ኣፍሪቃ ነብሳ ትኽእል ኣህጉር ክትከውን ኣይትኽእልን እያ ፥ ኣፍሪቃውያን ኣብ ነብሶም ዘይኮነ ኣብ ኤውሮጳዉያን ኣሜርካውያንን ወይ ድማ ቻይናውያን እዩ እምነቶም ኣብ ገዛእ ርእሶም ፍጹም ምትእምማን የብሎምን
ኣፍሪቃውያን ክኢላታትን መሃንድሳትን ነቲ ኣብ ኮሌጃትን ዩኒቨርስትን ብ ክልሰሓሳብ ( theory ) ዝተማህርዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ዝኾነ ዝተዳለወሎም ባይታ የለን ፥ እቲ ስራሕ ብእኦም ክስራሕ እናኸኣለ ፥ ቻይናውያን ብምቑጻር ጽርግያታትን ህንጻታትን ይሰርሑ
ጸዓዱ ኣብ ኣፍሪቃ ገበናት ምስ ዝገብሩ ዝኾነ ዝሓቶም ሰብ የለን ፥ ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ከም ኣምላኽ ስለዘምልኽዎም ፥ እዚ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን ፥ ሓደ ኣፍሪቃዊ ኣብ ኤውሮጳ ክጭወ ፥ ክዕመጽ ወይ ውን ክቕተል ይኽእልዩ ፥ ዝኾነ ዝሓተሉ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን ግን የለን ፥
ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ምስ ኤውሮጳውያን ኣብ ዝራኸቡሉ ኣዝዮም ድኹማትን ተስፋ ዘይብሎምን ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ ፥ ናይ ገዛእ ነብሶን ጸላእቲ ንሶም ባዕሎም እዮም ፥
ኣብ ነንሕድሕዶም ዝኾነ ፍቕሪ ስለዘይብሎም ገዛእቲ ሓይልታት ጸጋታቶም ክምዝምዙ ኣዝዩ ቀሊል ይገብሮ
ኣነ ከም ዝመስለኒ ግን ኣፍሪቃ ጎይታ ዝባረኻ ኣህጉር እያ ፥ ኣምላኽ ጸግኡ ኣንቢርላ እዩ ፥ ነዚ ግን ኣፍሪቃውያን ኣይርድእዎን እዮም
ጸዓዱ ኩሉ ግዜ ኣፍሪቃ ናቶም ኣህጉር ዘይምዃና ወትሩ ምስ ቀንኡ እዮም ፥ ክሊማ ኣፍሪቃ ምስ ክሊማ ናይ ካልእ ኣህጉር ብፍጹም ክወዳደር ኣይክእል እዩ ፥ መሬት ኣፍሪቃ ንምሉእ ኤውሮጳ ኣሜሪካ ኤስያ ክቕልብ ይኽእል ፥
እንተኾነ ኣፍሪቃ ሓደ ጸገም ኣለዋ ፥ ንሱ ድማ መራሕታ እዮም ብናተይ ርእይቶ እቲ ዝበለጸ መራሒ ኣብ ኣፍሪቃ መዓመር ኣል ገዳፊ እዩ ኔሩ ፥ ብዘይክኡ ን ህዝቡን ሃገሩን ናብ ምዕባለን ብልጽግናን ክመርሕ ድልየት ዘለዎ መራሒ ኣይተራእየን ፥
መራሕቲ ኣፍሪቃ ን ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክትሓስቡ ክትክእሉ ኣለኩም ፥ ኣፍሪቃውያን ዝነቕሕሉ እዋን ዝኣኸለ ይመስል
እዚ ኣብ ልዕሊ ዶር. ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ፥ መቐጸልታ ናይቲ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝገብርዎ ምዝመዛን መግዛእትን ዶ ይኸውን ፥
መራሕቲ ኣፍሪቃ ንስለዚ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝቃለስ ዘሎ ሰብ ጸግዒ ብምዃን ሕሉፍ ታሪኾም ብ ምድምሳስ ጸግዒ ህዝቦም ክኾኑ ግዜ ይሓቶም ኣሎ ፡፡