DFfEUˆስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ግዜ ጀሚሩ ህዝቢ በብደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግሰሉን ልምዓታዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ ክነሱ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ካኣ እቲ 85% ዝኸውን ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ገባራይ ሕብረተ-ሰብና ብመግቢ ነብሱ ክኽእል ኣለዎ ብዝብል ዓመት መጸ እናጨረሐ እነሆ ናብ 30 ዓመታት ተገማጊሙ ህዝብና ብመግቢ ነብሱ ከይከኣለይከኣለ ሓሳረ-መከርኡ ይርኢ ኣሎ፡፡

ህግደፍ ንቁጠባ ሃገር ገቢቱ ብምሓዝ ንካለኦት ኣብ ቁጠባ ሃገር ክሳተፉ ዝኽእሉ ሓይልታትልታት ማእቶት ህዝቢ ይኹኑ ደቂ-ዓዲ ሰብ ሃብቲ ከምኡ’ውን ወጻእተኛታት ሰብ-ርእሰ-ማል ክጫረትኒ እዮም ብዝብል ናይ ናጻ-ዕዳጋ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዝባሃል ከይተስምዑኒ ኢሉ፡ ብሽፋን “ንሕና ናይ ርእሰ-ኣኽእሎ መትከል ኢና ንኽተል ኣብ ናይ ወጻኢ ርእሰ-ማል ይኹን ኣብ ናይ ግብረ-ሰሰይና ማሕበራት ትኳቦታት ኣይንምርኮስን ኢና” ኢሉ ሃገር ኣብ ምስፍሕፋሕ ትሕተ-ቅርጻዊ ህንጸት ክትጥቀመሉ ትኽእል ዝነበረት ዕድላት ሰብ-ርእሰ-ማል ናይ ደቂደቂ-ዓድን ወጻእተኛታትን ወፍሪ ክትስእን ከም ዝገበረ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ገለ ዓመታት ጸኒሑ ካኣ፡ ብመግቢ ነብስና ክንክእል ብዝብል ዲጋታት፡ ሓጽቢታት፡ ራህያታት ዕቀባ ማይን ሓመድን ወዘተ እገብር ኣለኹ እናበለ ዝልፍልፍ ዳኣምበር ኣብ ባይታ ክንዲ’ዚክንዲ ዝኣኽሉ ገባራት /ስድራቤታት/ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግድብ ወይ ሓጽቢ ተጠቒሞም፡ ብመግቢ ነብሶም ክኢሎም ትርፊ ፍርያቶም ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ክንድ’ዚ ዝኣክል ሃብቲ ኣጥርዮም፡ ንነብሶምን ሃገሮምን ጠቒሞም፡ ቁጠባ ሃገር ብክንድዚ ካብ ሚእቲ ዲጂት /ኣሃዝ/ ኣብ ዓመት ዓብዩ ዝባሃል እስታቲስቲካዊ ዳታ የለን፡፡

ህዝብና ዓመት መጸ እንትርፎ ብጥሜትን ድኽነትን ሕማምን መሃይምነትን እናተሳቐየ ብብግፍዓዊ ኣገዛዝኣ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ሰላም ሓርቢቱዎርቢቱዎ ናብ ስደት ዛሕዛሕ ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ሕብረተ-ሰብሕብረተ እንተዘይይኑ፡ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ማእቶቱ ኣማዕኣማዕቢሉ ብመግቢ ነብሱ ክኢሉ ብዝሐሸ ሂወቱ ክመርሕ ዝኸኣለን ዝማዕበለን ገባራይ የለን፡፡ ዕድለኛ ኮይኑ እትሕረስረስ ንእሽቶ ቃጽዖ ዝረክብ ገባራይ ካኣ፡ ደቁ ብሓይሊ ተገፊፎም ኣብ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ናይ ናጻ ጉልበት ወፍሪ ባርነትን ብዘይ ገለ ጻማ ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ስርዓት ህግደፍ እንዳሸቀሉ ስድራ-ቤቶምቤቶም በየናይ ጉልበት እዮም ሓሪሶም ክበልዑ፡፡

እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስድራ--ቤታት ዝውንኑዎ መሳርሕን /ኣብዑር/ ሰብኣዊ ዓቕምን ዘይብሎም ዝበተኹ ኣብ ወጻኢ ሓደ-ክልተ ካብ ስድራ-ቤቶምቤቶም ተሰዲዶም ሰሪሖም ዝነብሩ ዝሰድወን ገለ ኣቕራሽ እንተረኺቦም ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ትራክተራቱ እናኣካረየ ብዝጥቀመለን ዝሓርስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕድል የብሉን ፡፡ እዚ ገባራይ እዚ ካብ ክራይ ትራክተር ዝተርፈኦ ገለ ኣቕራሽ እንተረኸበ ካኣ ኣብ ምጽሃይን ምጉልጓልን ምዕጻድን መኼዳን ንሰራሕተኛ ዝኸፍሎ ወጻኢታት ደሚርካ ዝረኽቦ ትርፊ የለን፡፡ እዛ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘይትበጽሕ እቶት እዚኣ ንድኻ ገባራይ ኣሽንኳይዶ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ከተሰጋግሮስ ፍርቂ ዓመት’ውን ኣይትቕልቦን፡፡ ካብ ወጻኢ ደገፍ ዘይረክብ በተኽ ዝኾነ ገባራይ ካኣ ተመጽዋታይ ኮይኑ ድራር ዕለቱ ስኢኑ ተኾርምዩ ብጥሜት ዝሓድርን ዝሳቐን እዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ካኣ እዚ ብስርዓት ህገደፍ ብመግቢ ነብስና ምኽኣል ዝብል ጭርሖ ክረምቲ ክረምቲ ዝልፍልፈሉ ኣብ ባይታ ዘይትግበር ከንቱ ንሃልኪ ዝዝመር ፕሮፖጋንዳ እዩ፡፡ ሕጂ ካኣ’ሞ ኮሮና ቫይረስ ተደሚሩዎ ህዝብና ኣብ ዝጸንሖ ድኽነት ተወሲኹዎ ከምቲ ““ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ” ዝባሃል እዚ ዝባኑ ዝቐልዐ ናይ ሓሶት ጭርሖ እዚ.. ኣሽንኣሽንኳይዶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ባዕሉ ዝዕዘቦን ዘምኮሮን ዘሎስ፡ ዓበይቲ ፍሉጣት መራኸቢ ብዙሓን ዝውንኑ ወጻእተኛታትን ገበርቲ-ሰናይ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ህዝብና ብተደጋጋሚ ከጋጥም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ሓደጋታትን ብሕጽረት ሃለኽቲ ነገራትን ዘይምርካብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መነባብርኡ ከመይ ተጸጊሙ ኣሎ መላእ ሕብረተ-ሰብሕብረተ ዓለም ክፈልጦ

1 ከቃልሕዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዩ፡፡ ብመሰረቱ ሓደ ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት ከመይ ኢሉ እዩ ንህዝቡ ብመግቢ ነብሱ ክኽእል ዝገብሮ፡ ቅኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ተረደኦ ናይዚ ጭርሖ እዚ ንምሓዝን እቲ ፖሊሲ ኣብ ባይታ ከመይ ይስርሕን ኣብ ዓወትይበጽሕን ምድህሳሱ ኣገዳሲ ይመስለና፡፡

ዝኾነ ሃገር ብምግቢ ነብሱ ክኽእል እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ባህርያውን ሰብኣውን ሃብቲ ናይታ ሃገር እንታይ እዩ ብልክዕ ከፍለጥ ኣለዎ፡፡ ገለ ሃገራት ዘለወን ባህርዊ ሃብቲ ናይ መዓድናት፡ ነዳዲ ወርቂ፡ ቱሪዙም ወዘተ ሃልይዎም ነዚ ጸጋታት እዚ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣውሪዶም ብመግቢ ነብሶም ክኽእሉ ይገብሩ፡፡ ገለ ካኣ ኣብ ብዙሓት ዘይማዕበላ ሃገራት ከም ሃገርና ዝኣመሰላ እቲ ቀንዲ ምንጪ እቶቶም መሬትን ጉልበት ሰብን ኮይኑ፡ ነዚ ኣማዕቢልካ ውጽኢት ፍርያትካ ካብ ነብስኻ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣውሪድካ ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል ይኸውን፡፡

ኣብ ከመዚአን ዝኣመሰላ ዘይማዕበላ ሃገራት ብቐዳምነት ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል ክበሃል እንከሎ፡ ቅኑዕ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ክህልወካ ኣለዎ፡፡ ካብዚ ዝነቐለ ካኣ እቲ ናይ ሕርሻ ፖሊሲ ገጠርን ገባርን ማእከል ዝገበረ ክኸውን የድሊ፡፡ እዚ ብወናነት ማእከሉ ብእኽሊ ነብስኻ ምኽኣል እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ዝሕጸር ግን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ውጽኢት ፍርያት ሃብቲ እንስሳ ስጋ፡ ጸባ እንቋቚሖ ወዘተ ከምኡ’ውን ኣትክልትን ኣሕምልትን ቅመማ-ቅመምን ወዘተ ግቡእ ትኹረት ተዋሂቡዎ ብዝስራሕ ስራሕ ውጽኢታት እዩ ናይ መግቢ ውሕስና ምርግጋጽ ዝካኣል፡፡

ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ብዙሓት ዘይማዕበላ ሃገራት፡ እቲ ዝበዝሐ ጉልበት ሰብ ዝሕዝ ሕርሻ ስለ ዝኾነ እንተዘይኮይኑ እቲ ኣብ ከተማ ዝነብር ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ኣብ ናይ ግሊ ካምፓኒታትን ናይ ንግዲ ስራሓትን ወዘተ ተዋፊሩ ብዝረኽቦ ደሞዝ ይኹን ኣታዊታት ብመግቢ ነብሱ ዝኽእል ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡ እዚኦም ምቹኣት ናይ ስራሕ ዕድላት እዚኣቶም ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ክረጋገጽሉ እንተኽኢሎም ሕርሻ ጥራሕ ዘይኮነስ ደረጃ ብደረጃ ኢንዱስትሪ’ውን እናዓበየ ስለ ዝኸይድ ብደረጃ ሃገር ሕርሻ-መርሖ ኢንዱስትሪ ቁጠባዊ ፖሊሲ ቀሪጽካ፡ ሃብትን ስልጣንን ሃገር ብፍትሓውን ማዕርነታውን መንገዲ ክመቓራሕ እንተተገይሩ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኮነ መነባብሮ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ካብ ታሕተዋይ ናብ ማእከላይ ደረጃ ብዝሕሸ ክሰጋገር ጽቡቕ ዕድል ይረክብ፡፡

እዚ ክረጋገጽ ግን እቲ ኣብ ናይ ሕርሻ ልምዓት ዝዋፈር ዓቕሚ ሓይሊ-ሰብ ይኹን ኣብ ማሕረስ ይኹን ኣብ ምፍራይ ሃብቲ እንስሳ፡ እቲ ገባራይ ኣፍልጥኡ በብግዚኡ ክዓቢ ዝሕሸ ፍርያት ክህቡ ብዝኽእሉ ዘበናዊ መሳርሒታት ክጥቀምን፡ ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ውጽኢት ከቕርብን ዘኽእሎ ክኸውን የድሊ፡፡ ነዚ ካኣ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ መሰረተ-ልምዓት ዝኾኑ ናይ መንገዲታትን ጽርግያታትን መዕርፎ ነፈርትን መንገዲ ባቡራትን፡ ኤሌትሪክን ብቐሊሉ ዝረኽበሉ ኣብ ዝሓጸረ ናይ ንግዲ ልውውጥ ዘቀላጥፈሉ መራኸቢብዙሓንን፡ ፍትሓዊ ናይ ገንዘብ ልቓሕ ዝረኽበሉን፡ እናማዕበሉ ዝኸዱ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ትካላትን ወዘተ ክመቻቸወሉ ይድሊ፡፡ እዚ እናተመጋገበ ዝኸይድ ቅኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ናይ ሕርሻ ኢንዱስትሪ መርሖ ናይ ልምዓት ፖሊሲ’ዚ ግን ኣብ ተግባር ንምሽራፍ ክማልኡ ዘለዎም መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዉ፡፡

1. ካብ ጥሜት ድሒንካ ከብድኻ መሊእካ ምሕዳር እዚ ንባዕሉ ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ኣነኣኢስካ ክረአ ዘይብሉ ዓቢ ዓወት እኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ዝዘለለ እቲ ገባራይ ብዕዳጋ ዝተቓነየ ናይ ሕርሻ ልምዓት ብቑዕ ኮይኑ ክርከብ ምእንቲ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘድልዮ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መሬቱ እንታይ ምስ ዘፍርየሉ እዩ ዝሐሸ ውጽኢት /ፍርያት/ ዝረክብ ተረዲኡ ምስ ናይ ካለኦት ገባራት ኣነጻጺሩ ዝሕሸ ዋጋ ፍርያት ከኻዕብትዎ ዘለዎ ምቹእነት ናይ ኣፍራይነቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ናይ መቐላ-ዕዮ ኣትዩ ተወዳዳሪ ኮይኑ ሃብቲ ክድልብ ምእንቲ፡ መንግስቲ ኣብዚ እቲ ዘድሊ ደገፋት ክቕርበሉ ይድሊ፡፡

2. ብኣራኣእያ ምልዋጥን ብዕዳጋ ዝተቓነየ ልምዓት ምርግጋጽ ጥራሕ ግን እኹል ስለ ዘይኮነ ጽፉፍን ተዓጻጻፍን ናይ ዕዳጋ ስርዓትን መሓውርን ምዝርጋሕ ስለ ዘድሊ ነዚ ዘሳልጥ ብውሽጣዊ ሕጋጋትን ኣሰራርሓታትን ዝግዛእ፡ ሓያል ዝኾነ ውዳበታት ዘለዎ ናይ ተራድኦታት /ኮኦፐራቲቭ/ ማሕበራት ብናጻ ድሌቱ ዝምስረታ ክህልወኦ የድሊ፡ ፡ እዘን ማሕበራት እዚኣተን ናይ ሕርሻ ፍርያቱ ብዘተኣማምን እናኣማዓራረያን እናጠርነፋን ከቕርብሉ ዝኽእሉ ብኣምሳይኡ ካኣ ብዝሕሸ ተመጣጣኒ ዋጋ ዘድልይዎ ሃለኽቲ ነገራት ዘቕርብሉ ማሕበራት ክጣየሹ የድሊ፡፡ መንግስቲ ከምዚአን ዝኣመሰላ ትካላት ክህልዋ ከተባበዐን ዘለዎ ኮይኑ፡ በዚአን ክሽፈን ዘይካኣለ ካኣ በቲ ናይ ናጻዕዳጋ መስርሕ ንግዲ ብዓበይቲ ነጋዶ ክሽፈን ስለ ዝኽእል እቲ ቁጠባዊ ዕቤት ስሉጥን በብደረጅኡ እናጎልበተ ዝኸይድን ይኸውን፡፡

3. እዚ ዝተወሃሃደ ሕረሻ-መርሖ ኢንዱስተሪ ቁጠባዊ ፖሊሲ እዚ ዕዉት ክኸውን እንተዳኣ ኮይኑ ቅድሚ-ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘረጋግጽ ልምዓዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክህሉ የድሊ፡፡

2 እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መንግስቲ ኣብ ናይ ሃገር ኤኮኖሚ ልምዓት ብሓፈሻ፡ ኣብ ናይ ገጠርን ሕርሻን ካኣ ብፍላይ ናይ መንግስቲ መሪሕነትን ናይ ህዝቢ ተሳትፎን፡ ሰብ-ሃብትን እንታይ ከኸውን ከም ዘለዎ ብንጹር ዝተቐመጠ ክኸውን የድሊ፡፡ እዚ ስራሕ እዚ ብቑዕ ዓቕሚ ሓይሊ-ሰብን መሳርሒታትን መሪሕንትን ስለ ዝደሊ፡ ኣብ ገጠር ካብ ዝለዓለ ኣመራርሓ ክሳብ ዝተሓተ ወረዳን ቁሸትን ናይ ኩለን ትካላት መንግስቲ ተበታቲኑ በብርእሱ ዝሰርሕ ዘይኮነስ ብሓደ ተዋዲዱን ተናቢቡን ኩሉ ስራሕት ብቐደል-ተኸተል ብጥሙር ዝሰርሕ ክኸውን የድሊ፡፡

ኣብ ሃገርና ከምዚ ዝኣመሰለ ቅኑዕ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ስነ-ፍልጠታዊ ቁጠባዊ ፖሊስን ኣብ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ዓመት-መጸ ብመግቢ ነብስና ምኽኣል እናበለ ኣብ ጥራይ ጎልጎል እንተውደኽደኸ ትርጉም የብሉን፡፡ ከምቲ “ጽጉብሲ ጥሙይ ዘሎ ኣይመስሎን” ዝበሃል ምስላ ኣቦታት፡ ወይ ካኣ ከምቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ፈረንሳን ዓዲ ኢንግሊዝን ዘጋጠመ ህዝቢ ጠምዩ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ገበረ፡ እተን ንግስታት እንታይ ኮይኖም እዮም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለዉ ኢለን ነቶም ሓለውተን ምስ ሓተታ፡ ጠሚና ኢሎም እዮም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለዉ ምስ በልወን፡ እንታይ ኮይኖም እሞ ኬክ ዘይበልዑ ዝበለኦም፡ ህዝብና ካኣ ብጥሜትን ዓጸቦን እናተሳቐየ ስርዓት ህግደፍን መገባርያታቱን ካኣ፡ ብደምን ረሃጽን ውጹዕ ህዝብና ብምቾት ኣንደላቒቖም እናነበሩ ብብልሽውና ጠስጢሶም ዘለዉ ገዛእቲ ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ዝጠመየ ሕብረተ-ሰብና ስቓይ ክስቆሮም ዝኽእል፡፡

ስለ ዝኾነ ካኣ ብስርዓት ህገደፍ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታተ ዘይተሰርሐ ምዕባለ ብሕጂ ሃገር ክልመዕ እዩ ኢልካ ትጽቢት ትገብረሉ ኣይኮነን፡፡ ንልኡላውነት ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እናኣእተወ ዝነግድ ዘሎ ስርዓት ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ሎሚ በጺሑ ድሕንነትን ውሕስነትን ህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ሃገርና ብምግቢ ነብሳ ክትክእል ክገብራ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ፡፡ እዚ ንገለ ግሩሃት ካብቲ ጭቡጥ ክውንነት ናይ ሕብረተ-ሰብና ርሕቕ ኢሎም ዘለዉ ዜጋታትን ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ዘጣቕዕሉ መገባርያቱን ህዝብና ይርህዎን ይሓልፈሉን ኣሎ’ዩ ኢሎም ገለ ዝሓርሳ ትራክተራት ኣብታ መደንቆሪት ሓፋሽ ዝኾነት ኤሪ-ቲቪ ደጋጊሙ እናርኣየ ክጥብረሉ ድራማ ዝሰርሓሉ እንተዘይኮነ ካልእ ትርጉም የብሉን፡፡

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ህዝቢ ሓደ ሳዕ ወይ ክልተ ሳዕ ክደናገር ይኽእል፡ ኩሉ ሳዕ እናተደናገረ ዝነብር ህዝቢ ግን የለን፡፡ ሕጂ ካኣ ስርዓት ህግደፍ 29 ዓመት ብሓሶት እናኣታለለ ከደናግሮ ዝፈተኖ ከይኣክል፡ ሎሚኸ ንመን ከታልል እዩ ብምግቢ ነብስና ክንክእል ኢና ኢሉ ደጋጊሙ ዝልፍልፍ ዘሎ፡፡ ህዝብን ብመግቢ ነብሱ ክኽእል ሃገሩ ከልምዕን እንተዳኣ ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ወጊዱ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከይተኸለ ስላምን ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ከረጋጽ ስለ ዘይክእል ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ብቐዳምነት ኩሉዓቕምታት ሕብረተ-ሰብና ንምውጋድ ስዓርት ህግደፍ በብዓቕሙ ሓቢሩ ክራባረብ ኣለዎ ንብል፡፡

ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

27/07/2020