ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት  ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ።  ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር  ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ  ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።

እቲ ብ1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብህዝበ ውሳኔ ብሕጊ ዝተመዝገበ ታሪኻዊ ህዝባዊ ዓወት ግን፡ ንዘቤታዊ መሰረታዊ ሓርነታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትና ዝምልከት፡ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ኣይፈጠረን። እቲ መድረኽ’ቲ  ንከመይነት ህዝባዊ ልኡላውነትን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝዘንገዐ ሃዋህው ስለ ዝነበረ፡ እነሆ ሎሚ 32 ዓመት ወዲእና ናብ 33 ዓመት ኣብ ዝተቓረብናሉ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕሱም ዘቤታዊ መግዛእቲ ኮይና፡  ከቢድ ደመና ኲናት ድማ እናንጸላለወና፡ ካብ ዓመት 2023 ናብ ዓመተ 2024 ንሰጋገር ኣለና። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምስግጋር፡ ብተለምዶ ዝጸንሐን ዝቕጽልን ናይ ግዜ መለክዒ ብምዃኑ፡ እቲ ግዜስ ይኸይድ ኣሎ ንሕና’ኸ ከም ህዝቢ ከም ሃገር እንታይ ኣፍሪናሉ ብዝብል ሓላፍነታዊ ሕቶ ክንቅበሎ ድማ ይግባእ።

 ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ፖለቲካዊ ኣተሓሕዛና ቅድሚ 1991’ውን ቅርዕው ኣይነበረን። ሰረተ ንቕሓት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝተነጽፈሉ ኣይነበረን። ሓደ ካብ’ቲ ሓደ ዘይሓይሽ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ኣረኣእያታት፡ ኣብ ግርህና ህዝቢ ተሓቢኦም ናይ ስልጣን መን በሓተ እናተራግሑ ዝመጽእሉ መስርሕ’ዩ። ናይ ኣሽሓት ተጋደልቲ ኣካል ዘጉደለን ህይወት ዝቐዘፈን ጸሊም ታሪኻዊ ስንብራቱ ክሳብ ሕጂ ዘሳቕየና ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህግሓኤን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ።

 ስለዚ ከኣ እዚ ሎሚ ብተግባር ንሪኦ ዘለና ኩለመዳያዊ ውድቀት፡ ውጽኢት ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ስእነት ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ምዃኑ ብግቡእ ምርዳእ የድሊ። ዝሓለፈ 32 ዓመት ከም ህዝቢ ብሓባር ተናቢብናን ተወሃሂድናን ክንሰርሕ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፡ ባዕላዊ ድዩ ወድዓዊ ብንቕሓት፡ ብሓላፍነትን ትብዓትን ክግምገም ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ ኣብ  2023 ቅድሚኡን ዝነበረና ድኽመት ተሰኪምና ናብ 2024 ክንሰግር ስለ ዘይብልና፡ ኣብ መንጎ ደምበ ፈታውን ደምበ ጸላእን ዘሎ ዶብ ንጹር ድዩ? ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ማሕበራዊ ዝምድናን ዝደዋውስ ኣጠማምታ ወጺአ ድየ? ወጺእና ዲና? ወይስ ቁጽሪ ጥራሕ’ዩ ዝሰጋገር ዘሎ ሕልናና  ውድብና ማሕበርና ምንቅስቓስና ብግቡእ ንፍትሸሉ ክኸውን ይግባእ።

 ትምህርቲ ሓደ ካብ መፍትሒ መሰረታዊ ጸገማት ሕብረተሰብ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ምምሃርን ምስትምሃርን  ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ብፖለቲካዊ ውሳኔ በርዒኑ’ዩ። መማህራን ሃገራዊ ሰላም፣ ዝግባእ ሞያዊ ክብሪ፣ ተመጣጣኒ ክፍሊት፣ ናይ ምንባር ውሕስነት ከይረኽቡ፡ ተመሃሮ ብቕሳነት ብተስፋ ከይመሃሩ ኮነ ኢልካ ብውጥን ስለ ዝተሃርመ፡ ዝነበረ ዝጠፍኣሉ ‘ምበር ዝተመዝገበ ዓይነታዊ ለውጢ የለን። ኣብ መዳይ ጥዕና ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከም ዘይተሰርሐ፡ ብቐሊል ሕክምናዊ ክንክን ክድሕኑ ዝነበሮም ዜጋታት ይረግፉ፡ ተነጻጻሪ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጓዒዞም ክሕከሙ ይግደዱ ከም ዘለው ብእዝንና ንሰምዖ ዘይኮነ ብዓይኒና ንሪኦ ዘለና ግብራዊ ሓቂ’ዩ።

 ሕርሻን መጓሳን ዓንዲ ሕቖ ቁጠባ ሃገርና’ዩ።  ይኹን ደኣምበር ሕርሻን መጓሰን ብዘይ ሰላም፡ ፍልጠትን ጉልበትን ሰብ ፍርያት ኣይህብን። ከም መርኣያ ናይ’ዚ፡ መሬትና ቃዲሩ፣ ጥሪትና በሪሰን፣ ኣግራብና ተቖጥቑጡ፣ ህዝቢ ካብ ለገስቲ መሰጋገሪ ህይወት ዝኾነ ሓገዝ ከይረክብ፡ ኤርትራውያን ረድኤት ኣይንቕበልን ብዝብል ሓላፍነት ዝጎደሎ ፖለቲካዊ ሃላልነት ተኸልኪሉ፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተገሊሉ ይጠፍእ ኣሎ። ኣውፈርትን ነጋዶን ብክንዲ ዝዓቕሞም ኣብ ሃገሮም ከይዋስኡ  ከይህብትሙ ክደኽዩ፡ ካብ ሃገር ክባረሩ ስለ ዝተደልየ ዕዳጋታት ኤርትራ ትርጉም ዘለዎ ሸያጥን ሸማትን ስኢኑ ገረውረው ኢሉ። እቲ ዝርካቡ  ኤርትራዊ ነጋዳይ፡ ኤርትራዊ ኣውፋሪ፡ ኤርትራዊ ገንዘብ ኣብ ረብሓ ካልኦት ህዝብታት ይውዕል ኣሎ። ብሕቡእ ዘይኮነ ብቕሉዕ ስሩት ማሕበራዊ ክብርታትና ኣዕንዱ ክሰባበርን ክራኸስን ንዕዘብ ኣለና። ብውርዙይ ህዝባዊ ባህልና ዘይድፈር ቃልን ዘይትንከፍ ኣካል ጓል ኣንስተይትን ኣብ ጎደና ወጺኡ ይራስኽ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት  ብልሳን ፍጮ ሕብረተ-ሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መስደመም ዘረባ ንሰምዕ ኣለና።

 ስርዓተ ሃይማኖት ሰባት ንዓመጽ፡ ሓሶት፡ ስርቂ ክጽየኑ፡ ሕብረተ-ሰብ ብዝተረጋገ መንገዲ ሓቢሩን ተኸባቢሩን ክኻየድ ኣብ ምግባር ዘለዎ ኣወንታዊ ኣስተምህሮን ተጽዕኖን ንኹላትና ርዱእ’ዩ። ይኹን ግን ሃይማኖት ምስልምና ኮነ ክርስትና ብተመሳሳሊ ከም’ቲ ካልእ ዓውድታት፡ ብዝተፈላለየ ሜላታት ይህረም ናብ መሳርሒ ፖለቲካ ንምቕያር ይስራሕ ከም ዘሎ ሕቡእ ኣይኮነን። ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ልክዕ ከም’ቶም ሕልና ኣልቦ ካድራት፡ ብስብከት ህዝቢ ኣደንዚዞም ስልጣን ፋሽሽታዊ መንግስታዊ ጉጅለ ከቐጽሉ ወርሓዊ ደሞዝ ተመዲብሎም ኣብ ዝሰርሕሉ ዘደንጹ እዋን በጺሕና ኣለና።

  ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝሰረቱ፡ ሕድሕድ ኣፍልጦን ምክብባር ፈጢርና ሓባራዊ ጸገምና ንፍታሕ ተኣማሚና ከይንላዘብ፡ ናይ ሓባር መደባት ስኢልና ናብ ግብራዊ ስራሕ ከይንወፍር፡ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ስኒትና ተዘሪጉ ይርከብ። ጸላኢ ከም ማይ መስኖ ንሱ ብዝደለዮ ኣንፈት ብዝፍንዎ ትሕዝቶ ኣልቦ ተራ ፕሮፖጋንዳ ዝጋልቡ  ስሉባት ሕልና ስለ ዘፍረየ፡ ኣንፈት ፖለቲካና ተዛቢዑ ሽግርና ይብእስ ኣሎ። ካብ ፖለቲካ ክሳብ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝነበረ ክብርታት ቀላሲ ስኢኑ ተበታቲኹ፡ ብተግባር ከም ኣቆጻጽራ ዓመተ ዓለም ንድሕሪት ኣብ ዝተመለሰሉ፡  ምስ ኣቖጻጽራ ዓመተ ምህረት፡ ብኩለንተናዊ ገስጋስ ምዕባለ ንቕድሚት ንስጉም ከም ዘለና ኣምሲልካ፡ እንቋዕ ካብ ዓመተ 2023 ናብ ዓመተ 2024 ኣብ ጸሓኩም ኣብጸሓና ማለት ልማዳዊ ኣበሃህላ ‘ምበር ንጭቡጥ ኣተሃላልዋና ዝውክል ወይ ዝገልጽ ኣይኮነን።

እዚ ኣነባብራ’ዚ፡ እዚ ሕልፈት’ዚ፡ እዚ ህልዋት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ሬሳ ኣብ ትሕቲ ዕቑባ ክነብር ዝገበረ (ንኣብነት ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ላምፐዱዛ 2013) ጨካን ፖለቲካዊ መግዛእቲ’ዚ፡ ዘይንቡር ስለ ዝኾነ  ናይ ግድን ናብ ንቡር ክቕየር ኣለዎ። ዘይንቡር ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ንምቕያር ከኣ ኣተሓሳስባና ክቕየር ኣለዎ። ሕልናና ምስ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ፍርሒ፣ በለጽ፣ ድኽነት፣ ተገላባጢ መርገጽ ይለማመድ ከይህሉ ደው ኢልና ክንሓስብ ኣለና። ሃገረ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ገዛ ‘ምበር እቲ ሓደ ወናኒ እቲ ካልእ ተኻርዩ ዝነብረላ  ከምዘይኮነት ብምርዳእ ውጹዕ ኤርትራዊ ንመሰሉ ሓቢሩ ክቃለስ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) በዚ ኣጋጣሚ ይጽውዕ።

  ሕጊ ኣልቦነት፡ ፋሽሽትነት ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ ሃገር፡ ሰብኣዊ ኮነ ደሞክራስያዊ መሰል፡ ብቃልስን መስዋእትን ‘ምበር ብተንበርካኽነት፡ ብልመናን ትካቦን ስለ ዘይርከብ፡ ኣነ ሰብየ ከም ሰብ ክኽበር ኣለኒ፡ ክነብር ኣለኒ። ኣነ ዜጋ’የ፡ ኣብ ጉዳየይ ኣብ ጉዳይ ሃገራይ ብማዕረ ክሳተፍ፡ ሓሳባይ ከካፍል፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ሓቢረ ክውስን ኣለኒ ዝብል ፖለቲካዊ ንቕሓት ክውነን ይግባእ፡፡ ካብ’ዚ ዘለናዮ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክንወጽእ፡ ናይ ግድን ፈታውን ጸላእን መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፈላልዩ ዝርኢ ህዝባውን ደሞክራስያውን ሓይሊ ሓሳብ ቅድሚት ክመጽእ ኣለዎ። ሃገር ትህነጸሉ፡ ፍልጠት፣ ጉልበት፣ ገንዘብ  ምንጩ ህዝቢ’ዩ። ብኢደ ወነኑ ኣብ ርኻብ ፖለቲካዊ ስልጣን ደይቡ፡ ንህዝቢ ኣድኪዩ፣ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱ፣ ከፋፊሉ፣ ኣርዒዱ  ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ብህዝባዊ ቃልሲ ቀልጢፉ ክውገድ ዘለዎ ደመኛ ጸላኢ ‘ምበር፡  ብልኡላውነት ሃገር ዝግደስ ፈታዊ ዘግልጾ ምኽንያት የለን።

ስለዚ ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገልግሉ ዘለውኹም ወገናት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከጽንት ከም እንስሳ ዘቤት (ጥሪት) ብሓደ ቃል ተበገስ ናብ ዝተበሃልኩሞ ብተወፋይነት ብምውፋር ተገልግሉ ዘለኹም እኩባት ሰብ ብረት፤ ብስም ትእዛዝ መንግስቲ ሕነ ምፍዳይ ብዝመስል ህዝቢ ተከላብቱ፡ ብጉልበት፡ ገንዘብን ጥሪትን ህዝቢ ደቅኹም ሓቒፍኩም ኣብ ምቾት ትነብሩ ዘለኹም ኣመሓደርቲ፡ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን፤ ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት እናነበርኩም፡ ሳይንስን ተክኖሎጂን ዝፈጠሮ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒምኩም፡ እከለ ኤርትራዊ’ዩ፡ እከለ ኤርትራዊ ኣይኮነን ተደኽሩ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ደማዊ ጽልኢ ንምፍጣር ክትሰርሑ ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ ዝኾንኩም ወነንቲ ማዕከናት ዜና፡ ኣዳለውትን ኣቕረብትን፣ ብ2% ዘይሕጋዊ ግብሪ፡ ቦንድ፡ ሃገራዊ መኸተ ካዝና ጸላኢ ትመልኡ፡ “ብሓደ ልምቢ ሓደ ህዝቢ” “ራብዓይ ግንባር” “ዋልታ ሃገር” ዝብል  ናይ ጥፍኣት ኣስማት ተወዲብኩም ተካይድዎ ዘለኹም ወፊሪ ጸለመ፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ብግልጺ  ኣጽዋር ኲናት፡ ሓጻውን፡ ኣብ መግቢ ዝንስነስ መርዝን ዓጢቕኩም ዝፈጸምኩሞ ንፖለቲካዊ ድንቁርናኹም ዘረጋገጸ ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ገበናዊ ተግባር፡  ብግቡእ ይስነድ ስለ ዘሎ፡ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብሕጊ ናይ ኢድኩም ክትረኽቡ ምዃንኩም በዚ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2024  ደግሓኤ ከነጽረልኩም ይፈቱ።

ብፖለቲካዊ ግርህናኹም ብጉልባብ ድሕነት ሃገር ንጸላኢ ተገልግሉ፡ ምስ ዘይመባእስትኹም ትበኣሱ፡ ታሪኽኩም ተበላሽው፡ ንደቁም ከቢድ ናይ ደም ዕዳ ትገድፉ ዘለኹም ዜጋታት፡ ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ቅድሚ ጉጅለ ህግደፍ ዝስራዕ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓይሊ ከምዘይተራእየ ድሕሪት ተመሊስኩም ተመክሮኹም ብምፍታሽ ሓቂ ትርድኡሉ መድረኽ ሎሚ’ዩ። ብ1998 ብዶብ ተመኽንዩ  ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝጀመሮ ብሕጊ ተረጋጊጹ’ዩ። ኣስታት 20 ዓመት “ኣይ ኣብኲናት ኣይ ኣብሰላም” እናተባህለ ህዝቢ ኤርትራ ብኩለንተንኡ ክደቅቕ ክርመስ ዝገበረ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግባእ። ኮሚሽን ዶባ ዝሃበና መሬት ብስርዓት ወያኔን ኣመሪካን ተቐልኪልና፡ መሬትና ከይመለስና ዝኾነ ይኹን ደሞክራስያዊ፡ ሕጋዊ፡ ልምዓታዊ መደባት ኣይንሕዝን። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ክሰብኽ ጸኒሑ።

ኣብ 2018 ብወገን ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ መሬት ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ቅሩብነት ተራእዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን። ቀዳምነት ንህቦ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ክትረጋጋእ ምግባሩ’ዩ ምባሉ ይፍለጥ። ብተግባር ከኣ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ዘርኢ ምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሕ ምጽናሑን ምህላውን ብጽሞና ተገንዘቡ። ብህዝባዊ መረጻ ኣብ ስልጣን ዘይደየበ፡ ክብሪ ወዲ-ሰብ ክብሪ ህዝቢ ዘይብሉ፡ ጽልእን ኲናትን ከም መሰረታዊ ፖለቲካዊ መርሆኡ ዝገበረ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት፡ ዘጥፈኦ ‘ምበር ዘውሕሶ ዘኽብሮ መሬት፡ ባሕሪ ኮነ ክሊ ኣየር ከምዘየለ ተረዲእኩም፡ ብሓሳብን ብተግባርን ነብስኹም ካብ መሳርዑ ከተግልሉ፡ ናብ ደምበ ፈታዊ ክትጽበሩ  ደግሓኤ የተሓሳስብ።

ኣብ ደምበ ፍትሒ ንርከብ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡- እዚ ከም ህዝቢ ንሓልፎ ዘለና ኣሰቃቒ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ውጽኢት ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከይፍጠር፡ እንተተፈጢሩ ከኣ ቀልጢፉ ክእረም ናይ ምግባር ዕማም፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ ናይ መሪሕነታዊ ኣካላት ከኣ ብፍላይ ዕማም’ዩ።  ፖለቲካዊ ውድባት ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይ’ቲ ጸገም፣ ሕጂ ዘሎ ባዕላውን ወድዓውን ብደሆ፣ ብህዝባዊ ንቕሓትን ተሳተፎን ክብጻሕ ዝድለ ሸቶ ብምግምጋም፡ መሰረታዊ ጸላእን ፈታውን ኣነጺሮም ብዝተሰነደ ፕሮግራም ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሎም ክቃለሱን ከቃልሱን ተልእኾኦም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ግን ብከም’ቲ ዝድለ ክሰርሑ ኣይተራእዩን።  ቀዳማይ፡- ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውድብ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ‘ምበር፡ ብሓሳብ ብሕግን ብተግባርን ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኖም ዘረጋግጽ ንጥፈታት ኣይጸንሐሙን የብሎምን ድማ። ካልኣይ፡ ውሑዳት፡ ብኣረኣእያ ደረጃ ንጹር ናይ ሓጺርን ነዊሕን ዕላማኦም፡ ፈታውን ጸላእን ህዝባዊ ውግንናኦም ብብሩህ ኣብ ወረቐት ሰኒዶም ክንሶም፡ ቕኑዕ ፖለቲካዊ መስመሮም ኣብ’ቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ከብጽሕዎ ኣይከኣሉን። ሳልሳይ፡- ካልኦት ከኣ ኮነ ኢሎም ብኣካል ኣብደምበ ፈታዊ፡ ብባህሪ ምስ ደምበ ጸላኢ ኒዮው ነጀው እናበሉ ቅኑዕ ህዝባዊ ፖለቲካዊ መስመር ተቐሪጹ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ከይውፈር ዕንቅፋት ክፈጥሩ ጸኒሖምን ኣለውን። እኩብ ድምር ውጽኢ ናይ’ዚ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ደምበ ፈታዊ ከኣ ከም ደምበ ብስእነት መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ይሳቐ ኣሎ። ብፍላይ ናይ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት ዝሰፍሐ ግዜኦም ናብ ምቅላዕን ምፍራስን ጸላኢ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ምክሳስ፡ መስዋእትን ቃልስን ኣብ ዝጠልብ ፈታኒ መድረኽ ካብ ኮፍ ዝበልሉ ከይተንቀሳቐሱ ብሕቶ መሪሕነት ምምንጫት፡ ምፍንጫል፡ ውድብ ኣፍሪስካ ውድብ ምምስራት፡ ካብ ግንባር ወጺእካ ግንባር ኣብ ምጥያስ፡ ማሕተምን ክታምን ኣብ ምቕያር ወርቃዊ ናይ ለውጢ ዕድላት ብዘይፍረ ከባኽንዎ ጸኒሖን ኣለውን። ካብ ዓመት 2023 ናብ ዓመት 2024 ክንሰግር እንከለና ‘ምበኣር፡  ነዚ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም’ዚ ከመይ ይፈታሕ ዝብል ተረድኦ ብምሓዝ ክኸውን ኣለዎ።

 ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ቅነቅሕ፡ ፈታውን ጸላእን ከለሊ፡ ኣብ ደምበ ፈትሒ ክውደብ ክዓጥቕ ዝግባእ ህዝቢ፡ ንጹር ፖለቲካዊ መርሆ ስኢኑ ኣብ ዘየርበሖ ድሑር ስምዒታት ክኣቱ፡ ውሽጣዊ ምትእምማን ከጥፍእ ይኸውን ኣሎ። ዝኾነ ዕንቅፋት የጋጥም ግን፡ ዕድመ ደመኛ ዘቤታዊ ጸላኢ ንምሕጻር ውዱብ ቃልሲ ምክያድ መተካእታ ኣልቦ’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ብሓፈሻ መሪሕነታዊ ኣካላት ከኣ ብፍላይ፡ እዚ መድረኽ’ዚ ናይ ቃልስን መስዋእትን ‘ምበር፡ ኣብ ውድብ ወይ ግንባር ተሓቢእካ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ፍረ ተሕልፈሉ፡ ውልቀ ክብረ ዝና ተረጋግጸሉ፡  ግድምናና ልዕሊ ክብርን ህላወን ህዝቢ ኤርትራ ሰሪዕና፡ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘይግምገም መሪሕነታዊ ሕዛእቲ ፈጢርና ኣብ ነበርና ንነብረሉ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ከም ስምና ፖለቲካዊ ውድብን ግንባርን ኮይና ክንርከብ ደግሓኤ ይላቦ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ዘርኢ ምጽናት፡- ኣይኮነን ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ፖለቲካዊ ግፍዒ ብክለሰ ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ዝፈልጥ፡ ካብ ወጽዓ ሓራ ንምዃን  ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ጥዑይ ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈጸሞ ጨፍጫፍ ብመትከል ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ክቃለሶ ዝግባእ ፋሽሽታዊ ተርእዮ’ዩ። ንገዛእ ርእሱ ግዳይ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስሙ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጽናት ዘርኢ፡ እንተስ ብውድባቱ ድዩ ማሕበራቱ፡ እንተስ ብውልቀ ድዩ ብእኩብ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣትሪሩ ክቃወሞ፡ ህዝቢ ትግራይ ብስመይ ‘ምበር ብኣይ ኣይተጨፍጨፍካን ንዓይ ዘድመየ’ዩ ደመኛኻ ኢሉ ክነግሮን ኣብ ጎኑ ደው ክብልን ቅኑዕ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ  ግዴታኡ’ዩ።

   ንባህርን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ኣዳቒቖም ዝፈልጡ፡ ብመን ኣብ ልዕሊ መን ብዘየገድስ ህዝቢ ብፋሽሻታዊ ሓይሊ ክጭፍጨፍ ክጸንትን ስቅ ኢሎም ክዕዘቡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ባህሪኦም ዘየፍቅደሎም ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ኤርትራውያን ነቲ ተግባር ብትሪ ከም ዝኹንንዎ ገሊጾም። እቲ ዘርኢ ምጽናት ናይ ህግደፍ ጥራሕ’ዩ። ዝሕተተሉ ድማ ንሱ ጥራሕ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኢድ የብሉን። ንሕና ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ኣለና። ውጹዕ ይስዕር። ፍትሒ ይስዕር። ትግራይ ትስዕር ብምባል መርገጾም ኣነጺሮም። ብኽንዲ ዝዓቕሞም ብሞራል ብማዕከናት ዜና ብገንዘብ ገለ’ውን ብኣካል ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ወገንነት ብተግባር ምርግጋጾም ከም ኤርትራ ዘይኹርዕ ዝድገፍ ‘ምበር ዘንቅፍ ኣሉታዊ ኢንታ የብሉን።

ነዚ ቅኑዕ መትከላዊ እምነት’ዚ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ጥፍኣት ጥሪቱ፡ ፈጣሪኦም ዝረስዑ ኣመለኽቱን ባሮቱን ናቶም ትርጉም እንተሃብዎ ኣይገርምን። ኣብ ደምበ ፈታዊ ኣለና። ንፍትሒ ንደሞክራሲ ንቃለስ ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት ኢና ዝብሉ ወገናት ክጻብእዎ  ምስማዕ ግን የገርም። ፖለቲካዊ ባይታ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ክንዳይ ጋዕዝዩ ከም ዘሎን ጽሬት ከም ዘድልዮን የመልክት። ብፕሮፖጋንዳዊ ዑብታ ጸላኢ ዝምርሑ፡ ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ተሓቢኦም፡ ንፋሽሽታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ዝከላኸሉ ወገናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነት ሃገሩ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ’ዩ ዝዋጻእ ዘሎ ኢሎም ንዘርኢ ምጽናት ክምርቑ ዘደንጹ’ዩ። ንሕና ምስ ሰራዊትና፡ ኤርትራዊ ኮይኑ ትግራይ ትስዕር ዝብል ትግረዋይ ‘ምበር ኤርትራዊ ኣይኮነን እናበሉ ወሃብትን ከልከልትን ኤርትራዊ ዜግነት ክኾኑ ምፍታኖም እንታይነት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ባህሪኦም የርኢ። 

ሰውራ ኤርትራ ብወግዒ ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ፍልስጤምን ህዝቢ ደቡብ ኣፍርቃን ዝድግፈሉ ዝነበረ ምኽንያት፡ ፍልስጤማውያን ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን። መንቀሊኡ ፍትሓዊ ኣረኣእያኡ’ዩ።   ጀርመናውያን ሰልፊ ናዚ (ሂትለር)  ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ንዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ዘርኢ ምጽናት ኣትሪሮም ዝተቓወሙ፡ ፈጸምቲ ገበን ካብ ዝተሓብእሉ ጎዳጉዲ ኣውጺኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቦም ዝተፋረድዎም፣ ብፋሽሽታዊ ተግባር ሰልፊ ናዝን መራሒኡን ንሓፍር ክብሉ ዘገደዶም፡ ሃገሮም ስለ ዘይፍትው ኣይነበረን። ንስኻ ካብ ካልኦት ዓሌታት ዝበጽለጽካ ህዝቢኻ፡ ንስለኻ ንስለ ጽሩይ ዘርእኻ፡ ንኽብረትካ ኢልና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ’ዩ ክበሃሎም እንከሎ፡ ህዝቢ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምስ ብዱላት ይውግን ሰብኣዊ መሰል የኽብር ደኣምበር፡ ንዘርኢ ምጽናት ኣይድግፍን። ብፋሽሽታውያን ኣይውከልን። ውጹዕ ይስዕር ፍትሒ ይስዕር ዝብል መርገጽ ምሓዞም  ንሃገሮም ኣኽቢሮማ ‘ምበር ኣየሕሰርዋን። ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለማዊ መድረኻት ብፋሽሽታዊ ሰልፊ ናዚ ተዋሪድና እናበሉ ብሕፍረትን ሓላፍነታዊ ስምዒት ክገልጹ እንከለው፡ ክሳብ ክንዳይ ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ሕጋውያን ንቑሓት ህዝቢ ምዃኖም’ዩ ዝሕብር።  

ኣብ’ዚ ብንቕሓት ክረአን ክእረምን ዘለዎ ነጥቢ ግን ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት ንኹንን ማለት ዝኾነ ኢንታ ከተውጽኣሉ ዘይትኽእል ቅኑዕ ውግንና ንውጹዓትን ፍትሕን’ዩ። ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብገንዘብ ድዩ ብዓይነት ምሕጋዝ’ውን ከምኡ ኣወንታዊ’ዩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ስጡም ሕውነታዊ ዝምድና ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ክተባባዕ ዘለዎ ቅዱስ ተግባር’ዩ። ንሕና ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ  ኢና። ንTDF ንድግፍ። ምስ TDF ሓድነት ገይርና ክንሰርሕ ኢና ዝብል ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ግን በሃልቱ ዳግመ ርእይቶ ክገብርሉን ክእርምዎን ይግባእ።

 ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ዛዕባ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ትግረዎት ኢትዮጵያውያን’ዮም። ንሕና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ንምእላይ፡ ትግረዎት ድማ ከም ኢትዮጵያውያን ኣብ መንጎ ፈደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ደማዊ ግጭት፡ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ዩ። ብርግጽ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ’ውን ምዃኑ ኣይከሓድን። ግን ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ? ክፍጠር ዘለዎ ዝምድናን ምድግጋፍን ብመንገዲ መነ መን? ንሕና ከም ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ መንግስቲ ናይ ሓሳብ ድዩ ነገራዊ ደገፍ የድልየና’ዩ። ንሳቶም’ውን ከምኡ ካባና ዝደልይዎ ክህሉ’ዩ።  እዚ ውሽጣዊ ዓቕምና ኣደልዲልና ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንፈጥሮ ዝምድናን ምድግጋፍን ኣቢሉይ ክሳለጥ ዘለዎ። እንተ ምስ TDF ሓድነት ገይርና ክንሰርሕ ኢና ማለት ግን ግጉይ ተረድኦ’ዩ።

 ስለምንታይ’ሲ፡ ቀዳማይ TDF ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ መንግስቲ ትግራይ ‘ምበር ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ካልኣይ ዝኾነ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ‘ምበር መተካእታ ፖለቲካዊ ውድብን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ክኸውን ኣይክእልን። ሳልሳይ TDF ብተግባር ምስ ፈደራል ኣትይዎ ዘሎ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ተጽዕኖ ንምፍጣር ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ተዋጋኢ ሓይሊ’ዩ። ራብዓይ፡- ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ድዩ ብተናጸል ንህዝቢ ትግራይ ምስ ዝውክል ውድብ ድዩ መንግስቲ ‘ምበር፡ ምስ ትዲኤፍ ክዛተ ፖለቲካዊ ስምምዕን ፍልልይን ኣነጺሩ ብሓባር ክሰርሕ ከም ኣገባብ ኣይቅኑዕን። 

 ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብግብራዊ ኣካይዳኡ፡ ምንጪ ቁጠባን ዲፕሎማስን ህግደፍ ኣብ ምምካን ብዓይኒ ዝረአ ኣወንታዊ ምዕባለ የመዝግብ፣ መሓውር ጸላኢ ብራዕዲ ከም ሓራስ ድሙ ገዛእ ኣናቐያየሩ ናይ ጥፍኣት መልእኽቶም ብቪዲዮ ክዝርግሑ፣ ኣብ ጎደና ወጺኦም “ዳውን ዳውን ብርጌድ ንሓመዱ” “ንሕና ከፈልቲ ግብሪ ስለ ዝኾና መሰልና ይተሓሎ” ዝብል ታፔላ ሒዞም ናይ ኣድሕኑና ኣውያት ከስምዑ፣ ግዳይ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ደምበ ፈታዊ ድማ ብፍላይ፡ ናይ ቃልስን ለውጥን ኒያቱ ሓፍ ክብል ብምግባሩ፡ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ  ዘለዎ ኣድናቖትን ናይ ቃልሲ ደገፍን ይገልጽ።

 ብርጌድ ንሓመዱ፡  ጠንቂ ኩለ-መዳያዊ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘቤታዊ ጸላኢ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ንምውጋዱ ዝኸፍሎ ዘሎ ክቡር ዋጋ፣ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኣሰካፊ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ህግደፍን ናይ ባህሪ መሓዝቱን “ድሕነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ባዶ ጭርሖ ህዝቢ ንምክፍፋልን ንምግጫውን ዘካየድዎ ዘለው ድሑር ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ፖለቲካዊ ጎስጓስ፣ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ስርዓተ ፖለቲካዊ ምሕደራ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝእምት፣ ከም ናይ መንእሰያት ምትእኽኻብ መጠን፡ ብርጌድ ንሓመዱ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ብቐሊል ዘይስገር ንቑሕ ህዝባዊ፡ ደሞክራስያዊ ተጽዕኖ ፈጣሪ ኮይኑ ክቕጽል ዝገብር ብጉባኤ ዝጸደቐ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ሕገ-ህንጻ፡ ስትራተጂ፡ ሕጋዊ መሪሕነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ምእኩል ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣቢሉ ነብሱ ክሰርዕ ደግሓኤ ደጊሙ ምኽሩ ይልግስ።

ኣብ ደምበ ፈታዊ ዝነጥፉ ዘለው ማዕከናት ዜና፡  ቴሌቪዥን፡ ረድዮ፡ ማሕበራዊ ሜድያ  ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ መቓልሕ ግፉዓት ብምዃን ዘካይድዎ ዘለው ዘይሕለል ቃልሲ፡ ዘማዕብልዎ ዘለው ፖለቲካዊ ንቕሓት፡  ደምበኡ ዝፈለየ ፍትሓዊ፡ ህዝባዊ፡ መትከላዊ ጽንዓት፡ ደግሓኤ ዘለዎ ናእዳን ናይ ቃልሲ ደገፍን እናገለጸ፡ ዝያዳ ኣድማዕትን ጸለውትን መታን ክኾኑ ከም ትካላት ውልቀ ነጻነት ብዘይዳፋእ መልክዕ ተናቢቦም ዝሰርሕሉ ባይታ ክፈጥሩ ይመክር።

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ሰብ ዘምጸኦ ጨካን ዘርኢ ናይ ምጽናት መጥቃዕቲ፡ ብባህሪያዊ ደርቂ ተጠቒዑ ብስእነት መሰረታዊ ማሕበራዊ ቀረብ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ዓጸቦ ንዝርከብ ሓው ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ  ዝገብርዎ ዘለው ሰናይ ተበግሶ ልዕል’ቲ ንግዳያት ዝህቦ ውሱን ነገራዊ ደገፍ፡ ኣብ ምሕዋይ ብፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝቖሰለ ዝምድና ናይ ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝብታት ዘለዎ ረዚን መልእኽቲ ልዑል ብምዃኑ፡ ንተበግሰኦም ብምንኣድ፡ ትርጉም ሓቀኛ ሰብኣውነት፡ ፍትሓውነት፡ ሕውነት ዝርደኦም ኤርትራውያን ኩሎም፡ ካብ ጁባኦም ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት ሰብኣዊ ደገፍ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባትን ትካላትን ብምርዳእ ተሓባቢሮም ነዚ መደብ ኣብ ምዕዋት ክረባረቡ ይላቦ።

                                                    ዓመተ 2024 ናይ ቃልስን ዓወትን ክኾነልና ንምነ

                                                    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                 ሓደ ጥሪ 2024