Eritrean Revolutinary Democratic Front ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) 2ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ 24 ክሳብ 27 ሰነ 2020 ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈትና፡ ኣብ ፉሉይ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያውን ሃገራውን ኩነታት'ዩ ተኻይዱ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣብ ዝፈጠረሉ፡ ሸቐልቀል ኣብ ዝበዝሓሉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ደቂ ሰባት ክብርቲ ሂወቶም ዝሰኣኑሉ፡ ብተመሳሳሊ ብሚልዮናት፡ በዚ ሕማም'ዚ ተለኺፎም ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብ ዝጠልቡሉ ኣሰካፊ እዋን እዩ ተኻይዱ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ብምግታእ፡ ኣብ ዓለምና ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ዝፈጠረሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ፡ ነዚ ሕማም'ዚ ናይ ስልጣን ዕድሜኦም ንምንዋሕ፡ ከም መመሳመሲ ክጥቀሙሉ ብምድላዮም፡ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ሃገራት መሊሱ ክብእስ ዝኾነሉ፡ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን'ዩ ተሰላሲሉ። እዚ ለበዳ'ዚ ኣብ ሃገርና ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ በብእዋኑ ሰማይ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ ዓይንን እዝንን ህዝብታትና ንምኽዋል፡ ናይ ህዝብታትና ምንቅስቓስ ብምቁጽጻር፡ ብሕጽረት፡ ምግቢ፣ ጽሩይ ማይ፣ ሓይሊ መብራህትን መከላኸሊ ሕማምን፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ብምውዳቕ፡ ከም ሕሱም ክድህኮም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ ኣብ 2ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ካብ ጽባሕ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤና ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፡ ህሉው ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብውን ኩነታት ብሓፈሻ፡ ዳህሲሱ፤ ኩነታት ኤርትራን፡ ምስ'ዚ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ፖሎቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ከባቢናን ድማ ብፍላይ፡ ብዕምቆት ገምጊሙ። እቲ በብእዋኑ ሰማይ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ፡ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ከባቢናን ሃገርናን፡ ንህዝብታትና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት እናውደቖ ይኸይድ ምህላዉ ተገንዘበ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ሕቡእ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ጥሙሑ ከማልእ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዓቖሮ ቂም ከውጽእን፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ብቕልጡፍ ኣብ ምትግባሩ ክዋፈረሉ ዝግባእ ዝነበረ፡ ትግባረ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ንጎድኒ ደርብዩ ክዕንድር ከምዝጸንሐ ተመልከተ፡፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን፡ ጉዳይ ባድመ ንቕድሚት ኣምጺኡ፡ ሂወት መንእሰያትና፡ ንብረትን ጥሪትን ህዝብታትና፡ ዳግም ዘዕኑ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ኲናት ንምውላዕ፡ ሸርሕታት ክኣልም ይጽዕር ምህላዉ ኣስተውዓለ። እዚ ሸርሒ'ዚ ምስ'ቶም ናይ ረብሓ ማሓዙቱ ተኣሳሲሩ፡ ብህልኽ ተወጢሩ ክኣትዎ ዝሕልን ዘሎ ብምዃኑ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝኖቁት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና፡ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብ ዕድሉ ዝሰፍሐ ምዃኑ ገምገመ። ስለዝኾነ'ውን፡ ናይ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ናይ ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ህጹጽን እዋናውን ዕማም፡ ነዚ ከቢድ ሓደጋ'ዚ ንምዕጻፍ፡ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ዝቃለሱሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራሕ ምዃኑ ኣስመረሉ።

2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ ብሰፊሑ ዝዘተየሉ ኩነታት ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለማት ተበቲኖም ዝርከቡ ስዱዳት ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጸገም ብዝምልከት እዩ። ናብ ሃገረ ሱዳን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከቡ ድማ ብፍላይ፡ ብሓይልታት ጸጥታ፡ በብእዋኑ እናተገፈፉ ክእሰሩን፡ ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ እናኸፈሉ ክፍትሑ፡ ኣብ ድሕንነቶም ይኹን መነባብሮኦም፡ ውሕስነት ስኢኖም ጸኒሖምን ኣሎዉን። ናብ ሃገረ ሊብያ ዝኣተዉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘስካሕክሕ ሂወት ከሕልፉ ዝጸንሑ ስዱዳት ወገናትና ድማ፡ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ከይረኸቡ ናይ ስቓይ ሂወት የሕልፉ ኣሎዉ። ብተወሳኺ ነባራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ተረጋጊኦም ከይነብሩ፡ ካብ ዘለዉዎ ተፈናቒሎም ኣብ ዝኸፍአ ጸገም ክወድቁ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ተመልከተ። ኣብ ሃገሮም ተረጋጊኦም ናይ ምንባር ዕድል ተጸንቂቑዎም፡ ናብ ትግራይ ዝተሰደዱ ሓደስቲ ወገናትና፡ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ተነፊጉዎም፡ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ናይ ቀረባ ወገናቶም ድማ ብፍላይ ምትሕብባር ክጽበዩ ጸኒሖምን ኣሎዉን።

 ክሳብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ብግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያንን ካልኦት ፈተውትን፡ ነቶም ኣብ ሃገረ ሱዳን፣ ሊብያን ኢትጵጵያን ዝርከቡ ስደተኛታትና ክግበረሎም ዝጸንሐ ደገፍ ኣመስገነ። ከምኡ'ውን ነቶም ናይ ስደተኛ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ተሓሪሙዎም፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ከተማ ሽራሮ፡ ኣጽሊሎም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ክልልን ከምኡ'ውን ብገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን ክግበረሎም ዝጸንሐ ደገፍ ዝምስገን ምዃኑ ኣቐመጠ።

 ንኩሎም ስደተኛታት ኤርትራውያን ወገናትና፡ ካብ'ዚ በብእዋኑ ክወርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ከቢድ፡ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ድሕንነታውን ስነ-ልቦናውን ማህሰይቲ፡ መሊኦም ክናገፉ፡ ደገፍን ምትሕብባርን፡ ኤርትራውያን ወገናቶም፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣ ሰብኣውያን ማሕበራት፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን መንግስታትን ክረኽቡ፡ ዕቱብ ጻዕሪ ክካየድ መጸዋዕታኡ ኣማሓላለፈ። ከም ውድብ ድማ፡ ብዓቕሙ ኩሉ ዝከኣሎ ምርብራብ ከካይድ ምዃኑ፡ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ ኣረጋገጸ።

2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ሂቡ ዝዝተየሉ መዳይ ድማ፡ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣተሃላልዋ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ድማ ብፍላይ እዩ። ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገሩ፡ ብጭቡጥ እናንጸላለወ ዝመጸ ሓደጋ ንምዕጻፍ፡ ይኣክል ዝብል እዋናዊ ሃገራዊ ጭርሖ ክብ ኣቢሉ ክቃለስ ጸኒሑ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ብብቕዓት ወዲቡ ዝመርሖ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ውሽጡ ብዘለዉ ዝተፈላለዩ ድሕረታት ክሳቐ ምጽንሑን ምህላዉን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን መሓዉራቱን ድማ፡ ነዚ ዘይተዓበሰ ኖዃል ብምምዝማዝ፡ ድሑራት ኣረኣእያታት በብእዋኑ ብምስ'ርሳር፡ ኣንፈት ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ንምጥምዛዝ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከካይዱ ጸኒሖምን ኣሎዉን። ስለዝኾነ'ውን ካብ'ዚ ሓደጋ'ዚ ንምድሓንን፡ ኣንፈት ቃልስና መልክዕ ንምትሓዝን ዝዓለመ፡ ብዝተፈላለዩ፡ ጉጅለታት፣ ኣካላትን ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ኤርትራውያን፡ ሓያል ጻዕርታት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም። ዋዕላ ሚኒሶታ፣ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታትን ተበግሶ ዋዕላ ሎንዶንን. . .ወዘተ፡ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፡ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ንምውህሃድ ዝተኻየዱ፡ ዝምስገኑ ጻዕርታት ደለይቲ ለውጢ እዮም። ጉዕዞ ቃልስና ብሓፈሻ፡ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ድማ ብፍላይ፡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምድያብ፡ ካብ ኣንጸላልዮምና ዘለዉ ገዘፍቲ ሓደጋታት ብዘተኣማምን ንምድሓን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና ንምርግጋጽ፡ ድልዱልን ዝተጠምረን ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ውድባት ኤርትራ ምምስራት ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ኩሉ ዝተገንዘቦ ሓቂ እዩ። በዚ መሰረት፡ ንጹር ተበግሶ ዝነበሮ ዋዕላ ሎንዶን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክሰላሰል'ኳ እንተዘይካኣለ፡ ነዚ ኣንፈቱ ዘነጸረ፡ ናይ ውድባት ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ናይ ምምስራት ሕቶ፡ ናብ ምምላስ ዘምርሕ ቀጻልን ዕቱብን ዘተ፡ ብተወከልቲ ውድባትና ክቕጽል ምጽንሑ፡ ካብ ኩሉ ዝተኸወለ ከምዘይነበረ ፖ/ቤ/ጽሕፈት ሰደግኤ ኣረጋገጸ። ኣብ ክሊ'ቲ ዝዓበየ ኣጀንዳ ኮይኖም፡ ዝተዳለዉ ናይ ሓባር መዘክራትን ሓባራዊ መግለጺታትን ብኣወንታ መዘነ። ይኹን'ምበር ንጹር እማመ ዋዕላ ሎንዶን መሰረት ብምግባር፡ ክቕጽል ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ፡ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ በጺሑዎ ዝነበረ ደረጃ ምዕባለ ኣብ ክንዲ ምዝዛም፡ ንህሉው ክውንነት ሃገርናን ህዝብታትናን ዘይምጥን፣ ትጽቢቶም ዘይምልስ፣ ናብ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ውድባት ኤርትራ ንምምስራት ዝተታሕዘ መደብ፡ ተኾሊፉ ምህላዉ ገምገመ። ሕጂ'ውን 'ክምብል በለ'ምበር ኣይፈሰሰን' ከምዝባሃል፡ እቲ ኣብ ዝተሓቱ ሓባራዊ ዕማማት ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ሸነኽ፡ ምርጭኡ ብምኽባር፡ እቶም ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብምምስራት፡ ህጹጽ ኣድላይነት ዝተጠመረን ዝተወሃሃደን ፖሎቲካዊ ዓቕሚ ብምፍጣር፡ ናይ ህዝብታትና እዋናዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ድልየትን ቅሩብነትን ዘለዎም ውድባትና፡ ቀጻሊ፣ ልዙብን ዕቱብ ስራሓት ዘተ ብምስልሳል፡ ዝተበገሱሉ ዕላማ ንምዕዋት ክጽዕቱ ይህልዎም ብምባል እምነቱ ኣነጸረ። ውድብና ሰደግኤ/ኤሃግ ካብኡ ዝጥለብ እጃም ከበርክት ከም ወትሩ ድሉው ምህላዉ ኣረጋገጸ።

2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ውድብና፡ ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝሓንጸጾም መደባት ገምገመ። ኣብ ኣፈጻጽማ መደባትና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ሳዕቤናቱን ንምክልኻል ዝተታሕዙ ኣንፈታት ይኹኑ፡ ዝተኣወጁ መምርሒታት ዘዕረፉዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈቲሹ። ነቶም ዝተኻየዱ ኣወንታዊ ምንቅስቓሳት ብምዕቃብ፡ ከይተፈጸሙ ዝሰገሩ መደባት ኣነጺሩ። ኣብ ዝመጹ ወርሓት፡ ነቶም ዘይተፈጸሙ መደባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካልኦት ሓደስቲ መደባት ብምሕንጻጽ፡ ንተግባራውነቶም ብተወፋይነት ክንንቀሳቐስ ወሲኑ። ኣባላትናን ፈተውቲ ውድብናን፡ ፖ/ቤ/ጽሕፈትና ንዝሓንጸጾም መደባት ኣብ ምዕዋት፡ ሓገዞም ከበርክቱ ብምጽዋዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና፡ ጽንኩር መድረኻት ብምስጋር፡ ክንዕወት ኢና!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ፖ/ቤ/ጽሕፈት ሰደግኤ፡

28 ሰነ 2020 ዓ.ም.