ካብ ኣልጀርያ (ባሕሪ ሜዲትራኒያን) ናብ ኤርትራ (ቀይሕ ባሕሪ) ኣብ ንግስነታት ስዑዲያን ሕቡራት ዒማራት ዓረብን ( ወሽመጥ ፋርስ) ዝርከቡ ህዝብታት መንኦም ብዓውታ ብወግዒ፡ መንኦም ብሰላሕታ፡ ግን ከኣ ብዘተኣማምን ውሽጣዊ ሚስጥራዊ ውዳቤ፡ ሓርነት ኣብ ምድላይን ምጥባቕን ኣንጻር ጨቆንቶም ሓኾት ክብሉ ይረኣዩ ኣለው።

መለኽቲ ብወገኖም ናይ ፈረንሳን ኣመሪካን ስለያዊ መርበባት ዝኣከብሎምን ዘረከብዎምን ሓበሬታ ምርኩስ ጌሮም ምልካዊ ትካላቶም ኣብ ምጽናዕ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ኣብነታት ክቐርቡ ይእኽእሉ’ዮም። ጀኔራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ነቲ ኣብ እዋን ጽዲያ ዓረብ (ኣብ 2011) ተባዕ ህዝቢ ምስሪ ብደመ ረሃጹ ዘረጋገጾ ድሙቕ ዓወት ጨውዩ፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ተደጊፉ ተተባቢዑ ኣብ’ታ ሃገር ዲቕ ዝበለ፡ ነዊሕ ግዜ ክቕጽል ዝኽእል ውልቀ ምልኪ ንኽተክል መደባቱ ኣጻፊፉ ክነጥፍ ንሪኦ ኣለና።

ካልኦት ኣብነታት ሶርያ፡ ባሻር ኣል ኣሳድ ባዕሉ ጸዊዑ ኣብ ዘምጸኦ ዑና ሶርያ ስርዓተ ምልኩ የስፍሕን የትርር ኣሎን።

ሱዳን፡ ዖመር ሓሰን ኣልበሽር ሳላ ህዝቢ ሱዳን ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ቀጻልነት ዘለዎ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ መንበረ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅዋም ቅዋማዊ ኣካይዳን ህዝባዊ ምርጫታትን ያኢ መልኣከ ሞት ተረኺቡስ ብእምቢታ እነሆ ን28 ዓመታት ብኢደ ወነኑ ብግፍዒ ከም ቃሕታኡ ይገዝእ ኣሎ።

ኣልጀርያ፡ ዓብደል ዓዚዝ ቡታፍሊቃ ብሕማም ተደኒሱ ክንሱ፡ ሓንሳብ ሕራይ ሓንሳእ እምቢ እናበለ ህዝብን ሃገርን ኣንፈቶም ከጥፍኡ ገይርዎም ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብምቢታን ተቓውሞን ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣሎ።

ንመለኽቲ ዝምልከት ጠመተ ክግበር ዘለዎ ካልእ ዞባ ወሽመጥ ፋርስ’ዩ። ኣብ’ዚ ከባቢ ዝርከቡ ነገስታት ብቐንዱ ብስዑዲያ’ዮም ዝምርሑ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታቶም ዝፍጽምዎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ደረት ኣልቦ’ዩ። ፈጺሞም ዝኣረሙ ዘመሓይሹ ድማ ኣይመስሉን።

እዞም ኣብ ግፍዒ ኣብ ጭቆና ተሓንበለ ዝነብሩ ስርዓታት፡ ነገስታት ኢማራት ክእረሙ ከመሓይሹ እንተዘይከኣሉ ንዓታቶም’ዩ ዝገዶም። ኣብ ግብጺ ኣብ ሶርያ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ህዝብታት ኣይተዳህሉን። ኣይተታለሉን። ጠለባቶም ብዛዕባ ቅዋም ቅዋማዊ ኣካይዳ ተሓታትነት ደሞክራሲ ሓለዋን ክብረትን ተፈጥሮኣዊ ኮነ ማሕበራዊ መሰላት …ወዘተ ክሳብ ዝኾነ’ኸ እንታይ ዘድህል ዘስግእ ምኽንያት ኣለዎም።

ንግስነት ደሴት ባሕሬን ( ድሕሪ ጽዲያ ዓረብ 2011) ንግስነት ስዑዲያ ( ድሕሪ ቅትለት ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ጀማል ካሾኪ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዓመት 2018 እዞም ማይቤታት ኣብ ብመስትያት ዝተሰርሑ ኣደራሻት ፖላሶታት ይነብሩ ምህላዎም ኣጸቢቑ ዝረኣየና ዘሎ ምዕባሌታት’ዩ።

ካብ’ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዛጊት ካብ ስልጣን ዝተገለፉ ዓመጸኛታት ቡታፍሊቃን ዖመር ኣል በሽርን’ዮም። እዞም መለኽቲ ስርዓታት ካብ በሽር ኣል ኣሳድ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ናብ ስዑዲያ ንጉስ ቢን ሳልማን ኮነ ናይ ባህሬን ኣሚር ክዝክርዎ ዘለዎም ሓደ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ። እቲ ናይ ተቓውሞ ተኽሊ ነቒጹ ሓዊ ነኺሱስ ተቓውሞታት ኣበጊሱ ምህላው’ዩ።

ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት ሓደ ዓቢ ጸገም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናትና ዝብልዎ ሞዴል፡ ሰላም ደሞክራሲ ልምዓት…ወዘተ ከማዕብሉ ብዘይምኽኣሎም’ዩ። ምስ ሩስያ ፈደሬሽን’ዮም ከይትብሎም ኣይኮኑን። ምስ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ከይትብሎም ኣይኮኑን። እቶም ናብ ዋሽንግቶን ዝጎዛጎዙ ነገስታትን ኣሚራትን ስለ ዘለዋኦም ማለት ከይዕለው ካብ ስልጣን ከይግለፉ ጥራሕ’ዩ።

እዞም ስርዓታት ነግስታት ኣሚራት፡ ቃላያት ባሕሪ ሜዲትራኒያን ቀይ ባሕርን ኮነ ወሽመጥ ፋርስ ጨቆንቲ ጥራሕ ኣይኮኑን። ኣዝዮም ብልሽዋት እውን’ዮም። ሕግታት ወፍሪ ዝምልከት ንኣብነት ወይ ከም ቃሕታኦም ክትርጉምዎም ይፍትኑ እንተዘየለ ዕድላት ወፍሪ ክሕሸሽ ይገብሩ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ ዞባታት ስራሕ ኣልቦነት ብሕልፊ ኣብ መንእሰያት ኣዝዩ ልዑል’ዩ። እዞም ጨቆንቲ ትብዓት ስለ ዝጎድሎም ነዚ ዝምልከት ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከቕርቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ናይ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲኡ ብዘይካ ናይ ሶርያ ፕረሲደንት ነቶም ዝተረፉ ካልኦት መለኽቲ ስርዓታት ዘተባብዕ’ዩ። ማሕተታት ህዝባዊ ተቓውሞ ግን ይያሕይል ጥራሕ ‘ምበር ምስተ በገሰስ ዝመልሶ የልቦን።ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ሓደ ካብ’ዞም ዓበይቲ ከሰርቲ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ።

ትርጉም ዓ.ኢ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰልማን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-04-2019