- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- Mass exodus of Tigrayan, Eritrean youth gives rise to entrenched human trafficking network
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 467
ፖለቲካ ኤርትራ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ይኹን ግን ማዕረ ዕድሜኡ ይስጉም ይሰፍሕን ይምዕብልን የለን። ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ሽውላለ ክብል’ዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ኣስታት ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዕድመ ንእስነት፡ ኣካላዊ ጉድኣት፡ ናይ ህይወትን ነዋትን መስዋእቲ፡ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ተራ ሞት ኣውሪዱ ባዶ ዘትርፍ ክፉእ ውድቀት’ዩ። እዚ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቅጽበታዊ ምህማም ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ምስክር’ዩ። ንድሕነቱ ብናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ቅልጽም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተዘይተገይሩ፡ ነቲ ዝነበረ ክብርታት ኩሉ ናብ ነበረ ዝቕይር፡ ከም ህዝቢ ህልውናና ዘስእን ዘይተለመደ ደወል መርድእ ቅድሚ ሞት’ዩ ዘስመዐና ዘሎ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 453
ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መውስቦን ፖለቲካ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህልው ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት’ዮም። ክህልው ዝገብሮም ከኣ፡ መውስቦ ኣብ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ (ህዝቢ) ፖለቲካዊ ኣባልነት ድማ ኣብ መዳይ ምሕደራ ህዝቢ ብዘለዎም ወሳኒ ቦታ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብወለዶታት እናተተኻኸአ ክቕጽል፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣነስታይ ናይ ግድን መውስቦ ክህሉ ኣለዎ። ክዋሰቡ እንከለው ኸኣ ከም እንስሳ ብፍኑው ዘይኮነ፡ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ዝኣምነሉ ዘኽብሮን ሕጋዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓተ መውስቦ ዝተኸተለ ክኸውን ይግባእ። ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ንጹር ራእይን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣነባብራ እንስሳ ዝፈልዮ ስለ ዘይብሉ፡ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ፖለቲካ ከም ቀላሲ ወሳኒ ኩለንተናዊ ዛዕባ ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ሰብ ረኣኹ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ክኸውን የብሉን። ሓሳብ ወይ ኣረእእያ መሰረት ዝገበረ ኣባልነት ክኸውን ይግባእ።
- Details
- Written by: Super User
- Hits: 513
“እዚኣ’ውን ኣይክትከውንን’ያ”
ካብ’ቲ ኣውያት ቐዳማይ ኽፋሉ
“ . . . . . እቲ ዝገርም ግን፣ ቀ/ሚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ብስልሕም ኣቐዲሙ ወጢንዎ ምንባሩን ምዕዶታት መንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ክብል መሪጹ ዝነበረ ሰብ'ዩ።
እምበኣርከስ ናይ'ዚ ዕሸል ጌጋታት ብንጹር ንምቕማጥ፥
#1
መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ካብ ምምዓድ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ክህሉ ከም ዘይብሉ ንቀ/ሚ ኢትዮጲያ ብግልጺ ነጊሩዎ'ዩ። ንመራሕቲ ወያነ'ዉን ኣብ ህድኣት ክዓስሉ ካብ ምምካር ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ምስ ፕ/ት ትግራይ ነበር ዶ/ ደብረጼን ኣብ ዝተገብረ ርክብ'ዉን፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ፣ ኣብ ዞባና ግጭት ከም ዘየድሊ ብግልጺ ምዒዱ'ዩ።
Read more: ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 456
ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት) ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።
Read more: ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 465
መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።
Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 453
ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ። ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።
Read more: እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 438
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን። እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 453
ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።
Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።