(ደቂ ኤረይ ተቐርቂርና እንበር)

ብኢሰያስ ዝመራሒኦ ጭፍራ

ገለ ብደም ዝጠልቀዩ ደቀባት ኤትራ

ገለ ዕባይ ኤርትራ ተጋሩ ኣምሐራ

ጭጉራስ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ

መንዩ ትግራዋይ መንዩ ኤርትራዊ

እቲ ሐቂ ዝዛረብ ዶ እቲ ሐሳዊ

ባዶ ሰለስተ ስልጣን ህግደፍ ሐላዊ

ዶ ብልሳን ህውሐት ሐሶት ዝጸዊ‘‘

ናይ ሐሶት ወልፊ

ባዕላ መውጺኢት ደርፊ

ባዕላ ምጥፍኢት ደርፊ

ዋህያ ትገጥሚ ትልፍልፊ

ሐሳት 03, ኣለዎ ሕልፊ‘‘

ካብ ባዓቲ ወጺኡ መራሒ ማፍያ

ፎ እዛ ዒባ ዋህዮ ህግደፍ ጨንያ

ሐሚሙ እባ ሞይቱ ኢላ ኣውርያ

ተገምጢላ ናብ ጸለመ ተጓይያ‘‘

ንመራሒኣ ኣሰንያ ንሽዋ ኣትያ‘‘

ኣታሐባእ ኣብ ሳሕል ዝለመደቶ

ንህዝቢ ኤርትራ ብሐሶት ዲሂላቶ

ውዲታ እንሆ ሕጂ ውን ደጊማቶ‘‘

ህዝቢ ኤርትራ ዝረኽቦ

በቋራጭ ንኣቢዪ ከረክቦ

ደቀባት ያኣክል ጎቦ ጎቦ

ክሳብ መዓስ ኢና ክንዕዘቦ‘‘

ከይንቐብጸኩም ምውሳን ሲኢና

ንሕና ንለውጢ ንስኹም ንጽገና

ምፍተት ማፍያዊ ጉጅለ ገርኩምና‘‘

እቶም ንጽገና ትጎስዑ ትገዱ

መጸዋዕታ ናብ ጀነራላቱ ዝሰዱ

ቃልስና ጸረ ጃንዳ ንህግደፍ ዓሪዱ

ንስለያ ህግደፍ ሰጒዱ ከይኣቱ ንዓዱ‘‘

ተቃውሞ ደንበ ኣይቢኢዱ ኣይብኣፉ

ንደንበ ተቓውሞ ብልማማ ተጽርፉ

ኣብ ፌስቡክ ዩቱብ ሐሶት ተሕልፉ

ጉሒላ ሳሕል ገደል ኣፉ

ውዒሉ ሐዲሩ ዘይተርፍዩ ምጉሐፉ‘‘

ክንብርኩት ከይንብርኩቱ,ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ

ኢሰያስ ሞይቱ ኣይሞይቱ ሽግርና መዓስ ይፍታሕ

ህግደፍ ካብ ሱሩ ክመሖ ስራሕና ጥራይ ንስራሕ‘‘

ኣውሎ እስከታ ኣውሎ ሰዶ ሰዶ

ኣባ ብልሐቱ ተራእዩ ስግር ማዕዶ

ኢዶ ፈራዕራዕ 03,ኣይበዝሔን ዶ‘‘

ካብ ኣምለኽቲ ኢስያስ ፈራዕራዕ

ጽንሑ ጥራሕ ጽባሕ መንዩ ዝንሳዕ

ጽባሕ ክንርኢ ኢና ድም ምጉሳዕ‘‘

ኣስመራ ኣካቢት ንኹሉ

ነዚ ውን እንቋዕ ኣርከብናሉ

ቀሲ ኢሉ ክበርህ እዩ ኩሉ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።