ዓባይ ሃገራዊት ኣደ ወ/ሮ እክብት ግቡጣን ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ብሰሉስ 25/03/2020 ኣብ ከተማ እሉም ሃገረ ጀርመን ብሞት ካባና ተፈሊየን፣ ሎሚ ዕለት 30/03/2020 ከኣ ሓመድ ኣዳም ለቢሰን።

ተቓላሲት ኣደና ወ/ሮ እክብት ልሉይ ሃገራዊ ግደ ዝነበረን ወላዲት ኣብ ርእሲ ምንባረን፣ ብዙሓት ካብ ደቀን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብምስታፍ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ቃልሲ ዓቢ ግደ ከም ዘበርከቱ ፍሉጥ ኢዩ። ክልተ ካብ ውላደን፣ ማለት ተስፋልዑል ዳንኤልን ገብረቅዱስ ዳንኤልን፣ ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ካብ’ቶም ብጅግንነት ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኢዮም።

ኣደ ጀብሃ ወ/ሮ እክብት ግቡጣን ምስ ደቀንን ደቂ ደቀንን፣ ኣብ’ቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫልና ረዚን ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነበረን፣ ኣብ መዛግብ ሃገራዊ ታሪኽና ንዘልኣለም ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ።

ብሞት ኣዴና ወ/ሮ እክብት ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ንክቡራት ኣሕዋት ሳሙኤል ዳኒእልን፣ ገብረልኡል ዳንኤልን፣ ኣብረሀ ዳንኤልን፣ ምስ ኩሎም ቤተ ሰብን ናይ ቃልሲ ብጾቶምን ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበልና፣ ንክብርቲ ኣዴና ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርስን

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

30/03/2020