እዚ ዩ መጸዋዕታ ዋዕሮታት

እዚ ዩ መጸዋዕታ ሐርበኛታት;;

መልሲ ነቶም ፈላለይቲ ኣግለልቲ

ንፋስ ከእትዉ ዝብሉ ላዕሊ ታሕቲ

እንታይ ይፈልየኩም ካብቲ ዝሽምገለ

ዘይቲ ዝሸምገለ ስ ያኣክል ተኣለ ዩ ዝበለ;;

ዝወደቀት ኦም ምሳር ይበዝሐ

ምስ ውዲተኛ ዘለዎም ረብሐ

ንጽገናዊያን ሒዝካ ዶ ወጊሐ;;

ኣብ ማእከል ህዝባ ዳዕሮ

ከምዛ ሱዳናዊት ዋዕሮ

ንመን ንበሎ ተኣለ ክንብሎ

ኣብ ባይታ የድሊሎ

ብዘይ ኣፋላላይ ውዕሎ;;

ንሕና እቶም መልሐሶም ዘይዓጸፉ

ልሳን ቶም ብደሞም ታሪኽ ዝጸሐፉ

ተቀበልቲ ሕድሪ እቶም በጃ ዝሐለፉ;;

ንሕና ኣብ ፍርቂ ዘይሐዝናያ ንበትሪ

ኣይረኸብናን ኣጆኹም ዝብል ዝዘሪ

ዘዝመጸ ከጓጥጠልና ዓሪቡ ምድሪ;;

ዝብላዕ ኣሎ እንተበልዎ ዝብኢ ሆየ

እንታይ ዘጋጥሞ ዘይፈለጠስ ጎየየ

ከም ዝብኢ ሐደራ ደቂ ዓደይ ሃየ

ዓፍራ ከይንረግጽ ኣለሊና ንጉየ;;

ብዘይ ዓንዲ ኣይቆውምን ህድሞ

ክብረት የለን ብዘይ ኣደ ብዘይ ኣቦ

መንእሰይ ጸላእትኻ ኣለሊ ብዓንተቦ;;

ወሰንቲ ንኹን ደቂ ኤርትረያ

ያኣክል ምስ ሐዲሽ ሐዲሽ ጉያ

ንዓመታት ጨዲርና ኣብ ጽርግያ

ብያኣክል ኣይወደቑን ጉጅለ ማፍያ;;

ሐሰኻ ደንበ ናብ ዝለምለመሉ

ከም ጲላጦስ ንጹሃት ክመስሉ

ገለ ገለ ሙሁራት ንኸፈናጭሉ

ብውዲተኛታት ዝተመወሉ;;

ኣብይ ነርኩም

እኳ ዘይበልናኩም

ትማሊ ምስማዕ ኣቢኹም

ንደመኛ ዓደቦ ደጊፍኩም

ንህዝቢ ሐዊ ኣርጊጽኩም

ሕጂ ውን ደጊስኩም

ንተቓወምቲ ኣጸሊምኩም

ክትጽግንዎ ወሲንኩም;;

ቶም ዓጢቕና ንነጻነትና ዝጎየና

ንሱር ነቀል ለውጢ ዩ ቃልስና

ሰለ ዝበልና ዘዝመጸ ከጓጥጠልና;;

ከምዚ ክብል ኣብ መደምደምታ

ኣድጊስ ካብታ ሞታ ምጉታታ

ንማፍያዊ ጉጅለ ብጀካ ኣብ ባይታ

መጠንቀቕታ ኣየስምዖም ስምዕታ;;

(12 ጉንበት)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።