“እዚኣ’ውን ኣይክትከውንን’ያ”

ካብ’ቲ ኣውያት ቐዳማይ ኽፋሉ

“ . . . . . እቲ ዝገርም ግን፣ / ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ብስልሕም ኣቐዲሙ ወጢንዎ ምንባሩን ምዕዶታት መንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ክብል መሪጹ ዝነበረ ሰብ'ዩ። 

እምበኣርከስ ናይ' ዕሸል ጌጋታት ብንጹር ንምቕማጥ፥ 

#1 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ካብ ምምዓድ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ / ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ክህሉ ከም ዘይብሉ ንቀ/ ኢትዮጲያ ብግልጺ ነጊሩዎ'ዩ። ንመራሕቲ ወያነ'ዉን ኣብ ህድኣት ክዓስሉ ካብ ምምካር ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ምስ / ትግራይ ነበር / ደብረጼን ኣብ ዝተገብረ ርክብ'ዉን፣ / ኢሰያስ ኣፎርቂ፣ ኣብ ዞባና ግጭት ከም ዘየድሊ ብግልጺ ምዒዱ'ዩ። 

#2

/ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሰላም፣ ንኤርትራ ከም ጠንቂ ናይ' ግጭት ጌሩ ንምቕራብ ኩሉ ዓይነት ሞጎተታት ጌሩ'ዩ። ብመሰረቱ'ዉን ኤርትራ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ንዘይምቕራብ' ተጓይዩ። ብቐንዱ፣ / ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ትግራይን ዝኾነ ይኹን ዝርርብ (ምርድዳእ) ንኸይህሉ፣ ኩሉ ዓይነት ህቀናታት ኣካይዱ። መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ' ዝርርብ ንኸይዉከሉ፣ ናይ ጻቕጣያት ጸወታ ብቕሉዕ ኣተግቢሩዎ'ዩ። ነዚ ንምዕራይን ዘላቒ ሰላም ንኽመጽእ፣ ንኹሎም ወገናት ዘሳተፈ ዝርርብ ሰላም ክግበር ንዝቐረበሉ ጠለብ ድማ፣ ፍጹም ከም ዘይቅበሎ ብዕሊ ኣፍለጠ። 

#3

ኣብ ክልል ኣምሓራ ግጭት ከሳዉር ድሕሪ ምጅማሩ፣ / ካብ መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክሓትት ሕንኽ ኣይበለን። መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ መጸዋዕታ ብትሪ ብምቁዋም፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩናት ከም ዘየድልን፣ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ምትፍናን የጓሃህሮ ምህሃዉ ግልጺ መጠንቀቕታ ሃበ። እንተኾነ / ካብ ዝሓለፈ ዕንወት ከይተማህረ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓድሽ ኩናት ከሳዉር ምርጫ ወሰደ። ኣብዚ ንጹር ክኸዉን ዘለዎ ነገር እንተሃልዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ቀጥታዊ ዝርርብ ክግበር ካብ ምምዓድ ዓዲ ዉዒሉ ኣይፈልጥን። 

#4 

በንጻር' / ስምን ምስልን መንግስቲ ኤርትራ ንምብላል፣ ‘‘ኤርትራ ንዉዕል ፕሪቶርያ ትዕንቅፍ ኣላ‘‘ ዝብል ናይ ወቕዒ ፕሮፖጋንዳ ንመንግስታት ኣሜሪካን ኤዉሮጳን ክህብ ጸኒሑን ኣሎን። እንተኾነ / ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘይበሊ ጽልኢ ንምስዋር ክሰርሕ ምጽንሑ ናይ ዕዳጋ ምስጢር'ዩ። ኣብዚ ከይተዓግተ፣ ኣብ ምንጎ መራሕቲ ኤርትራን ትግራይን ዝኾነ ዓይነት ናይ ሰላም መንገዲ ንኸይህሉ ብቓልዕ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ'ሎ። ነዚ ዕሸላዊ ኣካይዳ ዝሓረየሉ ምኽንያት'ዉን፣ ካብ' ጸቢብ ናይ ‘‘ኦሮሞ ስልጣን ከዉሕስ፣ ህዝቢ ሰሜን ክባላዕ ኣለዎ‘‘ ዝብል ዝንቡዕ ዉጡኑ'ዩ።

 

2 ክፋል ይቕጽል....

 

ምሉእ ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ ንምንባብ ኣብ ዝቕጽል መተሓሓዚ (ሊንክ) ይጠወቕ

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን