DFfEUˆኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንከይዕወት ካብ ዘደናጉዮ ዘሎ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ተቓዋማይ ሓይልና ዓቕሙን ፍልጠፍልጠቱን መሊኡ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ዘቃልስ ሰፊሕ ግንባር /ጽላል/ መስሪቱ፡ ብምትእምማንን ምድግጋፍን ክቃለስ ዝኽእል ጥሙር ሃገራዊ ሓይሊ ብምውናን ክቃለስ ይበቅዕ ብዘይምህላዉ እዩ፡፡

ናይዚ ጠንቂ ድማ ኣብ ተቓወምቲ ውድባትና /ኣካላትና/ ካብ ድሑር ማሕበረ-ቁጠባውንቁጠባውን ፖለቲካውን ዝብገሱ፡ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ኣተሓሳስባታት ህልዋት ብምዃኖም እዩ፡፡ ካብዚኣቶም ዝብገሱ ድማ ዘይጭበጥ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ባህጊ ምህላዉን ዝንጠፈሉ ምዃኑን፡ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ዘይምክብባርን፡ ንነብስኻን ውድብካን ካብቲ ካልእ ኣብሊጽካ ምርኣይን፡ ክብሪ፡ ኣስተዋጽን ተሳትፎን ናይ መቓልስትኻ ብግቡእ ዘይምፍላጥን ዘይምቕባልን፤ ኣብ ዘራኽቡኻ ሓባራዊ ዕላማታትን ዕማማትን ተወፊኻን ተኸኣኢልካን ተመላሊእካን ክትቃለስ ዘይምብቃዕ፤ኣብ መትከላት፡ ባህርያትን ዕማማትን ናይ ዝተፈላለዩ ግንባራት ደዋዊስካ ምርኣይን፡ ንውልቃውን ጉጅላውን ጠቕምን ዕላማን ንምውዓል ግጉያት ተረደኦታትን ተግባራትን ምዝውታር ህልዊ ብምዃኑ፡ብምዃኑ፡...ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘይሓገዝቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳባታትን ድሌታትን ኣብ ደምበ ተቓውሞና ብተግባር ህልዋት ስለ ዝኾኑ ዝፈጥርዎም ጽገማትን ዕንቅፋታትን ተደሚሮም እዮም፡ ህዝባዊ ቃልስና ከየድምዕን ብከምቲ ዝድለ ብቅልጣፈ ናብ ዛዘሚ ዓወት ከይምርሽን ዝኸውን ዘሎ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ንኩሉ ተቓዋሚ ሓይልና ዝጠመረ ክባሃል ዘይካኣል እኳ እንተኾነ፡ ንመብዛሕትኡ ተቓዋሚ ሓይልታትና ዝሓቖፉ ኣብ ዝሓለፈ 20-21 ዓመታት ዝተፈላለዩ ግንባራት፡ ጥምረታትን ፎርማትን እናተመስረቱ፡ ምስ ኩሉ ጸገማቶምን ሕጽረታቶምን፡ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ እናኣበርከቱ ከም ዝመጹ ዝፍለጥ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ግዜ’ውን ገና ውሑድ ዘይኮነ ሓይሊ ተቓውሞናውሞና ግንባራት መስሪቱ በብዓቕሙ ኣብ ምቅላስ ይርከብ ምህላዉ ዘይክሓድ ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ዋላ እቲ ብግምባራት ዝተጠምረ ሓይልታት ተቓውሞና’ውንውን እንተኾነ ናይ ቃልሲ ኣወንታዊ ኣስዋጸእኡ ከም ዘለዎ እንሃለወ፡ ከምቲ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ቃልሲ እጃም የበርክት ኣሎ ክበሃል ዝካኣል ኣይኮነን፡፡

ናይዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት’ዚ ድኽመታት ድማ፡ ነፍስ-ወከፍ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንበራት ዘጽለሉን ዘየጽለሉ ሓይልታትን ካብኦምን ንጥፈታቶምን ውጽእ ኢሎም፡ ኩሉ ሃገራዊ ተቓዋሚ ሓይልታት ኣብ ዘራኽቦም ናይ ሓባር ዕላማታት ተመሓዝዮም ክቃለስ ዘኽእል ሓባራዊ ግንባር /ጽላል/ ንምምስራት ክካኣል ተበግሶ ብምውሳድ፡ ክግበር ዝግባእ ምልዕዓልን ምቅርራብን፡ ክሳብ ፍርቂ-መንገድን ልዕሊኡን ብምጓዓዝ፡ብምጓዓዝ ሃገራዊ ዓቕምታትና ክጥርነፍ፡ ብሓላፍነት ኣብ ክንዲ ምምውሳእን ምጽዓርን፡ ብኣንጻሩ ነፍስ-ወከፍ ውድብ፡ ግንባር /ጽላል ክበሃል ዝካኣል፡ ንካብኡ ወጻኢ ዘሎ ተቓዋሚ ሓይሊ በታ ንሱ ዝኣምናን ዝደልያን መንገድን ኣገባብን ክቕበልን ክመጾን ካብ ምድላዩ ሓሊፉ፡ ንኩሉ ሓይሊ ኣባል ደምበ ተቓውሞና ዝሓቁፍ ግንባር /ጽላልጽላል/ ኣብ ምምስራት ዘለዎ ቅሩብነትን ተበግሶን ኣዝዩ ድኹምን ክሳብ ብሓላፍነት ዘይምርኣይን፡ ጸቢብ ፖለቲካዊቲካዊ ኣረኣእያን ሒሳባትን ምቕዳም ዝኣመሰሉ ግጉያት እምነእምነታትን ኣካይዳን ምልቓቕ ስለ ዘይተኻእለ ኣሰርቲ ዝኾኑ ድኽመታትን ዕንቅፋታትን ህልዋት ብምዃኖም እዮም፡፡

ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ብዝሒ’ምበር ስጥመት፡ ውህደትን ኣድማዕነት ናይ ቃልስን ከረጋግጽ ዘይከኣለ ዘሎ ተቓዋሚ ሓልታትና፡ ጭቡጥ ፖለቲካውን ውድባውን ኩነታቱ ክንረኢ እንከለና፡ ኣብ ዘይተወሃሃደን ዘየድማዕን ኩነታት ኮይኑ ጋም-ማንማን ኣብ ምባል ዝርከብ ዘሎ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ተሞክርኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረን ሕጅን’ውን ዘሎን ኣብ ግንባራት ዓሲልካ ምቅላስ፡ ኣብ ክንዲ ክህልዎምክህልዎ ዝኽእል ጉድለታት ኣሪሙ፡ ኣማሓይሹን ኣስፊሑን ተቐራሪቡ ክቃለስ ዝጽዕር፡ ብኣንጻሩ ናብ ድሕሪትን ከም ብሓድሽን ብዝተሓተ ብመንገዲ ተወሃሃሂድካ ዝስራሕ መባእታዊ ዝምድና ክጅምር ኣብ ዝረኣየሉ ኩነታት እዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡ እዚ ፖለቲካዊ ኩነታት እዚ ድማ፡ ተቓወምቲወምቲ ሓይልታትና ከም “ሽንቲ ገመል” ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክት ካብ

1 ምርኣይ ሓሊፉ፡ ሕጂ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ድኽመታቱን ጸገማቱን ብመጠኑ’ውን ይኹን ክገላገል ከም ዘይከኣለ፡ ንምፍተሖም ተስፋ ዝህብ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘየሎን ጭቡጥ ፖለቲካዊ መረጋገጺ እዩ፡፡

ግንባር /ጽላል/ መስሪትካ ምቅላስ ዕላምኡ ንዝተበታተነ /ዘይተወደበ/ ወጹዕ ህዝብናን ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣካላቱን፡ ኣብ ሓደ ግንባር ዓሲሎም ዓቕሞም፡ ፍልጠቶምን ትሕዝተኦምን ኣዋዲዶም ንክቃለሱን፡ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢኦም ኣድማዒ ውቅዒት ናይ ቃልሲ ከዕርፉን ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ተላፈንቲ ሓይልታት ዘለዎም ፍሉይ ፖለቲካዊ እምነትን ዝተፈላለየ መልክዕ ውደበኦምን ብነጻነት ዓቂቦም /ተሓልይሎም/ ክቃለሱ ዘኽእልን ምዃኑ ንኩላትና ብሩህ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ግንባር መስሪትካ ምቅላስ ንዓና ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ሓድሽ ተግባርን ተርእዮን ስለ ዘይኮነ፡፡ ከመይሲ ኣድማዕነቶም ዝምልከት ካልእ ነገር ኮይኑ ግንባራት ብምምስራት እናተቓለስና ዝመጻናን ገና ንቃለስን ስለ ዘለናን እዩ፡፡

ስለምንታይ ዳኣ ኢና’ሞ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ዝበዝሐ ኣባል ደምበ ተቓውሞና ክባሃል ዝኣክል፡ ግንባራት መስሪቱ በብዝዓቕሙ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ ፈታኒ ወቕቲ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዓሲሎም ዘለዉን፡ ኣብ ግንባር ከይዓሰሉ በብውልቆም ኣብ ምቅላስ ዝርከቡ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታትናን፡ ኣብ ክንዲ ግሉጽ ሓላፍነታዊ ዘተን ምርድዳእን ብምክያድ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ክጠምሮምን ከቃልሶምን ዝኽእል ሰፊሕ ግንባር ብሰናይ ዕግበቶም ብምምስራት፡ ዝጭበጥ ግንባራዊ ቅርጻን፡ ሓባራዊ መሪሕነትን፡ ግንባራዊ ሕግታት፡ መደባትን መምርሒታትን ብምውናን ብሓባር ንምቅላስ ብዕቱብነት ምውሳን ዘይመርጽሉ ዘለዉ ምኽንያት ንመላእ ተቓላሳይ ህዝብናን ተቓለስቲ ኣካላቱን ዝጭበጥ /ዘዕግብ/ ፖለቲካዊ መግለጺ የብሉን፡፡

ምኽንያቱ እዚ ኩነታት እዚ ዝሕብሮን ዘረጋግጾን ነገር እንተሃለወ፡ ተቓወምቲ ውድባትና ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ካልኣዊ ፍልልያት ብግቡእ ኣብ ምምሕዳርን፡ ውልቀ ውድባውን ሓባራውን ድኽመታትን ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ፡ ቅርቡነትን ብቕዓትን የርእያን ይጽዕራን ከም ዘየለዋ፡ እዩ ዝሕብር፡፡ እቲ ሓቂ ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፡ ሓይልታትና “ከም ኣናፍራ ኩቱ” ካብ ላዕሊ ንታሕቲ /ንቑልቁል፡ መባእታዊ ዝምድና ንምጅማር ብምምራጽ፡ ተመስሪቶም ኣብ ምግልጋል ንዝርከቡ ግንባራት ኣብ ክንዲ ጉድለቶም ብምፍታሽን ብምግምጋምን ሕሉፍን ህልውን ኣወንታዊ ተሞኩሮታት ግንባራትና ከም ጠቓሚ ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምውሳድ ምጥቃም፡ ብኣንጻሩ ነዚ ኣብ ኢድና ዘሎ ጠቓሚ ፖለቲካዊ ተሞኩሮ ሸለል ብምባል /ንጎኒ ብምግዳፍ/ ብስም “ንኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ዝሓቁፍ ሰፊሕ ጥርናፈ ብዝምልከት ቀጻሊ ልዝብን ዕቱብ ስራሓትን ኣድላዪ መጽናዕትን ከነካይድ ተሰማሚዕና/” ዝብል መግለጺ፡ ንዘለካ ናይ ቃልሲ ጸጋ ገመጊምካ ከይተጠቐምካ፡ ከም ብሓድሽ ጥርናፈ ናይ ውድባት ንምፍጣር ናይ ምልዛብ ስራሓት ከነካይድ ኢና ኣብ ዝብል ፖለቲካዊ መደምደምታ ምብጻሕ መሰረታዊ ድኽመት እዩ፡፡

እዚ ኣካይዳ’ዚ ምስ ወድዓዊ ኣተሃላልዋ ህዝብታትና፡ ኩሉ-መዳያዊ ጭቆናን ጸገማትን ተዳዕኒኑዎም ናብ ከቢድን ሓደገኛን ስእነትን ድኽነትን፡ መቋረጺ ዘይብሉ ስደት፡ መከራን ሓደጋን ተሳጢሖም ኣብ ዝሳቐይሉን ዝበታተንሉን፤ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ከቢድ ፖለቲካዊ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉን፡ ህዝባውን ሃገራውን ልዑላውነትና በዚ ገባትን ከዳዕን መንግስቲ ህግደፍ ናብ ኣስጋኢ ኩነታት ኣብ ዝተሳጥሕሉ ወቕትን ኩነታትን፡ ተቓወም ሓይልታትና ኣብ ክንዲ ነዚ ሓደጋታት’ዚ ንምኽባስን ምውጋድን፡ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ንምድሓን ዝጭበጥ ኣድማዒ ዝምድና መስሪትና ክንረባረብ እንፍትን ብኣንጻሩ ብዘይድልዱል ዝምድናን ዘገምታዊ ጉዕዞ ክንጓዓዝ ምምራጽና፡ ደድሕሪ ኩነታት ምጒዓዝና መሰረታዊ ጉደለት ካብ ምዃን ሓሊፉ ብታሪኽ ዘውቅስን ዘሕትትን’ውን እዩ፡፡

ተቓወምቲ ውድባትና ብምውህሃድ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ንምቅላስን፡ እናተዛተዩ ሰፊሕ ጥርናፈ ንምምስራትን በጺሐሞ ዘለዉ መባእታዊ ስምምዕ፡ እኹልን ኣዕጋብን ትሕዝቶ ዘለዎ’ኳ እንተዘይኮነ ከምቲ “ገለ ነገር ካብ ኣልቦ ነገር ይሓይሽ” ዝበሃል ምስላ፡ ተቓወምቲ ሓይልታትና በቲ መባእታዊ ስምምዕ ኣንጻር ጸላኢ ሓቢሮም እናተቐለሱ፡ ብቀጻሊ እናተላዘቡ ንቕድሚት ሓባራዊ ጥርናፈ /ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር/፡ ንምምስራት ከም መራኸብን መቃለስን መድረኽ ኮይኑ ከገልግል ስለ ዝኽእል፡ ትዕዝብቲ ብምንባር ነቐፌታዊ ደገፍ ዝወሃቦ እዩ’ምበር ብከምዚ ተበጺሑ ዘሎ መባእታዊ ስምምዕ ክዛዘም /ክብገስ/ ናይ ሓፋሽ ህዝብታትና ትጽቢትን ዕግበትን ዘማልእ ስምምዕ ተገይይሩ ክውሰድ ዝካኣል ኣይኮነን፡፡ ካብ ተፈላሊኻን በበይንኻን ዘየድማዒ ቃልሲ ምክያድ ግን እናተዛተኻ ምስራሕ፡ ፖለቲካዊ ፋይዳ ክሰፍሕን ክዓብን ዘለዎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው ጥራሕ እዩ ተቐባልነት ዝወሃቦ፡፡

ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር /ጽላል/ ዓሲልና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክንቃለስ ክንበቅዕ እንተዳኣ ኮይና፡ ኣብ ሞንጎና ዝነጸባረቑ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቲ እምነታት፡ ድልየታትን ኣሰራርሓታትን

2 ብቃልሲ ከነማዓራርን ከነወግድን ምስ እንኽእል ጥራሕ እዩ፡፡ ገለገለ ካብቶም ክንቃለሶም ዘለና ድኽመታትናን ጸገማትናን ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

ዘራኽቡናን ዝፈላልዩናን ነጥብታት ኣነጺርና ምቕማጥ፡ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልትና /እምነታትና/ ከምዘለውዎ እናሃለዉ ተወሃሂድናን ተደጋጊፍናን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክንቃለስ ከም እንኽእል ምእማንን፡ ንምዕዋቶም ብሓላፍነትን ተወፋይነትን ተመሓዚና ክንቃለስ ምብቃዕ፡፡

ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር /ጽላል/ ምምስራት ብባህርያቱን ዕላምኡን ናይ ውልቀ ፖለቲካዊ እምነታትን ስልጣንን ጥራሕ ዝምልስን ዘረጋግጽን ዘይኮነስ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ብምድምሳስ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መወዳደሪ ባይታን ኩነታትን ንምፍጣርን ንርግጋጽን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀጽሪ ደምበ ተቓውሞና ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ባህጊ፡ ግጉይን ዘይዕወትን ናብ ምትህልላኻት እናሳጠሐ ተቓላሳይ ዓቕምታትና ከይተኣማመንን ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ዕማም ከየበርክትን ዘዐንቅፍ ዘሎ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ብልክዕ ክንፈልጥን፡ ምእንቲ ምቅልጣፍ ሓባራዊ ዓወትና ክንብል ንምውጋዱ ዓቲብና ክንቃለስን እዩ ዝህልወና፡፡

ኣብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ እምነት ይኹን መልክዕ ናይ ውደባ ፍልልይ ዘይብሉ ውደባ ተሰሪትካ ምቅላስ፡ ኣብ ምሕዝነታውን ሓድነታውን መስርሕ ቃልስና ዓቕምታትና ክዳኸምን ብናይ ፖለቲካዊ ሕመቕ /ድኽዳኸ/ ገመድ ተኣሲሩ፡ ካብ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ርሒቑ ብወድዕነቱ መፍቶ ንጸላኢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ክሕጸር ይኸውን ስለ ዘሎ፡ ዝኾነ ፍልልይ ዘይብልና ፖለቲካዊ ውድባት፡ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ናብ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ንምበጻሕ ብሓላፍነት ክነቃለስን ክንረባረብን እዩ ዝህልወና፡፡

እዞም ብመጠኑ ዝተጠቕሱን ካልኦትን ሓለኽቲ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ኣብ ውልቀ ውድባትናን፡ ኣብ ሕድሕድናን እናገምገምና፡ ንምፍተሖምን ንምውጋዶምን ከይተቓለስና፡ ብከምቲ ዝመጻናዮን ዘለናዮን ዘይውሁድ ኩነታትን ኣንፈትን ክንቅጽል እንተዳኣመሪጽና ግን፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ህዝብታትናን ሃገርናን ልዑላውነት መሊኡ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ብምእታው፡ ንውድቀቶምን ምብትታኖምን ዓሊሙ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራት ወድዓውያን ተሓባበርትን፡ ብታሪኽ ተወቀስትን ካብ ምዃን ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና፡፡

ምኽንያቱ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ተኸሲቱ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጭቆናን ዕንወትን ሓሳረ-መከራን ጠንቅን ቀዳማይ ተሓታትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ እኳ እንተኾነ፡ ተቓወምቲ ውድባት’ውን እንተኾና፡ ንዘለዉና ዘይመሰረታዊ ፍልልያትን ድኽመታትን ብግቡእ እናኣለናን እናማሓደርናን፡ ውጹዓት ህዝብታትና ወዲብናን ኣወሃድናን ኣብ ምቅላስን፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማት ኣብ ምድሓንን ኣድማዒ ቃልሲ ከነካይድ ንበቅዕ ብዘይምህላውናን ብካልኣይ ደረጃ ዝግለጽ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘሰክመና እዩ፡፡

ካብዚ ታሪኻዊ ተሓታትነት’ዚ ክንድሕን እንተኾይና’ምበኣር እዞም ልዕል ክብል ዝተጠቕሱን ካልኦትን ድኽመታትና ንምፍታሕ ክንቃለስ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ክልኣዊ /ዘይመሰረታዊ/ ፍልልያትና ብግቡእ እናማሓደርናን እናፈታሕናን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምምስራት ሓቢርና ክንቃለስ ሕጂ’ውን ዕቱባት ኮይና ክንቃለስ ምስ እንበቅዕን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንፖለቲካዊ ድኽመታትናን ጸገማትናን ዕቱብ ኣቓልቦ ብምሃብ ንምፍተሖም ብዘለና ዓቕምን ሓላፍነትን እናጸዓርና፡ ካብ ዝነበረናን ዘለናን ድኽመታትና እናተማሃርና፡ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ንምድሓን፡ ካብ ዘካብቦም ዘሎ ኣሉታዊ ከባብዊ ፖለቲካዊ ምንጽልላው ግቡእ ሚዛን ብምንባር ሓደግኡ ንምግጣምን ንምፍሻልን ብሓባርን ምትእምማንን ክንቃለስ ኣለና፡፡

ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

03/08/2020