ሰብ ብምዃና ሓደ ኢና

ኤርትራውያን ብምዃና’ውን ሓደ ኢና

ከም ሰብን ከም ኤርትራውን እንተሓሲብና

ሰብኣውነትን ዜግነትን’ዩ ዝኣስረና።

ግን……

ባህሪና ብፍትሒ ብርትዒ ተቓኒዩ

ኣነ ንዓኻ ንዓኺ ንሳትኩም ንዓይ ተሳኒዩ

እቲ ሓደ ክቑንዞ እቲ ካልእ ሓልዮት እንተዘየርእዩ

ሰብ ምዃን ኤርትራዊ ምዃን ጥራሕ ባዶ’ዩ።

ስለምንታይ’ሲ …..

ሰብ ምዃን ንበይኑ ኣይምሉእን

ኤርትራዊ ምዃን ንበይኑ ኣይመስመርን

ሰብ ኮይኑ ሰብኣውነት ኣይዕቅብን

ኤርትራዊ ኮይኑ ዜግነታዊ ክብሪ ኣይህብን።

ስለዚ….

ቀዳምነት ጠመተና ንሰብኣዊ ክብረት

ህይወት ሰብ ንምድሓን ንህዝባዊ ሓርነት

ንጸየን ንጭካኔ ንጃህራ ንባርነት

ኣብ ድልዱል ባይታ ክስረት ኤርትራውነት።

ተሓጺቡ ይጥፋእ ኣነነታዊ ኣተሓሳስባ

መን ከማይ ከማና ፍረ ኣልቦ ዘረባ

ካብ መኣዲ ልዝብ ርሒቕኻ ብቃላት ኩርባባ

ብትኽታኽ ኣረጊት ዘይርከቦ መለገባ።

                                          

ሰብኣውነት ዘይብሉ ፍቕሪ ምስ ኤርትራ

መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ጃህራ

ሒዙካ ዝጥሕል እኩብ ዓፍራ

ባርነት’ዩ ስሙ እንኮ-ሰባዊ ምሕደራ።

ንመኸር ንስማዕ ካብ ዝሓለፈ

ከይመጽአና ዝገደደ ዝሓርፈፈ

ወዲ ህዝብን ጸረ-ህዝብን ብልቦና ይነፈ

ኣወንታዊ ሕልምና መሊኡ ከይተኾልፈ።

ሃገርነት ምቕዳም ካብ ሰብኣውነት

ፖለቲካዊ ግርህነት’ዩ ወይ ድማ ሃላልነት

ርእሰ ነጻነት ዘይብሉ ዕሱብነት

ንሓርነት ሃሪሙ ዝናፍቕ ባርነት

ሕሱር ዕዳጋ’ዩ ኤርትራዊ ኣነነት

ቅድሚ ኤርትራውነት ይሰራዕ ሰብኣውነት

ካብ ዛራ ማና

12-03-2020