ወየ ወየ ኣፋኒዉኒ ኢሉ ሐርበኛ ብርሃነ

ዓው ኢሉ ዝመከተ ፍትሒ ምስ ተሳእነ

ትም ኣልብልን ነዓይ ይጥዓመኒ ኢለ ኣነ’’

ኣባል ግንባር ኮይኑ ተቓሊሱ ክሳብ ነጻነት

እንቢ ዝበለ ንናይ ጉጅለ ህግደፍ ባርነት

ጭርሖኡ ፍትሒ ይንገስ ንመሰ ንሐርነት

እዚዩ መግለጺ ትብዓት ኤርትራውነት’’

ብርሃነ ንመንእሰያት ክንዲ ኣቦ ኣደ

ኣንፈቶም ከይስሕቱ እንዳ መዓደ

ፍትሒ ከረኣየ ዓዲ ኹልና ዝኸደ

እንዳቦ ገዛ ጎቦ መርድእ ብርሃነ ሰሚዕኩምዶ

ሐርበኛ ብርሃነ ንስኻ ውን ኣፋንዉኒ ኢልካ ዶ

ወደቦይ ወልደግብሪኤል ሐቦኛ ብዓል ሐቦ ከድካዶ

ኣሰር ሐርበኛ ግርማይ ኪዳነ ቪሊፖ ሲዒብካዶ’’

ንሰልማዊ ሰልፊ ኣብ ኣውሮጳ ብምቅብባል

ኣብ ፖሎኛ ተቓውሞ ንናይ ህግደፍ ጽንብል

ምሳኻ ጥዑም ነሩ ኣብ ባይታ ደቂስካ ዕላል

ብርሃነ ዓራትካ ገዲፍካ ፍትሒ ይንገስ ምባል’’

ብወየ ወየ ከነፋንዎ ካብ ሩሑቕ ቀረባ

ፈለማ ሌላና ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ

ብርሃነ ዝበልካኒ ተለፎነይ ክበካ ናትካ ሃባ

ኣይርስዖንየ ሐላፍነት ዝመልኦ ናትካ ዘረባ’’

ሰብ ዶ ይነብር ታሪኽ እንበር

ዓገብ ዘዝበለ ኣብ ስደት ይቕበር

ዓዲ ጀጋኑ ሕጊ ኣልቦ ኮይና ሃገር’’

እንቢ ዝበለ ንምሕደራ ፋሽሽቲ ጉጅለ ህግደፍ

ሐርበኛ ወደቦይ ወልደገብሪኤል ብሰላም ዕረፍ

ብርሃነ ወየ እንዳበልኩ ክፋነወካ ታሪኽዩ ዝግደፍ’’

ብሽም ሐርበኛታትን ዋዕሮታትን’’ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ይዋርሶ’’ንስድራቤቱን ፈውቱን ጽንዓት ጠሊ ይግደፈልኩም’’ ዘለኣለማዊ ክብር ንጀጋኑ ሐርበኛታት’’ገጣሚ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።