ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣትማህለል

ልምዲ ዶ ኮይኑና ወይስ ኣመል

ደድሕሪ ሰብ ዕልማ ንብል ኮለል‘‘

ኢሰያስ ሞይቱ ሽግርና መዓስ ይፍታሕ

ህግደፍ ብደገን ብውሽጥን ከይበሉ ፋሕ

ትጽቢት ገዲፍና ግብራዊ ስራሕ ንስራሕ

ብዘይ ግብሪ ናብ ዓወት መዓስ ይብጻሕ

ሽግርና ምስ ስዕረት ጃንዳ ህግደዩ ዝፍታሕ‘‘

ዕላማ ንሕና ዕላማናን

ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን

ዕላማ ኢሰያስን ጉጅሉኡን እንበር

ብጃንዳ ህግደፍ ከይፈረሰት ሃገር

ደቀባት ኤርትራዊያን ንባራበር‘‘

ኢሰያስ ሞይቱ ሽግርና መዓስ ይፍታሕ

ን29 ዓመት ኣብ ትሕቲ ዓመጽ

ፍትሒ ነጊሱ ንክራጋገጽ

ንሐቀኛ ንለውጢ ከመይ ዘይንርበጽ

ብህግደፍ ክሳብ ማዓስ ክንርገጽ‘‘

ሳኣን ትብዓት

ኣብ ትሕቲ ከዳዓት

ን29 ዓመት ንብዓት‘‘

ዕምሪ ህግደፍ ንክነሕጽሮ

ዘረባና ናብ ግብሪ ክንቅይሮ

ቃልስና ኣብ ኤርትራ ንግበሮ

ንህግደፍ ኲዒትና ክንቀብሮ‘‘

ስልጣን ህዝቢ ክነሕድጎ

ካብ ሱሩ ሚሒና ክንጸርጎ

ተባህለ ዝብል ዘረባ ንሕደጎ‘‘

ካብ ዘረባ ናብ ግብሪ ሃገራዊ

ህዝብና መሰል ረኺቡ ክረዊ

ጸላእትና ክልብለቡ ብሐዊ‘‘

ኢሰያስ ሞይቱ ሽግርና መዓስ ይፍታሕ

ኣብ ኤርትራዊያን ሕማም ተላገብ

ክንዲ ሐዞ ሐዞ በብበይንና ንዛረብ

ሰኣን ጸረ ህግደፍ ሐቢርካ ዘብዘብ

ኣብ ምፍልላይና ህግደፍ ይምገብ‘‘

ስልኳ ኢሰያሳዊያን

ከሊኡና ምትእምማን

ኣይከኣልናን ንህዝቢ ምድሐን‘‘

ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤረ

ንህግደፍ ኣይነላምዶም መደረ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ምልሐሶም ዕረ‘‘

ብኣምሐራ ገዳይ, ብደቂ ኣሉላ ቱታ

ኣቦሐጎታትና መኪቶሞም ብውዋልታ

ብናይ ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ወስታ

ንሃይለ ስላሴየ ንደርገ መኪቶም ደቀባታ

ኤርትራ ብደም ጀጋኑ ደቃ ብ91 ተዓዊታ

ሃገርና ኤርትራ ንጹዩ ዶባታ ምስ ወደባታ

ናይ ጭፍራ ህግደፍ ውን ኣለዎ መወዳእታ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።