ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኮነ እኩባት ሰባት፡ ጸረ-ግፍዕን ገፋዕትን ደው ምባል፡ ወገን ግፉዓት ምዃን ኣወንታዊ ዩ።  መግለጺ ሓርበኝነትን ዘይተንበርካኽነትን’ዩ። ክብርን ደገፍን ድማ ዝግበኦ ዩ።  ኣብ ብዙሓት ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝተኻየደለን ሃገራት ከም ዝተራእየ ግን፡  ጸረ-ገፋዕቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ግብራዊ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ኣጻፊፍካ ምብጋስ ይሓትት። ግቡእ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ምግባር ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሚ ጸላኢኻ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቁጠባዊ ዓቕምን መስዋእቲ ከፊልካ ሓራ ከተውጸኦ ዝተሰለፍካሉ ህዝቢ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ኣብ’ቲ ተካየዶ ዘለኻ ቃልሲ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩለንተናዊ ዓቕምን ክትፈልጥ ይሕግዘካ። መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ከይገበርካ ብቑጠዐ ጸረ ግፍዕን ገፋዕትን ምብጋስ ግን፡ ነገራት ዝደዋውስ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል፡  ግጉይ ኣገባብ’ዩ። ክሳብ’ውን ሸቶኻ ከይሃረምካ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኮይንካ ታሪኽ ትኾነሉ ኣጋጣሚ ዘስዕብ ሓደጋ ዘለዎ ዩ። 

 ንኣብነት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)  ግፍዓዊ ተግባራት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወለዳ ንስለ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነት ህዝብታት ኤርትራ ብሓሳብን ብተግባርን ተቓሊሳ ከተቃልስ ዝተበገሰት ምንቅስቓስ’ያ።  እቲ ድሌት፡ እቲ ሕልና፡  ቅኑዕ’ዩ። ዘነይት’ዩ። ብመድረኽ ኣንጻር’ውን ዝተወልደትሉ ግዜ፡ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ በቲ ሓደ ወገን ጸማም እዝኒ ኣብ ዝተዋህበሉ፡ ግዱድ ፈደሬሽን ናይ ምፍራስ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን እንታይ ንግበር ኣብ ዝብልሉ ዝነበሩ ብምዃኑ እዋኑ ዩ። እቲ ባህጊ ሃገራዊ ነጻነት፡ ህዝባዊ ሓርነት፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ብዓሚቕ ፖለቲካዊ መጽናዕቲ ዝተደገፈ ብዘይምንባሩ ግን ምሓኤ ብዙሕ ከይሰጎመት ተኾሊፋ።

ተጋ/ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ኣብ’ታ ብ2019 ካብ ዓረበኛ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመት “ጉዕዞ ተሓኤ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ” እትብል መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ምሓኤ (ሓረካ)  ከም’ዚ ክብል ገሊጹ ኣሎ።  ምሓኤ  ብመሪሕነት መሓመድ ስዒድ ናውድን ምትሕብባር ኮሙኒስት ሰልፊ ሱዳንን ኣብ ወርሒ ሕዳር 1958 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተመስሪታ። ምሓኤ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ህዝባዊ መሰረታት ኣብ ምውዳብ ዕውት ስራሕ ሰሪሓ።  ከም’ውን ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝፈላሊ ዝነበረ ስምዒታት ሰጊራ ኣብ ምሉእ ሃገር ህልውናኣ ኣረጋገጸት። ንኣብነት ኣብ ከበሳ  ብማሕበር ሸውዓተ ወይ ድማ ናይ ሸውዓተ ዝኣባላታ ምስጢራዊ ስርርዕ ፈጢራ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብምብርባር፡ ኣንጻር ጎባጢ ስርዓት ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ መንፈስ ኣብ ምጉህሃር ዓቢይ ኣበርክቶ ገይራ።

 ናይ’ዛ ምንቅስቓስ ራእይ ጭርሖን ማሕበራዊ ቅርጻን ብንጹር ሃገራውን ንሃገረ ኤርትራ ካብ ጎበጣ ኢትዮጵያ ነጻ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ምሓኤ ቅድም ክብል ምስ ኮሙኒስት ሰልፊ ሱዳን ዝነበራ ዝምድና፡ በቲ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን ናይ ዓለም ጸጋማዊ ደምበን ዝነበረ ዝምድናታት፡ ከምኡ’ውን ብጂኦ-ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ከም ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ዝተጸልወት ያ ነይራ። ኣብ’ቲ ሓመድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ናይ መጀመርታ ጥይት ዝተኮሰሉ እዋን፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ውድባት ምሓኤን ተሓኤን ነይረን። ምሓኤ  ብፖለቲካዊ፡ ውደባ፡ ህዝባዊ ስርርዕ ተመክሮ ዝደለቡ ካድራት ስለ ዝነበርዋ ካብ ተሓኤ ጸብለል ትብል ነበረት። ኣብ ውሽጥን ኣብ ሱዳንን ስሩዕ ውድባዊ ህይወት ነበራ። ማእከላይ መዋፍሪኣ ኣብ ሱዳን ብምንባሩ ምስ ወጻኢ ዓለም እንኮ መራኸቢ ባይታ ነይርዋ።

  ምሓኤ ኣብ ጉዕዞኣ ብዘጥረዮ ተመክሮ ተጠቒማ ንሰውራ ኤርትራ ካብ ዓለም ንምንጻሉ  ብወጻእተኛታት ንዝካየድ ዝነበረ ፈተነ ኣብ ምፍሻል ዝሓሸ ዕድል ነይርዋ። ምሓኤ ኣብ ዓረባዊ ዓለምን ኣፍሪቃን ዓቢይ ጽልዋ  ምስ ዝነበሮ ኮሙኒስታዊ ሰልፊ ሱዳን ብዝነበራ ዝምድና ኣብ ደምበ ማሕበርነት ዝነበሩ ጸጋማዊ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣወንታዊ መርገጺ ክሕዙ ንምርዳእ ጥጡሕ ባይታ ረኺባ።  ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ ተሓኤ ዝያዳ ብቕዓት ዝነበራ ምሓኤ’ያ። እንተኾነ ኣብ መንጎ ተሓኤን ምሓኤን ብዝነበረ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዘይምቅዳው ምሓኤ ኣብ ዒላ ጻዕዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብዝወረዳ ክሳራ ህላዌኣ ከም ዘብቀዐ፡ መንቀሊ ናይ’ቲ ግጭት ግን ኣብ መትከላትን ዕላማታትን ናይተን ውድባት ብሩህ ዝኾነ ፍልልይ ኣይነበሮን ይብል ቅድም ክብል ኣቦ-መንበር ሰልፊ-ዕዮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ ዓባይ) ከምኡ’ውን ሰልፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሓደ ውድብ እንከለው፡ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበረ  ተጋ/ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ።

 ገለ ወሃብቲ ርእይቶን ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተዳለው ጽሑፋዊ ሰነዳትን ድማ፡ ምሓኤ ነቲ ብባህሪኡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ብረታዊ ቃልስን፡ ብኣሜሪካ ንዝድገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብውሑድ ሓይሊ ብምጥቃዕ ኣብ ሓጺር ግዜ  ነጻነት ንምምጻእ ይከኣል’ዩ ዝብል ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ዝዘንበለ ርቡጽ ርእይቶ ከም ዝነበራ ይገልጹ። መሪሕነት ምሓኤ ካብ’ቲ ትኽተሎ ዝነበረት ጸጋማዊ ርእይቶ ዝብገስ ድርቕ ዝበለ ኣነነታዊ ስምዒት ብምንጽብራቕ  ዝምድናኣ ምስ ኮሙኒስቲ ሰልፊ ሱዳን ኣትረረት።

ኣካይዳ ምሓኤ ዘይማእመኦ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ምሓኤ ትኽተሎ ዘላ ጸገማዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ምስ ኮሙኒስቲ ሰልፊ ሱዳን ዘለዋ ኣህጉራዊ ዝምድናን ጸረ-ሃይማኖትናን ባህልናን’ዩ ዝብል ግጉይ ርድኢትን ወፍርን ይካየደላ ምንባሩ ይሕብሩ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ምትፍናን እናዓበየ ከይዱ፡ ኣብ ደማዊ ግጭት ከም ዝበጽሐ፡ ኣብ 1964 ዒላ ጻዕዳ ኣብ ዝተባህለ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ ተሓኤ ኣብ ልዕሊ ምሓኤ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ጉዕዞ ምሓኤ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ከም ዘብቀዐን ይገልጹ።

ብርጌድ ንሓመዱ ሓድሽ ንኹሉ ርዱእን ገና ኣብ ርሱን ቃልሲ ዝርከብ ብምዃኑ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ከምዚ ይመስል ዝብል መብርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን።

እንተኾነ ግን ከም ጀማርን ህዝባዊ ኣቓልቦ ስሒቡ፡ ኣብ ርሱን ንጥፈታት ዝርከብ ናይ ለውጢ ኣካል፡ ምስ ምሓኤ ኣበይ ይመሳሰሉ? ኣበይ ከ ይፈላለዩ? ብርጌድ ንሓመዱ ካብ’ዚ እንታይ ይመሃር? ምርኣይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ፡-

 ምሓኤን ብርጌድ ንሓመዱን ኣበይ ይመሳሰሉ?

ሀ. ምሓኤ (ሓረካ)  ፍትሓዊ ሕቶ ሃገርነት ኤርትራ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ዝተገብረ ፈተነ ሰማዒ ኣብ ዝሰኣነሉ፡ ኣቐዲሙ’ውን  ቅቡልነት ምልኣት ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበሮ ግዱድ ውዑል ፈደሬሽን ደረጃ ብደረጃ ኣብ ዝጠሓሰሉ፡ ህዝቢ ኣብ ድንግርግርን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ዝኣተወሉ፡ ጸላኢኣ ኣለልያ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ስጡም ውደባ፡ ንሓሳባ ብተግባር ዝትርጉም ትብዓት ወኒና ምብጋሳ፤ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ፡ ተስፋ ሰላማዊ ዘተን ደሞክራስያዊ ለውጥን ብትምክሕታዊ ዕንደራ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ሰማዒ ስኢኑ፡ ህልውናን ቀጻልነትን ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላውነት ሃገር ድማ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ንጸላኢ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ስነ-መጎት ሓይሊ ንምእላይ፡ ንስለ ህዝቢ ህይወቱ ንስቓይን መስዋእትን ወፍዩ ብተግባር ምብጋሱ፣

ለ. እቲ ሓደ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ፡ እቲ ካልእ ከኣ ኣንጻር ዘቤታዊ መግዛእቲ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ ክልቲኦም ኣብ ወሳኔ እዋን ምምጻኦም፣

ሐ. ክልቲኦም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝተወልዱ ምዃኖም፣

 መ. በቲ ከስምዕ ከድምዕ ዝኽእል ዕድመ ንእስነት ዝተዓብለሉ ምዃኖም፣

ሰ. ዝገጠሞም ተቓውሞ ብቐንዱ ካብ’ቶም ብጸላእነት ዝተሰርዑ ዘይኮነ፡ ካብ ናትኩም ኢና፡ ውጹዓትን ወገን ውጹዓትን ኢና፡ ደለይቲ ነጻነትን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ኢና ዝብሉ ውድባት ምዃኑ፣ ንኣብነት ምሓኤ ብሓደ ንሃገራዊ ነጻነት ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ውድብ ብደማዊ ውግእ ተሃሪማ ካብ ፖለቲካዊ ኤርትራ ምውጻኣ። ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ኣለና ብዝብሉ ገለ ውድባት ሃገራዊ ኣይኮነን ብዝብል ወፍሪ ጸለመ ይካየደሉ ምህላውን …የመሳስሎም።

 ምሓኤን ብርጌድ ንሓመዱን ኣበይ ከ ይፈላለዩ?

ሀ. ምሓኤ ናተይ እትብሎ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክትክተል እንከላ፤  ብርጌድ ንሓመዱ ግን ብተግባር ኣብ ፖለቲካ እንዳሓበሰን ክቡር ዋጋ እናኸፈለን ብወግዒ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣይኮንኩን ዝብል ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ብንጹር ካበይ ናበይ ዘይፍለጥ ምዃኑ፣

ለ. ምሓኤ ንጥፈታታ ብስጡም ምስጢራዊ ውደባ ኣቢላ ከተሰላስል እንከላ፤ ንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ ግን ዝሉቕ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብመጽናዕቲ ዘይኮነ ብስምዒት ብተግባር ዝፍጸም ምዃኑ፣

ሐ. ምሓኤ ብመጠኑ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ፖሊስን ተግባርን ጸላኢኣ ኣንቢባ ዝተበገሰ ክትከውን እንከላ፤ ብርጌድ ንሓመዱ ግን ብወሳኒ መልክዑ  ፋሽሽታዊ ግብራዊ ፍጻሜታት ጸላኢ ብዝፈጠረሉ ምረት  ዝተወልደ ምዃኑ፣

መ. ምሓኤ ናተይ ትብሎ ምእኩል መሪሕነት፡ ደምበኡ ዝፈለየ ኣህጉራዊ ጸጋማዊ ምሕዝነት፡ ተነጻጻሪ ውሕስነት ዝነበሮ ፍሉጥ መዋፈሪ ማእከላይ ቦታ ነርዋ፤ ብርጌድ ንሓመዱ ግን፡ ገና ሕቶ ሕጋዊ መሪሕነት፡ ምእኩል ኣሰራርሓ፡ ናይ ዕላማ ንጹርነት፡ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ምሕዝነት፡ ፍሉጥን ተነጻጸሪ ውሕስነት ዘለዎ መዋፈሪ ቦታን ዘይብሉ ምዃኑ፣

ሰ. ምሓኤ ዝበዝሑ ኣባላታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ነይሮም፡ ግን ከኣ ሕጽረት ገንዘብን  መራኸቢታትን ነይርዋ፤  ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ዝበዝሑ ኣባላቱ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኮይኖም፡ ተነጻጻሪ ገንዘባዊ ዓቕምን ወነንቲ ስሉጥ መራኸቢታት ብምዃኖም ይፈላለዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ካብ’ዚ እንታይ ይመሃር?

ሀ. ኣብ ፖለቲካ እናተዋሳእካ ኣነ ናይ ተግባር ‘ምበር ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣይኮንኩን ማለት ቅልጡፍ መእረምታ ዘድልዮ ተገራጫዊ ኣካይዳ ምዃኑ፡ ናተይ ትብሎ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ እንተዘይብልካ፡ ህዝቢ ከተንቅሕ ክትውድብ ከተዕጥቕ ስለዚ ከኣ ጸላኢ ክትስዕር ከምዘይትኽእል፣

ለ. ምእኩል ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከየተኣታተኻ ዝግበር ንጥፈታት፡ ተሓታትነት ዘይብሉ ኣብ ሰናይ ድሌትን ተበግሶን ውልቀ ሰባት ዝምርኮስ ብምዃኑ ዝድለ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዘይኽእል፣

ሐ. ኣብ ንቑሕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ስጡም ውደባን ዘይተሰረተ ምንቅስቓስ ክንዲ ዝተደልየ ጽንዓትን ድፍረትን ዘለዎም መራሕትን ኣባላትን ይሃልውዎ  ንሓደጋ ዝተቓለዐ ከም ዝኾነ፣

መ. ብርጌድ ንሓመዱ ህዝባዊ ተቐባልነቱን ናህሩን ዓቂቡ ከይቕጽል ዕንቅፋት ኮይንዎ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ፡ ቀዳማይ ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ኣሰራርሓኡን፣ ካልኣይ፡ “ኮሓሎ መሲለን መንቆራ” ከም ዝበሃል ቆራሪጾም ከም ስጋ ጉዚ ተማቒሎም ነበረ ክገብርዎ ብቕሉዕን ብስውሩ ዝጽግዕዎ ዘለዎ ገለ ኣካላት ካብ ደምበ ተቓውሞ ብግቡእ ከለሊ፡ ኣይፋል ግልጽነትን ሚዛናውነትን ንዘይብሉ ምድግጋፍ ክብል ዘይምኽኣሉ፣

ሰ. ነቶም ንምፍልላይን ምፍራስን ‘ምበር፡ ንምትሕብባርን ምህናጽን ክሰርሑ ባህሪኦም ዘየፍቅደሎም፡ ብኾፎም ክኸብሩ ዝደልዩ ፈላለይቲ ስማውያን ውድባትን ምሁራት ኢና በሃልትን ኤርትራዊ ኣይኮንካን ኢሎም ንዘካይድዎ ዘለው ብገበን ዘሕትት ጸለመ፡ ብጭቡጥ መረዳእታ ግን ከኣ፡ ብእሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ክንዲ ዘቃልዖም ስቕታ ምምራጹ፣

ረ. ፈተውቱ፡ ተጻባእቱን ጸላእቱን ብቐደም ሰዓብ ኣቐሚጡ ካብ ፈተውቱ ክረኽቦ ዝግባእ ናይ ሓሳብ ኮነ ገንዘባውን ነገራውን ደገፍ ብኸመይ ኣገባብ ኣነጺሩ ካብ ሕሜታን ግዕዝይናን ብዝደሓነ ክጥቀመሉ ዘይምኽኣሉ ዘኽፍሎ ዘሎ ከቢድ ዋጋ፣

ሸ. ሕቶ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ሕጋዊ መሪሕነት፣ ማእከላይ መዋፈሪ ቦታ ብዘይምምላሱ ትርጉምን ቀጻልነት ዘለዎን ኣህጉራዊ ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ከጥሪ ዘይምኽኣሉ፣

ቀ. ንኹሉ ንጥፈታቱ ብቐዳምነት ብሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብስምዒት ብስነ-መጎት ሓይሊ ክፈትሖ ምፍታኑ፡ እዚ ድማ ብዘገምታ ዝቐትል ግጉይ ኣገባብ  ምዃኑ ክርዳእ ክመሃረሉን ክእርሞን ይግባእ።

                                                                

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                     21 ሚያዝያ 2024