግባራትካ ኣይጠዓየን: ገንዘብ መድሃኔ አለም ክትበልዕ ምስ በልዎ፣ ብድፍረት ነውራም ተግባራቱ ከይዓጀቦ፣ "....እንታይ እዩ'ሞዚ ካልኦት እንዶ እነሄዉ ደሙን ስግኡን ይበልዑ ...."ብምባል መለሰ ይብሃል።
ናይ ዘመና ፋሺሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ወረራ ፈጺምኩም፡ ዓዲ ኣብሪስኩም፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀ-አንስትዮ ትፍጽሙ ኣለኹም፡ ንብረት ህዝቢ ትምንዝዑን ተዕንውን አለኩም፡ ስለዚ ነዚ እትፍጽምዎ ዘለኹም ግፍዒ ደው አብልዎ፡ ካብ ዘይዓድኩም ድማ ውጹ ምስ ተባህሉ፡ ኣብ ክንዲ ብነውራም ተግባራቶም ዝሓፍሩ፡ መንግስቲ አመሪካ ትዘርየና ኣላ ፣ ምስ ሚዛንን ክብረትን ሀገርና ዘይከይድ ተጸልመና ኣላ ክብሉ ይስምዑ ኣለው። ግደ ሓቂ ግን ነዚ ኩሉ ነውራም ተግባራቶም፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጥራሕ ኣይኮነትን ዓገብ ዝበለቶም: ዓለም ብዓለማ ነቲ እከይ ተግባራት ኢሰያስን ኣራዊት ሰራዊቱን ኮኒኖም ኢዮም። ከምኡ’ውን ነዚ እከይ ተግባራቱ ደው ኣብሎ ተባሂሉ ምስማዕ ስለዝአበየ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተነቢሩሉ ኣሎ። ንእገዳስ ተላማሚደዮ'የ እንታይ ከይገብረኒ ዝዓይነቱ ዝብለና ዘሎ ይመስል። ንምኻኑ’ኸ ካብ መዓስ ብሕጋዊ መንገዲ ሰሪሑ ይፈልጥ? ኢሰያስ ናይ ውልቀ ቂምታኡን ሓደገኛ ተንኮሉን መርወይ ክኮኖ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ጭፍጨፋን ዝምታን ዓመጽን ናይ ዘመና ሂትለር አብ ኤርትራ ኮይኑ ተረኪቡ ኣሎ።
ነዚ ርኡይ ብህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ወረራን ዓመጽን፡ ካልእ ይትረፍ ብዓይኒ ሰብኣውነት ዘይርኢ ኤርትራዊ፡ ዝኾነ ምኽንያት ይሃልዎ ካብ ተሓባበሪ ኢሰያስ ምዃን ዘምልጥ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ መትከላዊ እምነትና ጸረ ወጽዓን ዓመጽን ወራርን'ዩ። ኣሽንዃይዶ ንጎሬቤትን ሐውን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፡ ንካልእ ውጹዕ ህዝቢ ዓለም እንተኾነ'ውን ደገፍናን ድምጽናን ምስማዕ፡ ሞራላዊን መትከላዊን እምነትና'ዩ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ሕጂ ናብ ትግራይ ሰጊሩ ጉዱ ዝተቓለዔ ነውራም ተግባራቱ፡ ኣገናዕ ዘይተብሃልኩ፡ እዩ ዝብለና ዘሎ።
ዒንኪላሎ አረሜን ስርዓት ኤርትራ ኢሰያስ አፈወርቂ ኣብ ናይ መበል 30 ዓመት ጽንብል ነጻነት ዓጆውጀዋቱ ገና ኣይአረገን፡ ጠንቅን ሳዕቤናት እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምብራስ ንብረቱን ነውራም ዓመጽ አብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ተጋሩን፡ ዓለም ብዓለሙ ፊሊጥዎ ክነሱ ንወራሪ ባህርያቱ ክኽሕድ ርኢና፡፡ ብዛዕባ ክሕደቱ ኣብዚ ክንዛረብ ኣይኮናን ብዙሓት ስለ ዝተዛረቡስ ምድጋም ከይኮነና። ኣብ ዝኽሪ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ነጻነት ድማ ኢሰያስ ከም ተማራማሪ ሓድሽ ታሪኽ ክመስል ካብ 1941-1991 አጣቢቑ ክምህረና ፈቲኑ። ካበይ ተበጊሱ እንታይ ማለቱን’ዩ ኢልና ከይተሸገርና ንዘረብኡ ከም ህውታትያ ሐሲብና ንስገሮ።
ሚንስትሪ ዜና ብ 5 ሰነ 2021 ሓደ ዋሎ ሓተታ ኣቕሪቡ፣
ትሕዝትኡ ካብቲ ኣርሓ ኣብ 24 ግንቦት ዝበሎ ዘይፍለ፣..." ብጸለመን ዘይግቡእ ውሳኔን ዝድፈን ሓቂ የሎን" ኢሉ ጀሚሩ። ኣስዒቡ ድማ "ኣብዚ ቅንያት እዚ ካብ ዝተፋላለዩ አካላት መንግስቲ ኣመሪካ ካብቲ ፈጻሚ ይኹን ሓጋጊ ጨንፈር ንእዋናዊ ኩነታት ቀርኒ አፍሪቃ ኣመልኪቶም ዝወጹ መግለጺታት ብኩሉ መዔቀንታት ዝንቡዓትን ኣብ ሰላማን ርግኣትን ከባቢና አሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትሉን ዝኸሉን’ዮም ..... ” ብምባል ንመንግስቲ አመሪካ ከጸልም ጀሚሩ፡ እቲ ዘገርም ግን መዓስ’ዩ ኢሰያስ ብስላምን ርግአትን ዝነበረ ፣ አብዚ 30 ዓመት ንኤርትራ ይኹን ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት እሾክ ኮይንወን ምጽንሑን ምህላውን ንመን ከዔሹ’ዩ ንሱ እንተ ዘይተረድኦ ህዝቢ ኤርትራ ግን ደም ነቢዒሉ'ዩ። ብምቕጻል ኣብ ሓተታኡ ጉዳይ ባድመ ብምልዓል..... ንዓና ተወሲኑልና ከሎ 20 ዓመት ተነፊጉና ጸኒሑ፡ እዚ ከአ ውዲት ኣመሪካ ሙዃኑ ብብዙሕ ኣሚቱ። እታ ቀንዲ ረሲዕዋ ዘይኮንስ ምርኩስ ውዲቱ ዝኾነት ጉዳይ ባድመ፡ ድሕሪ ምዝማድ ምስ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓፋሽ ዶብና ሕጂ ይተሓንጸጽ ምስ በለ...."እዚ ናይ ተቃወምቲን ናይ ወያነን ዘረባ እዩ፡ ንሕና ግን ኪኖ ዶብ ኢና ንሓስብ ..." ኣይተባህለናን ድዩ? ስርዓት ኢሰያስ ካብዚ ቀጺሉ’ውን፡ ምርማስ ሓይሊ መከተ ኤርትራ፡ ንኣመሪካ ከላግብ ፈቲኑ። እዚ’ውን ላግጺ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ።
እቲ እሙን ናይ ኢሰያስ ፓስተኛ ተለኣኣኺ፡ ዑስማን ሳልሕ እንተኾነ'ውን ብ 7 ሰነ 2021 ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ልኢኹ። ትሕዝቶ ደብዳቤኡ ከአ ሓድሽ ኣይነበረን እቲ አርሓ ኣብ ጽንብል 30 ዓመት በዓል ነጻነት ዝተዛረቦ ኣብ ወረቀት ኣስፊሩ ልኢክዎ። ከምዚከኣ ይብል"...አመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንመራሕቲ ወያነ ትድግፍ ምንባራን ነዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ናብ ኤርትራ ከተላግቦ ምህቃናን መሰረት ኣልቦ እዩ”...ክብል ጽሐፉ። ምኽታብ ምኽታቡስ ብሉቅባሽ ተባሂሉን'ድዩ፣ ሓሶት ብሓሶቱ ከምዛ ቃል ናይ ኢሰያስን ጽሕፍቲ ደብዳቤ ዑስማን ሳልሕን፡ ንመላእ ዓለም ዓይኒ ምንቛር ማለት’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ " .... ኢሰያስ መሊሱ ንምምሕዳር አመሪካ ኣብ ጉዳይ ዶብ ጣልቃ ብምእታውን አብ ዞባና ግርጭትን ዘይምርግጋእን ንምፍጣር የሳውር አሎ...." ..ክብል ተሰሚዑ። መንዩ ጣልቃ ኣትዩ? እቲ አብ ዘይጉዳይካ ንኤርትራውያን መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እናጠበስካ ፣ ነቲ ግደፍ ነውሪ ንዝበለካ ብኢድ ኣእታውነት ክትከስስ ምፍታን ኣብ ታሪኽ ነውራም ክሲ ኮይኑ ክምዝገብዩ። ካልእ ሓሶት ከኣ እቲ ኩላትና ንፈልጦ ውግእ “ሓንሽን ባድመን” ባዕሉ ጀሚሩ ዝተሳዕረሉን ዝኣመነሉን ንሓያላን ሃገራት ዓለምና ከጣብቀለን ሰሚዕና። ናይ ሕጂ ግን ወራሩ ምስ ምሉእ ጭብጥታቱ ተቃሊዑ ስለዘሎ፡ ናይ መወዳእታ ሰዓቱ ምዃኑ’ዩ።
ብ 22 ግንቦት 2021 ኣብ "ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤሬን” ብክልተ ሉሙሳት ኮራኩር ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ ዝኾኑ ስሞም ምሁራት ፕ/ር ጊደዎን ምስ ኤልያስ አማረ ብሙኻን ..."...ወርቃዊ ቃላት ፕረሲደንት ኢሰያስ አፈወርቂ” ብዝብል ኣርእስቲ ንኩነታት 2018 ብምዝካር ገለ ክብሉ ፈቲኖም። ኣየ ሽግር ናይ ሰብዓታት!! ከምቲ “ ኢሰያስ ሽጉጥ ብምትዃስ ኣብ መንደቕ ሹሙ ይጽሕፍ” ብምባል ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምልኪ ሰረት ዝገበረ፡ ሕጂ’ውን በዞም ናይ 2021 ዓ.ም. ነብሰ ተአማመንነት ዘይብሎም ምሁራት በሃልቲ ሰሚዕና። ንሙኻኑ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ካብ ኢሰያስ ወርቃዊ ቃላት ሰሚዕና ኣይንፈልጥን፡ እንትርፎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽብን ዘነኣእስን። ንባዕሉ ኢሰያስ እውን ወርቃዊ ቃላት ኣለኒ ዝብል ኣይመስለናን። ንለመጭን ፍርሕን ናይዚኦም ብምርኣይ ግን ይሕጎስ ይኸውን። ኣርእስታ ዝገዘፋ ናእዳ ብጀካ ሓንቲ ዘረባ ናይ ኣያኦም (ጎይታኦም)፡ ካልእ ናታቶም ትዕዝብቲ እዮም ኣቅሪቦም፤ እሱ ከኣ ወርቃዊ ቃላት ካብ ዘረባ ኢሰያስ ፈቲሾም’ውን ክረኽቡ ስለ ዘይከሉ።
እዚ ናይ 30 ዒንኪላሎ ዓመታት ርኢና ፣ ነዛ ዕንክሊል እዚአ መሊእካ ንምስባር ፣ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብትብዓት ምቕላስ ተሪፉ ዘሎ፡ ናትና ተራ’ዩ። ብርግጽ ብዙሕ ወርቃዊ ዕድላት ኣጥፊእና ኢና። ሕጂ ከኣ ወርቃዊ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ቅድሜና እንሆ። ኩላትና ፓለቲካውያን ውድባት፣ ስቪካውያን ማሕበራትን አገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ምሁራትን ፍልልይና ብምጽባብ ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ጸረ ኢሰያስን ሰዓብቱን ሰፊሕ ጽላል ክንምስርት ይግብኣና። በዚ'ውን ነታ አብ መጨረሽታ መዓርፎ በጺሓ ዘላ ዕንክሊል ህግደፍ ንምጽዳፍ ሳቦያ ንበል።
ዓወት ንደምክራሲያዊን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ስዕርትን ውድቀትን ንኢሰያስን ስርዓቱን።
ሓተታ ደግሓኤ ስነ 2021 ቁ. 002