Four OrganisATIONS

ሃገርና ኤርትራ መዳርግቲ ብዘይብሉ መስዋእ ናጽነታን ልዑላውነታን ዘውሓሰት ሃገር’ኳ እነተዀነት፣ እቲ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይቅዋምን ሕግን ንህዝብና እናድመየን እናበታተነን ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት፡ ሃገርና ናብ ጐደና ጥፍኣት ይመርሓ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ብዙሓት ሃገራውያን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት፣ ብዝተወደበን ብዘይተወደበን መልክዕ፣ ተቓውሞኦም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን።ምታቶም ብሓባር ንምጽንባር ከኣ ብዙሕ ጻዕርታት ከም ዝተኻየደ ዝተፈልጠ ኢዩ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት፡ “ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕንኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ናይ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራተዓደመ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክጋባእ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮናኮቪድ-19” ክፍጸም ኣይተኻለን። ይኹንበር እዚ ኣገዳሲ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነቲ ብኣካል ምርኻብ ጸገመ ኩነታት ሰጊረን ብኤለክትሮኒካዊ (ቭርችዋል) ኮንፈረንስ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝኣክል፡ ኣብ ቀጻሊ ዘተን ምይይጥን ጸኒሐን። ንኩነታት ሃገርን ሓባራዊ ዕዮ ተቓውሞ ሓይልታትን ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኣገዳሲ መዳያት ተዋሃሂደን ክሰርሓ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሓ ንመላእ ህዝብን ፈተውትን ይገልጻ። 

ዝያዳ ንምንባብን እቲ ክታማት ንምምልካትን ኣብዚ ብድርብ ይጠውቑ/ቓ

 

حققت إرتريا استقلالها وسيادتها الوطنية بعد نضال مرير وطويل، قدم شعبنا خلالها تضحيات مادية ومعنوية جسيمة، إلا أنه للأسف الشديد تم تبديد آماله وتطلعاته بسبب سياسات الطغمة المستبدة التي وصلت إلى سدة الحكم عشية الاستقلال. ومنذ فجر الاستقلال، ظلّت هذه الطغمة تحكم البلاد لعقود دون دستور وفي غياب تام لسيادة القانون، وأصبح واضحًا للجميع بأن هذه الطغمة تقود إرتريا نحو التفكك والانهيار.

وانطلاقًا من إدراكهم لهذا الواقع، ظلّ الوطنيون الإرتريون يُقاومون النظام باستمرار، وبأشكال منظمة وغير منظمة. كما بُذلت جهودٌ متواصلة لتوحيد القوى الوطنية. وفي هذا السياق كان من المقرر أن تَعقد قوى المقاومة الإرترية لقاءً في لندن بالمملكة المتحدة في مارس الماضي، بدعوة من مؤسسة النشر والتعليم الإرترية هناك، تحت شعار: "وحدة القوى السياسية ضمان لإنقاذ الشعب والوطن". إلا أن هذا اللقاء لم يتم كما كان مقررًا، بسبب تفشي جائحة فايروس كورونا (Covid-19). رغم ذلك، حاولت القوى السياسية تجاوز الظرف الذي حال دون انعقاد ذلك اللقاء الهام، من خلال عقد لقاءات متتالية استمرت لشهور، عبر وسائط التواصل الحديثة. ونتيجة لتلك اللقاءات، يسرُّ هذه القوى السياسية أن تعلن لكافة أبناء شعبنا وأصدقائه بأنها توصلت إلى تفاهمات حول التنسيق في مجالات هامّة تتعلق بالأوضاع الإرترية والبرامج المشتركة للقوى المقاومة. ويمكن إجمال أهم الدوافع التي كانت حافزًا للتوصل إلى التفاهم من أجل التنسيق في النقاط التالية:

لقراءة المزيد ورؤية التوقيعات ، يرجى النقر مرتين