ጀነራል ናይ ዓሻ ጎልጎል

ብዙሕ ሃለውሎው ኣይትበል

ስርሒት ዓዲ ዃላ ሰንበል

ጅግንነት ስርሒት ፈንቅል

ዝሐለፈ ከይድገም ትም በል‘‘

ኤርትራ ልእላዊት ሃገር

መሲልኩም ደኣ እንበር

ብደውና ከለና ደቂ ሃገር

ወደብና ዘበት ዩ ክድፈር‘‘

ባሕሪ ንኤርትራዊያን ብሕርና

ዓሰብን ባጽዕን ዝወደባትና

ሕጂ ኸ እንታይ ትደልዩና

ብጉጅለ ህግደፍ ተናዒቕና

ብሐይሊ ክንመልሳ ኢና‘‘

ዘረባ ኣደይ ለቱ

ኣየውፍር ኣየእቱ

ኤርትራዊ መኒኑ ንሂወቱ

ተረሲዖም ድዮም እቶም ጀጋኑ

ንመንግስቱ ኣብ ዓዱ ዝሰሐቱ

ኤትዮጵያዊያን ብዙሕ ትህውትቱ

ኤርትራዊ ዋጋ ከፊሉ ዩ ንርስቱ‘‘

ሕጂ ውን እንተ ኾነ

ኤርትራዊ ምስ ወሰነ

ሕልምኹም ሽዑዩ ዝበነነ‘‘

ህርፋን ዘይናትካ ምድላይ

ቴንቤናይ ክሳብ ዘሎ በሉ ገዳይ

ምስ ተበገሱ ዋዕሮ ምስ ሐሊባይ

ኣይንፍክርን ግና ጥራይ ምቕናይ‘‘

መለይ ሐሚምኪ ዲኺ

ኣብ ዓዲ ፈውሲ ሲኢንኪ

ንሐርነትኪ ግዳም ዝሐደርኪ

ንመሰኪ ዳግማይ ዝወፈርኪ‘‘

በጃ ህዝዝቦም ዝወደቑ

ብጅግንነት እቶም ጀጋኑ

ጀነራላት ህግደፍ ዝኾኑ

መዓስዮም ንኣርዮስ ዝኹኑኑ

ክሳብ ማዓስ ርእሶም ክደንኑ‘‘

ብጀጋኑ ደቂ ኤረይ ተሳዒሮም ትማሊ

ንኣቢዪ ኣሚኑ ናይ ኣርዮስ ተወካሊ

ልእላዊት ሃገር ክጎብጥ ብሐይሊ

ጀነራል ኣበበ ይብል ኣይትሐዙኒ‘‘

መለይ ከምዚ ኢልኪ ንህዝቢ ኣበስሪ

ኤረና ኣለና ብዘረባ ዘይኮነ ብግብሪ

ሽዑ ሃገረ ባሕሪ ንደቂ ቀይሕ ባሕሪ

ኣብ ባሕርና የንሳፍፍ ዝከፈለ ግብሪ

ከም ትማሊ ረመጽ ከይትረግጹ ጓህሪ‘‘

ምስ ጎረቤት ኣይንደልን ባእሲ

ኢድኩም ኣክብልና ሎምሲ

እዚዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መልሲ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።