ኣብ ፖለቲካ ስትራተጂካዊ ፈታውን ጸላእን ብግቡእ ዘይምልላይ እንተሃልዩ መግለጺ መርሆ ምጥፋእ’ዩ። ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መርሆ ዘይብሉ ጉዕዞ ከኣ ጣሕመሽመሽ’ዩ። ሳዕቤን ፖለቲካዊ ደንበርበር ድማ መዘዙ ከቢድ’ዩ። ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ንሕና ብሰላም ክነብር ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል መርሆ ኣልቦ ፖለቲካ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፡ ዘተኣማምን ፈታዊ  ደኣምበር ተጻባእን ጸላእን ኤርትራዊ ረብሓታት ዝኾነሉ ታሪኽ የለን። ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝወጽአ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ’ውን ከምኡ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተመሰረተሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝሓዞ ፍትሓዊ መትከላዊ እምነት ሸታሕታሕ ዝበለሉ ታሪኽ ኣይተራእየን። ንመሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ተጻሪሩ ደው ዝበለሉ መድረኽ’ውን ኣይፍለጥን። ኣብ ጽልእን ኲናትን ‘ምበር ኣብ ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ክነብር ዘይኽእል እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ፡ ብሓሳብ፡ ብሕጋዊ ኣካይዳ፡ ብልምዓት ስለዝተበልጸ ግን፡ ውሽጣዊ ጸገሙ ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ትማሊ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም’ዚ በሉ ገበሩ ሰፊሕ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ብምክያድ ዘርኢ የጽንት ኣሎ።    

  ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ናይ ሎሚ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ረብሓ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ኣብ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ነኺሱ ሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምክታዕ ድልውነት ኣይነበሮን። ክሕደት ባዕሉ ዝመሓዞ ጽልእን ጭካኔን ፍሉይ መለለዪ ባህሪኡን ተግባሩን’ዩ። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፡- ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣይነበረን።  ሃይማኖታዊ ዝንባሌ ዝብል ድሑር ከፋፋሊ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ’ዩ ተጠቒሙ። ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973 ዝወሰዶ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ባዕሉ ዝመሃዞ ኣውራጃዊ ዝምባሌ ዝብል ተራ ጸለመን  ጽልእን’ዩ።

 ነቲ ካብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዘይምኽኑይ ኣዕናዊ ኲናት መንቀሊ ዝገበረ፡ ኣብ 2001 ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ግንባርን ነበር፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተወ ኲናት ስለምንታይ፡ ብመንን ብኸመይ ተበጊሱን ኣይንፈልጥን። ዝሕተተሉ ኣካል ክፍለጥ ኣለዎ። ቅዋም ይተግባር። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝምረሓሉ ኣገባብ ምሕደራ ንኺድ። ውሽጥና ንገምግም ...ወዘተ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ስለ ዝጠለቡ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣኛታት ድማ ነዚ ሓሳብ’ዚ ስለ ዘቃልሑ ኣውራጃውያን ዝብል ስም ብምልጣፍ ብህዝቢ ክጽልኡ ሰፊሕ ጎስጓስ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ተጨውዮም ካብ ዝውሰዱ ልዕሊ 20 ዓመት ገይሮም ብህይወት ኣለው የለውን ኣይፍለጥን። ጅግና ወዲ ዓሊ ብክብሪ ዝወደቐሉ ዘይዕውት ስርሒት ስዒቡ፡ ብዙሓት ላዕለዎት መራሕቲ ግንባርን መንግስትን ዝነበሩ ምስ ሃይማኖት ምስልምናን ምትእስሳር ኣዕራብን ብዝብል ፈጠራዊ ወፍሪ ጸለመ ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ። እዚ ተቓወምትና ናይ ሓደ ከባብዮም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ...ወዘተ ተባሂሉ ኣብ ህዝቢ ዝንዛሕ ዘሎ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ወፍሪ ከኣ መቐጸልታኡ’ዩ።

  ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ተወሲዱ ይስረሓሉ ስለ ዝነበረን ዘሎን ታሕተዎት ኮነ ማእከሎት ኣባላት፡ ኣብ’ቲ ክሳብ ህይወት ክኸፍልሉ ዝተሰለፍሉ ውድብ ከይተሸቑረሩ፡ ሓሳቦም ብነጻነት ክገልጹ ክግምግሙ ክውስኑ ከወርዱ ከደይቡ ዘፍቅድ ባህሪ፡ ሕግን ኣሰራርሓን የለን። ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ኩሎም ንጥፈታት ካብ ድሌት ሓደ ሰብ ዝብገሱ፡ ብውሳኔ ሓደ ሰብ ዝወርዱ፡ ብዘይ ዝኾነ ምዕጢይጣይ ብትእዛዝ ዝፍጸሙ’ዮም።  ኣብ ተመክሮ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ቀንዲ መለለዪ ብጻይነት ሚዛኑ ዝሰሓተ ላዕለዋይ ኣካል ዝጸልኦ ምጽላእ ዝፈትዎ ፈቲኻ ምሕደር’ዩ። በረኣእያ ኮነ ብተግባር ብጉልባብ ማእከልነትን ጥርናፈን “ ንልዕለኻ ባሪያ ንትሕተኻ ጎይታ” ኮይንካ ኣገልግል ዝብል’ዩ።  

ብሰንኪ’ዚ ድሑር ከፋፋልን ኣዕናውን ኣስተምህሮ’ዚ፡ ሰብኣውን ፖለቲካውን ኣረኣእያ ብዙሓት ንጹሃት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተዛቢዑን መስመሩ ስሒቱን’ዩ። እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ መስመር ኢና ንኽተል ጸጋም’ዶ የማን?  ዓቃባዊ’ዶ ማሕበራዊ ደሞክራሲ? ማሕበራዊ መሰረትና መን’ዩ? ናይ መወዳእታ ሸቶና ኸ እንታይ’ዩ? ክሕተትን ዘእምን መልሲ ክረክብን ዝግበኦ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ፈጺሙ ከም ዛዕባ ኣይለዓልን። ስለዚ ከኣ’ዮም፡ መሰረታት እቲ ውድብ ፖለቲካዊ ፕሮግራምኩም፡ ስትራተጂካዊ ዕላማኹም እንታይ’ዩ ተባሂሎም እንክሕተቱ፡ “ንሕና ናይ ተግባር ‘ምበር ናይ ዘረባ ኣይኮናን። ፖለቲካ ናይ ስራሕ ዝሰኣኑን ፈረሓትን’ዩ ብዝብል ፖለቲካዊ ነብሰ ትሕተት ክምልሱ ዝስምዑ።

 “ምውሓስ ልኡላውነት” “ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ብዝብላ ዝደጋገማ ቃላት ደንዚዞም ስለ ዘለው ሓቂ ክሰምዑ ድልዋት ኣይኮኑን። ርእይቶ ህዝቢ ይሰማዕ፡ ብሕጊ ንኺድ፡  ቅዋም ይሃልወና፡ ምስ ጎረባብትና ተሰኒና ንንበር፡  ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ንውጻእ፡ ውሽጥና ንገምግም ዝብል ብሱል ኣተሓሳስባ ምስ ጎነጻዊ ባህሪኦም ስለ ዘይኸይድ ኣይቅበልዎን። ብኣንጻር’ቲ ሓቂ፡ ናይ ሓደ ከባቢ፡ ዘይሃገራውያን፡ ከደዓት፣ ተንበርከኽቲ፣ ትሕቲ ሃገራውያን፣ ኣጀንዳ ጸላእትን ተጻባእት ብዝብል ገልቢጦም የንብብዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘካየዶ ዘሎ ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት ‘ምበኣር፡ ብኣረኣእያን ተግባርን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ናይ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ወፍሪ መቐጸልታ ‘ምበር መጀመርያ ኣይኮነን።

 ንህ. ወ. ሓ. ት. ከም ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምቕረብ ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ልኡላውነትን መሰረታዊ ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጽ ኣለዎ። መሬት ኤርትራ ብምጉባጥ ዓባይ ትግራይ ንምፍጣር ሕልሚ ኣለዎ እናተባህለ ዝካየድ ጎስጓስ፡ ቀዳማይ፡- ፈጺሙ መሰረት የብሉን።   ካልኣይ፡- በሃሊ ጭቡጥ መረዳእታ ከቕርበሉ ኣይኽእልን። ሳልሳይ፡- መበገሲ ናይ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ መሰረት ዘይብሉ ጸለመ፡ ተበሊጽና ዝብል ሕማም ሕስድና’ዩ። ራብዓይ፡- ዕላማኡ ከኣ ጽልኢ ዝድራሮም ናይ ሕልና ባሮት ኣረሳሲንካ ስልጣን ሓደ ሰብ ንምሕላውን’ዩ።

ምኽንያቱ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)  ከም ውድብ ካብ ፈለማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ  ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ፡ ብጽሑፍ፡ ብድምጽን ብምስልን ዝተሰነደ ፈጺሙ ዘየደናገር ንጹር መረግጽ’ዩ ዘለዎ። ሕቶ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊ መረዳእታ ዘለዎ ፍትሓዊ ሕቶ’ዩ ዝብል ብመትከልን ብተግባርን ዘረጋገጸ ውድብ’ዩ።  ጸረ-ደርግ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝነበሮ ስልታዊ ዝምድና፡ ስርዓት ደርግ ንህዝባዊ ግንባር ብምድምሳስ ሕቶ ነጻነት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምቕሃም ዝብል ኩሉ ዓቕሙ ኣኻኺቡ ኣብ ዝወፈረሉ ኣብ ሻድሻይ ወራር፡ (የቀይ ከኮብ ዘመቻ) ሳሕል ከይዱ፡ ንህዝባዊ ሓርነታዊ ሕቶ ክኽፈል ዘለዎ ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ከፊሉ ኣብ ምብርዓን ናይ’ቲ ህንዱድ ወራር ናቱ ልሉይ ተራ ተጻዊቱ። ክሳብ ሰለስተ ዓመት ኣብኡ ጸኒሑ ኩነታት ኣረጋጊኡ ናብ ባህሪያዊ ቦትኡ ዝተመልሰ በዓል ረዚን ውዕለታ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ደርጊ ተደምሲሱ ብደረጃ ሓባራዊ ግንባሩ ኢህወደግ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስተቖጻጸረ፡ ጉዳይ ኤርትራ ብህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ናይ መወዳእታ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ደብዳቤ ጽሒፉ፡፡ ንመስርሕ ሪፈረንደም ከተዓናቕፉ ዝፍትኑ ሓይልታት ብግልጺ ከከም ኣመጻጽኣኦም መኪቱ።  ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱ ምሉእ ነጻነት ምዃኑ ዝወሰነሉ ታሪኻዊ ዕለት 24 ግንቦት 1993 ክውን ኣብ ምግባር ዘይሃስስ ህዝባዊ መትከላዊ ጽንዓቱ  ብተግባር ዘመስከረ ደሞክራስያዊ ውድብ’ዩ ህወሓት።

ካብ ግንቦት 1991 ክሳብ ግንቦት 1998 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ስግኣት ክነብሩ፡ ካብን ናብን ብነጻነት ክንቀሳቐሱ፡ ፓስፖርት ናይ ኢትዮጵያ ሒዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክኸዱን ክምለሱን ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ።  ቀዳሞት ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ፈጢረሞ ዝጸንሑ ጽልእን ዘይምትእምማንን ደረጃ ብደረጃ ክሃስስ፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክተርር ጎስጒሱን ኣተባቢዑን። ህግደፍ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኢትዮጵያ  ንዘካየዶ ዝነበረ፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ሓዋላ፣ ቅትለትን ጭውያን ኤርትራውያን፣ ንናይ ጥፍኣት መደባቱ ዘገልግል ኣብ ነፍስ ወከፍ ቀበሌ ዘጣየሶ ውደባታት፣ ነዚ መንግስቲ ንሕና ኢና ኣብ ስልጣን ኣምጺእናዮ፡ ንኢትዮጵያ ንመርሓ ዘለና ከኣ ንሕና ኢና ...ወዘተ ዝብል ሃላሊ ጃህራን ፈኸራን እናረኣየን እናሰምዐን ተጻዊሩ፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ማለት እንታይ ምዃኑ ብተግባር ዘመስከረ ውድብ’ዩ።

 ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ትምረሓሉ ዝነበረት መፋርቕ 90ታት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ተፈጢሩ ብዘሎ ምትእምማን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ደረጃ ማዕቢሉ ስለ ዘሎ፡ ብኮንፈደረሽን ክንተኣሳሰር ኣለና ክብል ብወግዒ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።ነቲ ናይ ምትእምማን ባይታ ዝፈጠረ ድማ ህግ/ህግደፍ ዘይኮነ ህወሓት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።  

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ግንቦት 1998 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ (ኢትዮጵያ) ንዝነበረ ባድመ ወሪሩ። ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ድማ ሳዕቤን ናይ’ዚ  ልጓም ኣልቦ ዕንደራ’ዚ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብሓያሊ ወሪሩ ካብ ዝሓዞ ቦታ ክወጽእ፡ ይግበኣኒ ንዝብሎ ከኣ ብሕጊ ክሓትት፡ እምቢ እንተኢሉ ግን ልኡላውነቱ ንምኽባር ሓይሊ ክጥቀም ከም ዝግደድ ጸዊዑ። ህግደፍ ከም’ዚ ሎሚ ዝብሎን ዝገብሮን ዘሎ ኣብ መሬተየ ዘለኹ “ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ኣይወጽእን” ስለ ዝበለ ከኣ፡ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ተኻየዱ። ድሕሪ ብዙሕ ሰብኣዊ፡ ነዋታውን ሞራላውን ክሳራ ካብ’ቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታት ስዕረት ተጎልቢቡ ወጺኡ።

 ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ንልተ ዓመት ዝተኻየደ ኣብራሲ ኲናት ኣስመራ ኣቲኻ ንህግደፍ ምብራር ከቢድ ከምዘይነበረ ህግደፍ ፋይላቱ ጠራኒፉ ናብ ጎቦታት ሳሕል ክኻይድ ተዳልዩ ምንባሩ ደገፍቱ እናዓርዓሮም ዘረጋግጽዎ ሓቂ’ዩ። ኣብ መሪሕነት ህወሓት ናብ ማእከል ኤርትራ ኣቲና ዳግም ከምዘይወረና ሕቖኡ ሰቢርናዮ ንመለስ ዝብልን፡ ብሓይሊ ተታሒዙ ዝነበረ መሬትና ብሓይሊ ኣምሊስና ኣለና፡ ዝተርፍ ናይ ሕጊ ምጉት ጥራሕ’ዩ። ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣቲና መንግስቲ ንግልብጠሉ ምኽንያት የለን። ከምኡ ምግባር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዕማም’ዩ። ምስ መትከላዊ እምነትናን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ድማ ዝጋጮ’ዩ ብዝብል ኣብ ወግዓዊ መድረኽ ክርክር ተኻይድሉ። ብሰዓራይን ተሰዓራይን ከም ዝተዛዘመ ዝፍለጥ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይምቕባል ናይ ጥዑይ ሕልና ምልክት ኣይኮነን። ምስ ሓቂ ምልታም’ዩ። ቃል ናይ ቀታሊኻ  ከይተዕብር፡ ንውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከተጸልም ዘይናቶም ክትህቦም ምፍታን መሰረታዊ ጌጋ’ዩ።  ትግረዋይ ጎረቤት ዘይብላ ኤርትራ ክትህልወካ ከም ህዝቢ ክጠፍኡ ኣለዎም ማለት፡ ፈጺሙ መኸወሊ ዘይብሉ መግለጺ ፖለቲካዊ ድንቁርና’ዩ።

 ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ካብ ኲናት ናብ ሕጋዊ መስርሕ ተሰጋጊሩ። ብስምምዕ ናይ ክልቲኣቶም ተኸራኸርቲ ወገናት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ኮሚሽን ዶብን ኮሚሽን ካሕሳን ተጣይሶም። ዕማም ኮሚሽን ካሕሳ ወራር መን ጀሚሩ፡ ኣብ ክልቲኦም ህዝብታት ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ሞትን ዕንወትን ተሓታትነት ምንጻርን ናይ ካሕሳ ውሳኔ ምሕላፍን ነበረ። ብዝገበሮ ምጽራይ ድማ፡ ወራር ዝጀመረ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ብጸጋ ተቐቢልዎ። ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ሞትን ዕንወትን ብደረጃ ዝፈላለ ክልቲኦም ተሓተቲ ምዃኖም ኣነጺሩ። ቀጺሉ ዝፈጸምዎ ገበን ብዓይነትን ዓቐንን ዝፈላለ ኮይኑ፡ እከለ ክንድዚ እከለ ድማ ክንድ’ዚ  ሚሊዮን ዶላር ትኽሕስ ኢሉ በይኑ።

 ኣብ’ዚ ክስመረሉ ዘለዎ  ጉጅለ ህግደፍ፡ ስርዓት ወያነ ንግዝኣት ኤርትራ ዝሓወሰ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ዘርኢ ካርታ ኣውጺኡ። ክዘናግዑ ናብ ባድመ ዝኸዱ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ብምቕታል ወራር ጀሚሩ እናበለ’ዩ ከታልል ጸኒሑ። ኮሚሽን ካሕሳ ግን ወራሪ መንግስቲ ኤርትራ ክብል ከሽሕዎ። ንሱ ድማ እወ መጀመርያ ወራር ፈጻሚ ኣነየ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ብግቡእ ምርዳእን ምሓዝን የድሊ።

ዕማም ኮሚሽን ዶብ ከኣ፡ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዶባዊ ስምምዕን ክታምን ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመልኪቱ፤ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንክልቲኣተን ዘራኽብ ወሰን ኣጽኒዑ ውሳኔ ምሃብ’ዩ። ገይረዮ ኢሉ ብዝበጽሖ መደምደምታ መሰረት ድማ፡ ኣብ’ቲ ናብ ህዝቢ ዘይተገልጸ ቀዳማይ ውሳኔኡ ካብ መስሓል ወደከለ ንምዕራብ ገጹ ዝቖርጽ፡ ከምኡ’ውን ብምብራቕ ብፎርቶ ገገው ገይሩ ንባሕሪ ሰንጢቑ ዝኸይድ ፈጺሙ ዘየከራኸር ሰፊሕን  ነዊሕን መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኢሉ በይኑ ነይሩ። ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተኸራኸርቲ ግን ብወግዒ ብዛዕባ’ዚ ቦታ’ዚ ሕቶ የብልናን። እዚ ናትና ኣይኮነን ኢሎም ብቕንዕና ስለ ዘረድኡ እቲ ዝንቡዕ ውሳኔ ከም ዝተዓጽፈ ይፍለጥ። ብወገን ወልቀ መላኺ ስርዓት ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ንስለቲ  ንዝንቡዕ ውሳኔ ናይ ደያኑ ዝኣረመ ቅኑዕ ሕልና ብኣወንታ ድዩ ብኣሉታ ክዝረብ  ኣይተሰምዐን። ብዝኾነ እቲ ኮሚሽን ንዝእረም ኣሪሙ ኣብ ዘሄግ ኮይኑ ብምስሊ ውሳኔ ሂቡ። ብካርታ ኣሰኒዩ ድማ ብወግዒ ዘርጊሑ። ኣብ ካርታ ብዝተሓንጸጸ ምልክት መሰረት ባድማ ናብ ኤርትራ ምዃኑ ከም ዘመልክት ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ዘከራኽር ቦታ ባድመ ጥራሕ ከም ዘይኮነ፡ ፈጺሙ ዘየከራኸር  መሬት ኤርትራ ብሸነኽ ጸሮና ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከም ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ጠላዕ ‘ምበር ብዛዕባ ህዝብን መሬታዊ ልኡላውነትን ግዲ ስለ ዘይብሉ ግን ከም ኣጀንዳ ከም ዘየልዕሎን ግን ክፍለጥ ይግባእ።

 ብዝኾነ ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ ንዘይምቕባል ብግልጺ ምዕጢይጣይ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ኮለል ግን ነቲ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ ኲነት ንቕበሎ ኢና። ኣብ ኣፈጻጽማ ግን ነባሪ ህዝቢ ብዘይጎድእ፡ ሕማም ደሓር ብዘይገድፍ መዕለቢ ንምግባር ክልተና ተራኺብና ኣብ’ቲ ዶባት ዝርከቡ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ወከልትን እቲ ዝወሰነ ኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ መወገኒ ንግበረሉ ዝብል ዘይስገር ሓናጺ ርእይቶ ኣቕሪቦም። እዚ ሓሳብ’ዚ ከም ዘለዎ ተቐባልነት ክረክብን ክትግበርን ይግባእ ነይሩ። ኣብ ጽልኢ ጥራሕ ዝነብር ሃላሊ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ግን፡ እቲ ውሳኔ ብደረቑ ከይተተግበረ ኮፍ ኣይብልን ኢሉ ሓንጊዱ።  ብዓይኒ ልቦናዊ ሓላፍነት ክረአ እንከሎ፡ እቲ ውሳኔ ዝሃበካ ልዕልነት ሒዝካ ኮፍ ምባል፡ ህዝቢ ብዘይጉደኣሉ ኣገባብ ንምምሕዳሩ ምዝታይ ቀዲሙ ብሸነኽ ኤርትራ’ዩ ክጥለብ ነይርዎ። ግን ባህሪኡ ስለ ዘየፍቅደሉ ኣይገበሮን። እቲ ውሳኔ ከኣ ክሳብ ሎሚ ካብ ካርታ ወሪዱ ኣብ ባይታ ቀዋሚ ምልክት ኣይተገብረሉን። ብይን ዝሃበ ኣካል ብወግዒ ኣየረኻኸበን። ስለዚ ከኣ ዶባዊ ምስሕሓብ ዛጊት ሕጋዊ መስርሑ ኣይተዛዘመን። ሕጋዊ መደምደምታ ኣብ ዘይረኸበ ዛዕባ መሬተይ ብሓሊ ሒዘለኹ ኢልካ ምፍካር ከኣ ሳዕቤን ከቢድ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።  

 ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ንዝተጎናጸፎ ነጻነታዊ ዓወት ዘይቕበሉ፡ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ስርዓት ወያነ ፈሪሙ ዝሃቦም ተፈጥሮኣዊ ዋንነትና’ዩ ዝብሉ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካውን ዓመጻውን መጥቃዕቲ ንዓና ንኤርትራውያን ብምረት ክስመዕና ነይርዎ። ዋላ ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ዝብገስ ይኹን፡ ምስ’ቲ ወጽዓኻ ዝርዳእ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ምውጋን፡ ተገልቢጥካ ምስ ታሪኻውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ተሻሪኽካ፡ ካብ ምድረ ገጽ ከተጥፈኦ ምውፋር፡ ፖለቲካዊ ክሕደት፣ ፖለቲካዊ ጭካኔ፣ ፖለቲካዊ መርሖ ምጥፋእ ዝብል ብልክዕ ዝገልጾ ኣይኮነን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣረኣእያን ተግባርን  ዕሙት ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት’ዩ  ዝብል እምነት ኣለኒ። ዕሙት ፖለቲካዊ ነብሰ ቅትለት ምዃኑ ድማ እነሆ ብተግባር በቲ እሙን መሻርኽቲ ዝተባህለ  ክህደድ ጀሚሩ።

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡- ህዝቢ ትግራይ ናይ ቀረባ ጎረቤትና’ዩ። ሓውና’ዩ። መዋስብትና’ዩ። ወነንቲ ሓደ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ፈጠርትን ኣሳሰይቲ ጽልእን እንተኸሓድዎን ክድምስስዎ እንተሃቀኑን ከቶ ኣይድምሰስን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ተጻባኢ መርገጽ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ጸረ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝወፈረሉ ታሪኽ የለን። ተመክሮ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣወንታውን ናይ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር ኣብነት’ዩ። ድሕሪ 2002 ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ብፍርሰት ደረጃ ዝግለጽ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ናብ ትግራይ ዝሰገሩ ብጸጋ ተቐቢሉ፡ ከይጋየሹን ጓንነት ከይስምዖምን ብዘይ ስኽፍታ ምስኡ ተወሃሂዶም ክነብሩ ዝከኣሎ ዝገበረ ህዝቢ’ዩ። ገለ ካብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተሰኪመሞ ዝመጽኡ  መሰረት ዘይብሉን ስነ ምግባር ዝጎደሎን ጽዩፍ ናይ ምንእኣስ ቃላት እናተዛረብዎ፡ ልቢ ኣዕብዩ ሰሚዑ ከምዘይ ሰምዐ መኺሩን ተጻዊሩን ዝኸይድ ዝነበረን ዘሎን ለባምን ክብሪ ዝግበኦ ህዝቢ’ዩ። ስለዚ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ መሰልን ረብሓን ህዝብ ኤርትራ ተጻባእን ጸላእን ኮይኑ ዝተሰለፈሉን ዝወፈረሉን ከም መርተዖ ክቐብ ዝኽእል ጭብጢ ዘየለ ክንሱ፡ ንሕና ክነብር ንሱ ክጠፍእ ኣለዎ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ገበን ዘርኢ ምጽናት፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዳግም ሰልፊ ናዚ ጀርመን ብኤርትራዊ ህግደፍ፡ ፋሽሽታዊ መራሒ ሂትሌር ድማ ብፋሽሽታዊ መራሒ ኢሳያስ ከም ዝተሓደሰ ክግንዘብ ዝገበረ ፍጻሜ ይካየድ ኣሎ።

 ህግሓኤ/ህግደፍ ናይ ሎሚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ግን ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘርኦ ዘይምኽንያታዊ ጽልእን፡ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቒ ጭካኔን ቅድም ክብል ዝነበረ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ 1984-85 ተኸሲቱ ብዝነበረ ባህሪያዊ ድርቅን ከቢድ ዓጸቦ’ዩ ዝያዳ ተጋሂዱ። ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ህዝቢ ትግራይ ፈረንጂ ዝለገስዎ መሰጋገሪ ህይወት ዝኾነ ሓገዝ ከይረክብ፡ መንገዲ ዓጽዩ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ሞት ፈሪዱ። ከተማ ባጽዕ ምስተቆጻጸረ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ’ቲ ከተማን ከባቢኡን ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ብወፍሪ ዘርኢ ምጽራይ ብብዝተረኽብዎ ገፊፉ ብመካይን ጽዒኑ ብሩባ ሓዳስ ሰንዓፈ ዛላንበሳ ኣባሪሩ። ቀጺሉ ምልእቲ ኤርትራ ምስተቖጻጸረ ነቲ ጃምላዊ ምብራር ንትግረዎት ምስናይ ውርደቱ  ኣብ ምሉእ ኤርትራ ደጊምዎ። ንነብሶም ከም ኤርትራውያን ‘ምበር ከም ተጋሩ ዘይፈልጡ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንነጻነት ዘጋደሉን ናይ ህይወት ዋጋ ዝኸፈሉን ወገናት፡ ብትግራዋይ ደም ኣለኩም ብሃንደበት ተኣርዮም ክባረሩ ተገይሩ።

 ብተመሳሳሊ  ምስ ተጋሩ ኮነ ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ዝተዋሰባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዘርኢ ጸይቅን ተባሂለን  ካብ ትውልዲ ዓደንን ሃገረንን ብሓይሊ ኣባሪርወን። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ትሑት ጉልበታዊ ዕዮን ልመናን ተዋፊረን ከርፋሕ ናብራ ይነብራ ከም ዘለዋ ይሕበር። እዚ መርኣይ ቅሉዕ ምኽንያት ኣልቦ ጽልኢ ንህዝቢ ትግራይ’ዩ። ንሱ ብዝቆጻጸረን ማዕከናት ዜና፡ ብመልክዕ ፊልም፡ ድራምን ሙዚቃን፡ ብኣምለኽቱ ዝኾኑ ገለ ስነ-ጥበበኛታት፡ ኣክቲቪስትን ብመደብ ንህዝቢ ትግራይ ብድኽነትን ንሳቶም ዘይጽሩይ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዘራርባ (ላህጃ)  ንምንእኣስ ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለውን። እዚ ሕሱር ኣረኣእያን ተግባርን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዘለዎ  ክሳብ ምጽናት ዝበጽሕ ዘይምኽንያታዊ ኣኽራሪ ስምዒት የረጋገጽ።

  ፋሽሽታዊ ጽልኢ ሰኒቕኩም ኣብ መሬት ትግራይ ዝኣተኹም እኩባት ሰብ ብረት፡- ኲናት ተገዲድካ ‘ምበር መሪጽካ ተኣትዎ መዘናግዒ ምርኢት ኣይኮነን። ኣብ ስልጡን ኣተሓሳስባ ጽልኢ ጭቡጥ መረዳእታ ኣለዎ። መበገሲ ዘይምኽንያታዊ  ጽልኢ ግን ፖለቲካዊ  ድንቁርና’ዩ። ብድንቁርና ትኣትዎ ኲናት ከኣ ተመሊሱ ገዛእ ርእስኻ’ዩ ዘጥፍእ። ኣብ ዘይምኽንያታዊ  ኲናት ጀግንነት ሓርበኝነትን ዝበሃል ታሪኽ የለን። እዚ  ክሕደት’ዩ፡ ኣጥፊእካ ምጥፋእ’ዩ።

 ስለዚ ከኣ፡

1.                             ዝረኸብካዮ ትግረዋይ ዓቢ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ ስቪል ዕጡቕ፡ ፖለቲካዊ እንዶ ዘለዎ ዘይብሉ፡ ቅተል ዝብል መምርሒ ተዋሂብኩም፡ ስለምንታይ ከይበልኩም እናተቐዳደምኹም እናተጀሃርኩም ጃምላዊ ህልቂት ፈጺምኩም፣

2.                             ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ብውልቀን ብዕስለን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምኩም። ንኽትዛረበሉ’ውን ዘሰቅቕ፡ ስርዓተ መፍረ ማለት ማህጻን ሰብ መታን ከየፍሪ ብሓጺጽንን ዕንጸይትን ምስናይ ሕዱር ስቅያቱ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ክኸውን ገይርኩም፣

3.                             ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ጽዮን ቤተ-ክርስትያን ኣኽሱም፡ ምስ ፖለቲካን ጸጥታን ምትእስሳር ዘይብሎም ዲያቆናት ካህናትን ምእመናን ረሽንኹም። ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ ንዓና ንኤርትራውያን’ውን ዝምልከቱን ዘገልግሉን ኣብ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ተዓቂቦም ዝነበሩ ታሪኻውያን መለኮታውያን ሓድግታት ዘሚትኩም። ቀዲዱኩም። ኣቃጺልኩም። ኣብ ብዙሕ ናይ ምስልምናን ክርስትናን ቤተ እምነታት ኣቲኹም ኣራኺስኩም።  ብከቢድ ብረት ሃሪምኩም ኣፍሪስኩም፣

4.                             እንስሳ ዘቤት ሓሪድኩም በሊዕኩም። ክንድዝከኣለኩም ዘሚትኩም ናብ ኤርትራ ኣስጊርኩም። ንዝተረፋ ብተመልከተለይ ብጥይት ክርፍረፋ ገይርኩም፣

5.                             ናውቲ ማሕረስ ማለት ኣርዑተ ነዊት ሰቢርኩም ኣንዲድኩም። ዝተዓጽደን ዘይተዓጽደን እኽሊ ኣቃጺልኩም። ኣብ ቆፎ ዝጸንሓኩም እኽሊ ተረፍ ዝወስድኩሞ ኣብ ሓመድ ሓዊስኩሞ።  ኣብ እቶን ኣቲኹም ጻሕሊ መጎጎ ዓታሩ ሰቢርኩም፡ ሓርጭ ናብ ንፋስ በቲንኩም፡ ብሒቕ ደፊእኩም፣

6.                              ካብ’ታ ዝተሓተት ማንካ ድስቲ ኩስኩስቲ ክሳብ’ቲ ዝኸበረ ኤሌክሮኒካዊ ንብረት፡ መኪና፡ ፋብሪካ፡ ወርቅን ካልእ ዓይነት መጋየጺታትን ወሲድኩም፣

7.                             መሳርሒ ህንጻት ካብ ድኳናትን መኻዚኖታትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተሰርሐ ገዛ፡ መዓጹ፡ መሳኹቲ፡ ዜንጎ፡ ሕጡብን እምነበረድን ዘሚትኩም ናብ ኤርትራ ኣስጊርኩም፣

8.                             ህርኩታት ሓረስቶት ንነዊሕ ዓመታት ዝደኸምሉ ተኽሊ ቀዋሚ ፍረታትን ባህሪያዊ ኣግራብን ቆጥቊጥኩም ኣብሪስክሞ፣

9.                             ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባናን ኣህጉርናን ሓቀኛ ሰላም ደሞክራሲ ልምዓት ሓባራዊ ዕቤት ክመጽእ ዝጽዕቱ ዝነበሩ ብሉጽ ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም በዓል ነብስሄር ስዩም መስፍን  ነብስሄር ኣባይ ጸሃየ ነብስሄር ኣስመላሽ ወ/ስላሴ (ኣባ ነብሶን) ካልኦትን ኣብ ምጥፋእት ስለ ዝተሓባበርኩም፡ በቲ ዘይመረጽክሞ ብዘይ ሰብኣዊ መሰልን ክፍሊትን ብባርነት ዘስራሓኩም ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ሓርበኛታት ተመጒስኩም። ተሓጒስኩም።

 ምስ ሕርሻኦምን መጓሰኦምን ደሪቦም ከባቢኦም ንምሕላው ዝተዓጥቁ ምላሻ ‘ምበር፡ ናይ ሃገር ሰራዊት ምዃንኩም ዘመልክት ስነ-ስርዓት፡ ክዳን፡ ዕጥቂ፡ ገጽ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓበይቲ መካይን ተወጢሕኩም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ እናዘርኩም “ወያነ ትፍክር ኣመሪካ ትመክር ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበልኩም ጨሪሕኩም። ነቲ ተግባርኩም ጥራሕ ዘይኮነ ባህሪኹምን ፖለቲካዊ ዓቕሙኹምን ኣዳቒቑ ዝፈልጥ፡ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ እውን’ዶ ከም’ዚ ዓይነት ሃገራዊ ሰራዊት ኣሎ’ዩ ኢሉ ዝኸዓበኩም ማሕበረ ሰብ ዓለም መሊስኩም ሓቀኛ መንነትኩም ኣረጋጊጽኩምሉ። ነዚ ካብ ማይ ባህሪ ብማንካ ዓይነት ካብ 1-9 ብጥቕሉል ተገሊጹ ዘሎ ዘስካሕክሕ ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት ስለ ዝፈጸምኩም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስትኻን ሓይልታት ምክልኻልካን ኩርዓት ይሰማዕካ ተሓበን ኢልኩሞ። ብኣካልን በተሓሳስባን ካብ ኤርትራ ርሒቖም ዝነብሩ ኣመለኽትን መዳመቕትን ድማ ብዓቃል ብሱልን ተባዕን መራሒናን ብውዕሎ ወትሩ ዕውታት ሓይልታት ምክልኻልናን ሕቡናት ኢና። ኤርትራን ኤርትራውነትን  ወትሩ ዕውታት “ዓወት ንሓፋሽ” ብምባል ነቲ ጸረ-ሰብኣውነት ዝኾነ ተግባርኩም ክትክጽልሉ የተባብዕኹም ኣለው።

 ብኣወንታዊ መልክዑ ድዩ ኣሉታዊ ነገራት ይቀያየር’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ጽንተት ኲናት መጠናዊ ለውጢ ገይሩ ርግእ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ይሓስብ’ዩ። ኣበይ ነይረ እንታይ ገይረ ኢሉ ምስ ነብሱ ይላዘብ’ዩ። ጌጋ እንተፈጺሙ ይጠዕስ’ዩ እሞ ንሳትኩም በቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ዘርኣዊ ፋሽሽታዊ ተግባርኩም እንታይ ይስመዓኩም? ጣዕሳ ሕፍረት ውርደት ገበን’ዶ ወይስ ጎይታኹም ጀጋኑ ስለ ዝበለኩም ሓበን? ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምጥፋእ ዝተመሓዘኽሞ ኣካል ብስምምዕ እምቢ እንተኢልኩም ግን ብሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክኣቱ’የ ወደብ ዓሰብ ክውንንየ ይብለኩም ኣሎ። እቲ በጃ ስልጣኑ ገይርኩም ዘሎ ውልቀ መላኺ ድማ ካብ ኲናት ናብ ኲናት የሰጋግረኩም ኣሎ። ስለዚ ግደ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘተኣማምን ደጀን ምንባሩ ሕጂ’ኸ ይስቆረኩም’ዶ? ብሓቂ ዕላማ ኣልቦ እኩባት ሰብ ብረት ምዃንኩም ተረዲእኩም’ዶ? እቲ ኩሉ ተሕልፍዎ ዘለኹም መከራ፡ ትፍጽምዎ ዘለኹም ገበን፡ ትፈጥርዎ ዘለኹም ጽልኢ ምንጩ ካበይ? ሳዕቤኑ ኸ እንታይ ኢልኩም ኣብ ሕድሕድኩም ትዘራረቡ’ዶ?  ህይወትኩም ምሉእ ኣብ ኲናት ክትነብሩ ከም ተባዕታይ ኣድጊ ኣልቦ ዓስብን ክብረትን ንሓደ ሰብ ከተገልግሉ ባርነት’ዶ ወይስ ጀግንነት ይስመዓኩም?

 ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ግን በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየድኩሞን ተካይድዎ ዘለኹምን ወፊሪ ዘርኢ ምጽናት  ይሓፍርን ኣምሪሩ ይኹንኖ ‘ምበር ኣይሕበነሉን። ፈጸምቲ ገበን ምስቲ ካብ ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተሓባቢሩ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ዝረኽብሉ ግዜ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ገለ ነዚ ፋሽሽታዊ ተግባርኩም ዝተኸታተሉ ናይ ታሪኽ ምሁራት ዝተዛረብዎ ክጠቅስ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ከም ዓሌታዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ፡ ዓሌታዊ ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪካ ነበር፡ ምስ ዘሰልጠንዎም ኣኽላባት ይመሳሰል” ይብሉ።  

 ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመን ዝቕጽል ዘሎ ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት ክቃወሙ ክኹንኑ እንከለው ስለምንታይ ሰብኣዊ መሰል ይጠሓስ ዘርኢ ምጽናት ይካየድ ካብ ዝብል ጥራሕ ዝብገስ ኣይኮነን።  ምስ ህዝቢ ትግራይ ጎረባብቲ ስለ ዝኾና፡ ብትውልዲ፡ ብሃይማኖት፡ ብባህሊ፡ ሓደ ስለ ዝኾና ካብ ዝብል ማሕበራዊ ዝምድና  ጥራሕ ዝብገስ’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ልኡላዊት ሃገር’ያ። ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ‘ምበር፡ ኣብ ህልውናና ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ ዳግማይ ወራር ኣይህሉን። ኣይነፍቅድን ዝብል መርገጽ ዝነበሮ ዘተኣማምን ደጀን ኤርትራ እንተተዳኺሙ፡ ካብ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ክመጽእ ዝኽእል ጸጥታውን ፖለቲካውን ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታውን’ዮም።  

  ነገራት ኣርሒቖም ንዝመዝኑ ለባማት ሰባት፡ ብህወሓት ኢህወደግ ብፖሊሲ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝነበረ ንጹር መርገጽ፡ ነቲ “ጎቦታት ሳሕል ደጀና” ዝበሃለሉ ዝነበረ  ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐ ዕርድታት ዘንዕቕ’ዩ።  ስለምንታይ’ሲ እዚ ኣብ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብታት ካብ ዘለዎ ቅኑዕ ኣረዳድኣ፡ ኣብ  ትርጉም ሕጋዊ ልኡላውነትን ኣህጉራዊ ስምምዓት ካብ ዘለዎ ኣፍልጦን  ዝብገስ፡ ብንቕሓት ኣብ እእምሮ ሰባት ዝተሃንጸ መትከላዊ ደጀንን ዕርድን’ዩ። ነቲ ካብ ጫፍ ደቡባዊ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ዝተዘርገሐ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሰብ ዝሰርሖ ዕርዲ ከይሃነጽካ፡ ሰራዊት ከየስፈርካ፡ ብዘይ ስግኣት ተኣማሚንካ ክትነብር ዝገብር ፖለቲካዊ ደጀን’ዩ። ብሸነኽ ኤርትራ ከምኡ ዓይነት ናይ ሰላም፡ ደሞክራስን ኣኽብሮት ንህዝብን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን እንተዝህሉ ነይሩ፡ ብምኽንያት ዶብ ካብ 1998 ክሳብ ሎሚ ንከንቱ ዝባኽን ዘሎ ዕድመ መንእሰያት፣  ዝጉድል ዘሎ ኣካልን ዝጠፍእ ዘሎ ህይወትን ተዓቂቡ ኣብ ሓባራዊ ልምዓትን ዕቤትን ምወዓለ ነይሩ። መፍትሕ ፖለቲካዊ ትንፋስ ህዝቢ ዝተቖጻጸረ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብምውሓስ መሬታዊ ልኡላውነት ተሓቢኡ ስልጣኑ ከቐጽል ስለ ዝመረጸ ግን ወራር ፈጺሙ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ባዕሉ “ኣይ ሰላም ኣይኲናት” ኢሉ ብዝሰየሞ  ኣስታት ን20 ዓመት ብዘይ ደሞዝ፡ ብዘይትምህርቲ ብጀሆ ክተሓዙ፡ ስድራ ቤታት ክበታተናን ማሕበራዊ ቅልውላው ክፍጠርን ገይሩ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ካብ 2020 ብዓይኒ ዕሙት ኣብ ግብራዊ ዘርኢ ምጽናት ተዋፊሩ ይርከብ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ብመልክዕ ስልጠና ክወሃብ ዝጸንሐ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ፡ ብተግባር ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ፋሽሽታዊ ዘርኢ ምጽናት ኣብ ነብስኹም ተገልቢጡ ክልብልበኩም ኣብ ቅድመኹም ተገቲሩ እነሆ። ውጽኢት ተኣኪብካ ዘተኣማምን ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ ፖለቲካዊ ድንቁርና ድማ እዚ’ዩ። ፈቲኹም ባሕርን ወደብን ኣረክቡኒ ኣይፋል እንተበልኩም ግን ዝገብሮ ኣለኒ።

                                                    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                   5 ታሕሳስ 2023