- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- Mass exodus of Tigrayan, Eritrean youth gives rise to entrenched human trafficking network
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- Hits: 28
ናይ ሎሚ መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልስና ሓርበኛዊ ተረኦም እናተጻወቱ ከም ዝመጹ ዘይካሓድ እዩ፡፡ ይኹኑ ዳኣምበር ኣብ ወድብ ህግሓኤ ደሞክራስያዊ ኣፍልጦን መሰላትን ናይ ንጹሃት ተጋደልቲ እናዓፈኑን እናጨፍለቑን፡ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባታት እናኣስፈኑ፡ ናይ ዓፈና ትካላት እናወደቡን ዝመጹ ጸረ ደሞክራስን ፍትሕን መለኽቲ ባእታታት'ውን ነይሮሞም እዮም፡፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
- Hits: 367
ሎሚ መበል 63 ዓመት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ንዝክረሉን ነኽብረሉን ሃገራዊ በዓልና’ዩ። ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኾልፉ ገና ዘይተመለሱ መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ‘ኳ እንተሃለው፡ በቲ ክቡር ባህልና ተገዚኡ እንቋዕ ናብ’ዚ ዕለት ኣብጸሓኩም ይብል። መበል 63 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ህዝባዊ ሓርነትናን ብቕልጽምና ዝብል ዘይምብርከኽ ግብረ መልሲ ዝተጀመረላ፡ ኣብ ተዘክሮ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ።
እንተኾነ ግን ባሕቲ መስከረም 1961 ናይ’ቲ ቅድሚኡ ክካየድ ዝጸንሐ 20 ዓመት ዝገበረ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ብመልክዑ ዝተፈልየ ኣገባብ መቐጸልታ ‘ምበር፡ ናይ ነጻነታዊ ቃልስና መፈለምታ ዕለት ከምዘይኮነት ምግንዛብ የድሊ። ስትራተጂካዊ ዕላማታት ኣብ ምንጻር ዝነበሮ ሕጽረታት፡ ዘይጽፉፍ ውደባ፡ ዝገጥሞ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ዕንቅፋት ተደማሚሩ፡ እቲ ሕቶ በቲ ዝጀመሮ ብሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ኣብ ሕጋዊ መደምደምታ ኣይብጻሕ ‘ምበር፡ እቲ ቃልስስ ካብ መጀመርያ 40ታት’ዩ ጀሚሩ። ስለዚ ሓድሽ ወለዶ ነጻናታዊ ሕቶኡ ካበይ ተበጊሱ፡ እንታይ ዋጋ ሓቲቱ፡ መዓስ፡ ብኸመይ ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ትውልዲ ከኣ እቲ ዝነበረን ዝተገብረን ከየዛበዐ ከመሓላልፍ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ተረዲኡ ክሰርሕ ይግባእ።
Read more: ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- Hits: 1085
ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።
Read more: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- Details
- Written by: Super User
- Hits: 1014
ንዝኽሪ ስነ-ስርዓት ህላወን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ኣንጻር ኩናት ብርሰት ህዝቢ ትግራይ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጊዜ ጽንኩር ኩነታት ኩናትን ወረ ኩናትን ኩሉ ዓቕምታቱ ጸንቂቑ ብጅግንነት ተዋዲቑ ህላወኡን መንነቱን ዘውሓሰን፣ ንስለ ሰላም ክብል ከኣ ዝኣክል መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ጀጋኑ ደቁ ከፊሉ ሰላም ዘውሓሰን ደላይ ሰላም ምዃኑ ብንጹር ኣብ ባይታ ንህዝቢ ዓለም ዘርኣየን ዘመስከረን ኢዩ አንዳበልና ኣብዚ ጽንኩር ናይ መርድእን ሓዘንን አዋን ንመላአ ህዝቢ ተግራይ ጽንዓት ይሃብካ ንብል፡ ንኹሎም ጀጋኑ ሰማአታት ትግራይ ከኣ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንምነ።
በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ዋላ’ዃ ክሳብ ሕጂ ብዕላዊ መንገዲ ዝተሓበረ እንተዘይኮነ ነቶም ብሰንኪ ጻሕታሪ ኩነት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ኢትዮ/ትግራይ ተጠቢሶም ዝሃለቑ መንእሰያት ኤርትራ መንግስተማይ የዋርሶም፣ ንወላድ መኻን ዝኾና ኣዴታት ኤርትራ ከኣ ጽንዓት ይሃበን ንብል።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ጥቅምቲ 15/2023።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
- Hits: 902
ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ባህግታትን ዝኸፈሎ ኩለ-መዳዊ መስዋእትን’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ። ኢደ ወነናዊ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ስቓይን መከራን እናተሰጋገረ፣ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ብጨካን ፋሽሽታዊ በትሪ ብጭውያን ቅንጸላን ብዙሓት ወገናት እናኸፈለ 32 ዓመት ተጓዒዙን ገና ይቕጽል ኣሎን።
Read more: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
- Hits: 1135
ዝኾነ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝካየድ ዝተኽሎ ዓይነት ስርዓት ብዘየገድስ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ እዩ፡
« ፖለቲካ ምምሕዳራዊ ጥበብ »ክሳብ ዝኾነ ፡ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ሓይሊ /ህዝቢ ፖለቲካዊ ምምሕዳራዊ ጥበብ ወኒኑ መሰሉ ከረጋግጽን ጠቕሙን ፖለቲካዊ ስልጣኑን ክዉን ክገብር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ከካይዶ ዘለዎ ቅድመ- ኩነታት ብግዜ ኣንጻር ክህልዉ ኣለዎም፡፡እዚ ማለት ካኣ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረ-ተሰብን ዕላምኡ ኣእሚኑ ከውድቦምን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዘብቕዕ ቃልሲ ከካይድን ይግባእ፡፡
Read more: ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ይኹን ናይ ስደት መንግስቲ ምምስራት፡. - ብወቕቲ ኣንጻር ባህጊ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነ
- Details
- Written by: ደግሓኤ
- Hits: 1110
* ጽግዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ናይ ዓመጽን ጎነጽን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዘይኮኖ ክመስል እናፈተነ፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን፣ ናጽነትን ልእላውነትን ብምርኻስን ናብ ዋጋ - ዕዳጋ ብምውራድ ጉጅላዊ ጥቕሙ ቀዳምነት ሂቡ ክምእርር ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ሃገርን ዝኾነ ጉጅለ እዩ፡፡
Read more: ጭፍራ ህግደፍ ናብ ሓዲሽ ካምፕ ጽግዕተኘነት ምውጋን፤ - ኣብ ሃገርናን ህዝብታትናን ጉድኣት እምበር ዘምጸኦ ለውጢ የለን
- Details
- Written by: ደግሓኤ
- Hits: 1024
* ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ይኹን፡ ኣብ መስርሕ ናጽነት ምስ እተዛምዶም ኣካላት፣ውድባት፣ ሰልፍታት፣ መንግሰታት ወዘተ ሕድ-ሕድ ካብ ምፋላጥ ሓሊፉ ኣብ ሓበራዊ ጥቕሚ (ኣብ ህልውን መጻእን) ኣብ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ባህላውን ወዘተ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዓውደ ቃልሲ (ዝምድና) እዩ፡፡ ስለዝኾነ ዲሎማሲያዊ ቃልሲ ዝተነጸረ ዕላማ ክህልዎን ብኣግባብ ተታሒዙ፣ንክምስረትን፣ ተመስሪቱ ፍርያት ክርከበሉን ንምብቃዕን፣ ዲፕሎማሲ ዝጠልቦ ሕግታትን ጥበባትን ብምኽታል ዘየቋርጽ ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝሓትት መዳይ ናይ ቃልሲ’ውን እዩ፡፡
Read more: ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዲፕሎማስያዊ ጥበብን ሕግን ዝተሰነየን ክኸውን ይግባእ
- ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ - ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡
- ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ይኹን ናይ ስደት መንግስቲ ምምስራት፡ ብወቕቲ ኣንጻር ባህጊ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን
- ብምኽንያት መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ
- ደምበ ተቓወምቲ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያትና ብግቡእ እናኣመሓደርና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር / ጽላል/ መስሪትና ክንቃለስ ሕጂ’ውን ዕቱባት ክንከውን ይግባእ፡