- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- Mass exodus of Tigrayan, Eritrean youth gives rise to entrenched human trafficking network
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- Details
- Written by: ተኽሉ ቀሺ
- Hits: 464
ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዘራጋግጾ ሕቶ ሓድነት ማእከላይ ዕላማና’ዩ እናተባሃለ ኣብ ተግባር ግን ውድባት ኤርትራ ጸረ-ገድሊ፡ዓማ ሓራዲት ቀንጻሊት እናተባሃሃላ እየን መጺኤን ፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ዝነበራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻውርን’ዩ »ዝብል ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ነይሩ ፡፡ዋላኳ ኣብ ናይ ተሓኤ ኣብ ካልኣይ ሃ/ ጉባኤ እቲ ጸረ-ሰውራ ዝብል ጌጋ ምዃኑ እንተተገምገመ ኣብ ባይታ ግን እቲ ሽም እናተጥቕማሉ እየን ቀጺለን፡፡
Read more: ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 405
ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 750
ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 445
ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 891
መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ። ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ። ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።
- Details
- Written by: Editor-in-chief
- Hits: 451
እቶም ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ዘለኹምን ካብኡ ዘምለጥኩምን ኤርትራውያን ደስ ይበልኩም። እቲ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊዘን ምስልሳሉ ንከብቕዕን ከም ዝእገድ ንምግባሩን ዝዓለመ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊታት፡ እነሆ ሎሚ በቲ ንቃልሲ ሳዳታቱን ኣያታቱን ዘቐጸለ መንእሰይ፡ እቲ ዝተሓለነ ሸቶኡ ክወቅዕ ገቢሩዎ ኣሎ። መቓልሕን መሓዙታ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ድማ እቲ ዳርጋ ካብ 2011 ዝጸዓርናሉ ግን ዘይተዓወትናሉ፡ እንቛዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ክንርኢ ገበርኩም። ኣብ ዝቕጽል መደባት እውን ኣብ ምትሕብባርኩም ምህላዋ መቓልሕ ተረጋግጽ።
ብዘይካ እተን ‘ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና’ ብዝብል ምስ ህግደፍ ዝወገና ገለ ከም ተቓዋሚት’የ እትብል ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ (AAN MEDIA NETWORK)ን ባዕላ እታ እንኮ ኤሪ ቲቪ (ERI TV)ን ዝመሰላ ኤርትራያን ማዕከናት እንተዘይ ኰይነን ካልኦት ንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጣታትን ራድዮ-ማዕከናትን መጽሔታትን ዓለም እውን ሳላ ምዑት ቃልሲ መንሰያት “ብርጌድ ንሓመዱ” ንሓቀኛ መንነት ጉጅለ ህግደፍ እናቃልዓ ዜና ምሃበን ቀጺሉ እዩ። ኣብ መንጎቲ ንመሰል “ምክያድ ሕፍረት-ፈስቲቫል ሓራዲ ህግደፍ” ንምርግጋጽ ዝተኸላኸለ ሰራዊት ፖሊስ ጀርመንን ብምሒር ሕርቃን ዝተጻዕኑ መንስያትን ዝተራእየ ጐንጺ ዝተሓወሶ ኣገባብ ክኹነን ዝግብኦ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሓደ “ናይ ኣፍሪቃ ስሜን ኮረያ” እናበሉ ባዕላቶም’ውን ከይተረፈ ዝገልጽዎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን “ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር መሰል ኣለዎ” ብማለት ዝፈቐዱ ኣብያተ ፍርድታት ጀርመን’ውን ሓላፍነት ኣለዎም እብል።
Read more: ደሞራሲያዊ ኣረኣእያ ምዕራባውያን፡ ሎምስ መትሓዚ ዝበሃል’ዃ ተሳኢኑዎ። ኣዝዩ ዘሕጉስ ውጽኢት ወፍሪ ‘መንሰያት ኤርትራውያን ኣብ ሰላማዊ...
- Details
- Written by: Super User
- Hits: 772
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገደስቲ ሰነዳት መገሻ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ውዱቕ ከምዝገበሮ ተገሊጹ።
መንግስቲ ጀርመን፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣትዮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ብመስርሕ 'ምትእኽኻብ ስድራቤት' ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ስድራኦም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፖስፖርትን ካልእ መሰነይታ ሰነዳትን ከምጽኡ ከምዘለዎም ከገድድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ጀርመን’ውን እንተዀነ፡ እቶም እታ ዓዲ እትደልዮ ግቡኣት ኣማሊኦም ዜግነት ናይ ጀርመን ክወስዱ ዝግባኦም ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ከምዘለዎም ስለዝሕበሮም፡ ንጉዳዮም ብጠበቓ ንኽማጐቱ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክቃልዑ ምጽንሖም ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ጀርመን ብዝኽተሎ ተሪርን ዘየድልን ሕግታት ኣብ ጸገም ብምውዳቘም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅድሚኡ’ውን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራዊ ክኢላ ሕጊ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብሓባር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም ነይሮም።
- Details
- Written by: ደ.ግ.ሐ.ኤ - ዞባ ሱዳን
- Hits: 849
ኩቡራት ስድራ ቤት ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ስዉእ ብ/ኣለም ገብረሚካኤል
ኩቡራት ናይ ቃልሲ ብጾትን ፈተውቱን ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሳንን ተኣፋፍን መድረኽ ንጅግና ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብዓል ንጹር ህዝባዊ ድሞክራስያዊ መስመር ወዲ ህዝቢ ብጻይ ኣለም ምስኣንና ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይሰምዓና።
ሓርቦኛ ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንኡስ ኦድሚኡ ኣብ ሰውራ ዝተጸንበረ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ናይ ቃልሲ ጾሩ ከየውረደ ገንዘቡን ፍልጠቱ ሂወቱን፡ከይበቐቐ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኣብ ምፍጻም ብልዑል ተወፋይነት ቆራጽነትን ዝተዋደቀ ምሩጽ ብጻይ ኢዩ ነይሩ።