ዓቢ ሃገራዊ ተጋዳላይን ካብ’ቶም ታሪኻውያን መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ኢብራሂም ሓዞት (ኣሕመድ ስክረተር)፣ ድሕሪ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ብሰንበት ዕለት 29/03/2020 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።

ተጋዳላይ ኣሕ2020 03 29 Ahmed Ibrahim Secreterመድ ኢብራሂም ኣብቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝምራሕ ዝነበረ ሃገራዊ ቃልስን መስርሕ ምዕባሌ ሰውራናን ካብ’ቶም ልሉይ ተራ ዝነበሮ ባእታ ምዃኑ ዝተፈለጠ ኢዩ። ቀጺሉ’ውን ኤርትራ ሓራ ድሕሪ ምውጻኣ፣ ህዝብና ሓርነቱ ተጓናጺፉን ሰብኣዊ ክብሩ ተሓሊዩን እፎይታን ቅሳነትን ፍትሕን ዘረጋግጸሉ ስርዓት ንምትካል ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፣ ተጋዳላይ ኣሕመድ ስክረተር ኣካሉ ኮይኑ ሃገራዊ ተርኡ ካብ ምጽዋት ዓዲ ኣይወዓለን።

ብሞት ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ኢብራሂም ሓዙት ዝተሰማዓንና መሪር ሓዘን ብምግልጽ፣ ንክቡራት ስድራ ቤቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ነረጋግጽ። ንክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ስክረተ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበሎ፣ ንቤተስብን ፈተውትን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃበና።

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ

30/03/2020