DFfEUˆምፍንቓልን ስደትን ህዝቢ፡ ሓደ ካብ’ቲ ዝኸፍአን ዝመረረን መግለጺ ሕሰማት’ዩ። ኮይኑ ግን ስደት ሎሚ
ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብኤርትራውያን ኣይተ መረን። ካብ ቅድሚ ነዊሕ መዋእል ዝነበረ’ዩ። ንኣብነት ኣብ
መዋእልና ብዓለም ደረጃ ዓቢ ጽልዋን ተጽዕኖን ዝፈጥራ ዘለዋ ገለ ሃገራት ብስደትን ስደተኛታትን ዝተመስረታ
ምዃነን’ዩ ታሪኽ ዘረደኣና።

ህዝቢ ክፈናቐል ክስደድ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ልሙድ ስለ ዝኾነ፡ ቅቡል’ዩ፡
ከጨንቐና የብሉን ማለት ኣይኮነን። ምፍንቓልን ስደትን ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ፡ ትርጉም ሰብኣውነት
ብሓላፍነት ብግቡእ ንዝርደኦ ሰብ፡ ኣእምሮ ዘናውጽ ናይ ሕሰማት ሕሱም ገጽ’ዩ።
ኣብ ዝርዝራቱ ከይኣተና ጠንቂ ስደት ብዙሕ’ዩ። ብጥቕልል ዝበለ ድማ ብባህሪያዊ ሓደጋን ሰብ ዘምጸኦን
ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ዘብጸሖ ምክልባትን ኹሉ-ሸነኻዊ ዕንወትን ኣወዳዲርካ ካብ’ቲ፡ እቲ ይሓሽ ዝብል
ፍርዲ ክትህብ’ኳ ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ ብሰብ ኣምጸኦ ዘጋጥም ምፍንቃልን ስደትን ዝፈጥሮ ውርደትን ሞራላዊ
ውድቀትን ካብኡ ናብኡ ዝመረረ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን።
ስለምንታይ’ሲ፡ ከም ደርቅን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ዓጸቦን፣ ምንቅጥቓጥ ምድሪ፣ ህቦቡላዊ ንፋስ፣ ውሑጅ፡
ረስኒ መሬት ዝጠንቁ እሳተ ጎሞራ፣ ከም’ዚ ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ከቢድ ፈተነ ኣውዲቕዋ ዘሎ ለበዳ ሕማም
ኮሮና (ኮቪድ 19)…ወዘተ ዝፈጥሮ ሰብኣውን ነዋታውን ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ድሌትን ምርጫን ወዲ-
ሰብ ወጻኢ ዝመጽእ፡ ኣብ በበይኑ ግዜን በበይኑ ኣጋጣሚታትን ኣብ ኩሉ ዝኽሰት ስለ ዝኾነ ግን፡ ኣብ ኣእምሮ
ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ውርደትን ሞራላዊ ውድቀትን ክንድቲ ሰብ ኣምጸኦ ኣይኮነን።
ምስናይ ኩሉ ሸነኻዊ ብዓይኒ ዝረአ ዘብጸሖ ሰብኣውን ነዋታውን ክሳራ፡ ኣብ ኣእምሮ ደቂ-ሰባት ከቢድ ሞራላዊ
ውድቀት ዘስዕብ፡ ሰብ ኣምጸኦ ምፍንቓልን ስደትን ንገዛእ ርእሱ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ሓደ ህዝቢ ጥራሕ ዝኽሰት
ኣይኮነን። ስእነት ፖለቲካዊ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ምምሕዳር፡ ልዕልና ህዝባዊ ቅዋማዊ ሕጊ፡ ፍትሓዊ
ቁጠባዊ ምምቕራሕ፣ ሃይማኖታዊ ነጻነት፣ ኮታ ምጥሓስ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ
ዘለወን ሃገራት ኩሉ ዘጋጥም ግዱድ ተርእዮ’ዩ። ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን’ውን ንሱ’ዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝጸደቐ ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ
(ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ) ወዲ-ሰብ ከም ናይ ተፈጥሮ ሰብ መጠን፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ፣
ዓሌት፣ እምነት፣ ሃይማኖት፣ ሃብቲ ፍልልይ ሰብኣዊ መሰሉ ብማዕረ ብሕጊ ክኽበር ኣለዎ። ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ
ከፍሪ ናይ ፍርያቱ ተጠቃሚ ክኸውን፣ ብነጻነት ክንቀሳቐስ፣ ክዛረብ፣ ክውደብ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱን ሃገራዊ
ፖለቲካዊ ጉዳያቱን ብቐጥታን ብወከልቱ ኣቢሉን ብዘይ ዝኾነ ጸቕጥን ራዕድን ክሳተፍ ክዋሳእ ክውስን ኣለዎ።
ነዚ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት’ዚ ዝነፍግ ዝኾነ ይኹን ኣካል ቅቡል ኣይኮነን። ብዓለማዊ ናይ ስደተኛታት
ሕጊ ተሓታቲ’ዩ።
ኣብ ሃገሩ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰሉ ዝተነፍገ ህዝቢ፡ መሰሉ ንምኽባር ተወዲቡ
ክቃለስ ቅቡልን ቅኑዕን’ዩ። እቲ ፖለቲካዊ ዓፈናን ጭፍጨፋን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑ፡ ህይወት ከድሕን ካብ
ሃገሩ ክወጽእ ኣብ ዝተገደደሉ ከኣ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ኮነ፡ ዝዓረፈለን ሃገራት ከም ሰብ ንምንባር ዘድልዮ ቀረባት
ክረኽብ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ድማ ክኽበረሉ ኣለዎ። ስደተኛ ስለዝኾነ ትሕቲ ሰብ ክረአ፡ ብህይወት ንምንባር ዘድልዮ
ነገራት ክንፈግ፡ ብግዴታ ናብ’ቲ ገዲፍዎ ዝመጽአ ስርዓት ክምለስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበረሉ
የብሉን። ተገፊዑ ህይወቱ ከድሕን ካብ ሃገሩ ንዝተሰደ ሰብ ወይ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰሉ ኣኽቢርካ ምትእንጋድ
ናይ ኩሎም ኣብ ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓፈሻ፡ ንምኽባር መሰል ስደተኛታትን
መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ብፍላይ ዝኸተሙ ኣባል ሃገራት ግዴታ ምዃኑ ይገልጽ።
2
በዚ መንጽር ስደት ኤርትራውያን ከመይ  ሚሩ፡ ሕጂ’ኸ እንታይ የጋጥሞ ኣሎ ንመልከት። ጠንቂ ማዕበላዊ
ስደት ኤርትራውያን ቁጠባዊ ዘይኮነ ፖለቲካዊ’ዩ። ኤርትራውያን ካብ ድኽነት ዘይኮነ ካብ ሞት’ዮም ዝሃድሙ
ዘለው። ካብ’ቲ ብዘይ ዝኾነ ቅዋማውን ህዝባውን ደገፍ ብሻምብቆ ብረት ኢደ ወነናዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ
ህግደፍ ዝኸተሎ ዘሎ፡ ከፋፊልካ፡ ኣድኪኻን ኣርዒድካን ግዛእ ዝብል ጸረ-ህዝባዊ ሰላም፣ ጸረ-ህዝባዊ
ደሞክራሲ፣ ጸረ-ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ጸረ-ህዝባዊ ልምዓትን ዝኾነ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ፖሊሲ ህይወቶም
ከድሕኑ’ዮም ብዝረኸበ ይርከበኒ ዝስደዱ ዘለው።
እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስደት ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዳወባ ሃገራት ክጅምር ከኣ ባህሪያዊ’ዩ። ብፍላይ ከኣ
ኣብ’ተን ካብ ፖሊሲ ተኲስካ-ቅተል ኣምሊጡ ብቐረባ ብእግሪ ክበጽሐን ዝኽእል ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን
ብጻዕቂ ክረአ ግድን ይኸውን። ኣብ ሃገረ ሱዳን ካብ ባርባራዊ ጨፍጫፍ ባዕዳዊ መግዛእትን ናይ ሎሚ ዘቤታዊ
መግዛእቲ ህግደፍን ሃዲሞም ዝተዓቕቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለው። ኣብ
ኢትዮጵያ ከኣ ድሕሪ’ቲ ብዶብን ባድመን ዝብል ሽፋን ኣብ 1998 ብዓንዳሪ ጉጅለ ህግደፍ ተወሊዑ፡ ኣብ 2000
ድማ ብምሉእ ወተሃደራዊ ስዕረቱ ዝተዛዘመ ኣብራሲ ኲናት፣ ከም ውጽኢቱ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጉጅለ ዝተፈጥረ
ምብልላዕ፡ ንስክላ ካብ ውድቀት ዝደሓነ ህልዊ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጃንዳ፡ ጉጅላዊ ስልጣኑ ከውሕስ ኣብ ህዝቢ
ዝተኸተሎ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ስጉምቲ፡ ብውልቀታት /ብተናጸል/ ዘይኮነ ገዛ ዓጺኻ ብደረጃ
ስድራ ዘየቋርጽ ማዕበላዊ ስደት  ሚሩ። ዛጊት ይቕጽል ኣሎ።
ብፍቓድ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣፍልጦ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከኣ፡
ኣብ ክልል ትግራይን ክልል ዓፋርን ወግዓውን ሕጋውን መዓስከር ስደተኛታት ተጣይሱ። ንነዊሕ ዓመታት ካብ
ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ንስክላ ዘምለጡ ኤርትራውያን ከም ስደተኛ ተመዝጊቦም፡ ስደተኛታት ምዃኖም
ዝገልጽ መንነት ካርድ ሒዞም፡ ብተነጻጻሪ ካብ ጸጥታዊ ስግኣት ድሒኖም ብሰላም ክነብሩ ጸኒሖም። ናይ
ላዕለዋይ ደረጃት ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ’ውን ነይሮም።
ካብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ተገይሩ ድሕሪ ዝተባህለ
ግልጽነት ዘይብሉ ስምምዕ ብሓፈሻ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ድማ ብፍላይ ግን፡ ንህይወት ኤርትራውያን
ስደተኛታት ብኣሉታ ዝጸሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ቀዳማይ፡ ብዘይ ወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ካብ ኤርትራ
ንዝመጹ ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣይነተኣናግድን ተባሂሉ። ስለዚ ከኣ ካብ ዓፋኒ ጉጅለ ህግደፍ ሃዲሞም ዶብ
ኤርትራ ሰጊሮም ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝኣተው ኤርትራውያን፡ ኣልቦ መግቢ ኣልቦ መጽለሊ ኮይኖም ኣብ
ሰጣሕ ሜዳ ክሳቐዩ ኮይኖም እዮም
ካልኣይ፡ ወተሃደራት ከም ዝነበሩ መረጋገጺ ወረቐት ዘለዎም ክንቅበል ኢና፡ ንስቪል ግን ኣይንቕበልን ዝብል
ምኽንያቱ ርዱእ ዘይኮነ ፈላላዪ መዕቀኒ መጺኡ። ሳልሳይ፡ ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት /ካርድ/ ኣረኪብኩም፡
ንሶም ብስም ጥርናፈ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣብ ዝደለኽሞ ከተማታት ኢትዮጵያ ከይድኩም ክትነብሩ ትኽእሉ
ኢኹም ዝብል “ኪድ በሎ ከም ዘይኸይድ ግበሮ” ዓይነት ትእዛዝ ተዋሂቡ። ራብዓይ፡ ንነዊሕ ዓመታት
ዝተቐመጥሉ፡ ገለ ብሓርኮትኮቶም ዕድላት ስራሕ ዝፈጠርሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት
ዝርከብሉ መዓስከር ሕንጻጽ ሕጂ’ውን ብዘይወግዓዊ መግለጺ ፈደራላዊ መንግስቲ ክዕጾ ምዃኑ ተሓቢሩ።
መሳኪን ስደተኛታት ስለምንታይ ምፍራስ መዓስከር ስደተኛታት፡ እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት? ናይ መን
ውሳኔ’ዩ? ዝብል ሕቶ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም። ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ “ኣነ ዝፈልጦ የብለይን” ክብል ከም ዝመለሰ፡ ብሄራዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን
እቲ መዓስከር ስለምንታይ ክፈርስ ከምዝተደልየ ዝፈልጦ ከም ዘይብሉን ከም ዘይቕበሎን እዩ ብወግዒ ገሊጹ።
ምስ’ዞም 16 ሽሕ ዝኾኑ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻውንትን ዝርከባኦም ስደተኛታት መድረኽ ከፊትካ ከይተዘራረብካ፡
UNHCR ዘይፈልጦ፡ ተባሂልኩም ኣለኹም ትግዕዙ፡ እምቢ እንተኢልኩም ንህቦ ዝነበርና ኣገልግሎት
ኣይንህብን ኢልካ፡ ሰራሕተኛታት ኣራ ክለቁ ምግባርን ደኣ እንታይ’ዩ ዕላምኡ? እዚ ፖለቲካዊ ሕሳባት
ዘለዎ’ዩ። ኣብ ዓለማዊ ኣድማሳዊ ቻርተር ንዝሰፈረ ንመሰል ስደተኛታትን ክብረት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት
ዓንቀጻት ዝጥሕስ’ዩ ክብሉ ድማ ድምጾም የስምዑ ኣለው ዱብቦላ ዝወረዶም መሳኪን ስደተኛታት።
3
ውድብ ጥዕና ዓለም ብምኽንያት ዓለማዊ ስግኣት ለበዳ ሕማም ኮሮና (ኮቢድ-19) ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ፡
ኣይትተኣከቡ፡ ተረሓሒቕኩም ንበሩ ዝብል መምርሒ ኣብ ዘውረደሉ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ፈደራላዊ መንግስቲ
ኢትዮጵያ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ንላዕሊ ብሓባር ኮፍ ምባል ኣይከኣል ኢሉ ቁጽጽር ኣብ ዝገብረሉ፡ ካብ ሞት
ሃዲሞም ክዕቆቡ ዝመጽኡ፡ ተጸበይቲ ደገፍ ስደተኛታት፡ ካብ መዓስከር ሕንጻጽ ናብ’ተን ካልኦት መዓስከራት
ግዓዙ ኢልካ ምስግዳድ ካብ ግሉጽነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውሳኔ ወጻኢ ካልእ ክግመት ኣይከኣልን።
እዚ ቅልጡፍ ዳግመ ርእይቶ ዘድልዮ ሰብኣዊ ጥሕሰት’ዩ። ምስ’ቲ ተደጋጊሙ ኣሕዋት ኢና እናተባህለ ዝወሃብ
ወግዓዊ መግለጺ ድማ ዝራጸም’ዩ። ስደተኛ ህዝብና ዘይሃወሰ ሕውነት ምስ መን? ምድግጋፍ ምስ መን? ፍቕሪ
ምስ መን? ሓቢርካ ምንባርን ምዕባይን ምስ መን ዝብል ከቢድ ሕቶ ዘልዕል’ዩ። ስለዚ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ብኽብደትን ሓላፍነትን ተመልኪቱ፡ ካብ ኤርትራ ንዝመጽኡ ሓደሽቲ
ስደተኛታት ከም ቀደሙ ተቐቢሉ ከተኣናግድ፡ ኣውያት ናይ’ቶም ግዓዙ ዝበሃሉ ዘለው ክሰምዕ፡ ህይወት
ስደተኛታት ብዘየበሳብስ ኣገባብ ክሕዞ ካልእ ኩሉ ተሪፉ ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎ። ህዝቢ ተገዲዱ ‘ምበር ፈትዩ
ኣይፈናቕልን ኣይስደድን’ሞ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ሕማቕ ድዩ ጽቡቕ ተግባር ንጽባሕ ሓቢርካ
ንምንባር ምስክርን መሰረትን ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ምእታው ጽቡቕ’ዩ።
ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/፡
20-05-2020