ብደገን ውሽጥን እንታይ ይበሃ ኣሎ

ጉሒላ ብነጻነትና ክምድር መን ወከሎ

ቂመኛ ደቀባት ተኣለ ዩ ዝበሃል ዘሎ;;

 

91 ጉንቦት ሐቂ ተዛረቢ

ንባርነት ኣይወደቀን ህዝቢ

ጃንዳ ህግደፍ ሐደ ልቢ

ዕንዱ ምንዱ የብሎምን ቀልቢ;;

 

ምስ ከዳዓት ኣይትዘምር

ሕድሪ ጀጋኑኻ ኣኽብር

ንጎሮሮኻ ኢልካ መስክር;;

ኣብ መቓብር ጀጋኑ መንዩ ዝፋጺ

ብልእላውነት ኤረትራ የለን ላግጺ

መልሐስካ ከንሽቦ ኣደብ ግበር ተበላጺ;;

ንልእላውነትና ናብ ሐደጋ ዘውደቑ

ምስ ጃንዱኡ ካብ ሱሮም ይበርቆቑ

እንበር ዘበት እዩ ታሪኾም ከጸብቑ;;

 

ንስኻ ነቦኻ ንስኺ ነቦኺ ትምስሊ

መራሒኦም ኤርትራዊ እየ በሃሊ

ካብ 66 ክሳብ እዛ ዕለት ሎሚ

ምስቲ ተቓዋሚ መሲሉ በካሊ

ክንደዩ ቁጽሮም መንዝሮ ገድሊ;;

ሐቂ ዩ ኣይኮነን ጸርፊ

ዋናኺ ንገሪ ኤርትራ ግደፊ

ኣጆኹም በልና እባ ቀልጥፊ;;

ብልእላውነትና የለን ላግጺ

ህዝቢ ኤርትራ ንርስቱ ዝውፈ

መንዩ ንትንቢታቱ ዝኾለፈ

ሐቂ እንበር ሐሶት ዶ ጽሒፈ

ኣይክእሎን እየ ሐስየ ቀጢፈ;;

ሐቂ መራር እያ

እቶም ትግርኛ ዝዛረቡ

እቶም ትግርኛ ዘንብቡ

ገለ ብግጥመይ ይኾርዑ

ገለን ብዙሕ ይቁጡዑ;;

ዕምሪ ህግደፍ ክሐጽር

ንዓመታት ኢልና ዓረር

ኣይካኣልናን ክንስዕሮ

ከም ደርጊ ዕምሩ ክነሕጽሮ

ቃልስና ኣብ ባይታ ንግበሮ;;

ፍርዲ ካብ ሪቢ እዝጊ

ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ

ዳርጋ ጨርቂ

ንጽላእ ንፍቶ ንሱዩ ቲ ሐቂ;;

ብልእላውነትና የለን ላግጺ

ኦ ኣምላኽ ጾሎትና ስምዓዮ

ብውሽጢ ዋህዮ ብደገ ዋህዮ

ኦ ሪቢ ንጸላኢና ካብ ኣለለናዮ

ስኒት ሃበና ነዚ ጉሒላ ክንኣክዮ;;

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።