ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝመሓደረሉን ዝነባበረሉን ንቡር ኣካይዳ ኣለዎ። ካብ ንቡር ከይወጽእ ዝሕተተሉ ዝቕየደሉ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ሕግታት ድማ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራውን ከም ኣካል ኣምሳል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ምምጻእ እንኮ-ሰባዊ ሃላሊ ስርዓት ብባህሊ ነውሪ፣ ብሃይማኖት ሓጥያት፣ ብሕጊ ገበን ኢሉ ዝገልጾም ንሰብኣዊ ክብሪታቱን ማሕበራዊ ምትእስሳሩን ጠሚሮም ዝሓዙ ቅቡላት ክብርታት ነይረሞ።

ድሕሪ 1991 ግን ኩሉ ንቡር ዝበሃል ኣካይዳን ሕጋውን ሞራላውን ተግሳጽን ደረጃ ብደረጃ ተባሕጒጉ። ዘይንቡር ኣብ ልዕሊ ንቡርን ቅቡልን ነጊሱ። ውልቀ ሰባዊ ሃንቀውታ ስልጣን ጽልእን ጥፍኣትን በተሓሳስባን ተግባርን ገዛኢ ኮይኑ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ነቲ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ፡ 30 ዓመት ከኣ ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደሉን ብዙሓት ብንጹህ ሕልና “ዓወት ንሓፋሽ” እናጨርሑ ክቡር ኣካልን ህይወትን ዝኸፈልሉ ናይ ጀግንነትን ሓርበኝነትን መድረኽ ዘዋርድ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ምሕደራን’ዩ።  ደምሳሲ ሓቂ ደምሳሲ ኣወንታዊ ክብርታት’ዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ልዕልነት ሒዙ ዝርከብ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኩለንተንኡ ንሓደ ኢ-ሞራላዊ ዝኾነ ሰብ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ጥራሕ ኣይኮነን ክኹነን ዘለዎ። እቲ ቅድሚ 1991 ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ንምምላስ ኣንጻር ጨፍለቕቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዘካየዶ ቃልስን  ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን  ብምርሳዕ፡ ዓለም ምስ ዘሎ ዝብል ማሕበራዊ ብሂል ዝተኸተለ ብዝመስል፡ ንኹሉ ሕማቕ ነገር ሕራይ በሃሊ ብተወፋይነት ፋጻሚ ምዃኑን’ዩ። ቅድሚ 1991 ግዳይ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ዝኾኑ ዓመጽቲ ሓይልታት ነይሩ። ሎሚ ተገልቢጡ ብዝኸፍአ መልክዑ ምሉእ ንምሉእ ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጸ ጨካን ኣጽናቲ ኮይኑ ምርካቡ’ዩ። እዚ ጨካን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን’ዚ ብፍላይ ነቲ ፖለቲካዊ ውልደቱ ኢሳያስ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ኢሳያስ፣ ፖለቲካዊ ሳንቡኡ ኢሳያስ፣ ፖለቲካዊ ስጉሙ ኢሳያስ ዝኾነን ሰብኣዊ ክብሩ ኣጥፊኡ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ባርነት ዝተቐበለን ወገን ዝምልከት’ዩ። እዚ ኣካል’ዚ ስኽፍ ከይበሎ ካብ ናይ ባህሪ ኣቦታቱ ዝበለጸ ጨካን፡ ሓሳዊ፡ ዘራፊ ኮይኑ ምርካቡ የደንጹ።

ሕሉፋት ጨካናት ስርዓታት ኢትዮጵያ ካብ መጀመሪያ 60ታት ክሳብ መጀመሪያ 90ታት ኣብ ምድሪ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝፈጸምዎ ገበናት፡ ነጻነት ኤርትራ ብሓይልን ብሕግን  ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብውሳኔ ህዝቢ ምስተኸንበተን እቲ ገበናዊ ተግባር ናይ ፈጸምቱ ኮይኑ፡ መምሃሪ ታሪኽ ክኸውን ዝግበኦ፡ ነጻነት መሪሐ ኣትየ ብዝብል ሓይሊ ሀ ኢሉ ብኤርትራውያን ጀሚሩ ኣብ ቀረባና ኣብ ዝርከቡ ጎረባብቲ ህዝብታት ሰጊሩ፡ ሃይለ ስላሴን ደርግን እንተጠፍኡ ወራሲ ዓራት ናይ ኣተሓሳስባኦምን ተግባሮምን ኣለኹ ምባሉ የሕፍር። የቖጥዕ ድማ።  ካብ ማህጸን ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም’ዚ ዝበለ መደናገሪ፡ ፋሽሽትነትን ተንበርካኽነትን ምርኣይ ስለምንታይ ብህይወት ጸናሕኩ የብለካ። ምኽንያቱ መሰሉ ብሓይሊ ተረጊጹ ብዝተናወሐ ቃልስን ክቡር መስዋእትን ዝሓለፈ ህዝቢ ናይ ይቕረ፡ ሓቀኛ ምሕዝነት፡ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣብነት ዝኾነ ህዝባዊ መንግስቲ ክውለድ’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ኣብ ኤርትራ ዝኾነን ገና ዝቕጽል ዘሎን ግን ኣንጻር ንቡርን ቅቡልን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን’ዩ። ካብ’ቶም ጨካናት ዝያዳ ከመይ ጨካን ትኸውን ደኣምበር፡ ካብ’ቶም ሕጋውያን ደሞክራስያውያን ከመይ ሕጋውን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ሀሁ ትመሃር ዝብል ኣይኮነን። ከመይ ንህዝቢ የደናገር፡ የባእስ፡ የድኪ፡ የምበርክኽ ደኣምበር፡ ሓቂ ተዛሪበ ሰላም ኣስፊነ ህዝቢ ኣእሚነ ዝተባእሱ ኣተዓሪቐ ከመይ ኣወንታዊ ታሪኽ ሰሪሐ ይሓልፍ ዝብል እንዶ የብሉን። ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ልዕልነት ክሕዝ ብፍላይ ምስ ዝተናወሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክምዘን እንከሎ ዘይንቡር’ዩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ከም ፖለቲካዊ ጉጅለ ካብ ዝተወልደሉ ጀሚሩ፡ ድሑር ኣተሓሳስባ ብምንብድባድ ከም ዝጥቀም’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ባእሲ ናይ ውልቀ ሰባት፣ ቀባይል፣ ብሄራት፣ ሃይማኖት’ዩ ህልውንኡ ዘውሕስ።  ኣብ ሓቀኛ ሰላምን ምሕዝነትን ዘንብር ፖለቲካዊ ሩሕ የብሉን። ሓሶት ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ’ዩ።  ቀዲምካ ሃሪምካ ቀዲምካ ምብካይ (ምኽሳስ) ሕሱር ኣተሓሳስባ ክንሱ፡ ከም ፍጹም ፖለቲካዊ ብቕዓት ዝምከሓሉ ናይ ወትሩ ተግባሩ’ዩ።  ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳዊ ቅብኣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክጠራጠርን ክጋጮን ምግባር ውሕስነት ቀጻልነት ኢደ-ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ገይሩ’ዩ ዝጥቀመሉ።  ብመቓልሕ ሓሶቱ ንሱ ወዲ ህዝቢ’፡ ደሞክራስያዊ፡ ተጣባቒ ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ’ዩ ዘደናገር። ኩሉ ዘይሰኣኖ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ሓይሊ’ዩ። ካልኦት ‘ምበር ንሱ ዝኾነ ኣበር የብሉን። እዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ክስማዕን ክረአን ዘይነበሮ ግን ከኣ ዝኾነ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ተርእዮ’ዩ።

እስከ ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎን ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምጽናት እኩይ ፖሊሲኡ ንምንጽጻር መታን ክሕግዘና ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ማለት ሃለይ ስላሴን ደርግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ብደረጃ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ዝዘርገሖ ንመልከት፡-

ኣርእስቲ መጽሓፍ “ግፍዒ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ” ኣሰናዳእቲ መጽሓፍ፡ 1. ሰለሙን በርሀ፣ 2. ሄኖክ ተስፋብሩኽ፣ 3. ተስፋ ኣለም የማነ፡ ሕታም ቁጽሪ 8 ሰነ 2017’ዩ። ኣብ መቕድም ናይ’ቲ መጽሓፍ ድማ ከም’ዚ ይብል፡- ከም ዝፍለጥ ታሪኽ ኤርትራ ዓሳን ባሕርን ብማዕረ ግዳይ ዝኾንሉ ታሪኽ’ዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ “ዓሳ ንምጽናት ማይ ምንጻፍ” ዝብል እኩይ ሓሳብ’ዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ በዚ ኣረሜናዊ ፖሊሲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቑ ሰላማውያን ዜጋታት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ማሕረድትን ከተዘንትዎ’ውን ዘስደምም’ዩ።  ገና ምስ ዓለም ዘይተላለዩ ናጽላታት ከይተረፈ “ጽባሕ ንግሆ ብረት ዓጢቖም ክዋግኡና’ዮም” እናተባህለ ብሳንጃ ወተሃደራት ተጎይሖም’ዮም። “ ምስ ወንበዴ ትተሓባበሩ ኣለኹም”  እናተባህሉ ብጃምላ ዝተረሸኑ፡ ምስ ኣባይቶም ክቃጸሉ ዝተገብሩ ኣረጋውያን ሰብኡትን ኣንስትን እልቢ የብሎምን። ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝተፈጸመ በብዓይነቱ ግፍዕታት ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ዝሓለፈ መሰክሕ’ዩ። ብሓዊ ተቓጺለን ከም ዘይነበራ ዝኾና ዓድታት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብማህረምትን ስቅያትን ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን ዝወረደን ደቂ-ኣንስትዮ ....ወዘተ እናበለ ይቕጽል። ኣብ’ዚ መጽሓፍ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ዝለዓለ ኣበርክቶ ገይሮም ኣለው ድማ ይብሉ ሓሳቦም ክድምድሙ እንከለው ኣሰናዳእቲ።

ቃል ኣሕተምቲ ድማ ከም’ዚ ይብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዓሌትነትን መግዛእትን ብጥሩፍ እምነትን ትምክሕትን ንምስፍሕፋሕን ወራርን ዓመጽን ዝተፈጸመ ግፍዒታት ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ሳሕቲ ዘጋጥም ኣይኮነን። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ’ዚ ስልጡን ዝበሃል መበል 21 ዘመን’ውን ይቕጽል ስለ ዘሎ፡ ግፍዒ ናይ’ታሪኽ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ህልዊ ጸገም’ውን ስለዝኾነ ዝያዳ ኣሻቓሊ ይገብሮ። ስለዚ ታሪኽ ግፍዒ ንኸይርሳዕ ክምርመርን ክምዝገብን ከይድገምን ክውገድን ድማ ብመጻኢ ወለዶታት ክዝከርን ትምህርቲ ክውሰደሉ ኣገዳስነቱ መሰረታዊ ይኸውን። “ኣብ ዓድታትን ከተማታትን ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታት ከም ተራ ቦታ ብዘይ ኣሰርን ዝኽርን ከይተርፍን ከይርሳዕን ከም መዘከርታ ጽሑፍ ወይ ምልክት ኣብ ዝከኣለሉ ከኣ ሓወልቲ ክግበረሉን ዓመታዊ ዝኽሪ ክውደበሉን ይግባእ። ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ኣሕተምቲ ሕድሪ ሰነ 2017 ይብል።

ልቢ በሉ ኣንበብቲ፡ ኣብ’ዚ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበርሉ መጽሓፍ፡ ኣሰናዳእቲ ኣብ መቕድም፡ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ኣሕተምቲ ሕድሪ ሰነ 2017 ድማ ኣብ ትሕቲ ቃል ኣሕታሚ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ግፍዒታት ዝምልከት ሰፊሩ ዘሎ ገለጻ፡ ነቲ  ስልጣን ሓደ ሰብ ንምቕጻል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደማዊ ጽልኢ ክነብር ንምግባር ዝዓለመ ዝተጠቕምሉ ቃላትን  መንፈሱን ኣጥቢቐ እኹንኖ። ነቲ ሓቀኛ ፍጻሜታት ሸነኹ ክስነድ ምግባሮም ግን ኣመጉሶም።

ናተይ ፍሉይ ርእይቶ ባህርን ተግባርን ናይ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ መጽሓፍ ኣዳልዩ ዝዘርገሐ ኣካል፡ ካብ ናይ ሕሉፋት ጨካናት ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ድዩ? ንሱ ባዕሉ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒታት፡ ከምኡ’ውን ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመን ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፈረን ዘድነነን ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ምስ’ቶም ትማሊ ገፋዕቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩ ዝበሎም፡ ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተዋድዩን ተመሓዝዩን ዝፈጸሞን ገና ዝቕጽለሉ ዘሎን ህዝቢ ከም ህዝቢ ነበረ ናይ ምግባር መደብ ኣነጻጺርካ ንምርኣይ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣምሪሩ ዝኹንን ኣብ መበል 21 ዘመን ከመይ ከምኡ ይግበር ኢሉ ዝግረም፡ እዚ ታሪኽ’ዚ ንከይርሳዕ ክምርመርን ክምዝገብን ሓወልቲ ክስረሓሉ ዓመታዊ በዓል ክውደበሉን ዝጽውዕ ኣብ ሰነ 2017 ዝተዘርገሐ መጽሓፍ፡ ድሕሪ 3 ዓመት ክእመን ዝከኣል ጥሕሰት ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ኣብዘይተፈጸመሉ፡ ኣልቦ ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣልቦ ኣፍልጦን ደገፍን ህዝቢ፣ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ኮይኑ፡ ኣብ መበል 12 ክ/ዘመን ዘይተፈጸመ ገበናዊ ተግባር ፈጸመ ዝብል’ዩ።  ነቲ ኣብ ሰነ 2017 ኣትሪሩ ዝኾንኖን ዝተገረመሉን ግፍዓዊ ተግባር ዘንዕቕ ማህጸን ኣዴታት ትግራይ መታን ከይፍሪ ምስ ናይ ሕዱር ስቓይ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ክኸውን፣ ብባህሪያዊ እርጋንን ሕማምን ነብሶም ከኣልዩ ዘይኽእሉ ወለዲ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ብውልቀ ብጃምላ ረሸነ፣ ታሪኻዊ ሓድግታት ኣብረሰ፡ እንስሳ ዘቤታትን ንብረትን ብምዝማትን ብምብራስን ኮታ ኣብ ምጽናት ተዋፋሩ ናይ ተዓዊተይ ጉራን ፈኸራን ኣስመዐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባህርን ተግባርን ናይ’ዚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብግቡእ ክርዳእን ንምውጋዱ ሓቢሩ ክቃለስን ንምምዝኽኻር’የ።

እዚ ብድሌትን ውሳኔን ሓደ ሰብ ዝምራሕ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ ብማዕከናት ዜናኡን መጋበርያታቱ ብዝኾኑ ስነ-ጥበበኛታትን ደረስትን ሕጋዊ ደገፍ ዘለዎ መንግስቲ ንምምሳል ዘሕልፍዎ መልእኽቲ፡ ፈሊጦም ባሮት ክኾኑ ንዝወሰኑ እተዘይኮይኑ ንካልእ ከደናገር ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ሰነ 2017 ብደረጃ መጽሓፍ ንዝኾነኖ ግፍዓዊ ተግባር ኣብ 2020 ብዝተዓጻጸፈ ኣየሐድሶን።  ህዝባዊ ደሞክራስያውን ባህሪ ዘይብሉ ፖለቲካ ብርግጽ ጨካን’ዩ።  መርሖ ኣልቦ’ዩ።  መርሖ ኣልቦ ፖለቲካ ከኣ፡ ውልቀ ሰባዊ ኣምልኾን ኢደ-ወነናውነትን’ዩ ዝወልድ። ገራሒ ዝሰኣነ ኢደ-ወነናውነት ድማ ፋሽሽትነትን’ዩ።  መርሆ ፋሽሽትነት ከኣ መን ከማኻ  ከማና በዓል እከለ ትማሊ ከም’ዚ ኢሎሙና ገይረሙና፡ ሎሚ ከም’ዚ ይኣልሙልና ኣለው ዘርኣዊ ጽልእን ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳን’ዩ።  ሸቶ ናይ’ዚ ኩሉ እከይ ተግባራት ዝተሃንጸ ምፍራስ፡ ሰብኣዊ ክብርታት ምርኻስ፡ ካብ ፋብሪካ ክሳብ ድስቲ ኩስኩስቲ ምዝማት፡ ዓቕሙ ክንዲ ዝፈቐደሉ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ምጽናት’ዩ። እዚ ትማሊ ዘይኮነ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመን ገና ዝቕጽል ዘሎ ገበናዊ ተግባር’ዩ። እዚ ኩሉ ፈጺሙ ድማ ኣይስከፍን። ኣይጠዓስን። ትማሊ እንታይ ይብል ነይሩ? ሎሚ እንታይ ይገብር  ኣለኹ ኣይብልን።  ብኣንጻሩ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ተጣባቒ ሕግን ሕጋውነትን መሲሉ ክቐርብ ይፍትን።  ብሓጺሩ ንቡር ዝበሃል ምሕደራን ኣነባብራን ኩሉ ደምሲሱ፡ ንዘይንቡር ከም ንቡር ተቐበሉ ክብል ይስማዕ። ብረት ንዘይዓጠቑ ቆልዓ ሰበይቲ ስለ ዝጨፍጨፈን ንብረትን ጥሪት ስለ ዝዘመተን ተዓዊተ ይብል።  እዚ ጉጅለ’ዚ ቀልጢፉ ክሳብ ዘይተወገደ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ንሎሚ ጾር ንጽባሕ ዕዳ እናዘርአ ክቕጽል’ዩ።

                                                                  ክብሮም ከሰተ

                                                  ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                          4 መስከረም 2023