ህግደፍ ብኸመይ ይዕወት

ብፕሮፖጋንዳ ብውዲት ብሐሶት

ብከይትእሰር መሰልካ ኣይትሕተት

ካብ ምሸት ናብ ንግሆ

ተቃውሞና ስለ ዘስግኦ

ብሻርሊ ኣቢሉ ሐሶቱ እነሆ

ንመስኖታቱ ከጻናንዕ ከህድኦ

ናብ ዑሱባቱ ጨላጭሉ ይዝርግሖ‘‘

ናይ ጭፍራ ህግደፍ ተዃሉ

ሲኣይኤይ እባ ሞሳት እንዳበሉ

ክሳብ መዓስ ከገሩሁ ከታልሉ

ፍተዉ ጽልኡ ኣኹሉ ዩ ኣኺሉ

ዕምሪ ጭፍራ ህግደፍ ዝሐጸረሉ‘‘

ዓለም ምስ ኣጽቀጠት

ዋጋ ከፊልናሉ ንነጻነት

ሕጂ ውን ንሐርነት‘‘

ብዘበነ ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል

ንኽብሪ ንኤርትራዊ መሰል

ንለውጢ ኢደይ ኢድካ ንበል‘‘

መንእሰይ ትማሊ ጉቡኡ ፈጺሙ

ሕድሪ ሰማእታትና መዓስ ተዛዚሙ

ብጃንዳ ንዓገብ ዝብሉ እንዳ ኣጸለሙ

ብዝበረቐ ጸሐይና ዝብሉ ተጠሊሙ‘‘

ማዕዶ እንተ ጠመትና ንስግር

ህዝቢ ንዲክታቶራት ይቅይር

ኤርትራዊያን ዶብ ይሰግር

ገለ ኣብ ፌስቡ ፓልቶክ ንጭድር

ጉጅለ ህግደፍ ደስ ዝበሎ ይገበር‘‘

ተቃወምቲ ውድባት ዘይትብገሳ

ድሕሪ ወዲ ዓሊ ኣቦና ሸኽ ሙሳ

ንሂወት ጀጋኑና መን ክመልሳ

ተቃውሞኦም ኣይረኸበን ሞሳ‘‘

ድሕሪ ናይ ጀነቫ 16 ሽሕ ተቃውሞ

ኣብ ፍራንክፎርት ዋሕድና ዘስደመሞ

ነርኩም ዶ ንኣቢዩ ፊት ንፊት ክንገጥሞ‘‘

ብሐሶት ስለያዊ ጉጅለ ወዲ ካሳ

ንጳጳስና ነኣቦና ኣንጦንዮስ ከሲሳ

ብኣርዮስ ሉኡኽ ኣስራተ ካሳ በሪሳ

ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ተረሚሳ‘‘

ነዊሕ ኣኮነን ቲ እዋን ህድእበሉ

ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰዓሩሉ

ሕልሚ ኣርዮስን ኣቢዪን ዝበነሉ

ቆጽሊ ኣውዲቕና ይርሐሰን ንብለሉ‘‘

ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ

ከዳዓት ኣለዉ ብውሽጢ ብደገ

ገለን ትም ርስቱ እንዳ ተሐደገ

ዓገብ ከይብል ሐሞቱ ዝተዘረገ‘‘

ኤርትራ ንኤርትራዊያን

ኣብ ኤርትራ ቦታ የለን

ንሕልሚ ኣግኣዝያዊያን

ንሐራ ኤርትራ ዘይኣምኑን

ኣብ ማእሲ ብዘይ ምግናን

ክነትዑ እዮም ከም ቱዃን‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።